ሶማልያ፡ ምውጻእ ወተሃደራት ወጻኢ ንረብሓ መን?

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ሶማልያ ወተሃደራት ወጻኢ ክወጹ ኣብ ዝጀመሩሉ፣ ንሓይልታት ጸጥታኣ ዝወሃብ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ኣብ ዝወደቐሉን፡ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ እተካይዶ ቀጥታዊ ዲሞክራስያዊ መረጻ ብሰንኪ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ከሰናኽል ኣብ ሓደጋ ኣብ ዘለወሉ፡ ሓድሽ ፈተና ርግኣት ገጢምዋ ኣሎ።
እዞም ብድሆታት፡ እቲ መንግስቲ እናገፍሐ ንዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልይ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት እናኣመሓደረ፡ ኣንጻር ኣል-ሸባብ ንነብሱ ክከላኸል ይኽእል ዶ ዝብሉ ሕቶታት ኣለዓዒሉ ኣሎ።
ገለ ተንተንቲ እዚ ኵነታት ነቲ ምስ ኣል-ቓዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ኣልሸባብ ከተባብዖን፡ ንርእሰ-ከተማ ሞቃዲሾ ክቈጻጸር ዕድል ክህቦን ከም ዝኽእል ይሰግኡ።
ኣልሸባብ ንመንግስቲ ዝድግፉ ኣስታት 12,000 ወተሃደራት ሕብረት ኣፍሪቃ እናሃለዉ እኳ፡ ድሮ ሰፊሕ ክፋል እታ ሃገር ተቘጻጺሩ ኣሎ።
ምውጻእ ሓይልታት ወጻኢ፡ ምስቲ ብተቐናቐንቲ ፖለቲካዊ ጕጅለታት ዝድገፉ ኣብ ቀቢላ ዝተመስረቱ ምሊሻታት ዘካይድዎ ንጥፈታት ተደማሚሩ፡ ዓቕሚ መንግስቲ ንዘለዎ ቍጽጽሩ ኣብ ምዕቃብ ዘሎ ስክፍታ ኣጋዲድዎ ኣሎ።
ዝዓበየ ክፋል ናይቲ ሓይሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝዀኑ ወተሃደራት ኡጋንዳ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምውጻእ ጀሚሮም ኣለዉ። እታ ሃገር ክሳዕ ዝመጽእ ዓመት ምውጻእ ሰራዊታ ክትዛዝም ትጽቢት ይግበር።
ካልእ ዓባይ ኣበርካቲት ናይቲ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝዀነት ኢትዮጵያ እውን ኣስታት 3,000 ወተሃደራት ንምውጻእ ትምድብ ከም ዘላ ይስማዕ ኣሎ።
እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተፈቕዱ 2,500 ወተሃደራትን ኣብ ትሕቲ ክልተኣዊ ስምምዕ ምስ ሶማልያ ድማ ኣስታት 5,000 ወተሃደራትን ኣለዉዋ። እቲ ዝስማዕ ዘሎ ምውጻእ ሰራዊት ካብቲ ኣሃዱ ሕብረት ኣፍሪቃ ድዩ፡ ካብቲ ክልተኣዊ ሓይሊ፡ ወይስ ካብ ክልቲኡ ዝብል ግን ንጹር ኣይኰነን።
መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል
ኣቐዲማ ንቤት ጽሕፈት ደገፍ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያ (UNSOS) እትህቦ ገንዘባዊ ሓገዝ ከም እትንኪ ኣዊጃ ዝነበረት ኣመሪካ፡ ደሓር ንሓደ ዓመት ከም እተናውሖ ገሊጻ ኣላ። ዋሽንግተን ካብቲ ንሓይልታት ጸጥታ ሶማልያ፡ ንልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃን ንወተሃደራት ዘዋፍራ ሃገራትን ዝድግፍ ዓመታዊ 500 ሚልዮን ዶላር ባጀት ኣስታት ርብዒ ተበርክት።
ወተሃደራዊ ደገፍ ዘይርጕጽ ኣብ ዝዀነሉን እቲ መንግስቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ብድሆታት ኣብ ዝገጥመሉን እዋን፡ ተንተንቲ ሓይልታት ጸጥታ ሶማልያ ብናይ ገዛእ ርእሶም ዓቕሚ ደው ንምባል ድሉዋት ድዮም ዝብል ሕቶ የልዕሉ ኣለዉ።
ኣል-ሸባብ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ፍሉያት ወተሃደራት ሶማልያ ከም ዝቐተለ ድሕሪ ምግላጹ እቲ ስክፍታታት ዝያዳ ንሂሩ። መንግስቲ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ እኳ እንተ ተኣመነ፡ ብዝሒ ዝሞቱን ዝቘሰሉን ግን ኣይገለጸን።
ምክትል ዳይረክተር ሃገራዊ ኤጀንሲ ጸጥታ ሶማልያ ነበር ዓብዲሰላም ጉሌድ፡ እቲ ጸጥታዊ ኵነታት እናኸፍአን ኣዝዩ ተነቃፊ እናዀነን ይኸይድ ምህላዉ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ምውጻእ ወተሃደራት ወጻኢ፡ ልክዕ ከምቲ ድሕሪ ምውጻእ ሓይልታት ኣመሪካን ኔቶን ኣብ 2021 ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ዝተቈጻጸራ፡ ንሞቃዲሾ ንተመሳሳሊ ምቍጽጻር ክትቃላዕ ከም ዝገብራ ኣጠንቂቑ።
"ሞቓዲሾ ንነብሳ ክትከላኸል እትኽእል ኣይመስለንን። ከም ናይ ጣሊባን [ምቍጽጻር]... ሕጂ ክግምቶ ዝኽእል ዝዓበየ ተኽእሎ ንሱ እዩ" ኢሉ።
ጣሊባን ድሕሪ ምውጻእ ሓይልታት ኣመሪካን ኔቶን፡ ካብ 6 ክሳዕ 15 ነሓሰ 2021 ኣብ ዝተኻየደ ቅልጡፍ መጥቃዕቲ ንኣፍጋኒስታን ተቘጻጺሩዋ እዩ።
ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ኣብ ሕሉፍ ኣብ ሶማልያ እውን ተራእዩ ከም ዝነበረ ጉሌድ የብርህ።
ሶማልያ ቅድሚ ሕጂ ምፍራስ ማእከላዊ ስልጣን ኣሕሊፋ እያ። ኣብ መጀመርታ 1990ታት ኣብ ቀቢላ ዝተመስረቱ ዕጡቓት ጕጅለታት ካብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ናብ ሞቃዲሾ ብምግስጋስ፡ ነቲ ሽዑ ፕረዚደንት ዝነበረ መሓመድ ሲያድ ባረ ካብ ስልጣኑ ኣልዮምዎ።
ምእላዩ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድን ዝተናውሐ ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣስዒቡ። ምፍራስ መንግስታዊ ትካላት ድማ ቀጺሉ ኣል-ሸባብ ዝርከቦም እስላማውያን ዕጡቓት ጕጅለታት ጽልዋኦም ዘስፍሑሉ ኵነታት ፈጢሩ።
ጉለድ ከም ዝብሎ፡ ወተሃደራት ኡጋንዳ ካብ 2007 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሶማልያ ካብ ዝዋፈሩ ጀሚሮም፡ ተመሳሳሊ ምፍራስ ኣብ ምክልኻል ማእከላይ ተራ ተጻዊቶም እዮም። ንኣል-ሸባብ ካብ ሞቓድሾን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ኣብ ምስጓጕ፡ ከምኡ'ውን መዓርፎ ነፈርቲ፡ ወደብ፡ መንግስታዊ ትካላትን ዲፕሎማስያዊ ልኡኻትን ሓዊሱ ንስትራተጅያውያን ትካላት ኣብ ምሕላው ወሳኒ ተራ ነይርዎም።
ወተሃደራት ብሩንዲ፡ ጅቡቲ፡ ኬንያ፡ ሴራልዮንን ኢትዮጵያን ጸኒሖም ናብቲ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ተጸንቢሮም፤ ከም ቱርክን ኣመሪካን ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ ዝተፈለየ ወተሃደራዊ ምውፋር ብምዕቃብ ንሓይልታት ሶማልያ ስልጠናን ዕጥቅን ሂበን እየን።
ጉለድ ግን ንዓመታት ዝተገብረ ዓለምለኻዊ ሓገዝ ንመንግስቲ ሶማልያ ናብ እኹል ወተሃደራዊ ናጽነት ከም ዘይተቐየረ ይምጕት። ሰበ-ስልጣን ኣብ ሓለዋ ወጻኢ ኣዝዮም ጽግዕተኛታት ስለ ዝዀኑ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ሓይልታት ሓላፍነት ንኽርከቡ ብግቡእ ምድላው ከም ዝረስዑ ይገልጽ።
ምኒስተር ሓበሬታ ሶማልያ ዓብዲፋታሕ ቃሲም መሓሙድ፡ እታ ሃገር ድሕሪ ምውጻእ ወተሃደራት ወጻኢ ንጸጥታኣ ክትጻወሮ ኣይትኽእልን እያ ንዝብሉ ርእይቶታት ነጺግዎም።
ወተሃደራት ሶማልያ ድሮ ገለ ካብቶም ወተሃደራት ኡጋንዳ ዝለቐቕዎም ቦታታት ከም ዝተረከቡን ንጸጥታ እታ ሃገር ዝዓበየ ሓላፍነት ንምውሳድ ድሉዋት ምዃኖምን ንቢቢሲ ገሊጹ። ሶማልያ ንሓለዋኣ ንዘይተወሰነ እዋን ኣብ ወተሃደራት ወጻኢ ክትምርኰስ ከም ዘይትኽእል ተዛሪቡ።
"ኣብዚ ጕዳይ ንምስካፍ ዝዀነ ምኽንያት የሎን ኢለ እየ ዝኣምን። ኣብ ጸጥታዊ ኵነታት እታ ሃገር ይኹን ኣብቶም ዝለቐቕዎም ከባቢታት ዝዀነ ለውጢ ኣይክህሉን እዩ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ እውን ቀጻሊ ኣህጉራዊ ደገፍ ክሓትት ጸኒሑ እዩ። ብ23 ሕዳር ናብ ኡጋንዳ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ንሱን ፕረዚደንት ዮዌሪ ሙሰቬኒን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝተረኽቡ ጸጥታዊ ዓወታት ንምድልዳል ንሶማልያ ምድጋፉ ክቕጽል ጸዊዖም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኵሉ ሰብ ግን እቲ ምውጻእ ሰራዊት ብግድን ጸጥታዊ ውድቀት ከስዕብ እዩ ኢሉ ኣይኣምንን።
ኡጋንዳዊ ተንታኒ ጸጥታ ፍረዲ ደቪድ ኤገሳ፡ ንዓመታት ዝተገብረ ኣህጉራዊ ወተሃደራዊ ደገፍ ንሶማልያ ንጸጥታኣ ዝዓበየ ሓላፍነት ንኽትወስድ ዘድልዩ ትካላት ክትሃንጽ ከም ዝሓገዛ ይምጕት።
እቲ ምውጻእ ክሳዕ ክንደይ ምዕባለ ከም ዝተረኽበ ንምግምጋም ዕድል ከም ዝህብ ይገልጽ። ፖለቲካዊ መራሕቲ ሶማልያ ድማ ፍልልያቶም ንጐድኒ ገዲፎም ንመጻኢ እታ ሃገር ዝዓበየ ሓላፍነት ንኽወስዱ ከም ዘገድዶም ይውስኽ።
ካልኦት ተንተንቲ ግን እቲ ግዜ ካብዚ ዝኸፍእ ክኸውን ከም ዘይክእል የጠንቅቑ።
ተንታኒ ኣህጉራዊ ጕጅለ ቅልውላው ዑመር ማሕሙድ፡ ሓይልታት ሶማልያ ኣንጻር ኣል-ሸባብ እናተዋግኡን ቅድሚ ሕጂ ብወተሃደራት ወጻኢ ተታሒዞም ዝነበሩ ቦታታት ንምርካብ እናፈተኑን ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ከም ዝርከቡ ይገልጽ። ገና ኣብ ምምዕባል ንዝርከብ ሰራዊት እዚ ዓቢ ሓላፍነት ምዃኑ ይዛረብ።
እቲ ሰራዊት ኣብ ክልል ደቡብ-ምዕራብ ዞባ ባይ እውን ጸቕጢ ይገጥሞ ኣሎ፤ ኣብኡ ንዝተኣልየ ፕረዚደንት እቲ ክልል ዓብዲዓዚዝ ሓሰን መሓመድ ዝድግፉ ሓይልታት ምስ ፈደራል መንግስቲ ክዋግኡ ጸኒሖም እዮም። ምውጻእ ወተሃደራት ኡጋንዳ ካብ ዞባ ታሕታይ ሸበሌ ተወሳኺ ጸጥታዊ ብድሆታት ክፈጥር ከም ዝኽእል ማሕሙድ ይውስኽ።
ማሕሙድ ብተወሳኺ ነቶም ንነዊሕ እዋን ዝደንጐዩን ጸጥታኦም ክሕሎ ዘለዎን ምርጫታት ነቲ ጸጥታዊ ኵነታት ዘጋድድ ካልእ ጕዳይ ምዃኑ ይጠቅስ።
ሶማልያ ካብቲ ዓበይቲ ቀቢላ ንኣባላት ባይቶ ዝመርጹሉ፡ ንሳቶም ድማ ንፕረዚደንት ዝመርጹሉ ዘይቀጥታዊ ስርዓት ምርጫ ወጺኣ፡ ናብ ስርዓት ቀጥታዊ ድምጺ ንምስግጋር ክትፍትን ጸኒሓ እያ።
ካብቲ ወተሃደራዊ ኵነታት ሓሊፉ፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ግዜን ቅርጽን ምርጫ እታ ሃገር እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ እውን ክፈትሕ ከም ዘለዎ ማሕሙድ ይገልጽ።
ይዅን እምበር እቶም ዝቐረቡ ለውጥታት ነቲ መንግስትን ተቓወምትን ከፋፊሎምዎም ኣለዉ፤ እቲ መረጻ ብኸመይ ክካየድ ከም ዘለዎ ዘይምስምማዕ ተፈጢሩ ኣሎ።
እቲ ምስሕሓብ ኣብዚ ዓመት ዝያዳ ዝኸረረ፡ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ካብ ኣርባዕተ ናብ ሓሙሽተ ዓመት ዘናውሕ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕያሻት ኣሕሊፉ፡ ነቲ ዝቕጽል መረጻ ብግብሪ ክሳዕ 2027 ድሕሪ ምድንጓዩ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣብዚ ወርሒ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣንጻር እቲ ምንዋሕ ስልጣን ብምውሳን፡ ፖለቲካዊ መራሕቲ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ኣብ ፍኖተ-ካርታ መረጻ ክሰማምዑን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ መረጻ ከካይዱን ኣዚዙ።
ሓደ መዓልቲ ቅድሚ እቲ ብይን፡ ማሕሙድ ንዋና ዳኛ ባሸ ዩሱፍ ኣሕመድ ካብ ስልጣኑ ኣልይዎ። ንሱን ካልኦት ኣብቲ ጕዳይ ዝነበሩ ዳያኑን ብዛዕባ ምእላዮም ኣብ ታንዛንያ ኣብ ዝርከብ ዞባዊ ቤት ፍርዲ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ክሲ መስሪቶም ኣለዉ።
መንግስቲ ሶማልያ ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነጺግዎ ኣሎ። ትግባረኡ እውን ሕጂ ዘይርጕጽ ኰይኑ ኣሎ።
እቶም ፖለቲካውን ጸጥታውን ቅልውላዋት ብጽኑዕ ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ዝገልጽ ፕረዚደንት ማሕሙድ፡ ኣብ መረጻ ስምምዕ ዘይምህላዉ እቲ መንግስቲ ኣብቲ ኣንጻር ኣል-ሸባብ ዝካየድ ውግእ ንኸተኵር ዝያዳ ከም ዘጸግሞ ይዛረብ።
ጉሌድ እውን ኣብ ልዕሊ ርግኣት ሶማልያ ዘንጸላሉ ስግኣት ካብቲ ዕጡቕ ጕጅለ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንፈደራል መንግስቲ እናተወዳደሩ ካብ ዝመጹ ዘለዉ ኣብ ቀቢላ ዝተመስረቱ ምሊሻታት ምዃኑ የጠንቅቕ።
"ሎሚ ኣብ ጐድኒ ኣል-ሸባብ ተሰሊፎም ኣንጻር ፈደራል መንግስቲ ዝዋግኡ ተኣዘዝቲ ቀቢላ ኣለዉና" ኢሉ። መሪሕነት እታ ሃገር ንስፍሓት እቶም ኣብ ቅድሚኡ ዘለዉ ብድሆታት ኣቐዲሙ ክግምት ዝኽእል ከም ዘይመስል እውን ወሲኹ።
ነቲ መሻርኽቲ ወጻኢ ዝገድፍዎ ሃጓፍ መን ክመልኦ እዩ?
ጸጥታዊ ብድሆታት ሶማልያ፡ በቲ ኣብ ኣህጉራዊ ፋይናንሳዊ ደገፍ ዘለዋ ከቢድ ጽግዕተኝነት ዝያዳ ይጋደዱ ኣለዉ።
ካብ ምኒስትሪ ፋይናንስ እታ ሃገር ዝወጸ ሓድሽ ሓበሬታ ከም ዘርእዮ፡ 878.8 ሚልዮን ዶላር ዝኸውን ሓገዝ ወፈይቲ፡ ካብቲ ኣብ 2026 ዝተመደበ 1.36 ቢልዮን ዶላር ባጀት እታ ሃገር ክልተ ሲሶ ይሽፍን።
እዚ ዀይኑ ከሎ ግን፡ እቲ ምኒስትሪ ኣብተን ቀዳሞት ትሽዓተ ኣዋርሕ ናይቲ ዓመት ኣስታት 314 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ጥራይ ከም ዝተቐበለ ገሊጹ - እዚ ድማ 35% ናይቲ ዝተጸበዮ ዓመታዊ ሓገዝ እዩ።
ማሕሙድ፡ ዋላ'ኳ ገለ ኣህጉራዊ ወተሃደራዊ ደገፍ ይንኪ እንተሎ፡ ካልኦት መሻርኽቲ ብኽልተኣዊ ስምምዓትን ቀጻሊ ሓገዝን ነቲ ክፍተት ኣብ ምምላእ ክሕግዙ ከም ዝኽእሉ ይኣምን።
ጉሌድ ግን ከም ቱርኪ፡ ቀጠርን ግብጽን ዝኣመሰላ ሃገራት ነቲ ወተሃደራውን ፋይናንሳውን ኣበርክቶ ኡጋንዳን ኣመሪካን ብቕልጡፍ ክትክኣኦ ከም ዝኽእላ ይጠራጠር።
ጽግዕተኝነት ሶማልያ ኣብ ደጋዊ ደገፍ፡ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ቀዳምነታቶም ኣብ ዝቕይሩሉ እዋን ብፍላይ ተቓላዒት ከም ዝገብራ ይምጕት። እዚ ጽግዕተኝነት ምስ ገለ መንግስታት ወጻኢ እናኸረረ ንዝኸይድ ዘሎ ዝምድናታት እውን ኣበርኪቱ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images
ሶማልያ ኣብቲ ምስ ኣብታ ሃገር ዓቢ ጸጥታውን ቍጠባውን ረብሓ ዘለዋ ደጋዊት ሓይሊ ዝተፈጥረ ሓድሽ ምስሕሓብ፡ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዕጡቓት ጕጅለታት ብገንዘብ ትምውልን ንሉዓላውነታ ትጐድእን ኣላ ክትብል ከሲሳታ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ ነቐፌታ ብምንጻግ፡ ነቲ ኣብ ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ዘሎ ምስሕሓብ ብምምልካት ንመራሒ ሶማልያ "ካብ ስልጣን ዝወጽእ ዘሎ ፕረዚደንት" ክትብል ግብረ-መልሲ ሂባትሉ።
ኢማራት ዋላ እኳ ንነዊሕ እዋን ኣገዳሲት ጸጥታውን ቍጠባውን መሻርኽቲ ሶማልያ ኰይና እንተ ጸንሐት፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ብወግዒ ዝምድናአን በቲኸን እየን።
እዚ ምስሕሓብ፡ ሶማልያ ምስቶም ንጸጥታ፡ ገንዘባዊ ሓገዝን ፖለቲካዊ ደገፍን እትምርኰሰሎም መሻርኽቲ ወጻኢ ዘለዋ ኣጸጋሚ ዝምድና ዘርኢ እዩ።
ንኤገሳ፡ ምውጻእ ወተሃደራት ወጻኢ ኣብ መወዳእታ ንሶማልያ ትካላት ጸጥታኣ ኣብ ምህናጽ ክሳዕ ክንደይ ምዕባለ ከም ዝገበረት ንኸተርኢ ዕድል ክህባ ይኽእል እዩ።
በብደረጃኡ ዝካየድ ምውጻእ ወተሃደራት፡ ሓይልታት ሶማልያ በብቝሩብ ሓላፍነት ንኽርከቡ ከም ዘኽእሎምን፡ ንተቐናቐንቲ ፖለቲካዊ ጕጅለታት ድማ ብሓባር ንኽሰርሑ ከም ዘገድዶምን ይኣምን።
ጉሌድ ግን ኣዝዩ ውሑድ ተስፋ እዩ ዘለዎ። ሶማልያ ወተሃደራዊ ድኽመታታ፡ ፖለቲካዊ ምፍልላያታን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽልዋ ዕጡቓት ጕጅለታትን እንተ ዘይፈቲሓ፡ ዝተረኽቡ ጸጥታዊ ዓወታት ናይ ምስኣን ሓደጋ ከም ዘለዋ ይምጕት።
ንግዚኡ፡ ገለ ወተሃደራውያን መሻርኽታ ክወጹ ኣብ ዝዳለዉሉ ዘለዉ እዋን፡ ሱር ዝሰደደ ዕጡቕ ምንቅስቓስ ምውጋእ፡ ተቐናቐንቲ ፖለቲካዊ ረብሓታት ምምሕዳርን ንዘከራኽር መስርሕ መረጻ ምድላውን ዝብል ከቢድ ሓላፍነት ገጢምዋ ኣሎ።
ሶማልያ ብዘይ ዳግማይ ዘይምርግጋእ ነዞም ጸቕጥታት ክትጻወሮም ትኽእል ዶ ኣይትኽእልን ዝብል ገና ክፉት ሕቶ ኰይኑ ኣሎ።





















![መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን [ጸጋም] ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/cc28/live/eff3f9c0-dc0f-11f1-a701-fddedf244c16.png.webp)





