እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣስመራ፡ ስእልታት ካርኒቫልን ምርኢታትን ቅንያት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ
ኤርትራ ኣብ ዝመጽእ ሰንበት መበል 35 ዝኽሪ መዓልቲ ሓርነታን ናጽነታን ንምኽባር ትዳሎ ኣላ።
ድሮ ርእሰከተማ ኣስመራ ነቲ ጽንብል ፈሊማቶ ከምዘላ ዘመልክት ምስልታት ክወጽእ ጀሚሩ'ሎ።
ብዘይካ'ዚ፡ ንጉዕዞ ስፖርት ኤርትራ ዘርኢ ምርኢት (ኤግዚብሽን) እውን ኣብታ ከተማ ትማሊ ተኸፊቱ ኣሎ።
"ኣብ'ቲ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ሚኒስተር ህንጻ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፋሃ ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ዕድመ ዝተገብረሎም ኣጋይሽን ካብ ውሽጥን ደገን ዝመጽኡ ገዳይም ስፖርተኛታትን ዝርከብዎም ተሳቲፎም" ይብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጸ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ዜና ።
ንሎሚ ገለ ስእልታት ብሰሉስ ዝተኻየደ ምርኢታትን ትርኢታትን ኣቕሪብናልኩም ኣሎና፣