
ምንጪ ስእሊ, AP
ማእከላይ ወኪል ስለያ ኣመሪካ (ሲኣይኤ)ን ቤትጽሕፈት ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያን፡ ምስጢራዊ
ትሕዝቶታት ዘለዎ ናይ መረዳእታ ስርዓተን ዘቃልዐ መጥቃዕቲ ሳይበር ከም ዘጋጠመን ምፍላጠን ጋዜጣ ‘ኒው ዮርክ ታይምስ’ ጸብጺባ።
እታ ጋዜጣ ንሓለፍቲ ኣመሪካን ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝፈልጡ ምንጭታትን ብምጥቃስ ከም ዘረድኣቶ፡
እቲ መጥቃዕቲ፡ ካብ ቅሉዕን ምስጢራዊ ዘይኰነን ምንጭታት ኣገደስቲ ሓበሬታታት ንምእካብ ኣብ ዘገልግል ክፉት መርበብ መረዳእታ እዩ
ኣነጻጺሩ።
እንተዀነ፡ እቶም ኣዝዮም ተነቀፍትን ምስጢራውያንን ዝዀኑ ሰነዳት ኣብ ሓደጋ ከም ዘይወደቑ
ተገሊጹ።
እዚ ቅሉዕ ናይ መረዳእታ መርበብ፡ ንንግዲ ዝቐርቡ ዓበይቲ ዝተኸዘኑ ዳታታት፡ ናይ ማሕበራዊ
መራኸቢታት ትሕዝቶታት፡ ናይ ሳተላይት ኣሳእልን ካልእ ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ሓበሬታታትን ዘጠቓልል እዩ።
እዞም መረዳእታታት ንበይኖም ክረኣዩ እንከለዉ ተራ ይመስሉ እኳ እንተዀኑ፡ ምስ ካልኦት
መረዳእታታት ተደሚሮም ክትንተኑ እንከለዉ ግን ንኣገደስቲ ምስጢራት ሃገር ናይ ምግላጽ ዓቕሚ ከም ዘለዎም እቲ ጸብጻብ የረድእ።
እዚ መጥቃዕቲ ሳይበር ዝቃላዕ ዘሎ፡ ምኒስትሪ ሕርሻን ፈደራላዊ ቢሮ መርመራን (ኤፍቢኣይ)
ዝርከብዎም ሓያሎ ትካላት መንግስቲ ኣመሪካ ተመሳሳሊ መጥቃዕትታት ድሕሪ ምእንጋዶም ኰይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ሓለፍቲ ስለያ እታ
ሃገር ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።
ምኒስትሪ ሕርሻ ኣመሪካ ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ሰሙን ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ኰይኑ፡
እቶም ሰርሰርቲ (ሃከርስ) ነቲ ንሓረስቶት ክፍሊት ንምፍጻም ዘገልግል ናይቲ ምኒስትሪ ስርዓተ-መረዳእታ ጥሒሶም ከም ዝኣተዉ ተፈሊጡ
ኣሎ።
ብተመሳሳሊ፡ ኤፍቢኣይ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝጥቀመሉ መዝገብ ገበን ናይ ድሕነት ጥሕሰት
ከም ዘጋጠሞ ኣረጋጊጹ፡ መርመራ የካይድ ኣሎ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሃገራዊ ትካል ድሕነት ኣመሪካ ዝጥቀመሉ ኣዝዩ ምስጢራዊ
ውሽጣዊ መርበብ ርክብ ንግዜኡ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኰይኑ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ሓለፍቲ እቲ ትካል እቲ ምቍራጽ ብሰንኪ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከም ዘይኰነ ኣነጺሮም
ኣለዉ። እዚ ኣብቲ ትካል ስለያ ዘጋጠመ ምቍራጽ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ መደበራት ነፈርቲ፡ ባንክታትን ካልኦት ኩባንያታትን
ዓበይቲ ቴክኒካዊ ጸገማት ድሕሪ ምኽሳቱ ዝሰዓበ እዩ።