ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ትጽቢት ደገፍቲ ሊቨርፑል ክምልስ ጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ካብ ኒውካስል ናብ ሊቨርፑል ምስ ተሰጋገረ ነዊሕ ከይጸንሐ ካብ ጸወታ ዘርሕቖ ማህረምቲ ስለዘጋጠሞ፡ ደገፍቲ ሊቨርፑል እቲ ካብ ኣሌክሳንደር ዝተጸበይዎ ሸቶታት ኣብ ግዜኡ ክርእይዎ ኣይተዓደሉን ነይሮም። ሕጂ ግን እቲ ንዕኡ ንምግዛእ ዝወጽአ ሰልዲ ግቡእ'ዩ ዝብልሉ ሰዓት በጺሑ ዘሎ ይመስል።
ረቡዕ ምሽት ኣብ ጸወታታት ሻምፕዮንስ ሊግ ጋንታኡ ኣንጻር ቡርጅ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም፡ ክልተ ሸቶታት ከመዝግብ ብምኽኣሉ ቍጽሪ ኣብዚ ወቕቲ ዘመዝገቦ ሸቶታት ናብ ዓሰርተ ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ፤ እዚ ከኣ ምስ ናይ ዓሚ ክነጻጸር እንከሎ ብዕጽፊ'ዩ ወሲኹ።
ዝሓለፈ ዓመት ኣሌክሳደር ኢሳቕ ኣብ ፕሪሚየርሊግ ምስ ሊቨርፑል 14 ግዜ ብምጽዋት ሰለስተ ሸቶታት ጥራይ'ዩ ከመዝገብ ክኢሉ ነይሩ፤ ሓንቲ ድማ ኣብ ጸወታ ፉትቦል ሊግ ኣመዝጊቡ።
ሎሚ ዓመት ግን ኣብ ፕሪሚየርሊግ ካብቲ ትሽዓት ሸቶታት ብምምዝጋብ ዝበለጸ ኣመዝጋቢ ሸቶታት ፕሪሚየሊግ ኰይኑ ዝመርሕ ዘሎ ኤርሊን ሃላንድ ብክልተ ሸቶታት ጥራይ ተበሊጹ ብሸውዓት ሸቶታት ኣብ ካልኣይ'ዩ ዝርከብ።
ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ከኣ ኣብ ኣርባዕተ ግዜ ተሰሊፉ ብሽሙ ሰለስተ ሸቶታት ከመዝግብ ክኢሉ ኣሎ።
ኣሌክሳንደር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ125 ሚልዮን ፓውንድ ካብ ኒው ካስል ናብ ሊቨርፑል ምስ ተሰጋገረ ነዊሕ ከይተጻወተ ኣብ ታሕሳስ'ዩ መስበርቲ ኣጋጢምዎ።
ኣብዚ እዋን ግን ኣብ ዝሓለፈ ዝተሰለፎ ኣርባዕተ ጸወታታት ኣርባዕተ ሸቶታት ከመዝገብ ክኢሉ ኣሎ።
ትማሊ ድሕሪ ጸወታ ካብ ጋዜጠኛ ማዕከን ዜና ቲኤንቲ ደገፍቲ ሊቨርፑል ዝበለጸ ብቕዓት ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ድዮም ዝርእዩ ዘለዉ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ "ኣብ ከመይ ኵነታት ከምዘለኻን ከመይ ከምዘለኻን ክትገልጽ ኵሉ ግዜ ከቢድ'ዩ፤ እቲ ርግጸኛ ኰይነ ክዛረቦ ዝኽእል ግን ጋንታይ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ኣላ ኣነ ኸኣ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት'የ ዘለኹ፡ እዚ ድማ'ዩ እቲ ኣዝዩ ዘገድስ፡ ካብዚ ንላዕሊ ዝበለጸ ክኸውን ከኣ ተስፋ እገብር" ኢሉ።
ዋሕዚ ሸቶታት ኣሌክሳንደር. . . ይቕጽል
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ኣብ መበል 13 ደቂቕ ንቀዳመይቲ ሸቶ ኣመዝጊብዋ፣ በዚ መሰረት ጋንታኡ ካብ ሜዳኣ ወጻኢ ኣብ ዘካየደቶ ሽዱሽተ ጸወታታት ኣሌክሳንደር ኣብ ኵለን ሸቶ ከመዝግብ ክኢሉ ኣሎ።
ኣብ ታሪኽ ሊቨርፑል ካብ ሜዳኦም ወጻኢ ብተኸታታሊ ሸዱሽተ ሸቶታት ዘመዝገቡ ንኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሓዊስካ ሸሞንተ ተጻወትቲ ጥራይ'ዮም ዘለዉ፤ ዲክ ፊርሻው፡ ሳም ኢንግሊሽ፡ ጎርዶን ሆድሶን፡ ጂን ኢቫነስ፡ ጆን ኣልድሪጅ፡ ጆን ባርነስ፡ መሓመድ ሳላሕን ኣሌክሳንደር ኢሳቕን።
ኣብዚ ሎሚ ዓመት ከኣ ብድምር ሸሞንተ ሸቶታት ካብ ሜዳኡ ወጻኢ ኣመዝጊቡ ኣሎ፤ በዚ ከኣ ኤርሊግ ሃላንድ ጥራይ'ዩ ዝዳረጎ።
ብሓፈሻ ክርአ እንከሎ ከኣ ኣብ ዓመተ 2025-2026 ልዕሊ ዝዀነ ናይ ሊቨርፑል ተጻዋታይ ካብ ሜዳኡ ወጸኢ ዝበዝሐ ሸቶታት ዘመዝገበ ተጸዋታይ ኰይኑ ኣሎ። ገና ኣብ ሕዳር ስለዘለና ከኣ ብሕጂ ብዙሕ ክውስኽ'ዩ ግምታት ዘሎ።
ኣሌክሳንደር ትማሊ ጋንታኡ ሰለስተ ብዜሮ ኣብ ዝተዓወተትሉ ኣብ መበል 82 ደቂቕ ንዕኡ ካልኣይቲ ንጋንታኡ ድማ ሳልሰይቲ ዝዀነት ንሓላዊ ልዳት ብልዕሊኡ ኣሕሊፉ ዘመዝገበሉ ሸቶ ርእሰ ተኣማንነቱ ኣብ ዝልዓለ ጥርዚ በጺሑ ከምዘሎ ዘመስከረት ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Opta
ንኣሰልጣኒ ሊቨርፑል ኣንዶኒ ኣራኦላ ግን ብሓፈሻ ብቕዓት ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ክንዮ እቲ ዘመዝግቦ ዘሎ ሸቶታት'ዩ።
"ኣብ ዝበለጸ ብቕዓት'ዩ ዘሎ፡ ብፍላይ ኣብ ቅድሚ ዕረፍቲ ጸወታ ኣብ ምእሳር ኣዝዩ'ዩ ሓጊዙና፣ ድሕሪ ዕረፍቲ ግን ዝያዳ ኣብ ምክልኻል ስለዝነበርና ክንድቲ ቅድሚ ዕረፍቲ ዝነበሮ ኣይነበረን" ኢሉ።
ተኸላኻለይ ሊቨርፑል ዝነበረ ስተፌን ዋርኖክ፡ ኣሌክሳንደር ልዕሊ እቲ ዘመዝግቦ ዘሎ ሸቶታት ጸወታ ኣብ ምቍጽጻርን ኣብ ምርጋእን የበርክት ምህላዉ'ዩ ዝገልጽ።
"ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዛዕባ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ብዙሕ ሕቶታት'ዩ ነይሩ፣ ንምዕዳጉ ዝወጽአ ገንዘብን ብዛዕባ ደሞዙን ብዙሕ ተዘሪቡ'ዩ። ሕጂ ግን ነዚ ዝወጽኣሉን ዝኽፈሎን ዝበቕዕ ከምቲ ኣብ ኒውካስል እንከሎ ንርእዮ ዝነበርና ብቕዓትን ኢና ንርኢ ዘለና" ይብል።
"ስለዚ ሓድሽ ገጽ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኢና ንርኢ ዘለና፡ እቲ ንዓይ ኣብዚ ዝመጽኣኒ ሕቶ፡ ኣብ ከምዚ ኣንዶኒ ዝደልዮ ዓይነት ስልቲ ኣጸዋውታ ኣሌክሳንድር ከጥቅዕን ጸወታታት ብምዕጻው፡ ምሉእ ንምኡእ ንጸወታ ክጸሉን ተኽእሎ ኣለዎ ድዩ ዝብል'ዩ፤ እቲ ጽቡቕ ነገሩ ኵሉ ነገር ብሓደ ኣብ ኣሌክሳንደር ንርእዮ ኣለና፡ እዚ ኸኣ ጽቡቕ ነገር'ዩ" ብምባል ይውስኽ።
ምንባብ ኣሌክሳንደርን ቪርዝን. . . እፎይታ ንሊቨርፑል
መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል
ኣብ ሊቨርፑል ኣብ ምጥቃዕ ብቕዓት ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ጥራይ ኣይኰነን ዝዅላዕ ዘሎ።
ፈሎርያን ቪርዝ'ውን ብቕዓት ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ'ዩ በጺሑ ዘሎ፤ ምስታ ትማሊ ምሸት ኣብ መበል 79 ደቂቕ ዘመዝገባ ሸቶ ተደሚሩ ኣብ ዝሓለፈ ምስ ሊቨርፑልን ምስ ሃገራዊት ጋንታ ጀርመንን ተሰሊፉ ዘካየዶ ሓሙሽተ ጸወታታት ብድምር ሸሞንት ሸቶታታን ንሸቶ ዝዀና ኵዓሳሱን ሰሪሑ።
ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል ኣንዶኒ ኢራኦላ "ክልቲኦም [ኣሌክሳንድን ቪርዝን] ኣብ ጽቡቕ ብቕዓት'ዮም ዘለዉ፣ ብሓፈሻ እታ ጋንታ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ስለዘላ ጽቡቕ ውጽኢት ኢና ንርኢ ዘለና፡ ክልቲኦም ከኣ ጋንታ ንኽትዕወት ኣገዳሲ ግደ'ዮም ዝጻወቱ ዘለዉ" ኢሉ።
ብሓፈሻ ክርኣዩ እንከለዉ እቶም ኣብ ጐድኒ ኣሌክሳንደርን ቪርዝን ዝጻወቱ ሊቨርፑል ሒዛቶም ዘላ ኣጥቃዕቲ ንኣንጻር ጋንታ ኣዝዮም ሓደገኛታት'ዮም።
ትማሊ ሊቨርፑል ሰለስተ ብዜሮ ኣብ ዝተዓወተትሉ ቪክቶር ሙኖዝን ብራድሊ ባርኪላን'ዮም ኣብ ጐድኒ ኣሌክሳንደርን ቪርዝን ተሰሊፎም። ብሰንበት ሊቨርፑል ንማንቸስተር ዩናይትድ ኣርባዕተ ንዜሮ ኣብ ዘዕነወትሉ ድማ ርዮ ንጉሞሃን ንቦታ ቪክቶር ሙኖዝ ተኪኡ'ዩ ተጻዊቱ።
ቪርዝ ትማሊ ድሕሪ ጸወታ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ኣብ ጋንታና ኣዝዮም ብሉጻት ተጻወትቲ'ዮም ዘለዉና፡ ኣጥቃዕቲ፡ ኣከፋፈልቲን ናይ ክንፊ ተጻወትትን ዋላ ኣብ መበል 60 ደቒቕን ድሕሪኡን ጸወታ ክቕይሩ ዝኽእሉ'ዮም" ኢሉ።
"ሓንቲ ጋንታ ብልጽቲ እትብሃል ብሉጻት ተቐየርቲ ምስ ዝህልውዋ'ያ" ብምባል ሊቨርፑል ኣብ ዝበለጸ ብቕዓት ከምዘላ ገሊጹ።
ሊቨርፑል ኣብ ኵሉ ውድድራታ ኣብ ዝሓለፈ ዘካየደቶ ዓሰርተ ጸወታታት፡ እቲ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ክለብ ቡርጅ ዘመዝገበቶ ዓወት መበል ሻውዓይ ዓወታ'ዩ ነይሩ።
እታ ጋንታ ኣብ ፕሪሚየር-ሊግ ካብታ 28 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ቅድሚት ዘላ ኣርሰናል ብሸውዓት ነጥቢ ድሒራ ብ21 ነጥቢ ራብዓይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።
ኣብ ሰሌዳ ቻምፕዮንስ ሊግ ድማ ካብ ሓሙሽተ ጸወታታት ሓንሳብ ጥራይ ተሳዒራ ብ12 ነጥቢ ብጸብለልታ ሸቶ ተበሊጻ ሓሙሻይ ተርታ ሒዛ ኣላ።





















![መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን [ጸጋም] ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/cc28/live/eff3f9c0-dc0f-11f1-a701-fddedf244c16.png.webp)





