ዘይሕጋዊት ጃልባ መሪሑ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተወ ኤርትራዊ ተኸሲሱ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ሓደ ኤርትራዊ ጃልባ መሪሑ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንመትረብ ዓዲ እንግሊዝ ኣቋሪጹ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብምእታዉ ተኸሲሱ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

እዚ እድሪስ ዓብዱ ዝተበሃለ ኤርትራዊ ኣብዚ እዋን ኣብ ከተማ ብራድፎርድ ዝነብር ኰይኑ፡ ኣብ ግንቦት 2025'ዩ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዩ።

እቲ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ከኣ "ንሕጊ ኢሚግረሽን ዓዲ እንግሊዝ ጥሒሱ" ዝብል ክሲ'ዩ።

እድሪስ ዓብዱ ብዓርቢ'ዩ ኣብቲ ኣብ ብራድፎርድን ኬግሊን ኣብ ዝብሃል ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፤ እንተዀነ ክብደት እቲ ክሲ ኣብ ግምት ኣትዩ፡ጉዳዩ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብራድፎርድ ክርአ ምዃኑ ተነጊርዎ ኣሎ።

ንእድሪስ ዓብዱ ክልተ ክሲ'ዩ ቀሪብሉ ዘሎ፤ ጃልባ መሪሑ ንመትረብ እንግሊዝ ኣቋሪጹ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብምእታዉ ሕጊ እታ ሃገር ጥሒስካ ዝብል ሓደ ክሲ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ከኣ ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብምእታው እዩ።

ኣኽባሪ ሕጊ ፓውል ራምሲ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዘቕረቦ ጽሑፍ፡ እቲ ንእድሪስ ዓብዱ ዝቐረበሉ ቀዳማይ ክሲ ከቢድ ብምዃኑ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጥራይ ክርአ ኣለዎ ምባሉ ሎካል ደሞክራሲ ሰርቪስ ሓቢሩ።

ፓውል ራምሲ "እቲ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ጃልባ መሪሕካ ኣቲኻ ዝብል'ዩ። እቲ ካልኣይ ክሲ ከኣ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብዘይሕጋዊ መእተዊ ፍቓድ ኣቲኻ ዝብል'ዩ" ኢሉ።

ምክትል ላዕለዋይ ፈራዲ ዞባ ዝዀነ ዳኛ ኒክ ሃይለስ ንእድሪስ ዓብዱ ክሳብ እቲ ን17 ሰነ ተዋሂብዎ ዘሎ ካልኣይ ቈጸራ ብዋሕስ ኣብ ገዛኡ ክጸንሕ ኣፍቂዱሉ ኣሎ።

እታ እድሪስ መሪሕዋ ዓዲ እንግሊዝ ኣትያ ዝተበሃለት ጃልባ፡ ካልኦት ስደተኛታት ነይሮማ ድዮም ወይስን ንበይኑ ጥራይ'ዩ ሰጊሩላ ግን ዝተገለጸ ነገር የለን።

ኣብ 2025 ብድምር 41 ሽሕን 472 ስደተኛታት ብጃልባ ንመትረብ እንግሊዝ ብምቍራጽ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከም ዝኣተዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ካብ ጥሪ 2026 ክሳብ መፋርቕ ግንቦት 2026'ውን 7 ሽሕን 576 ስደተኛታት ብተመሳሳሊ መንገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከም ዝኣተዉ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ይሕብር።

ምስ ተመሳሳሊ ግዜ ናይ 2025 ብምንጽጻር ቁጽሪ ናይቶም በዚ መትረብ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣትዉ ዘለዉ ስደተኛታት ካብ ጥሪ ክሳብ መፋርቕ 2026 ብኣስታት 40 ሚእታዊት ከም ዝነከየ ይሕብር።