ኣብ ከባቢ ባድመን ገምሃሎን ዝማዕበለ ኵነታት እንታይ እዩ - ነበርቲ ዝብልዎኸ?

ምንጪ ስእሊ, SM
ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልቲ ኣብታ ካብ ከተማ ባድመ ኣስታት ሸሞንተ ክሳዕ ዓሰርተ ኪሎሜትር ርሒቓ እትርከብ ገጠራዊት ቍሸት ገምሃሎን ከባቢኣን ከቢድ ውግእን ደብዳብን ከም ዝተወልዐ ይንገር።
ቢቢሲ ብተለፎን ዘዘራረቦም ነበርቲ ዓድታት ገምሃሎን ቢያራን ድማ ገዛውቶም ራሕሪሖም ናብ በረኻታትን ጐረባብቲ ከተማታትን ከም ዝተመዛበሉ ገሊጾም።
ብመሰረት እቶም ዘዘራረብናዮም ኣርባዕተ ነበርቲ ገምሃሎን ቢያራን፡ ብኸበድቲ ኣጽዋር፡ ፈኰስቲ ብረታትን ደብዳብ ኣየርን ዝተሰነየ ውግእ ብረቡዕ ጀሚሩ ንልዕሊ 24 ሰዓታት ቀጺሉ ጕዕዞ መኻይን ኣቋሪጹን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ስግኣትን ሰብኣዊ ጸገምን ፈጢሩን ኣሎ።
እቶም ነበርቲ ገምሃሎ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ሰዓት 3፡00ን 4፡00ን ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ (ናብ ረቡዕ ወጋሕታ ገጹ) ናብ ምምሕዳር ከባቢ ገምሃሎ ኣትዩ።
ንድሕንነቱ ሽሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ወዲ 49 ዓመት ነባሪ ቢያራ ከም ዝገለጾ፡ ፈለማ ከባቢ ሰዓት 6፡00 ንግሆ ካብ ቢያራ ናይ ክልተ ሰዓት መንገዲ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ናፍራ እትበሃል ገጠር ብፈኰስቲ ብረታትን (ብሬንን ዲሽቃን) ከበድቲ ኣጽዋርን ዝተጀመረ ውግእ፡ ጸኒሑ ካብ ቢያራ ናይ ሓሙሽተ ክሳዕ ሽዱሽተ ሰዓት ርሕቐት ናብ ዘለወን ገምሃሎን ጓል ገምሃሎን እናገፍሐ ከይዱ።
ነበርቲ ገምሃሎ ከም ዝሓበርዎ፡ ካብ ሰዓት 8፡00 ክሳዕ 9፡00 ንግሆ ኣብ ማእከልን ከባቢን እታ ዓዲ ፈለማ ብኸበድቲ ኣጽዋር፡ ቀጺሉ ድማ ብናይ ኣጋር ቀለልቲ ብረታትን ደብዳብ ኣየርን ዝተሰነየ ከቢድ ውግእ ተወሊዑ።
እቲ ድምጺ ከበድቲ ኣጽዋርን ድሮንን ክሳዕ ቢያራ ብንጹር ይስማዕ ከም ዝነበረ ዝገለጹ እቶም ነበርቲ፡ እቲ ውግእ ምሉእ መዓልቲ ከየቋረጸ ውዒሉ ክሳዕ ሰዓት 11፡00ን 11፡30ን ለይቲ ከም ዝቐጸለን፡ ንጽባሒቱ ንግሆ እውን ክስማዕ ድሕሪ ምርፋዱ ከባቢ ሰዓት 12፡00 ፍርቂ መዓልቲ ክሳዕ ሰዓት 1፡00 ድሕሪ ቀትሪ ዝግ ከም ዝበለን ኣፍሊጦም።
ይዅን እምበር፡ ኣብ ከባቢ ገምሃሎ ገና ምንቅስቓስ ድሮናትን ነፈርቲ ኣየርን ይረአ ከም ዘሎን፡ ከበድቲ ተዅስታት ናብቲ ተመዛበልቲ ኣጽሊሎምሉ ዘለዉ በረኻታት ይወንጨፉ ከም ዝነበሩን ነበርቲ ሓቢሮም።
እቲ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ እንታይ ይመስል?
ቅድሚ ምእታው ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወሰናስንን በረኻታትን ገምሃሎ ካብ ክልተ ሰሙን ክሳዕ ሓደ ወርሒ ዝኸውን እዋን ሓይልታት ትግራይ ሰፊሮም ከም ዝነበሩ ነበርቲ ጣብያ ገምሃሎ ገሊጾም።
እቲ ውግእ ምስ ተወልዐ ነበርቲ ብኡንብኡ ህይወቶም ንምድሓን ናብ በረኻ ስለ ዝሃደሙ ነቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ብዓይኖም ከም ዘይረኣይዎም፣ መን ምስ መን ይዋጋእ ከም ዘሎ ንምፍላይ ከም ዘጸግም ዝጠቐሱ እቶም ነበርቲ፡ ኣብቲ ቦታ ዝጸንሑ ሓይልታት ትግራይ ስለ ዝነበሩ እቲ ግጥም ኣብ መንጎኦምን ሰራዊት ፈደራልን ከም ዝዀነ ከም ዝግምቱ ተዛሪቦም።
ብኻልእ ወገን፡ ክሳዕ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ቢያራ ሰፊሩ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ "ኣቕጣጫ [ኣንፈቱ] ቀዪሩ ናብ ከባቢ ዓዲ ኣውዓላን ኣያይን ከም ዝወጸ፡" እቲ ሽሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ነባሪ ቢያራ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ብመሰረት ሓበሬታኡ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ውሽጢ ቢያራ ዝዀነ ዕጡቕ ሓይሊ ዘየሎ ኰይኑ፡ ኣብቲ ካብ ቢያራ ናይ ኣርባዕተ ሰዓት ጕዕዞ እግሪ ዝርሕቕ መንገድን ከተማ ዓዲ ኣውዓላን ግን ሰራዊት ፈደራል ከም ዝርከቡ ገሊጹ።
ኣብ ትሕቲ ቢያራ ኣብ እትርከብ ዓዲ ኣስመሩ ዝበሃል ከባቢ ቅድሚ ሕጂ ሓይልታት ትግራይ ከም ዝነበሩ ዝጠቐሰ እቲ ነባሪ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብኡ ምህላዎም ግን ከረጋግጽ ከም ዘይከኣለ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ከባቢ ሰራዊት ኤርትራ ነይሩ ድዩ ንዝብል ሕቶ ቢቢሲ፡ ነበርቲ ገምሃሎን ቢያራን ሰራዊት ኤርትራ ከም ዘይረኣዩን ህላወኦም ከረጋግጹ ከም ዘይክእሉን ገሊጾም።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ሰብኣዊ ኵነታትን ቀጻሊ ምፍንቓልን
መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል
ውግእ ኣብ ማእከል ዓድን ከባቢኣን ድሕሪ ምውላዑ፡ ነበርቲ ገምሃሎ ናብ ፍራደራይ ዝተባህለ በረኻን ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ጫካታትን ሕቍፊ ጎቦታትን ተመዛቢሎም ይርከቡ።
ኣብቲ ቦታ ዝዀነ መጽለሊ ተመዛበልቲ፡ ቴንዳ፡ ምንጻፍ፡ መግቢ ወይ ማይ ከም ዘየሎ ዝገለጹ እቶም ነበርቲ፡ ብዙሓት ኣረጋውያን ብምርኵስ፡ ኣደታትን ህጻውንትን ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣእዋም ብዘይ ሓገዝ ካልኣይ መዓልቶም የሕልፉ ምህላዎም ሓቢሮም።
ገብረዋህድ ዝተባህለ ነባሪ ገምሃሎ፡ "ጸጥታ የለ፡ ካልእ የለ፤ ከም ናይ በረኻ እንስሳ ኣብ ሕቍፊ ጎቦ ምስ ከብትናን ደቅናን ተደርቢና ኣለና" ድሕሪ ምባሉ፡ "መን እዩ ዋናና፡ ብመን ኢና ንመሓደር ጨኒቑና ፈቐዶኡ ሓንበተት ንብል ኣለና" ክብል ዘለዉዎ ከቢድ ኵነታት ገሊጹ።
ወዲ ሸሞንተ ወርሒ ህጻን ውላዳ ሓቚፋ ብሃንደበት ካብ ገዛኣ ዝሃደመት ጓል 37 ዓመት ነባሪት እውን፡ ኣብ በረኻ ፍራደራይ ብዘይ ቴንዳ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣእዋም ኣዕቚባ ምህላዋ ብምግላጽ፡ "ምግቢ እንታይ ክህልወና እዩ፣ ዝነበረትና ኣገልግል ጥራሕ ሒዝና ኢና ወጺእና" ኢላ።
ምስ ብዓልቲ ቤቱን ኣርባዕተ ደቁን - ብድምር ሽዱሽተ ኣባላት ስድራ - ናብቲ ጫካ ዝሃደመ ወዲ 40 ዓመት ነባሪ ብወገኑ፡ "ድራርን ምንጻፍን እኳ ከይሓዝና ብንእሽቶ ነጸላ ጥራሕ ኢና ወጺእና" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ህጻውንትን ኣረጋውያንን ብጥሜትን ሕማምን ኣብ ከቢድ ጸገም ከም ዝርከቡ ብምጥቃስ ድማ፡ "ጸገምና ኣብ ዓለም ተራእዩ ዝከኣል ሓገዝ እንተ ዝግበረልና" ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብ ቢያራ እውን ዋላ እኳ ቀጥታዊ ውግእ እንተ ዘይተኻየደ፡ ድምጺ ከቢድ ደብዳብ መካናይዝድን ስግኣት ምስፍሕፋሕ ኲናትን ንመብዛሕትኦም ነበርቲ - እንተላይ ኣቐዲሞም ተመዛቢሎም ንሕርሻ ተመሊሶም ዝነበሩ ሓረስቶት - ዳግማይ ናብ ከተማታት ሸራሮ፡ ሽረን ዓዲ ሃገራይን ክፈናቐሉ ኣገዲድዎም ኣሎ።
እቲ ሽሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ነባሪ ቢያራ፡ ጓሉ ብስግኣት ከቢድ ደብዳብ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ናብ ሸራሮ ከም ዝተመዛበለትን ብዓልቲ ቤቱ'ውን ወጺኣ ድሕሪ ምጽናሕ ሰራዊት ፈደራል ካብታ ዓዲ ምስ ወጽአ ከም ዝተመልሰትን ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, RW
ንብረቱ ንምሕላው ኣብ ቢያራ ዝተረፈ እቲ ነባሪ፡ ኣብቲ ከባቢ ድሮን ንሰላማውያን ሰባት ከይትወቅዕ ካብ ዘሎ ስግኣት ዝተላዕለ መጓዓዝያ መኻይን ከም ዝተቋረጸን ሓሓሊፈን ሞተራት ጥራይ ከም ዝንቀሳቐሳን ብምሕባር፡ ንሱ እውን ንመጥሓን [እኽሊ] ብእግሩ ገመል ሒዙ ኣርባዕተ ሰዓት ናብ ዓዲ ኣውዓላ ክጓዓዝ ከም ዝተገደደ ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ፡ ህሉው ደርቅን ከቢድ ጸጥታዊ ፍርሕን ተደሚሮም ንነበርቲ እቲ ዶባዊ ከባቢ ኣብ ከቢድ ጭንቀት ኣእትዮምዎም ከም ዘለዉ ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ከባቢ ገምሃሎ ገና ርግኣት ስለ ዘይተመልሰ ነበርቲ ናብ ቤቶም ክምለሱ ከም ዘይከኣሉ ዝገለጹ እቶም ነበርቲ፡ ብዙሓት ነበርቲ ድሮ ናብ ከተማ ሸራሮ ከም ዘምርሑን እቶም ኣብ ጫካታት ፍራደራይ ዝርከቡ ተመዛበልቲ እውን ኵነታት እንተ ተረጋጊኡ ናብ ሸራሮ ክኸዱ ይሓስቡ ከም ዘለዉን ኣፍሊጦም፤ ኣብ መንገዲ ውግእ ከየጋጥሞም ግን ገና ኣብ ከቢድ ስግኣት ከም ዘለዉ ሓቢሮም።
እዚ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ከባቢታት ገምሃሎን ቢያራን ዝኣመሰሉ ከባቢታት ዝረአ ዘሎ ውግእ፡ መቐጸልታ ናይቲ ካብ መወዳእታ መስከረም ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ሓይልታት ትግራይን ዳግማይ ዝተወልዐ ዳግማይ ግጭት እዩ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርትን ወሃቢ-ቓል ሓይልታት ሰላም ትግራይን እቲ ናይ ሽዑ ውግኣት፡ ኣብ ከባቢታት ሸራሮ፡ ዓዲ ሃገራይ፡ ዓዲ ሕረት፡ ቢያራን ዓዲ ክልተን ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝተኻየደ ምንባሩ ሓቢሮም ነይሮም።
ብሰንኪ እቲ ደብዳብ ከቢድ ብረትን ድሮንን ድማ ሓያሎ ነበርቲ ናብ ሽረ፡ ሸራሮን ዓዲ ሃገራይን ተመዛቢሎም ነይሮም።
ድሕሪ ምውላዕ እዚ ግጭት፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ግጭት ከየምርሓ ዓቢይ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ኰይኑ፡ እቲ ወጥሪ ናብ ዞባዊ ኲናት ከይዓርግ ዝሰግኡ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሃገራት ጕጅለ ሸውዓተ (G7)፡ ኣመሪካን ቻይናን፡ ኵሎም ወገናት ግትኣት ክገብሩን ናብ ሰላማዊ ዘተ ክምለሱን ክጽውዑ ጸኒሖም ኣለዉ።





















![መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን [ጸጋም] ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/cc28/live/eff3f9c0-dc0f-11f1-a701-fddedf244c16.png.webp)





