እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብ ቦርንማውዝ ዘቋምታ ዘለዋ ኣዕይንቲ ደገፍቲ ኣርሰናል
ኣርሰናል ኣብ ልዕሊ በርንሊ 1ብ 0 ድሕሪ ምዕዋታ፡ ዋንጫ ፕረምየር ሊግ ንምልዓል ሓንቲ ኢዳ ኣንቢራትላ ኣላ።
ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ናይ ሊግ ጸወታታታ ሰለስተ ግዜ 1ብ 0 ብዝዀነ ውጽኢት ክትዕወት ከላ፡ ኣብ መወዳእታ ዘካየደቶም ሽዱሽተ ጸወታታት ሓደ ሸቶ ጥራይ እዩ ተመዝጊቡዋ።
ኣርሰናል ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ኵሉ ውድድራት 32 ግዜ ልዳታ ከይተደፍረ ዝወጽአት ኰይና፡ ውሑድ ሸቶ ዝተመዝገባ (26 ሸቶ) ጋንታ ኰይና ኣላ።
ኣሰልጣኒ ሚኬል ኣርቴታ፡ "እዚ ስራሕ'ዚ ንዓቕመይ ፈቲንዎ እዩ፣ ግናኸ እቶም ተጻወትተይ ኣብ ምክልኻል ዘርኣዩዎ ተወፋይነትን ንሓድሕዶም ዝተደጋገፍሉ መንገድን ዘደንቕ እዩ፡" ኢሉ።
እታ ጋንታ ኣብዚ ዓመት'ዚ 13 ግዜ 1ብ 0 ዝዀነ ዓወት ኣመዝጊባ፤ እዚ ካብ ተተካሊ ኩዕሶ እተመዝግቦ ሸቶታት ኣብ ገሊኡ ግዜ ነቐፌታ ከምጽኣላን ተፈራሒት ክገብራን ክኢሉ እዩ።
ማንቸስተር ሲቲ ነቶም ዝተረፍዋ ክልተ ጸወታታት እንተ ተዓዊታ ጸብለልታ ሸቶ ስለ ዝህሉዋ፡ ኣርሰናል ዋንጫ ንምውሳድ ነታ ናይ መወዳእታ ጸወታኣ ምስ ክሪስታል ፓላስ ክትዕወት ኣለዋ።
ናይ ቀደም ተኸላኻሊ ሊቨርፑል ጂሚ ካራገር፡ "ኣርሰናል እዚ ዓወት'ዚ ብናይ ኣርሰን ቨንገር ቅዲ ዘይኰነስ፡ ብናይ ጆርጅ ግራሃም ቅዲ '1ብ 0 ኣርሰናል' ብዝብል መፈክር እያ ክትወስዶ፡" ኢሉ።
ተጻዋታይ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝነበረ ጋሪ ነቪል ብወገኑ፡ ኣርሰናል ብሓይሊ መጥቃዕታ እኳ እንተ ተጸገመት፡ እቲ ኣብ ምክልኻል ዘለዋ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ግን ዋንጫ ንምውሳድ እኹል ምዃኑ ገሊጹ።
ሕጂ ኵሉ ኣቓልቦ ኣርሰናልን ደገፍታን ናብታ ማንቸስተር ሲቲ ምስ ቦርንማውዝ ሎሚ ሰሉስ እተካይዳ ጸወታ እዩ ዘሎ።
ኣርቴታ ንሰሉስ "ቀንዲ ደጋፊ ቦርንማውዝ፡" ክኸውን ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።
ሲቲ እንተ ተሳዒራ፡ ኣርሰናል ከይተጻወተት ሻምፒዮና ክትከውን ትኽእል እያ። ደገፍቲ ኣርሰናል ሓያል ተስፋን ስግኣትን ተሰሚዑዎም ኣሎ።
ሓደ ደጋፊ፡ "ኣዝየ ፈሪሐ ኣለኹ፣ ግናኸ ቦርንማውዝ ሻድሻይ ደረጃ ሒዛ ናብ ሻምፒዮንስ ሊግ ንምእታው ስለ እትጻወት፡ ንሲቲ ክትዕንቅፋ ትኽእል እያ ዝብል እምነት ኣለኒ፡" ኢሉ።
ካልእ ደጋፊ ከኣ፡ "ኣርሰናል እዛ ዋንጫ ኣዝያ ትግብኣ እያ፣ እንተ ዘይገይራቶ ግን ልቢ ዝሰብር እዩ ክኸውን፡" ብምባል ስምዒቱ ገሊጹ።