እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ቍስልኻ ሓቢእካ ስቕ ምባል ዝያዳ የቐንዙ' - ይርጋኣለም ፍስሃ ኣብ መድረኽ ናጽነት ኦስሎ
ብትካል ሰብኣዊ መሰላት ዝተዳለወ ዋዕላ 'ኦስሎ ፍሪደም ፎረም 2026' ካብ 1 ክሳዕ 3 ሰነ ኣብ ኖርወይ ይካየድ ኣሎ።
እዚ "ምፍራስ ውልቀ-ምልኪ" ብዝብል ንመበል 18 ግዜኡ ዝካየድ ዘሎ መደብ፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ጋዜጠኛታት፡ ስነጥበበኛታት፡ ክኢላታት ቴክኖሎጅን ሃንደስቲ ፖሊሲታትን ወዘተ ዝእከብሉ ዓለምለኻዊ መድረኽ እዩ።
ኣብቲ ቀዳማይ መዓልቲ ናይቲ መድረኽ ኤርትራዊት ጋዜጠኛ፡ ገጣሚትን ኣብ ወተሃደራዊ ቤት-ማእሰርቲ ማይስርዋ ተኣሲራ ዝነበረትን ይርጋኣለም ፍስሃ፡ 'ናይ ኤርትራ ውልቀ-ምልኪ ኣብ ልዕሊ ስድራቤታት ዝኣወጆ ጨካን ኲናት' ብዝብል ኣርእስቲ መደረኣ ኣስሚዓ።
ካብታ ሸውዓተ ውሉዳት ዘፍረየት ስድራኦም ኣብዚ ግዜ'ዚ ሓሙሽተ ኣብ ስደት ከም ዝርከቡ ዝሓበረት ይርጋኣለም፡ እቶም ሰለስተ ኣሕዋታ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ንምስጋር ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ብመንገዲ ኣሰጋገርቲ ደቂ-ሰብ ናብ ኤውሮጳ ከም ዝኣተዉ ገሊጻ።
ነቲ መንግስቲ ዝፍኑዎ ዝነበረ ፕሮፓጋንዳ ትኣምኖ ምንባራ፡ ድሒሩ ግን ገለ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ንኣካይዳ ናይቲ ፕረዚደንት ምስ በድሁዎ፡ ኣብ 2001 ዓይና ከም ዘንቍሐት ሓቢራ።
"ብድሕሪኡ ኵሎም ተኣሲሮም፣ ኵለን ጋዜጣታት ብሕቲ ተኣጊደን ጋዜጠኛታት ድማ ተሰዊሮም። 25 ዓመታት ኰይኑ ኣሎ፣ ብዛዕባ ሃለዋቶም ሓደ'ኳ ዝፈልጥ የሎን።"
እዚ ከም ተዓዋቲት ኖቤል ሰላም ቬንዙዋላዊት ማርያ ኮሪና፡ ፕረዚደንት ጆርጅያ ሰሎሜ ዙራቢሽቪሊ፡ ተዋሳኣይን ኣፍራዪ ፊልምን ሪቻርድ ጊር ዝኣመሰሉ መደረ ዘስምዕሉ መድረኽ፡ ብመእተዊ ቃል ዋና ኣካያድን መስራትን 'ትካል ሰብኣዊ መሰላት' ቶር ሃልቮርሰን እዩ ጀሚሩ።
"ሎሚ ንግሆ፡ ልክዕ ኣብዛ ህሞት'ዚኣ፡ ንስኻትኩም ኣብዚ ኮፍ ኢልኩም ከለኹም፡ ገለ ሰባት ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ክህልዉ ዘይግብኦም ኣብ ትሕቲ መቝሕ ኣለዉ፡" ክብል መግለጺኡ ፈሊሙ።
"ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ምልካውያን ስርዓታት እናኣስፋሕፍሑ መጺኦም፤ መለኽቲ ኣዝዮም ዝተራቐቑ ኰይኖም ኣለዉ፣ ብዝያዳ መርበቦም ዘርጊሖም፡ ናብተን ናጻ ዝዀና ከተማታት ብምብጻሕ፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ዕቝባ ዝሓተቱ ሰባት ሕነ ክፈድዩ፡ ክሕዙ ወይ ክጭውዩ ድልዋት ኣለዉ። ድምጺ ናይቶም ካብኦም ዝሃደሙ ድማ ክዓብሱ ይደልዩ" ኢሉ።
"ኣነ ኣካል'ቶም ሓደ ስልሲት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሃገሮም ክወጽኡ ዝኸኣልኩ እየ፡" ዝበለት ይርግኣለም፣ እንተዀነ፡ "ኣብ ሃገራት ምዕራብ በጺሕና'ውን ምሉእ ብምሉእ ናጻ ኣይኰናን። ኤምባሲታት ኤርትራ ይስልያና፡ ኣብ ዓዲ ንዝርከቡ ስድራቤትና የፈራርሑዎም፣ ከምኡ'ውን ሰባት 2% ካብ እቶቶም ክኸፍሉ ይግደዱ፡" ኢላ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ከም ዝገልጾ፡ እዚ ብኣዋጅ ቍጽሪ 17/1991 ዝተደንገገ ሕጊ 2%፡ ዜጋታት ንህንጸትን ዳግመ-ሕወየትን ናይታ ብዂናት ዝዓነወት ሃገሮም ብፍታው ዝገብሩዎ ሃገራዊ ኣበርክቶ እምበር፡ ብምፍርራሕ ወይ ብግዴታ ዝእከብ ከም ዘይኰነ ይማጐት።
ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር ብ16 ሰነ 2025 ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኵነታት ኤርትራ ከም ዘይተመሓየሸ ኣብሪሁ ነይሩ።
ኣብቲ ንቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ተቓውሞኦም ዝገልጹ ሰባት ምስዋር፡ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ይቕጽል ከም ዘሎ ጠቒሱ።
እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ መሰላት ካብ ዶባት እታ ሃገር ሰጊሩ ናብ ዳያስፖራ ከም ዝበጽሕ'ውን ሓቢሩ።
"እታ ሃገር እትፍጽሞ ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ክሳብ ክንዮው ዶባታ ዘሎ ዳያስፖራ ዝዝርጋሕ'ዩ፡" ኢሉ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኰነ ፍሉይ ልኡኽ ብዛዕባ ኤርትራ ንዘቕርቡዎ ጸብጻብ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ብወግዒ ይነጽጉዎ እዮም።
ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ጄኔቫ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እዞም ጸብጻባት እዚኣቶም ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎም፡ ልዑላውነት ኤርትራ ንምድካምን ንምጽላምን ዝዓለሙ'ምበር፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅነት ዘንጸባርቑ ኣይኰኑን፡" ክብል ይምጉት።
እዛ ገጣሚት፡ ኣብ 2008 እኩብ ግጥምታት ዝሓዘት መጽሓፍ ንምሕታም ፍቓድ ክትረክብ ናብ ክፍሊ ሳንሱር ከም ዘእተወት፡ መልሲ እናተጸበየት ግን ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ምስ ብዙሓት መሳርሕታ ብዘይዝዀነ መብርሂ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ከም ዝተወስደት ንተጋባእቲ ዛንታኣ ኣካፊላ።
"80 ደቀንስትዮ እሱራት ናብ ዝነበርኦ መርገጺ እግሪ ዘይትረኽበሉ ክፍሊ ተደርብየ፤ ኣብኡ ነብሰ-ጾራት፡ ቈልዑን ኣረጋውያንን፡ ከምኡ'ውን ትሽዓተ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ነይረን።"
ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ 2 ብ2 ሜትሮ ናብ ዝስፍሓታ ብኮንክሪት ዝተሰርሐት ኣብ ማይስርዋ እትርከብ ክፍሊ ከም ዝተሰጋገረትን፡ "በጻሒ፡ ቢሮ ወይ ወረቐት" ከም ዘይነበራን ገሊጻ።
"መርመርቲ ነቲ ግጥምታተይ ኣምጺኦም፡ ኣብ ክንዲ እቲ ዝጸሓፍኩዎ ስለምንታይ ብዛዕባ ጽቡቕ ሸነኽ ናይቲ ስርዓት ከም ዘይጸሓፍኩ ሓቲቶምኒ፤ ክሳዕ ዝደኽሙ'ውን ቀጥቂጦምኒ።"
ዘረባኣ ብምቕጻል፡ "ንጽባሒቱ፡ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ኣጣሚሮም ብገመድ ኣሲሮሙኒ። ኣፈይ ብሻርባ ዓቢሶም ድማ ብምሕረት ኣልቦ ወቒዖምኒ። ውነይ ኣጥፊአ፣ ሓሙሽተ ወርሒ ኣብ ሆስፒታል ኣሕሊፈ ድማ ናብቲ ቤት-ማእሰርቲ ተመሊሰ፡" ክትብል ተመኵሮኣ ኣካፊላ።
ቶር ሃልቮርሰን፡ ብምልኪ ኣብ እትምራሕ ሃገር፡ "ናጻ ቤትፍርዲ የሎን፣ ተናሓናሕቲ ውድባት ኣብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ከተዘውትሮም እትኽእል ነገራት ንምግባር ዝዀነ ናጽነት የብሎምን። ሓይለ-ስልጣን ጥራይ እዩ ዘሎ፡" ኢሉ።
ነዚ ክወሃቦ ዝግባእ "ግብረ-መልሲ እንታይ እዩ?" ኢሉ ይሓትት'ሞ፡ "ንምልኪ ምቅላዕ እዩ። ነዚ ክንገብር ድማ ኢና ኣብዚ ዘለና፡" ክብል ባዕሉ ንሕቶኡ መሊሱ።
ኣብ 27 ለካቲት ናይዚ ዓመት፡ "ቲይራኒ ትራከር" (Tyranny Tracker) ዝተባህለ 45 መለክዒታት ዘለዎ ናይ ምርምር ፕሮጀክት ከም ዝዘርግሑ፡ እዚ ድማ ሓንቲ ሃገር ናጻ ድያ፡ ንኽልተኡ ዝሓወሰት ድያ ወይ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምልኪ ዝወደቐት ዝውስን ምዃኑ ኣፍሊጡ።
በዚ መለክዒ መሰረት ድማ 3.5 ቢልዮን ህዝቢ ዓለም ኣብ ትሕቲ ጽላል ናጽነት ከም ዘይነብር ኣነጺሩ።
ንተጋባእቲ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ዘስምዐት ከንቲባ ኦስሎ ኣን ሊንድቦ፡ "ብርግጽ ኣብ ኣስጋኢ እዋን ኢና ንነብር ዘሎና፡" ድሕሪ ምባል፡ "ኣብ መላእ ዓለም ደሞክራሲ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ይርከብ፡" ኢላ።
"ግዝኣታዊ ዶባት ሃገራት ምኽባር፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንመሰል ህጻናትን ክብሪ ደቂ-ሰብን ዘሎ ኣኽብሮት ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኣብ ፈተና ይርከብ። እዚ ኣዝዩ ዘሻቕል ምዕባለ እዩ። ደሞክራሲ ብሓደ ለይቲ ኣይጠፍእን እዩ፣ ዝበዝሕ እዋን ደረጃ ብደረጃ እዩ ዝዓኑ፡" ክትብል ኣብሪሃ።
እንተዀነ፡ ኣብዚ ሓድሽ ወለዶ መንእሰያት ተስፋ ከም ዝርኣያ ብምግላጽ፡ ከም ኢራናውያን መንእሰያት ዝኣመሰሉ ናብ ጐደናታት ብምውጻእ ምእንቲ ናጽነትን ፍትሕን ንዝገበሩዎ ተጋድሎ ንኢዳ።
ፎረም ናጽነት ኦስሎ፡ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣንጻር ደሞክራሲ ንዝተደቀኑ ሓደጋታትን ንምብዳህ፡ "ዘሎና ሓባራዊ ሓላፍነት ዘዘኻኽር ሓያል መድረኽ፡" ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ሓቢርና ንምልካውያን ስርዓታት ከነፍርሶም ንኽእል ኢና፡" ኢላ።
ይርጋኣለም ኣብቲ ንልዕሊ ዓሰረተ ደቒቕ ዝኸደ መደራኣ፡ ኣብ ኤርትራ ሰለስተ ወለዶታት ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ኣብ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክጸንሑ ዝተገደዱ ክትረክብ ከም እትኽእል ድሕሪ ምጥቃሳ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብቲ ኵነታት ኣበርክቶ ኣለወን ክትብል ወቒሳ።
እቶም መንግስታት ንዘለዎም ረብሓታት ቀዳምነት ብምሃቦም፡ ነቲ ስርዓት ከምዝቕጽል ይገብርዎ ኣለዉ ብምባል'ያ ይርጋኣለም ትምጉት።
ኤርትራ ካብ 1991 ኣትሒዛ ብዘይ ቅዋምን ሃገራዊ ምርጫን ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ትምራሕ ዘላ ሃገር ኮይና፡ መሰጋገሪ ተባሂሉ ዝቖመ ሃገራዊ ባይቶ'ውን ካብ 2002 ጀሚሩ ምሉእ ብምሉእ ፈሪሱ'ዩ። ካቢነ ሚኒስተራት'ውን ካብ 2018 ኣትሒዙ ከምዘይትኣከበ ይፍለጥ።
ትካል ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ብ4 ግንቦት 2026 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኤርትራ ንጋዜጠኛታት ካብ ዝዀነ ግዜ ንላዕሊ ሓደገኛን ዕጹውትን ሃገር ኰይና ከም ዘላ ገሊጹ።
ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ 180 ሃገራት፡ ናጽነት ፕረስ ብምዕፋን ኣብቲ ዝተሓተ መወዳእታ ደረጃ (180/180) ተሰሪዓ ከም እትርከብ ድማ ወሲኹ ጸብጺቡ ምንባሩ ይዝከር።
እዚ 'ኦስሎ ፍሪደም ፎረም' ዝተሰምየ መድረኽ፡ ኣብ 2009፡ ብ200 ዝዀኑ ሰባት ዝጀመረ ኰይኑ፡ ነቶም ካብ ኮሙኒዝምን ናዚዝዝምን ዝደሓኑ ሰባት ታሪኾም ንምዕቃብ ዒላማ ገይሩ ዝነቐለ እዩ።
ድሒሩ ግን ቅልጡፍ ዓመት ምምጻእ፡ ድምጺ ተቓለስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘስምዕ፡ ደሞክራሲ ንምፍራስ ንዝግበር ስጕምትታት ዘቃልዕ ዓለማዊ መድረኽ ክኸውን ከም ዝበቕዐ ኣካየድቱ ይገልጹ።
ዛጊት ድማ ካብ ልዕሊ 100 ሃገራት ዝመጽኡ ልዕሊ 300 ድምጺታት ኣአንጊዱ ይርከብ። ቅድሚ ሕጂ ከም ሜሮን እስቲፋኖስ፡ ቬኔስያ ጸሃየ፡ ኣብ ሰሃራ ክልተ ግምቦ ኣእዳዉ ብግፍዒ ዝሰኣነ ፊልሞን ደብሩ ዝኣመሰሉ ኤርትራውያን ኣብዚ መድረኽ ተረኺቦም ዛንታኦም ኣካፊሎም እዮም።
ይርጋኣለም ድሕሪ'ቲ መደረኣ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበረቶ ሓጺር ቃለመሕትት፡ "ኣብ ክንዲ 'ኦስሎ ፍሪደም ፎረም' ዝኣክል መድረኽ፡ ዛንታኻ ከተካፍል፡ ነቲ ህዝብኻ ዘሕልፎ ዘሎ ሰቘቛ ክትነግር ዕድል ምርካብ ቀሊል መሲሉ ኣይርኣየንን፡" ክትብል ተዛሪባ።
"ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝወርደና ኣደራዕን ግህሰትን ንቓንዛና ክንዛረበሉ ዘየፍቅድ ኵነታት'ዩ ዘሎ። ብዛዕባ ወጽዓኻ ምዝራብ፡ ንበይኑ ጥራይ ምኽንያት ናይ ተወሳኺ ወጽዓ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
"ስለዚ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ ምቕራብ፡ ከም ዝተሰማዕካ ክስምዓካ ይገብር'ዩ። ኣነ ነቲ ብዘይ ምኽንያት ዝወረደኒ ማእሰርቲ ትርጕም ከናድየሉ'የ ዝፍትን ዘለኹ፡" ኢላ።
ኣብ 2018 ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምውጽኣ "ኣለኹ" እትብል መጽሓፍ ግጥሚ ከምኡ'ውን ዛንታታት ቤት ማእሰርትን እሱራትን ዝሓዘት "ዘይበረየ ጐድነይ" እትብል መጽሓፍ ኣሕቲማ እያ።
"ሓቂ'ዩ ካብ ጭንቂ ድሕሪ ምውጻእካ ብዛዕባ ጭንቂ ንዓመታት ከተዘንቱ… ዘቐንዙ'ዩ። ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ኤርትራ ምንም ሓበሬታ ንዘይጸንሖም ኮነ ነቲ ናትና ዝመስል ዛንታ ንዘየሕለፉ ዜጋታት ከተዘንቱ ከቢድ'ዩ። ኣብ ኣዝዮም ደቀቕቲ ዝርዝራት ክትኣቱ ስለ እትግደድ ከኣ ኣመና ኣቐንዛዊ'ዩ፡" ክትብል ተብርህ።
"እንተዀነ፡ ካብ ብዛዕባ ቃንዛኻን ቃንዛ ህዝብኻን ምዝራብ፡ ቍስልኻ ሓቢእካ ንዓማጺኻ ብዝሕግዝ መንገዲ ትም ምባል ወይ ዘይምዝራብ ዝያዳ ዘቐንዙ ይመስለኒ።"