ጥዕናና ንምውሓስ መዓልታዊ ክንገብሮም ዘለና ሓሙሽተ ቀለልቲ ልምድታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነዊሕ ዓመት ምንባር ማለት ካብ ሕማም ነጻ ምዃን ማለት ኣይኰነን፣ ወይ መዓልታዊ ብርቱዕ ምንቅስቓስ ኣካላት ጥራይ ስለ ዝገበርና ጥዕናና ምሉእ ክኸውን'ዩ፣ ነዊሕ ዓመታት ከኣ ክንነብር ኢና ኢልና ክንሓስብ ግቡእ ኣይኰነን።
ቴክኖሎጂ እናማዕበለ ኣብ ዝመጽኣሉ ተመራመርቲ'ውን ኣካላትና ብኸመይ'ዩ ዝምዕብልን ወዲ ሰብ ጥዕናኡ ምሉእ ገይሩ ከመይ ኢሉ'ዩ ነዊሕ ዓመታት ዝነብርን ኢሎም ካብ ምምርማር ዓዲ ኣይወዓሉን።
ኣብ መጀመርታ፡ እቲ ምርምር ወዲ ሰብ ከመይ ኢሉ ንነዊሕ ዓመታት ክነብር ይኽእል ኣብ ዝብል'ዩ ዘተዅር ነይሩ።
ሕጂ ግን ከመይ ኢሉ ዝተወሰኑ ከበድቲ ዘይኰኑ ልምድታት ብምምዕባል ጥዕናኡ ሓልዩ ንነዊሕ ዓመታት ክነብር ይኽእል ናብ ዝብል'ዩ ዝያዳ ዘተዅር ዘሎ።
እዚ ጽሑፍ ከኣ ሕጽር ብዝበለ መንገዲ ዕድሜና ንምንዋሕን ጥዕናና ንምሕላውን መዓልታዊ ክንገብሮም ዘለና ሓሙሽተ ልምድታት ኢሉ ሰሪዑልና ኣሎ።
1. ኣካላዊ ብቕዓት ምስ ምንዋሕ ዕድመ ዘለዎ ርከብ
ኣካላዊ ብቕዓት ኣብ ምንዋሕ ዕድመና ዓቢ ግደ'ዩ ዘለዎ፣ ብፍላይ ከኣ ንልብና። ነቶም ናብ መላእ ኣካላትና ደምን ኦክስጅንን ዘመላልሱ መትንታና ዓሊምና እንገብሮ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣዝዩ ወሳኒ'ዩ።
ልብና ንቡር ህርመትን ምጭንጓዕ ደምንዶ ትገብር ኣላ? ከምኡ ድማ ከምቲ ዝድለ ናብ ምሉእ ኣካላትና እኹል ኦክስጅንን ደምንዶ ይበጽሕ ኣሎ? ኢልና ሕክምናዊ መርመራ ብምግባር ፈኲስ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብምክያድ ጥራይ ናብ ንቡር ኣካላዊ ብቕዓት ክንመጽእ ንኽእል ኢና።
ስለዚ፡ ኣካላዊ ብቕዓት ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ ጥዕናና ኣብ ምውሓስን ዕድመ ኣብ ምውሳኽን ግደ ዘለዎም መዓልታዊ ክንገብሮ ዘለና ንጥፈት'ዩ።
2. እኹልን ዘይተዀላለፈን ምድቃስ
ሰብ መዓልቲ ንሸሞንተ ሰዓታት ክድቕስ ኣለዎ ዝብል ኣምር፡ ንነዊሕ ዓመታት ምሳና ዝተጓዓዘ'ዩ። እኹል ድቓስ ጥዕናና ኣብ መውሓስ ዓቢ ግደ ከም ዘለዎ'ውን ዘጠራጥር ኣይኰነን።
ተመራመርቲ ግን ነዚኣ፡ ሓንቲ ነጥቢ ወሲኾሙላ ኣለዉ - 'ዘይተኰላለፈን እኹልን ድቓስ'።
ዘይተዀላለፈን እኹልን ምድቃስ ጥዕናና ኣብ ምውሓስን ዕድሜና ኣብ ምውሳኽን ዓቢ ግደ ከም ዘለዎ መርትዖታት ኣሰንዮም ኣቕሪበሞ ኣለዉ።
ገለ ገለ ሰባት፡ ብርቱዕ ድምጺ ኣብ ዘለዎ ቦታ'ውን ክድቅሱ ኣይእግሞሙን'ዩ። ገለ ኣብ ኣውቶቡስ፡ ገለ ቡን እናሰተየ፡ ገለ ኣብ እንዳ ባር፡ ገለ ኮፍ ኣብ ዝበሎ ከረው ኢሉ ዝድቕስ ኣሎ።
እዚ ግን ምስቲ ዘይተዀላለፈ ድቓስ ዝብል ስለ ዘይሳነ፡ እዞም ተመራመርቲ ምስ ድቃስ ክጽብጸብ የብሉን በሃልቲ'ዮም።
ምሉእ እግርኻ ዘርጊሕካ ምድቓስ፡ ልቢ ደም ንምጭንጓዕ እተህልኾ ጸዓት ከም ዝንኪ ስለ ዝገብር፡ ንልቢ ብተዛማዲ ካብ ብርቱዕ ሃልኪ እተዕርፈሉ ሰዓታት'ዩ።
ስለዝዀነ፡ እኹልን ዘይተዀላለፈን ድቃስ ምድቃስ ዕድመ ኣብ ምውሳኽ ዓቢ ግደ ካብ ዘለዎም ነጥብታት'ዩ።
3. ንትሪ ጭዋዳታት ዝዓለመ ስፖርት ምዝውታር
እዞም መዓልታዊ ከቢድ ሚዛን ዝስፍስፉ ሰባት ነዊሕ ክነብሩ ይኽእሉ'ዮም።
ይዅን'ምበር፡ ኵሉ ነገር ክበዝሕ እንከሎ'ውን ናቱ ዝኸኣለ ጐድናዊ ሳዕቤናት ኣለዎ።
ሰለስተ መዓልታት ኣብ ሰሙን ካብ 30 ክሳዕ 60 ደቂቕ ንትሪ ጭዋዳታትን ዝዓለመ ስፖርት ምስራሕ ንመጠን ሞት ካብ 10 ክሳብ 30 ምኢታዊት ከም ዝንክዮ'ዮም እዞም ተመራመርቲ ዝገልጹ።
4. መዓልታዊ ፈኲሲ ጕዕዞ እግሪ ምክያድ
ጽዑቕ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ጥዕናና ኣብ ምውሓስን ዕድሜና ኣብ ምውሳኽን እወታዊ ኣበርክቶ ኣለዎ።
ጽዑቕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምግባር እኹል ግዜን ቦታን የብልናን ኢልና ንትህኪትና ንዘይምቕባል ከነመኽኒ ንኽእል ኢና።
እንተዀነ ካብ ሞንጎ ስራሕና ቅንዕ ኢልና ብምምጥላዕን ንዝተወሰነ ደቓይቕ ብእግራና ብምንቅስቐስን ጥራይ ዕድመና ኣብ ምውሳኽ ዓቢ ግደ ከም ዘለዎ'ዮም ተመራመርቲ ዝገልጹ።
5. ኣልኮላዊ መስተ ምውጋድ ወይ ምውሓድ
ተመራመርቲ ኣልኮላዊ መስተ ካብ ሓንቲ ብኬሪ ክሳብ ሓያሎ ብኬሪታት ወይ ካብ ሓንቲ ቢራ ክሳብ ሓያለ ጠራሙዝ ቢራታት ኣብ ዕድሜና ኣሉታዊ ጽልዋታት ከም ዘለዎ'ዮም ዝሕብሩ።
ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ምስታይ ዘሕለፍናያ ምሸት፡ ናብ ንቡር ሓይልና ንኽንምለስን እቲ ድኻም ክወጽኣልናን ካብ 4 ክሳዕ 5 መዓልታት ከም ዝወስደልና ተመራመርቲ ይሕብሩ።
እዚ ከኣ ተዋህሊሉ ጸቕጢ ስለ ዝፈጥረልና ናብ እርጋን ከምርሓናን ንሞትና ከቃላጥፎን ይኽእል'ዩ።
ኵሉ'ዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሙሽተ ነጥብታት ብሓባር እንተ ወሲድናዮ፡ ንኣሽቱን ቅኑዕን ባህርያት ምስ ግዜ ክሳብ ክንደይ ንጥዕናና ቅርጺ ከትሕዞ ከም ዝኽእል ዝያዳ ዘርኢ'ዩ።
ኣካላዊ ብቕዓትን እኹልን ዘይተዀላለፈን ምድቃስን ካብቶም ጥዑይን ነዊሕን ዕድመ ንኽህልወና ዓቢ ተራ ዝጻወቱ ረቛሒታት እዮም።
እዚ ንኽንገብር ግን ካልእ እንገብሮ መዓልታዊ ንጥፈታት ኣቋሪጽና ኣይኰንናን፣ በብቝሩብ ኣካል ናይቲ መዓልታዊ ንጥፈታትና ብምግባር ግን ዓቢ ጥዕናዊ ረብሓታት ክንረክብ ንኽእል ኢና።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


