እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሊብያ፡ ንዜጋታት ኤርትራ ኢትዮጵያ ሱዳንን ሶማልን ዘውጽኣቶ ሓድሽ ኣዋጅ
ኣብ ምብራቕ ሊብያ ዝመደበሩ ካልኣይ መንግስቲ፡ ዜጋታት ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ዝኽልክል ሓድሽ ኣዋጅ ኣውጺኡ፡ ክብል ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
ንሓደ መንግስታዊ ምንጪ ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ሮይተርስ፡ እዚ ውሳነ "ኣተኣትዋ ወጻእተኛታት ናብ ሊብያ ንምኽላስ" ዝዓለመ ምዃኑ የነጽር።
እቲ ኣብታ ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ሊብያ ዝዀነት ቤንጋዚ ዝመደበሩ ሓደ ኽንፊ ናይቲ ኣብ ክልተ ተመቒሉ ዘሎ መንግስቲ ሊብያ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ኣዋጅ፡ "ዜጋታት ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ብዅሉ ናይ መሬት፡ ባሕርን ኣየርን መዓጹ ናብ ግዝኣት ሊብያ ምእታው ተኸልኪሎም ኣለዉ" ይብል።
ይዅን እምበር፡ ኣባላት ዲፕሎማስያውን ቆንስላውን ተልእኾታትን ስድራቤቶምን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዓውዲ ትምህርትን ሕክምናን ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት፡ ሕጋዊ ናይ ስራሕ ውዕልን ፍቓድን ካብ ዝምልከቶ ኣካል እንተ ኣቕሪቦም ካብዚ እገዳ ነጻ ምዃኖም እቲ ኣዋጅ የረድእ።
ብኦሳማ ሓማድ ዝምራሕ መንግስቲ ቤንጋዚ፡ ምስቲ ንምብራቓውን ሰፊሕ ሸነኽ ደቡባውን ክፋል ሊብያ ዝቈጻጸር ወተሃደራዊ ኣዛዚ ጀነራል ኸሊፋ ሓፍታር ኪዳን ዘለዎ እዩ።
ብኣንጻሩ፡ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዘለዎን ኣብ 2021 ናብ ስልጣን ዝመጸን ብዓብዱልሓሚድ ድቤባ ዝምራሕ መንግስቲ መደበሩ ኣብ ርእሰ-ከተማ ትሪፖሊ ዝገበረ ምዃኑ ይፍለጥ።
እዘን ኣብቲ ኣዋጅ እገዳ ተጠቒሰን ዘለዋ ኣርባዕተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ መበገሲ ናይቶም ብሰንኪ ፖለቲካዊን ጸጥታውን ዘይምርግጋእ፡ ውግእ፡ ጭቈናን ቍጠባዊ ድኽነትን ሃገሮም ራሕሪሖም ዝስደዱ ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት እየን።
ብፍላይ ኣብዚ እዋን ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካውን ጸጥታውን ቅልውላው፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ዓፈና፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሶማልያ ዘሎ ስእነት ርግኣትን፡ ነዞም ዜጋታት ናብቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ምድረ-በዳ ሳህራ ብምቝራጽ ናብ ሊብያ ዘምርሕ ጕዕዞ ስደት ይደፍኦም ኣሎ።
ሊብያ ድሕሪ ውድቀት ሙዓማር ቓዛፊ ኣብ 2011፡ ብሰንኪ ስእነት ማእከላይ መንግስቲ፡ መተሓላለፊት መስመር ናይቶም ብማእከላይ ባሕሪ (መዲተራንያን) ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝደልዩ ስደተኛታት ኰይና ጸኒሓ እያ። እቲ ንኣውሮጳ ዝግበር ጕዕዞ ግን ብቐሊሉ ዝብጻሕ ኣይኰነን።
እዞም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነቕሉ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ምስ በጽሑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኢድ ኣሰጋገርቲ ብምውዳቕ፡ መጭወይቲ፡ ስቅያት፡ ጾታዊ ዓመጽን ግዱድ ስራሕን የጋጥሞም።
መብዛሕትኦም ኣብ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኢሰብኣዊ ኵነታት ዘለዎ መዳጐኒ ደምበታት ይእሰሩ፣ ንስድራቤቶም ብምፍርራሕ ከቢድ ገንዘባዊ ክፍሊት (መበጆ) ክኸፍሉ ይግደዱን እዮም።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ዘውጽኦ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብዚ እዋን ኣብታ ብኲናት ዝዓነወት ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገረ ሊብያ ልዕሊ 900,000 ስደተኛታት ይርከቡ።
እዚ ብመንግስቲ ምብራቕ ሊብያ ዝወጸ ሓድሽ እገዳ፡ ነቶም ካብ ኵነታት ሃገሮም ንምምላጥ ዘምርሑ ስደተኛታት ዝያዳ ናብ ኢድ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ከም ዝወድቁ ክገብሮምን ንሓደጋታት ከም ዘቃልዖምን፡ ነቲ ድሮ ተሓላላኺ ኰይኑ ዘሎ ጸገም ስደተኛታት ድማ ዝያዳ ከም ዘጋድዶን ይግመት።
ዜጋታት እዘን ሃገራት ብሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ምእታው ብምኽልካሉ፡ እቲ ዘይሕጋዊ መስመር ስግረ-ዶብ ዝያዳ ክስፋሕፋሕ ምዃኑ ርዱእ እዩ።