ቀንዲ ነጥብታት

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ
  • ጕጅለታት ተቓውሞ ሱዳን፡ ነቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብታ ሃገር ተወሊዑ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጭትን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ንምዕጋት፡ ናይ ሱዳናውያን ሓድሕዳዊ ዘተ ንምእንጋድ ዘቕረቦ ተበግሶ ትማሊ እወታዊ ምላሽ ሂቦምሉ።
  • ወኪል ህዋ ኤውሮጳ 'ሄራ' ዝተሰምየት መንኰርኰሩ፡ ነቲ ናሳ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ሓደ ከውሒ ህዋ (ኣስትሮይድ) ብፍላጥ ዘካየዶ ታሪኻዊ ምግጫው ስዒቡ ዝወረደ ዕንወት ንምምርማር ናብቲ ቦታ በጺሓ።
  • ማእከላይ ወኪል ስለያ ኣመሪካ (ሲኣይኤ)ን ቤትጽሕፈት ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያን፡ ምስጢራዊ ትሕዝቶታት ዘለዎ ናይ መረዳእታ ስርዓተን ዘቃልዐ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከም ዘጋጠመን ምፍላጠን ጋዜጣ 'ኒው ዮርክ ታይምስ' ጸብጺባ።
  • ኣብ ከተማ ከረን፡ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም መሬት ናይ ኣርባዕተ ቈልዑ ህይወት ክሓልፍ እንከሎ፡ ክልተ ድማ ብህይወት ከም ዝደሓኑ መንግስታዊት ጋዜጣ 'ሓዳስ ኤርትራ' ሓቢራ።