ካናዳ፡ ሓደ ወላዲ ንደቁ ብምቕታሉ ብቐዳማይ ደረጃ ቅትለት ተኸሲሱ

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ካናዳ ከተማ ካልጋሪ ሓደ ወላዲ ብቕትለት ክልተ ደቁ ብቐዳማይ ደረጃ ቅትለት ተኸሲሱ።

ሬሳ ናይቶም ወዲ ሓሙሽተ ዓመትን ጓል ሰለስተ ዓመትን ደቁ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ከተማ ካልጋሪ ብሓሙስ'ዩ ኣብ ውሽጢ መኪና ተረኺቡ።

እቲ ወዲ 37 ዓመት ክሱስ ብዓርቢ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ናብ ቤትፍርዲ ከተማ ካልጋሪ ከም ዝቐረበ ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ቤትፍርዲ ስም ክሱስን እቶም ግዳያትን ብማዕከናት ዜና ከይግለጽ ስለ ዝሓተተ፡ መንነት ግዳያትን ስም ክሱስን ክገልጽ ከም ዘይከኣለ ማዕከን ዜና ሲቢሲ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ እታ ከተማ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ገበን፡ "ኣዝዩ ዘይሕሰብን ኣሰንባድን'ዩ፡"ኢሉ።

ቀጺሉ፡ "ከምዚ ዝዓቐኑ ፍጻመታት ኣብቶም ስድራቤታትን ሕብረተሰብን ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብቶም ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡን ነዞም ፍጻመታት ዝምርምሩን ፖሊስን ከምኡ'ውን ኣብቶም ቀዳሞት ግብረ መልሲ ዝሃቡ ዓሚቝን ነባሪን ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎም፡" ኢሉ።

እቲ ፈጻሚ ገበን ብሓሙስ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ንግሆ ናብ ፖሊስ ብምድዋል ንደቁ ከም ዝቐተሎም ብምሕባር ኣበይ ከም ዘሎ ሓቢርዎም።

ፖሊስ ናብቲ ዝተሓበሮም ቦታ ምስ በጽሑ ደው ዝበለት መኪና ርእዮም፣ ቅድሚ ሬሳ ናይቶም ቈልዑ ምርካቦም ከኣ ነቲ ደቀይ ቀቲለዮም ዝበሎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትየሞ።

ሓላፊ ምክልኻል ዘቤታዊ ገበናት ሰርጀንት ማርክ ረይን ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ስድራ እዞም ግዳያት ካብ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ሕጋውያን ሰብ ሓዳር ኰይኖም ክነብሩ ድሕሪ ምጽናሕ ቅድሚ ዓመት'ዮም ብወግዒ ተፋቲሖም፡" ኢሉ።

ሰብ ሓዳር ኣብ ዝነበርሉ ስኒት ይውሕዶም ስለ ዝነበረ ፖሊስ ኣርባተ ግዜ ናብ ገዛኦም ተጸዊዑ ከም ዝነበረ፣ እንተዀነ እቲ ዘይምስምምዖም ክሳብ ናብ ምክሳስ ዝበጽሕ ከም ዘይነበረ ሰርጀንት ማርክ ረይን ኣብሪሁ።

ፈጻሚ ገበን ነቶም ክልተ ደቁ ብረቡዕ (ድሮ ምቕታሎም) ከባቢ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ምሽት ካብ ኣዲኦም ከዛውሮም ኢሉ'ዩ ወሲድዎም፡ ካብቲ ክመልሶም ዝግበኦ ሰዓታት ምስ ደንጎየ ግን እታ ወላዲት ንፖሊስ ሓቢራ።

ፖሊስ ንፈጻሚ ገበን ንምውካስ ደጋጊሙ'ኳ እንተ ደወለሉ ክምልስ ከም ዘይከኣለ ማርክ ረይን ገሊጹ።

ረቡዕ ናብ ሓሙስ ኣብ ዘውግሕ፡ ነቶም ክልተ ደቁ ከም ዝቐተሎም ከኣ ፖሊስ ኣብ ሬሳ እቶም ቈልዑ ድሕሪ ዝተገበረ መርመራ ክፈልጥ ክኢሉ።

ፈጻሚ ገበን ጽባሕ ሰኑይ'ውን ናብ ቤትፍርዲ ክቐርብ ምዃኑ ፖሊስ ሓቢሩ ኣሎ።

በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ሓዘን ዝተሰመዖም ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ሓዘኖም ንምግላጽ ተኣኻኺቦም ነይሮም።

ብፍላይ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ነበርቲ ካልጋሪ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ እታ ስደራ ቤት ትመላለሰሉ ዝነበረት ቤተክርስያን ብምትእኽኻብ ሓዘኖም ክገልጹ እንከለዉ፡ ንወላዲት እቶም ግዳያት ሞራላዊ ደገፍ ገይሮሙላ።

ነባሪ ጋልጋሪ ኣባ ጎይትኦም መንገሻ ኣብ ንማዕከን ዜና ሲቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ቅትለት እቶም ህጻናት ኣብ ማሕበረሰብ ናይቲ ከባቢ ዓቢ ስንባደ ከም ዝፈጠረ ሓቢሮም።

"ኣብዚ ሕብረተሰብና ከምዚ ኣጋጢሙ ኣይፈልጥን'ዩ፤ በዚ ዘጋጠመ ነገር ኣዚና ኢና ሰንቢድና ዘለና፡" ኢሎም።