ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ባንኪ ጸባ ጡብ ኣደ ተኸፊቱ

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዝዀነ ባንኪ ጸባ ጡብ ኣደ፡ ኣብ ሃዋሳ 'ኮምፕረሀንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል' ተኸፊቱ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብምኒስተር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ምስ ካልኦት ፕሮጀክትታት እቲ ሆስፒታል ዝተመረቐ ባንክ፡ ሞት ዕሸላት ከጕድል ትጽቢት ይግበር።

እቲ ባንክ ካብ ለገስቲ ኣደታት ዝተኣከበ ጸባ ብመስርሕ ድሕነት ሓሊፉ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ ኣደታቶም ጸባ ጡብ ክወስዱ ንዘይክእሉ ዕሸላት ከቕርብ እዩ።

እቲ ሓሳብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ክኢላ ኣመጋግባ ዕሸላትን ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ኮሌጅን ዝዀነ ዶክተር ፍጹም ወልደገብርኤል ዘንቀሎ ኰይኑ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ባንኪ ጸባ ጡብ ኣደ ዝኸፈተት ታሽዓይቲ ሃገር ኰይና ምህላዋ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ 7 ካብተን ትሽዓተ ግዝኣታት ኣስታት 20 ባንክታት ጸባ ጡብ ዘለዋ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ሓዊሱ ሓያሎ ሃገራት እየን ነዚ ኣገልግሎት ዝህባ።

ኣብ ኬፕታውን ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ክኢላ ህጻናት ብምዃን ስልጠናኡ ወዲኡ ናብ ሃገሩ ዝተመልሰ ዶክተር ፍጹም ነዚ ጸገም ምስ ተዓዘበ'ዩ ባንክ ጸባ ጡብ ክኽፈት ዝደረኾ።

ዶክተር ፍጹም ከም ዝብሎ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ብፍላይ ግዜኦም ከይኣኸለ ዝውለዱ ህጻናት ጸባ ኣደኦም ኣይረኽቡን፤ ኣደታት እውን ብሰንኪ ዝተፈላለየ ኵነታት ጥዕና ጸባ ከፍርያ ኣይክእላን እየን።

ከም ውጽኢቱ ድማ እቶም ዕሸላት ጸባ ከይረኸቡ ንነዊሕ እዋን ብሰራውር ደም ብዝወሃብ ፈሳሲ ጥራይ ይሕከሙ።

እዚ ግን ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ረኽስታት ሞት የስዕብ። እቶም ዕሸላት ከምቲ ዝግባእ ኣይዓብዩን እዮም። እዚ ንምፍታሕ'ዩ እምብኣር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝረኣዮ ተመኵሮ ናብ ሃገሩ ኣምጺኡ ዝሰርሕ ዘሎ።

ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ብ2022 ኣብ መላእ ዓለም 2.3 ሚልዮን ዕሸላት ኣብተን ቀዳሞት 28 መዓልታት ዝተወለዱለን መዓልታት ከም ዝሞቱ ጸብጺቡ ነይሩ። እዚ ማለት ድማ ​​መዓልታዊ 6500 ሓደስቲ ዝተወልዱ ህጻናት ይሞቱ።

መብዛሕትኡ ሞት ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝተመዝገበ ኰይኑ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ 1000 ብህይወት ዝተወልዱ ህጻናት እቶም 27 ይሞቱ።

ጠንቂ ሞት ድማ ግዜኦም ከይኣኸለ ምውላድ፡ ጸባ ጡብ ዘይምርካብ፡ ብኻልእ ጠንቂ ዝመጽእ ረኽሲ፡ ከምኡ'ውን ኣብ እዋን ሕርሲ ዘጋጥም ጸገማት ይርከብዎም።

ጸባ ጡብ መን'ዩ ክልግስ ዝኽእል?

ዶክተር ፍጹም፡ ጸባ ጡብ ንምልጋስ ፍሉይ ኣገባባት ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ሕጂ ኣብ ሃዋሳ ኮምፕረሀንሲቭ ሆስፒታል ዝተኸፍተ ባንክ ጸባ ጡብ ኣደ ዝልግሳ ንኣገልጋሎት ወሊድ ናብቲ ሆስፒታል ዝኸዳ ኣደታት እየን።

እንተዀነ እዘን ኣደታት ጸባአን ከወፍያ ዝኽእላ ውላደን ጽቡቕ ጌረን ክምግባ ምስ ዝኽእላ ጥራይ እየን። ድሕሪኡ ድማ፡ ንኽልግሳ ብቑዓት ተባሂለን ይውሰዳ።

ድሕሪኡ፡ ፍቓዳ ይሕተት። ሓንቲ ኣደ፡ ጸባ ጡባ ክትልግስ እንተ ተሰማሚዓ ድማ ብጸባ ጡብ ክመሓላለፍ ዝኽእል ሕማማት ከም ዘይብላ ንምርግጋጽ ወለንታዊ መርመራ ትገብር፤ እዚ መርመራ ኤችኣይቪ ዝሓወሰ እዩ።

እቲ ጸባ ጡባ ጥዕና ዘለዎ ምዃኑ ምስ ተረጋገጸ፡ ክትልግስ ድልውቲ ኣብ ዝዀነትሉ እዋን ይእከብ።

ብድሕሪኡ እቲ ጸባ ተወሃሂዱ (ፓስቸራይዝ) ተገይሩ ኣብ መዝሓሊ - ፍሪዘር- ናይቲ ባንክ ይኽዘን።

ጸባ ጡብ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ፍሪዘር ኣብ -20 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ክኽዘን ይኽእል።

እዚ ካብ ለገስቲ ኣደታት ዝመጽእ ጥዑይ ጸባ፡ ንዕሸላት ብሰንኪ ዝተፈላለየ ኵነታት ጥዕና እኹል ጸባ ከፍርያ ዘይክእላ ኣደታት እውን ይወሃብ።

እቲ ጸባ ቅድሚ ምልጋሱ እዘን ኣደታት ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ስለ ዝረኽባ ንዕሸላተን ንምሃብ ናይ ፍቓድ ቅጥዒ ክፍርማ ኣለወን።

ኣብዚ እዋን ጸባ ጡብ ካብ ናብ ሆስፒታል ዝኸዳ ኣደታት ዝእከብ ኰይኑ፡ ኣብ ሆስፒታል ንዝጸንሑ ዕሸላት ጥራይ ከም ዝልገስ ዶክተር ፍጹም ገሊጹ።

ይዅን እምበር ኣብ ቀጻሊ ዝዀነት ብቕዕቲ ኣደ ክትልግስ ትኽእል እያ።

ብተወሳኺ እቲ ኣገልግሎት ናብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ንምስፋሕ መደባት ከም ዘሎን፡ ፖሊሲ ጥዕና ንምምሕያሽ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኰሰ ዘተ ከም ዝካየድን ኣመልኪቱ።

ዕሸት፡ እዚ ጸባ ክሳብ መዓዝ ይወስዱዎ?

ዕሸላት ካብ ዝውለዱ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ጡብ ኣደ ክጠቡ ኣለዎም። እዚ ድማ ከም ክታበት ንጥዕናኦም ኣገዳሲ ዝዀነ ዓንገር ዝበሃል መኣዛታት ይህቦም።

ድሕሪኡ፡ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ብዘይ መመላእታ መግቢ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ክሳብ ክልተ ዓመት ምስ መመላእታ መግቢ ክጠቡ ይምከር።

ይዅን እምበር እቲ ባንክ ጸባ ጡብ መዓልቶም ዘይኣኸለ ተወሊዶም ጸባ ጡብ ኣደ ክረኽቡ ንዘይክኣሉ ዕሸላት ጥራሕ እዩ ዝወሃብ። እቲ ልግሲ ድማ፡ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸውዓተ መዓልታት ጥራይ እዩ ዝግበር።

"ኣብዚ እዋን እዚ ኣደታት ንውላደን ንምምጋብ ድልዋት ክዀና'የን ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር፡" ይብል ዶክተር ፍጹም።

ኣብ ሆስፒታል እንከለዉ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣደታቶም ዝሰኣኑ ዕሸላት ግን እቲ ባንኪ ድጋፍ ጸባ ጡብ ከም ዝገብር ኣብሪሁ።

"እቲ ወፈያ ጸባ ጡብ ኣደታት ክሳብ ምጥባው ዝኽእላ ወይ ድማ ኣደታቶም ንዝሰኣኑ ዕሸላት ቀዋሚ መግቢ ክሳብ ዝረኽቡ ከም መሰጋገሪ እዩ ዝቐርብ።"

ዶክተር ፍጹም ወሲኹ እዚ ናይ ልግሲ ጸባ፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ዘለዎ ጥቕሚ፡ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ጎናዊ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ዝንገር ዝተመስርሐ ጸባ ከም ዘወግድ ሓቢሩ።

ካብ ኣደታቶም ጸባ ክረኽቡ ዘይክእሉ ዕሸላት ካብ ካልኦት ኣደታት ዝተኣከበ ውሑስ ጸባ ክረኽቡ እውን ይመክር።

ብመሰረት ዳህሳስ ህዝብን ጥዕናን ኢትዮጵያ 2024/25 ካብ 100 ዝውለዱ ዕሸላት እቶም 25 ይሞቱ።

እቲ ቍጽሪ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት እናነከየ እኳ እንተመጽአ ሕጂ እውን ስክፍታ ዝፈጥር ኰይኑ ክሳብ 2030 ናብ 15 ንምውራድ ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ዶክተር ፍጹም ገሊጹ።

"ሓደ ካብቲ ነዚ ንምዕዋት ዝሕግዝ መንገዲ ጸባ ጡብ እዩ፡" ይብል።

ብመሰረት ዶክተር ፍጹም ባንክታት ጸባ ጡብ ሞት ዕሸላት ካብ 20 ክሳብ 30 ሚእታዊት ክቕንሱ ትጽቢት ይግበር።

ዝተለገሰ ጸባ፡ ነቶም ካብ ኣደታቶም ጸባ ጡብ ክረኽቡ ዘይክእሉ ዕሸላት፡ ጎዳኢ ጸባን ብሰራዉር ደም ዝወሃብ ፈሳሲን ከይወስዱ ክሕግዞም፡ ካብ ጸባ ጡብ ድማ ኣገደስቲ መኣዛታት ክህቦም ይኽእል።