20 ደቂቕ ምስ ተፈጥሮ - ኣብ ጥዕናና ዘለዎ ረብሓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሓደ ልሙዕ ወይ ኣግራብ ዝበዝሖ ቦታ ምንቅስቓስ ምስ ገበርካ ህድኣት ዝስምዓካ እንተዀይኑ፡ ብሓሳብካ ዘምጽኣክዮ ኣይኰነን፡ ኣፈጣጥራና'ዩ ንኸምኡ ዝድርኸና።
ኣብ ከምዚ ቦታ እትገብሮ ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጢ ኣካላትና ብዙሕ ምቅይያራት'ዩ ዝፈጥር፡ ነቶም ጸቕጢ ዘስዕቡልና ሆርሞናት የጕድሎም፡ ጸቕጢ ደምና ይሃድእ፡ ጥዕና ከስዐና ይመሓየሽ።
ከምዚ ዓይነት ረብሓታት ንኽንረክብ ኣብ ሓደ ልሙዕ ቦታ ወይ ኣግራብ ዝብዝሖ ንሰዓታት ምንቅስቓስ ኣየድልየናን'ዩ፡ 20 ደቓይቕ እኹላት'የን።
ስለዚ ካብታ ዘላትና ናይ ዕረፍቲ ደቂቕ ን20 ደቓይቕ ኣብ ከምዚ ቦታ ምንቅስቓስ እንተገይርና ኣብ ሓንጎልና ብዙሕ ነገራት'ዩ ዝለዋወጥ።
ተፈጥሮ ኣብ ጥዕናና ካብ ዝህበና ረብሓታት ነቲ ቀንዲ ኣርባዕተ ነጥብታት በሉ ክንነግረኩም።
1. ዘይሓሰብናዮ ህድኣት
ቀጠልያ ኣግራብ ምስ ርኣና፡ ጨና ናይ ኣጉናድ ናይቲ ዝወደቐ ኣቝጽልቲ ምስ ድምጺ ኣዕዋፍ ተሳንዩ ብኣፍንጫናን እዝንናን ምስ ኣተወ እቲ ንህድኣትና ዝቈጻጸር ውሽጣዊ ስርዓት ብቕጽበት ግብረመልሲ ይህብ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ክኢላ 'ባዮዳይቨርስቲ' ፕሮፌሰር ባሮነስ ካቲ ዊሊስ "ኣብ ኣካላትና ከም ምንካይ ጸቕጢ ደም፡ ህድኣት ዘለዎም ለውጢ ኣብ ህርመት ልቢ፡ ዝኣመሰሉ ለውጥታት ንርኢ ኣለና - እዚ ዅሉ ምስ ፊዚዮሎጂያዊ ህድኣት ዝተኣሳሰር'ዩ" ትብል።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ኣስታት 20 ሽሕ ሰባት ዝተገበረ መጽናዕቲ'ውን እቶም ኣብ ሰሙን ብድምር ን120 ደቃይቕ ኣብ ልሙዕ ቦታ ግዜኦም ዘሕልፉ ሰባት ዝሓሸ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ከምዘለዎም ክረጋገጽ ክኢሉ።
ምስ ተፈጥሮ ግዜ ምሕላፍ ዘለዎ ረብሓታት ዝሕብር መርትዖታት ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ገለ ከባቢታት ንሰባት ምስ ተፈጥሮ ብምትእስሳር ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕናኦም ንምምሕያሽ፡ ኣብ መዓልቲ እንተወሓደ ን20 ደቃይቕ ኣብ ሓምላይ ቦታ ግዜኦም ከሕልፍዎ ዘተባብዓ ማሕበራት ክሳብ ምምስራት በጺሖም ኣለዉ።
2. ሆርሞናትና ዝያዳ ይብርትዑ
ኣብ ልሙዕ ቦታ ምስ እንህሉ ኣብ ሆርሞናትና'ውን ህዱእ ምዝናይ ይፍጠር'ዩ።
ፕሮፌሰር ባሮነስ ካቲ ዊሊስ፡ ኣብ ልሙዕ ቦታ ምስ እንህሉ ኣብ ኣካላትና ዘሎ መጠን ኮርቲሶልን ኣደረናሊንን ይንኪ'ዩ ትብል።
እዞም ሆርሞናት እዚኦም ኣብ ውጥረት ወይ ጭንቀት ኣብ እንህልወሉ እዋን ዝውስኹ ሆርሞናት'ዮም።
እዛ ክኢላ ብምስዓብ "ብመጽናዕቲ ከምዝተረጋገጸ ኣብ ሓደ ሆቴል ንሰለስተ መዓልታት ፍሉይ ስርሓት ጃፓን ዝዀነ ናይ ልሙዕ ከባቢ ሽታ ዘለዎ ዝተመስርሐ ጨና እናሸተቱ ዝተቐመጡ ሰባት፡ መጠን ኣድረናሊን ሆርሞናቶም ክንኪ እንከሎ መጠን ናይቶም ንቫይረሳት ዝከላኸሉ ዋህዮታቶም ኣዝእዮም ክውስኹ ክኢሎም" ትብል።
እቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣብ ዝተገበረሎም መርመራ'ውን መጠን ናይቶም ንቫይረሳት ዝኸላኸሉ ዋህዮታቶም ምውሳኽ ኣየቋረጹን ጸኒሖም።
ፕሮፌሰር ሚነግ ኩ ካብ ዩኒቨርስቲ ኢሊኖይስ'ውን ንረብሓታት ልሙዕ ከባቢ ክገልጽ እንከሎ "ኣብ ውሽጢ ኣካላትና ነቲ ምህዳእ ዘድልዮ የህድኦ ነቲ ክሕይል ዝግበኦ ከኣ የሐይሎ'ዩ" ብምባል'ዩ ዝገልጾ።
"ኣብ ሰሙን ንሰለስተ መዓልታ ናብ ሓደ ቀጠልያ ቦታ ንውሑዳት ደቃይቕ ምንቅስቓስ ኣብቶም ኣብ ውሽጢ ኣካላትና ንቫይረሳት ዝቃለሱ ባእታታት ዓቢ ረብሓ'ዩ ዘለዎ፡ ዋላ ድሕሪ ወርሒ'ውን ካብቲ ማእከላይ ገምጋም ብ24% ዝያዳ ሕማማት ናይ ምጽዋርን ምክልኻልን ዓቕሚ'ዩ ዝህልወና" ትብል።
ከም መደምደምታ ምስ ተፈጥሮ ነሕልፎ ግዜ ሓጺር እንተዀይኑ፡ ኣብ ጥዕናና'ውን ሳዕቤናት ከምዝህልዎ'ያ ፕሮፌሰር ሚነግ ኩ ትሕብር።
3. ምሽታት ሓደ ካብ ቀንዲ ናይ ስምዒት ህዋሳት
ንተፈጥሮ ምሽታት ልክዕ ከምቲ ንልሙዕ ከባቢ ርኢናን ድምጺ ኣዕዋፍ ስሚዕና ዝስምዓና ባህታ'ዩ ዝፈጥረልና።
ኣግራብ፡ ኣብ ትሕቲኦም ዘሎ ለስለስታ ዘለዎ ሓመድን እቲ ዝወደቐ ኣቝጽልትን ዝፈጥርዎ ውሁድ ጨና "ከተስተንፍሶም ከለኻ ገለ ሞለኲዩላት ናብ ደምና ይሓልፉ።"
ፕሮፌሰር ባሮነስ ካቲ ዊሊስ፡ ጨና ጽሕዲ ኣብ ውሽጢ 90 ካልኢት ጥራይ ህዱእ ክገብረካ ስለ ዝኽእል፡ እቲ ጽልዋ ድማ ንኣስታት 10 ደቓይቕ ከም ዝጸንሕ፡ ጽሕዲ ናይዚ ጽቡቕ ኣብነት ምዃኑ ትዛረብ።
ምናልባት እቲ ናይ ምህዳእ ስምዒት ብሓሳብና ዝፈጠርናዮ ክመስለና ይኽእል'ዩ።
እንተዀነ ካልእ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ምስ ፍሉይ ጨናታት ዝዀነ ቅድመ ተመኵሮ ዘይብሎም ህጻናት'ውን ዝተውሃሃደ ጨና ናይ ጫካ ወይ ልሙዕ መሬት ኣዝዩ ህዱኣት ከምዝገብሮም'ዩ ክረጋገጽ ክኢሉ'ዩ።
4. ጠቐምቲ ዝዀኑ ባክተርያታት ናብ ክስዐና ይኣትዉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ልሙዕ መሬት ህድኣት ኣእምሮ ጥራይ ኣይኰነን ዝፈጥረልና፡ ኣግራብን ሓመድን ንኣካላትና ኣዝዮም ጠቐምቲ ባክተርያታት ስለዘለዉዎም፡ ኣብ ኣካላትና መጠን ማይክሮባዮም ንክውስኽ ይድርኹ'ዮም።
ፕሮፌሰር ባሮነስ ካቲ ዊሊስ "እቶም ኣብ ልሙዕ ቦታ ካብ ኣግራብን ካብ ሓመድን እንረኽቦም ባክተርያታት ልክዕ ከምቶም ከፊልና ብመልክዕ ፈሳስን ፕሮባየቲክን እንረኽቦም ባክተርያታት'ዮም" ትብል።
ፕሮፌሰር ሚነግ ኩ ካብ ልሙዕ ኣግራብን ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ጨናን ንሕማም ክንከላኸል ዝሕግዘና ከም ፓይቶንሰዓይድ ዝኣመሰለ ከሚካላት ናብ ውሽጥና ከምዝኣቱ ብምሕባር ብመጽናዕቲ ከተረጋግጽ ክኢላ'ያ።
ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶክተር ክሪስ ቫን ቱለከን ብወገኑ፡ እቲ ቦታ ልሙዕ ግን ዘይጽሩይ እንተኾይኑ ካልእ ሳዕቤናት ልህልዎ ከምዝኽእል መዕዳኡ ይልግስ።
እቲ ደቅና ዝጻወትሉ ልሙዕ ግን ዘይጽሩይ እንተዀይኑ ብኣፎምን ብኣፍጫኦምን ተጓዳእቲ ነገራት ናብ ከስዐኦም ክኣትዉ ከምዝኽእል'ዩ እቲ ክኢላ ዝዛረብ።
ንተፈጥሮ ናባኻ ምምጻእ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ርጕጽ'ዩ ኵሉ ሰብ ኣብ ከባቢኡ ልሙዕን ጽሩዩን ከባቢ ዘይክረክብ ይኽእል'ዩ፡ እቲ ጽቡቕ ነገር ከኣ እዚ ዘይከድልየና ይኽእል'ዩ።
ኣብ ገዛና ወይ ኣብ ከባቢና ንእሽተይ ለውጢ ብምግባር ጥራይ ንዅሉ እቲ ረብሓታት ክንረኽቦ ከምእንኽእል ፕሮፌሰር ባሮነስ ካቲ ዊሊስ ትገልጽ።
ኣብ ንእሽተይ ቦታ ጻዕዳ ወይ ብጫ ፍዮሪ ዘለዎ ጽገረዳ ብምትካል እንረኽቦ ሽታ ኣብ ኣእምሮና ኣዝዩ ፍሉይ ዝዀነ ህድኣት'ዩ ዝፈጥረልና።
ብተወሳኺ ከም ፒነነ ዝብሃል ዓይነት ዝተመስረሐ ጨና ናይ ገዛ'ውን ኣእምሮና ኣብ ምርግጋእ ኣዝዩ ሓጋዚ'ዩ።
እዚ ኵሉ ክንግብሮ እንተዘይክኢልና፡ ሓደ ዕሙር ጫካ ዘርኢ ስእሊ'ውን ኣእምሮና ኣብ ምርግጋእ ኣዝዩ ሓጋዚ'ዩ።
ቅድሚ ሕጂ ዝተገበረ መርመራ ከምዘረድኦ ኣብ መንደቕ ናይ ገዛና፡ ኣብ ስክሪን ናይ ኮምፒተርናን ሞባይልናን ልሙዕ በታ ዘርኢ ስእሊ ምልጣፍ ኣእምሮና ኣብ ምርግጋእን ጸቕጢ ኣብ ምጉዳልን ዓቢ ግደ'ዩ ዘለዎ።
ፕሮፌሰር ሚነግ ኩ "እታ ንእሽተይ እትመስል ነገር'ውን ዓቢ ለውጢ'ያ ተመጽእ" ትብል።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


