እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዛዕባ ንትራምፕን ናታንያሁን ዘባኣሰ ርክብ ተሌፎን እንታይ ንፈልጥ?
ዶናልድ ትራምፕ፡ ልዝብ ኢራን-ዋሽንግተን ናብ ቅልውላው ኣትዩ ዘሎ፡ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ዝተገብረ ዝርርብ ተሌፎን ከምዝዀነ ገሊጹ።
እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተስፋ ተገይሩሉ ዝነበረ ልዝብ ተፈረኻኺሱ፡ ዳጋማይ ምጥቕቓዕ ጀሚሮም ከም ዘለዉ ፀብፃባት ይሕብሩ።
ምስ ብዙሓት መራሕቲ ኣመሪካ ናብ ምትህልላኽ ብምእው ዝፍለጥ በንያሚን ናታንያሁ፡ 'ምስ መሓዝኡ ትራምፕኸ እንታይ እዩ ኣራኺቡዎ?' ናይ ብዙሓት ሕቶ እዩ።
ቀዳማይ ነገር፡ ትራምፕ፡ በቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ትወስዶ ዘለ ዘይተኣደበ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ሕጉስ ኣይኰነን።
እቲ ስጉምቲ ክሳብ ኣዝዩ ፍሉጥ ታሪኻዊ ትሕዝቶ ዘለዎ እምባ ሊባኖስ ---- ምቍፅፃር ዝበፅሐ ኰይኑ፡ ሓፈሻዊ ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተኣኪቦም ክሳብ ምዝታይ በፂሖም ኣለዉ።
ቴህራን ድማ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ብቐፃሊ እትፍንዎ ዘላ መጥቃዕቲ ምላሽ ሂባትሉ እያ፤ ምስ ኣመሪካ ክግበር ዝቐነየ ልዝብ ከተቋርጽ ምዃና ብምፍርራሕ።
እትራምፕ፡ ምስቲ ብታህዋኸ ምስ ኢራን ዝጀመሮን ንኣዋርሕ ዘካይዶ ዘሎን ብብዙሓት ዘይተፈተወሉ ኲናት፡ ንምውጻእ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ዕንቅፋት ኰይኑዎ ከም ዘሎ እዩ ዝኣምን።
ትራምፕ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝገበሮ ጻውዒት ተሌፎን፡ ንናታንያሁ ''ፍጹም ዕቡድ'' (effing crazy) ዝብል ፀያፍ ቃል ከም ዝተጠቐመ ጸብጻብ ኣክሲዮስ ይገልፅ።
ትራምፕ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝተፈነወ ቃለመሕትት ንፖድ ፎርስ ዋን ፖድካስት፡ "እወ ከምኡ ኢለ እየ፤ ሕርቃን ነይሩኒ። በቲ ምስ ሊባኖስ ዝገበሮ ቀጻሊ ግጭት ቍሩብ ተረቢሸ ነይረ፡ ትፈልጥ እንዲኻ?" ኢሉ።
ትራምፕ ወሲኹ፡ "ንቢቢ [ናታንያሁ] ኣዝየ እየ ዝፈትዎ ነይረ። ምስኡ ድማ ፅቡቕ እየ ዝሰርሕ፡" ኢሉ።
ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል፡ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝተሃላለኸ ዳሕረዋይ መራሒ ኰይኑ ኣሎ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ትዕግስቲ ዋይት ሃውስ ናይ ምፍታን - ከምኡ'ውን ካብ ዝኾነ ውድቀት ብፖለቲካዊ መዳይ ናይ ምድሓን ነዊሕ ልማድ ኣለዎ።
እዚ ዳሕረዋይ ዝተገልጸ ጎንጺ፡ ትራምፕ ንተዅሲ ደው ምባል ኣመሪካን ኢራንን ዘናውሕ፡ መደብ ንዩክለር ቴህራ ደው ምባልን ኣፍደገ ባሕሪ ንምኽፋትን ስምምዕ ንምግባር ኣብ ዝወሰነሉ ህሞት'ዩ።
ኣገዳሲ ዓለማዊ መስመር መራኽብ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ እዩ ዘሎ።
ናታንያሁ ምስ ኣመሪካዊ መሓዝኡ ወጥሪ ከም ዘሎ ዝሕብር ሓሳብ ምስ ተልዓለ ግን፡ ብሰሓቕ እዩ መሊሱ።
ንሱ፡ ትማሊ ረቡዕ ንሲኤንቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ "እዚ ከምቲ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ብሉጻት ስድራቤታት ዘሎ እዩ፡ እዚ ታክቲካዊ ዘይምርድዳእ እዩ፡" ኢሉ።
"ኵሉ ግዜ ጸገምና እንኣልየሉ መንገዲ ኣለና፤ ከም ዓበይቲ ኣዕሩኽ ድማ ኢና ንገብሮ።"
ክልቲኦም "ንግሆ ተዃርዮም"ን፡ ድሕሪ ቀትሪ ክሰማምዑ ከም ዝኽእሉ ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ ባእሲ ብተሌፎን መፂኡ ዘሎ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ብ28 ለካቲት ኣብ ኢራን ኣብ ልዕሊ ዒላማታት መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምራ፡ ድሕሪ ኣስታት 100 መዓልታት እዩ።
እቲ ሓባራዊ መጥቃዕትን ካብ ኢራን ዝተወሃበ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምትን፡ ንምርግጋእ ማእከላይ ምብራቕ ኢሉ ድማ ብሓፈሻ ንቝጠባ ዓለም ኣናጊዑዎ ይርከብ።
ሕዚ ግን፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ብዛዕባ ኣሰላልፋ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ኣፈላላያት ከምዘሎ ምልክታት ይረአ ከምዘሎ ተንተንቲ ይዛረቡ።
ሓደ ዲፕሎማት፡ ብሬት ብሩን፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ናታንያሁ ካብ ዋሽንግተን ዝሰምዖ ብዘየገድስ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ድምፂ ናይ ምስማዕ ነዊሕ ታሪኽ ኣለዎ" ኢሉ።
ብሰፊሑ፡ ናታንያሁን ትራምፕን፡ ኣብ ቀንዲ ዕላማ ኣመሪካ፡ ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከይተማዕብል ወይ ከይህልዋ ይሰማምዑ እዮም፤ እዚ ዝካሓድ ኣይኰነን።
ኣብ ሊባኖስ ግን፡ እቶም ረብሓታት ቍሩብ ይፈላለዩ ኣለዉ።
እስራኤል ዋላ'ውን ዝርርብ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ነቲ ብኢራን ዝድገፍ ምልሻ ሕዝቦላህ ዒላማ ክትገብር ምዃና ቃል ብምእታው ብተግባር ድማ ኣበርቲዓ ቀፂላትሉ ኣላ።
ኢራን ብወገና፡ ዝኾነ ይኹን ተዅሲ ደው ምባል ንዅነታት ሊባኖስ እውን ከጠቓልል ከምዘለዎ ኣትሪራ ሒዛ ኣላ።
እዚ ኵሉ ዝኸውን ዘሎ፡ እታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ንእስራኤል ዝሃበቶ ደገፍ፡ ነቐፌታ ህዝቢ እናወሰኸን እናዓበየን ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ኣብ ሚያዝያ ዝተዘርግሐ ሓደ ዳህሳስ 'ፒው ሪሰርች ፖል' ከም ዘመልክቶ፡ ሕጂ 60% ኣመሪካውያን ብዛዕባ እስራኤል ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኣለዎም።
ቅድሚ ምጅማር ኲናት ምስ ሓማስ ኣብ 2023 ክነፃፀር ከሎ፡ ኣብቲ እዋን 42% ጥራይ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ነይርዎም።
ሓያሎ ፍሉጣት ዓቃባውያን ሰባት'ውን ንትራምፕ ናብ ኲናት ኢራን ኣብ ምድፍፋእ፡ እስራኤላዊ ተራ ከም ዘለዎ ዝቖጽርዎ ብግልጺ ተዛሪቦም'ዮም፡ ርግፅ እዩ ዋይት ሃውስን ናታንያሁን ይነፅጉዎ።
ካብቶም ፍሉጣት ነቐፍቲ ናይቲ ኲናት ሓደ፡ ኣብ መጋቢት ቅድሚ ካብ ስልጣኑ ምውራዱ፡ ንሃገራዊ ማእከል ጸረ-ሽበራ ዝመርሕ ዝነበረ ጆ ኬንት፡ "ነዚ ኲናት ብሰንኪ ጸቕጢ እስራኤልን ሓያል ኣመሪካዊ ጐስጐስታን ኢና ጀሚርናዮ" ዝብል እምነት ነይሩዎ።
እቲ ንእስራኤል ዝድግፍ ጉጅለ ጐስጓስ፡ ኮሚተ ህዝባዊ ጉዳያት እስራኤል ኣመሪካ፡ ንርእይቶን ስልጣን ምልቃቕን፡ ኬንት ምላሽ ዝሃበሉ፡ "ዝኸሓነ ጸረ-ሴማውያን ቃላት" ይሸይጥ ኣሎ ዝብል መግለጺ ዳግማይ ብምልጣፍ እዩ።
ኣብዚ ፖለቲካዊ ሃዋህው፡ ገለ ተዓዘብቲ፡ ትራምፕ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝርከቡ ነቐፍቲ ንምህዳእ፡ ምስ ናታንያሁ ዘይምስምማዕ ዝፈጥር ድርኺት ከም ዘሎ ይኣምኑ።
ብሩን ወሲኹ፡ "ሕጂ ኣብ መንጎ እስራኤልን ኣመሪካን ዘሎ ዝተዓብዓበ ነገር ፀሓይ ክወቕዖ ፖለቲካዊ ኣድላይነት ዘሎ ይመስለኒ" ኢሉ።
"ኣብ ሊባኖስ ይኹን ኣብ ቃዛ፡ ንትራምፕ ይኹን ንሪፓብሊካን ከይተረፈ ዘይወሓጡሎም፡ ናታንያሁ ክገብሮም ዝመረጾም ነገራት ኣለዉ።"
ካልኦት ፕረዚደንታት ኣመሪካ'ውን፡ ምስታ የማነይቲ ኢድ ኣመሪካ ዝዀነት ሃገር ዝመርሕ ዘሎ፡ ናታንያሁ ተስፋ ቆሪጾም ነይሮም እዮም።
ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ብዛዕባ ኣተገባብራ ስምምዓት ሰላም ኦስሎ ምስ ቢል ክሊንተን ከምዝተጋጨወ ይዝከር።
ኣብ መጋቢት 2015 ኣብ ኮንግረስ - ኣብ ፖሊሲ ኢራን ዘተኮረ - ብዘይ ኣፍልጦ ዋይት ሃውስ ዝተገብረ መደረ፡ ምስ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ዝያዳ ከቢድ ዝምድና ነይርዎ።
ናታንያሁ ምስ ባይደን ዝነበሮ ርክብ እውን ርካሽ እዩ ነይሩ።
"ኣመሪካ ኣጽዋርን ተተኮስትን ከሊኣትና ኣላ" ኢሉ ድሕሪ ምኽሳሱ - ንሰበስልጣን ዋይት ሃውስ፡ እዚ ርእይቶታት እዚ "ዘሕርቕ"ን "ኣዝዩ ተስፋ ዘቑርጽን" ክብሉ ገሊጾም ነይሮም።
ኣብ ዋሽንግተን ዝመደበሩ ኢንስቲትዩት ማእከላይ ምብራቕ፡ ክኢላ ዝምድና ኣመሪካን እስራኤልን ናታን ሳክስ፡ "ምስ ፕረዚደንታት ኣመሪካ ኣዝዩ ሓርፋፍ ዝምድናታት እዩ ነይርዎ" ኢሉ።
ሳክስ ወሲኹ፡ "ተሪር ተዛታዪ ምዃኑ ዘይኮነስ፡ ኣዝዩ ከቢድ ተጠራጣሪ'ዩ" ኢሉ።
ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ ብናታንያሁ ብስጭቱ ገሊጹ ነይሩ።
ዝሓለፈ ዓመት ናይቲ ምስ ቴህራን ዝካየድ ዝነበረ ናይ 12 መዓልታት ኲናት ንኸብቅዕ ዝተገብረ ውዕል ተዅሲ ደው ምባል፡ ኣብ ሓደጋ ድሕሪ ምእታዉ፡ ኣብ ቅድሚ ሪፖርተራት ካሜራታትን ኣብ ልዕሊ ናታንያሁ ሓይለ-ቃል ተጠቂሙ ነይሩ።
ርክቦም ይዕንቀፍዶ ይኸውን?
ብሓፈሻ ግን ርክቦም ብዓቢዩ ኣወታዊ ገይርካ ዝግለፅ እዩ ነይሩ።
ናታንያሁ ንትራምፕ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ "ዝዓበየ ፈታዊ እስራኤል" ክብል ብተደጋጋሚ ገሊጽዎ እዩ።
ተንታኒ ፖለቲካ - ሳክስ፡ "ምስ ትራምፕ፡ ንሱ [ነታንያሁ] ቅርፂ ማእከላይ ምብራቕ ንምቕያር ሓቢሩ ዝሰርሕ ፍቓደኛ ሰብ ረኺቡ ነይሩ" ኢሉ።
"እዚ ናታንያሁ ኣዝዩ ብቐሊሉ ዘዛመዶ ነገር'ዩ። ሕግታት ናይቲ ጸወታን፡ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ብሓባር ብወተሃደራዊ መንገዲ ንምግጣም ዘለወን ድልውነትን ተበሊፅሉ ማለት እዩ።"
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘጋጠሞም ርኡይ ፍሕፍሕ፡ ነቲ ምዉቕ ዝምድና ኣብ ነዊሕ ግዜ ክቕይሮ ድዩ ኣይቅይሮን ግን ፅባሕ ዝረአ ይኸውን።