እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዘይነጸረ ዘተ ኣመሪካን ኢራንን፡ ቫንስ ብዛዕባ እቲ ስምምዕ እንታይ ይብል?
ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስምምዕ ቅድሚ ምብጽሐን፡ ገና ኣብ ሓያሎ ዘሰሓሕቡ ነጥብታት ክሰርሓ ከም ዘለወን ምኽትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስ ገሊጹ።
ቫንስ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ስምምዕ ንምፍራም ቀሪቡ ድዩ ተባሂሉ ብቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ እቶም ክልተ ወገናት መዓስ ውዕል ከም ዘጽድቑ ሓበሬታ ንምሃብ ገና ግዜኡ ከም ዘይኣኸለ ሓቢሩ።
እቲ ውዕል፡ ነቲ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ን60 መዓልታት ከም ዘናውሖን ንመጻኢ መደባት ንዩክለር ኢራን ዝምልከት ዘተ ከም ዝኸፍትን ተገሊጹ ኣሎ።
ሰበስልጣን ኣመሪካ ብረቡዕ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሩዎ፡ ክልተአን ሃገራት ትራምፕን መሪሕነት ኢራንን ከጽድቑዎ ዝተረፎ ማዕቀፍ ስምምዕ ኣጽዲቐን እየን።
ይዅን እምበር፡ ሓውሲ ወግዓዊ ኣገልግሎት ዜና ታስኒም (ኢራን)፡ እቲ ስምምዕ ገና ከም ዘይጸደቐ ወይ ከም ዘይተረጋገጸ ጸብጺቡ።
ብሓሙስ ምሸት ቃሉ ዘስምዐ ቫንስ፡ ተዛተይቲ "ኣብ ሒደት ናይ ቋንቋ ነጥብታት ንዮው-ነጀው ይበሃሃሉ" ከም ዘለዉን እዚ ከኣ ሕቶ "ምህብታም ዩራንየም" ዘጠቓለለ ምዃኑን ገሊጹ።
"ገና ኣብ ስምምዕ ኣይበጻሕናን፣ እንተዀነ ኣዚና ቀሪብና ኣለና። ምርኻብ'ውን ክንቅጽል ኢና፡" ኢሉ።
ኣመሪካ፡ ኢራን ዝማዕበለ ዩራንየም ምፍራይ ከተቋርጽን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምስራሕ ክውዕል ዝኽእል ዘለዋ ከተረክቦን ንነዊሕ ግዜ ክትሓትት ጸኒሓ እያ።
ቫንስ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንጋዜጠኛታት ክዛረብ ከሎ ተስፋ ብዝመልኦ ቃና ኰይኑ፡ ኣመሪካ ኢራናውያን ብ"ቕንዕና" ይዘራረቡ ኣለዉ ኢላ ከም እትኣምን ገሊጹ።
ካብቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ ፈላማይ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ - ካብ 8 ምያዝያ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ካብ ዝውዕል ንነጀው - ትራምፕ ክልተኦም ወገናት ናብ ስምምዕ ይቐርቡ ከም ዘለዉን እቲ ዘተ ጽቡቕ ይስጕም ከም ዘሎን ብተደጋጋሚ ክሕብር ጸኒሑ እዩ።
ይዅን'ምበር፡ ዛጊት ዝዀነ ይዅን ጭቡጥ ውጽኢት የሎን።
እቲ ፕረዚደንት፡ ነቲ ኲናት ደው ንምባል ካብ መሓዙት ሃገራት ወሽመጥ፡ ነቲ ኲናት ካብ ዝቃወሙ ደሞክራሳውያንን ብዛዕባ ንውሓት እቲ ግጭት ሻቕሎቶም ካብ ዝገለጹ ገለ ሪፓብሊካውያን ኮንግረስን ተወሳኺ ጸቕጢ ይመጽኦ ኣሎ።
ብዛዕባ ክግበሩ ዝኽእሉ ስምምዓት ክወጽኡ ዝጸንሑ ተጋራጨውቲ ጸብጻባት፡ እቲ ዘተ ክሳብ ክንደይ ተለዋዋጢ ኰይኑ ከም ዘሎ ዘጕልሕ እዩ።
ክልተአን ሃገራት ነቲ ዝቐረበ እማመ ኣመልኪተን ሒደት ዝርዝራት ብምሃብ ዝጻረሩ ጥርዓናት ኣቕሪበን ኣለዋ። እዚ ድማ ክልተኦም ወገናት ሓድሕድ ምጥቕቓዕ ደው ንምባል ክሳዕ ክንደይ ቀሪቦም ኣለዉ ዳግማይ ሕቶ ዘለዓዕል እዩ።
ትራምፕን ካልኦት ሰበስልጣንን ከም ዘጠንቀቑዎ፡ "ካልኣይ ኣማራጺ" (option B) - ማለት ናብ ስርሒታት ውግእ ምምላስ - ገና ኣማራጺ ኰይኑ ይርከብ።
እቲ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ምስ ዝናዋሕ ግን፡ ልኡኻት ኣመሪካን ኢራንን ነቶም ዝተሓላለኹን ተክኒካውያንን ሕቶታት ክመያየጥሎም ዕድል ክህብ እዩ፣ ብፍላይ ብዛዕባ ንዩክለሳዊ መደብ ኢራንን እቲ ዝተረፈ ልዑል ዝማዕበለ ዩራንየም ክትእክቦን።
ትራምፕ፡ ኣመሪካ ክትወስዶ ከም እትኽእል፡ ወይ ምስ ኢራን ብሓባር ኰይና ኣብቲ ቦታኡ ወይ ኣብ ሳልሳይ ቦታ ከም እትጅልሖን ሓቢሩ ነይሩ።
እቶም ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ፡ እቲ ተባሂሉ ዘሎ ስምምዕ ብመጻብቦ ሆርሙዝ "ዓጋቲ ዘይብሉ" ምጓዓዝ ወይ ምሕላፍ ክፈቅድ ይኽእል እዩ። ኢራን ዘጻወደቶ ፈንጅታት ንምልዓል ድማ 30 መዓልታት ክወሃባ እዩ።
ኣመሪካ'ውን ተካይዶ ዘላ ዕጽዋ ክትከፍቶን ኢራን ነዳዲ ምሻጥ ምእንቲ ክትቅጽል እገዳ ከተልዕሎን ፍቓድ ክትህባ እያ።
ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ ግዝያዊ ስምምዕ ሓሙስ መጀመርታ ዝጸብጸበ ማዕከን ዜና ኣክሲዮስ፡ ትራምፕ ብዛዕባ'ቲ እማመ መግለጺ ከም ዝተዋህቦ፡ ግናኸ ብኡንብኡ ከም ዘይፈረመሉን ክሓስበሉ ሒደት መዓልታት ክወስደሉ ምዃኑን ገሊጻ።
መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ብዛዕባ ዝተገብረ ብዓል 14 ነጥብታት ዘይወግዓዊ ረቂቕ ናይ ምርድዳእ ሰነድ ጸብጺቦም ነይሮም።
እቲ ጸብጻብ፡ ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ወደባት ኢራን ዝገበረቶ ዕጽዋ ምልዓል፡ ሓይልታት ኣመሪካ ካብ "ከባቢ ኢራን" ምስሓብ፡ ከምኡ'ውን ኢራንን ዖማንን ንምሕደራን መስመር መራኽብን ብምቍጽጻር ወተሃደራዊ ዘይኰነ መጓዓዝያ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ምምላስ ዝብሉ ነጥብታት ዘጠቓለለ ነይሩ።
ዋይት ሃውስ ነቲ ተባሂሉ ዘሎ ረቂቕ ናይ ምርድዳእ ሰነድ "ምሉእ ብምሉእ ናይ ሓሶት ፈጠራ" ክብል ገሊጹዎ።
ሓደ ሕምሲት ባህርያዊ ጋዝን ነዳድን ዓለም ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓልፍ ኰይኑ፡ ምዕጻው እቲ መስመር ኣብ ዓለማዊ ንግዲ ነዳዲ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ።
ኣቐድም ኣቢሉ ምኒስተር ገንዘብ ስኮት በሰንት፡ ክልተኦም ወገናት ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ንምርግጋጽ ፍቓደኛ ክኸውን ኣይከኣለን።
"ቀቅድሚ ፕረዚደንት ምጕያይ ኵሉ ግዜ ጌጋ እዩ፡" ድሕሪ ምባል፡ "ኵሉ ውሳነ ናይቲ ፕረዚደንት ክኸውን እዩ፡" ኢሉ።
ምስ ኢራን ዝግበር ስምምዕ "ዳግመ-ህንጸት" ዘጠቓለለ እንተ ኰይኑ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "ናብቲ ካልእ ወገን ቅድሚ ምብጻሕና ፈለማ ናብ ስምምዕ ክንበጽሕ ኣለና፡" ክብል መሊሱ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኢራንን ኣመሪካን ነቲ ተነቃፊ ዝዀነ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት ብምጥሓስ ሓድሕደን ተኸሳሲሰን ኣለዋ።
እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብቲ ዞባ ንዝርከብ መዓስከር ኣመሪካ ከም ዝደብደበ ብሓሙስ ገሊጹ። እዚ ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ኢራን ድሕሪ ዝፈጸመቶ ሓድሽ መጥቃዕቲ ዝሰዓበ እዩ።
መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኢራን ብሓሙስ ከም ዝጸብጸቡዎ፡ ሓይልታት እታ ሃገር ነፋሪት ኣመሪካ (ምናልባት ድሮን) ከም ዘውደቑ ሓቢሮም።
ይዅን እምበር፡ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ነቲ ጸብጻብ ውዱቕ ብምግባር፡ "ዝዀነት ነፋሪት ኣመሪካ ኣይወደቐትን፡" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጹ።