ኤርትራ፡ ምኒስተር ዜና ብዛዕባ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘቕረቦ 6 ነጥብታት

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ምጥያስ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሰንኪ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሐን ዝቕጽል ዘሎን ግጭትን ወጥርን ክፍጸም ከምዘይተኻእለ ምኒስተር ዜና እታ ሃገር ገሊጹ።

የማነ ገብረመስቀል ብ23 ሰነ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ እቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝቕጽሎ ዘሎ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ኣገልግሎት ከብቅዕ ዝግበር ምሕጽንታታት ነታ ሃገር "ንምስርጣይ" ዝተማህዘ "ሃሳዪ ፖሊሲታት" ዘንቀሎ ምዃኑ ወቒሱ።

እቲ ጉዳይ "ዳግም ኣቓልቦ ገለ ወገናት" ከምዝረኸበ ዝጠቐሰ እቲ ምኒስተር፡ እቶም ኣብቲ "ዘየቋርጽ መከራ" ኤርትራ ደገፎም ዘይሃቡ "መሻርኽቲ" ብዛዕባ ቅርጺ ምክልኻል ኤርትራ 'ምኽሪ' ክህቡ" ዝሓተቶም የለን ኢሉ።

እቶም ምላሽ ዝሃቦም "ወገናት" መን ምዃኖም ግን ብንጹር ኣይጠቐሰን።

እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር፡ ኣብ ዘቕረቦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ንውልቀ-ሰባት ኣብ ከቢድ ጸገም ኣውዲቑ ዘሎ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምምሕያሽ ዝወሰደቶ "ዝዀነ ዓይነት ስጕምቲ የሎን፡" ክብል ገሊጹ ነይሩ።

ካብ ሓምለ 2025 ጀሚሩ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ (ንኣብነት ኣብ ከባቢ ሰገነይቲ) ብርቱዕ "ግፋ" ከም ዝተኻየደ'ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

እዚ ግዱድ ዕስክርና'ዚ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ሓያል "ቍጠባውን ማሕበራውን ጸቕጢታት ይፈጥር ኣሎ፡" ክብል ነቲ ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ዝተጋብአ ኣኼባ ቤትምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እቲ ምኒስተር ኣብ ዝሃቦ ዝርዝራዊ መግለጺ ግን፡ ቀዳማይ፡ ኤርትራ ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነታ ዓቢ ሰራዊት ናይ ምሓዝ መደብ ከምዘይነበራ የመልክት። ኣብ 1992 ኣብ ዝተኻየ መደብ ምጥያስ ተጋደልቲ ነቲ ኣስታት 100,000 ዝበጽሕ ዝነበረ ዓቕሚ ሰብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብ65% ክጐድል ከምዝተወሰነ ድማ ይጠቅስ።

"ኣብቲ እዋን ዝነበረ ወተሃደራዊ ሰረተ-እምነት 35,000 ዝበጽሕ ንእሽቶ ምዱብ ሞያዊ ሰራዊት ምሓዝ ዝብል'ዩ ነይሩ"።

"ከም መመላእታ ድማ፡ ሓደገኛ ናይ ወጻኢ ስግኣት ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን ዘገልግል ዕቚር ሰራዊት (ሃገራዊ ኣገልግሎት)" ተወሲኑ ይብል እቲ ላዕለዋይ በዓልስልጣን።

ካልኣይ፡ ብመሰረት ኣብ 1994 ዝወጸ ኣዋጅ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስልጠና ዘጠቓለለ ሃገራዊ ኣገልግሎት ን18 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ። እንተኾነ ይብል ንሱ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ 1998 ዝተወልዐ "ናይ ወራር ኲናት" ክብል ዝገለጾ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ግጭት ገደብ-ኣልቦ ክኸውን ከምዝተገደደ ይምጉት።

ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ዝቖመ ኮሚሽን ካሕሳ ኣብ 2005 ዝሃቦ "ናይ መወዳእታን ቀያዲን" ብይን ኤርትራ ነቲ ኲናት ከም ዝጀመረቶ ወሲኑ ምንባሩ ይዝከር። ኣብቲ እዋን እቲ ውሳነ ቅኑዕ ከምዘይኮነ ዝገለጸት ኣስመራ፡ ነቲ ብይን ከምእተኽብሮ ብምፍላጥ ግን፡ ኣዲስ ኣበባ ብወገና ነቲ ኣብ 2002 ብኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ቀያዲን ናይ መወዳእታን ውሳነ ምሕሳማ ነቒፋ ነይራ።

ሳልሳይ፡ እቲ ኣስታት ህይወት 100 ሽሕ ሰባት ዝቐዘፈ ኲናት ብስምምዕ ኣልጀርስ ደው ምስበለ፡ ካብ 2001 ክሳብ 2007 ኣብ ዝተኻየደ መደብ ምጥያስ ልዕሊ 105,000 ኣባላት ሃገራዊት ኣግልግሎት ከምዝተሰናበቱ'ውን ኣቶ የማነ ኣብሪሁ።

"ኣብ መወዳእታ ግን፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ንዝኣተዎ ውዕል ብምጥላም፡ ባድመ ዝርከቦ ልኡላዊ ግዝኣታት ኤርትራ ብዘይ ዝዀነ ሳዕቤን ሒዝዎ ብምቕጻሉን ተጻባኢ ፖሊሲ ዘየቋርጽ ምትፍናን ብምኽታሉን ተወንዚፉ" ይብል።

ራብዓይ፡ ብቀዳማይ ምኒስተር ኣቢ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ኣሰር እቶም ቅድመኡ ዝነበሩ ስርዓታት ብምኽታል "ናይ ወራር ፖሊሲ" ይቕጽል ከምዘሎ ይኸስስ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣዲስ ኣበባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ክትውንን እትገብሮ ዘላ ጐስጓስን ምጕትን ብዓይኒ ኣስመራ "ኣዋጅ ኲናት" እዩ። ሰብመዚ ኢትዮጵያ'ውን ብወገኖም፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ብምድጋፍ ኣንጻር ኢትዮጵያ ይሰርሕ ከምዘሎ'ዮም ዝወቕሱ።

ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሚያዝያ 2018 ናብ ስልጣን ምስመጸን፡ እቲ ቀንዲ ተጻባኢ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረ ህወሓት ኣብ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ወሳኒ ግደ ስኢኑ ናብ መቐለ ምስ ሰሓበን ኣብ መንጐ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ሽልማት ኖበል ዝረኸበሉ ስምምዕ ሰላም ብምፍራም ናይ 20 ዓመታት ረጽሚን ኵነተ-ኲናትን ከም ዘብቅዐ ኣዊጀን ምንባረን ይዝከር።

እንተኾነ፡ ድሕሪ'ቲ ስምምዕ'ውን እቲ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብቲ ንቡር ብኣዋጅ ዝተወሰነ 18 ኣዋርሕ ኣይተመልሰን። እኳ ድኣ ብዙሓት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣቢን ኣንጻር ህወሓት ዝኣወጅዎ ደማዊ ኲናት ትግራይ ክኣትዉ ተገዲዶም።

ገለ ተሓለቕቲ መሰላትን ተንተንቲን፡ እቲ ነታ ሃገር ብዘይቅዋምን ሃገራዊ ምርጫን ንልዕሊ 35 ዓመታት ዝመርሓ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ መንእሰያት እታ ሃገር ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊን ቍጠባዊን ጠለባት ብምቕራብ ንስልጣኑ ከይብድህዎ ምእንቲ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ዕድሚኦም ከሕልፉ ይገብሮም ኣሎ ክብሉ'ዮም ዝምጉቱ።

ምኒስተር ዜና ኤርትራ ከም 5ይ ነጥቢ ኣስፊርዎ ዘሎ፡ "ኣብዚ ፈታኒን ኣጸጋሚን እዋን" ንጾር ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምቅላል መንግስቲ ሓደ ሓደ ስጕምቲታት ምውሳዱ ዝእምት'ዩ። ሓደ ካብኡ ድማ ነቶም ኣብ ሲቪላዊ ትካላት ዝተዋፈሩ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት "ሓድሽን ኣዝዩ ዝለዓለን" ደሞዝ ተገይሩሎም ይብል።

ብዛዕባ ክፍሊት ይኵን ደሞዝ ናይቶም ኣብ ሰራዊት ዝርከቡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ግን ሓበሬታ ኣይሃበን።

ኣብ መወዳእታ፡ "እቲ ብገለ ወገናት ብዛዕባ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብዚ እዋን'ዚ ዝካየድ ዘሎ ሓድሽ ናይ ጸለመ ጐስጓስ" ካብ ሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ዝብገስ ከምዘይኮነ'ዩ እቲ ኤርትራዊ ምኒስተር ዝነቅፍ።

ብሰንኪ እዚ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ሃገራዊ ኣግልግሎት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ናብ ስደት ክውሕዙ ጸኒሖም'ዮም።