እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም እቲ ካብ መሲን ሮናልዶን ዝዓበየ ኣፍሪቃዊ ኣመዝጋቢ ሸቶ መን'ዩ?
ክሪስትያኖ ሮናልድ ኣብ ሽዱሽተ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ተሳቲፉ ኣብ ሽዱሽቲኡ ሸቶ ብምምዝጋብ ክብረ ወሰን ክሕዝ ክኢሉ'ዩ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ መበል 39 ዓመቱ ዝረገጸ ልዮነል ሜሲ'ውን ኣብ ሽዱሽተ ተኸታተልቲ ዋንጫ ዓለም ተሳቲፉ 18 ሸቶታት ብምምዝጋብ ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ እዚ ውድድር ኰይኑ ነቲ ክብረ ወሰን ሒዝዎ ኣሎ።
ብዕድመ ልዕኢሎም ኰይኑ ኣብ ዋንጫ ዓለም ሸቶ ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊ ግን ኣሎ።
ክሪስትያኖ ሮናልዶ ሃገሩ ኣብ ካልኣይ ናይ ምድብ ጸወታኣ ኣብ ልዕሊ ኡዝቤኪስታን ክልተ ሸቶታት ምስ ኣመዝገበ ብዕድመ እቲ ካልኣይ ዝዓበየ ኣብ ዋንጫ ዓለም ሸቶ ዘመዝገበ ዝብል ክብሪ ክሕዝ ክኢሉ'ዩ።
ክሪስትያኖ ሮናልዶ ነተን ክልተ ኣብ ልዕሊ ኡዝቤኪስታን ዘመዝገበን ሸቶታት ከመዝግበን እንከሎ ዕድሜኡ 41 ዓመትን 138 መዓልታት'ዩ ነይሩ።
እቲ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ብዕድመ ዝዓበየ ኣመዝጋቢ ሸቶ ግን ካሜሮናዊ ሮጀር ሚላ'ዩ።
ሮጀር ሚላ ኣብቲ ስጳኛ ዘአንገደቶ ዋንጫ ዓለም 1982'ዩ ንመጀመርታ ግዜ ንሃገሩ ወኪሉ ኣብ ዋንጫ ዓለም ተጻዊቱ።
ወዲ 38 ዓመት ኣብ ዝመልኣሉ ከኣ ኣብቲ ጣልያን ዘአንገደቶ ዋንጫ ዓለም 1990 ንሃገሩ ወኪሉ ብምስታፍ ኣርባዕተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ንሃገሩ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ቀዳመይቲ ናብ ርብዒ ፍጻመ ዝሓለፈት ንኽትከውን ዓቢ እጃም ኣበርኪቱ።
ሸቶ ድሕሪ ምምዝጋቡ ናብ ኵርናዕ ዝህረመሉ ኣብ ዝተተኸለት ባንዴራ ከይዱ ዝገብሮ ፍሉይ ሳዕስዒት ከኣ ፍሉይ መለለዪ ሮጀር ሚላ'ዩ።
ሮጀር ሚላ ኣብዚ ኣየብቅዐን ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብቲ ኣብ ኣመሪካ ዝተኣንገደ ዋንጫ ዓለም 1994'ውን ምስ ሃገራዊት ጋንታኡ ብምዃን ናብ ኣመሪካ ኣምሪሑ።
ሃገሩ ካሜሮን ኣንጻር ሩስያ ኣብ ዝገጠመትሉን ሽዱሽተ ንሓደ ኣብ ዝተሰዓረትሉን ነታ እንኮ መምለሲት እግሪ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሮን ሸቶ ዘመዝገበ ሮጀር ሚላን'ዩ ነይሩ፤ ከምታ ልማዱ ናብታ ኣብ ኵርናዕ እትርከብ ባንዴራ ብምኻድ ከኣ ፍሉይ ሳዕስዒት ኣካይዱ።
ሮጀር ሚላ ነዛ ሸቶ ከመዝግባ እንከሎ ወዲ 42 ዓመትን 39 መዓልታትን'ዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ሃገሩ ካብ ናይ ምድብ ጸወታ'ኳ እንተ ዘይሓለፈት፡ ሮጀር ሚላ ክብረ ወሰን ብምሓዙ ግን ደበስ ኮይንዋ'ዩ።
ንሮጀር ሚላ ተኸቲሉ እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ኣብ ዋንጫ ዓለም ሸቶ ዘመዝገበ ክሪስትያኖ ሮናልዶ'ዩ።
ክሪስትያኖ ሮናልዶ ሸቶ ምስ ኣመዝገበ ነቲ ኣብዚ ዝርዝር ሳልሳይ ኮይኑ ዝነበረ ልዮነል መሲ ካብ ሳልሳይ ናብ ራብዓይ'ዩ ኣውሪድዎ።
መሲ ኣብ ልዕሊ ኦስትርያ ሸቶ ከመዝግብ እንከሎ ወዲ 38 ዓመትን 363 መዓልታትን'ዩ ነይሩ።
መሲ ምባልባት ካብቶም ደቂ ኣርብዓ ኮይኖም ዘለዉ ኣጥቃዓይ ቦስንያ ሀርዞጎቪና ኢደን ዜኮን ኣከፋፋሊ ሃገራዊት ጋንታ ክሮኦሽያን ሌካ ሞድሪችን ሸቶ እንድሕር ኣመዝጊቦም ካብዚ ዘለዎ ናይ ራብዓይ ደረጃ'ውን ኣዐርዩ ክወርድ ይኽእል'ዩ።
ብተወሳኺ ተኸላኻላይ ሃገራዊት ጋንታ ጃፓን ዩቶ ናጋማቶ'ውን ካብ ልዮነል መሲ ብትሽዓት ኣዋርሕ ስለዝዓቢ፡ ክሳብ ሕጂ ደኣ ኣይተሰለፈን ዘሎ'ምበር ናይ ምስላፍ ዕድል ረኺቡ ሸቶ እንተ ኣቝጺሩ መሲ ንታሕቲ ከንቈልቍል'ዩ።
ምባልባት'ውን ሓለውቲ ልዳት ኮይኖም ብገለ ሸቶ ከመዝግብሉ ዝኽእሉ ዕድል እንተ ተፈጢሩ፡ ሓላዊ ልዳት ጀርመናዊት ጋንታ ማንኤል ኒወር፡ ሓላዊ ልዳት ኬፕ ቨርደ ቮዚንሃ፡ ሓላዊ ልደት ኡራጋይ ፈርናንዶ ሜሰለራ'ውን ብዕድመ ልዕሊ መሲ'ዮም።
እንተዀነ፡ ኣብቲ ኣብ 1930 ዝጀመረ ዋንጫ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ 22 መሰናድኦታት ዋንጫ ዓለም ዝዀነ ሓላዊ ልዳት ሸቶ ኣመዝጊቡ ኣይፈልጥን'ዩ።
ወዲ 37 ዓመት 58 መዓልታትን ኣብ ዝመልኣሉ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ዮርዳኖስ ሸቶ ዘቝጸረ ኦስትርያዊ ማርኮ ኣርናቶቪክ በዛ ሸቶኡ ተሓጊዙ ኣብ ዝዓበዩ ኣመዝገብቲ ሸቶ ኣብ ሻሙናይ ክቕመጥ ክኢሉ ኣሎ።
ኣብ 1994 ዝተመዝገበ ክብረ ወሰን ሮጀር ሚላ ብሕጂ'ውን ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሕ'ዩ ዝመስል።
ምናልባት እቶም ንነዊሕ ዓመታት መተሃላልኽትን ንኽብረወሰናት ኩዕሶ ዓለም ዝቀባበልሉን ዘለዉ መሲን ክሪስትያኖ ሮናልዶን ኣብቲ ኣብ ሃገሮም ዝእንገድ ዋንጫ ዓለም 2030 ምስ ብቕዓቶም ጸኒሖም ክንጻወት ኢና እንተ ኢሎምን ሸቶ እንተ ኣመዝጊቦምን ግን ክብረ ወሰን ሮጀር ሚላ ክምንጠል'ዩ።
ዋንጫ ዓለም 2030 ኣብ ሰለስተ ኣህጉራት ዝርከባ ሸዱሽተ ሃገራት'የን ከአንግደኦ።
እተን ቀንዲ ኣአንግድቲ ሞሮኮ፡ ፖርቱጓልን ስጳኛን ክዀና እንከለዋ፡ ንዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምጅማር ዋንጫ ዓለም ምኽንያት ብምግባር ከኣ እታ ቀዳመይቲ ኣአንጋዲት ዋንጫ ዓለም ዝዀነት ኡራጋይ፡ ኣርጀንቲናን ፓራጋይን ከኣ ንገለ ካብቲ ጸወታታት ከአንግደኦ'የን።
10 ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ዝዓበዩ ሽቶ ኣመዝገብቲ
1. ሮጀር ሚላ - ካሜሮን ኣንጻር ሩስያ [28 ሰነ 1994] ወዲ 42 ዓመትን 39 መዓልትን
2. ክሪስትያኖ ሮናልዶ - ፖርቱጋል ኣንጻር ኡዝበኪስታን [23 ሰነ 2026] ወዲ 41 ዓመትን 138 መዓልትን
3. ፔፕ - ፖርቱጋል ኣንጻር ስዊዘርላንድ [6 ታሕሳስ 2022] ወዲ 39 ዓመትን 283 መዓልትን
4. ልዮነል ሜሲ - ኣርጀንቲና ኣንጻር ኦስትርያ [22 ሰነ 2026] ወዲ 38 ዓመትን 363 መዓልትን
5. ጉናር ግረን - ሰዊድን ኣንጻር ጀርመን [24 ሰነ 1958] ወዲ 37 ዓመትን 236 መዓልትን
6. ኩህታሞክ ብላንኮ - ሜክሲኮ ኣንጻር ፈረንሳ [17 ሰነ 2010] ወዲ 37 ዓመትን 151 መዓልትን
7. ፈሊፐ ባሎይ - ፓናማ ኣንጻር እንግሊዝ [24 ሰነ 2018] ወዲ 37 ዓመትን 120 መዓልትን
8. ማርኮ ኣርናቶቪክ - ኦስትርያ ኣንጻር ዮርዳኖስ [17 ሰነ 2026] ወዲ 27 ዓመትን 58 መዓልትን
9. ኦብደልዮ ቫረላ - ኡራጋይ ኣንጻር እንግሊዝ [26 ሰነ 1954] ወዲ 36 ዓመትን 279 መዓልትን
10. ማሪቲን ፓሌርሞ - ኣርጀንቲና ኣንጻር ግሪኽ [22 ሰነ 2010] ወዲ 36 ዓመትን 227 መዓልትን