ትግራይ፡ ንመረጻ ኢትዮጵያ ዝነቐፈ ህወሓት ምስ መንግስቲ ፌደራል ክዘራረብ ይሓትት

ምስሊ ከተማ መቐለ

ምንጪ ስእሊ, Amensisa Ifa/BBC

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ሰብመዚ ትግራይ፡ ብሰንኪ እቲ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ እቲ ክልል ኣንቢሩዎ ኣሎ ብዝበሉዎ "ዕጽዋ" ዜጋታት ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው የጋጥሞም ከም ዘሎ ገሊጾም።

ብ3 ሰነ 2026 ኣብ ዝወጽአን ብማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝተወዝዐን ደብዳበ፡ መራሕቲ እቲ ክልል ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ቅልውላው ኣቓልቦ ክገብረሉ ተማሕጺኖም።

እቲ "ናብ ዲፕሎማሲያዊ ልኡኻትን ዓለምለኻዊ መሻርኽትን" ብዝብል ዝወጽአ ጽሑፍ፡ ወግዓዊ ማሕተም እኳ እንተዘይሃለዎ፡ ወሃቢ ቃል ገዛኢ ሰልፊ ትግራይ ህወሓት ኣቶ ሚኪኤለ ኣስገዶም ግን፡ እቲ ጽሑፍ ብህወሓት ዝወጽአ ምዃኑ ንቢቢሲ ብቴሌፎን ኣረጋጊጹ።

ኣብዚ እዋን ኣብቲ ክልል ከቢድ ቁጠባውን ሰብኣውን ቅልውላው ከም ዘጋጠመ ብምሕባር፡ ብፍላይ ቀረብ ነዳዲ ብምቁራጹ ቁጠባዊ ምንቅስቓሳት ከም ዝተሰናኸሉ፡ ምኽባር ዋጋታት ከም ዝተኸሰተ ገሊጹ።

እቲ ክልል ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ወዲቑ ከም ዝርከብ ብምጥቃስ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ቅልውላዋት ንምፍታሕ "ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝመርሖ ተኣማኒ ፖለቲካዊ መስርሕ ክንሳተፍ፡" ድሉዋት ኢና ብምባል ንኽልቲኦም ወገናት ናብ ዝርርብ ከምጽኡዎም ሓቲቱ።

እቲ ኵነታት "ተኣማኒ ፖለቲካዊ ልዝብ ዝጠልብ'ዩ፡" እዉን ኢሉ።

መንግስቲ ፌደራል ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ዝዀነ ውዕል ፕሪቶሪያ "ብምጥሓስ" ክኸስስ ከሎ፡ እቲ ነዚ ውዕላት ከፈጽም ዘቘሞ ትካል ብዓቢኡ "ወዲቑ'ዩ" ክብል ነቒፉ።

ህወሓት፡ ኣቐዲሙ እቲ ስምምዕ "ፈሪሱ'ዩ፡" ዝብል መርገጺኡ ወግዓዊ ገይሩ እኳ እንተጸንሐ፡ መንግስቲ ፌደራል ክሳብ ሕጂ ንመርገጺ ህወሓት ብወግዒ ርእይቶ ኣይሃበሉን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ይኹን'ምበር ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ኣተገባብራ ውዕላት እቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ንሓድሕዶም ክካሰሱ ምጽንሖም ኣይርሳዕን።

እቲ ሰልፊ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ብዝተኻየደን ምኽንያት እቲ ኣብ 2020 ዝተወልዐ ኲናት ብምዃን ዝጥቀስን መረጻ ስዒቡ ዝቘመ ቤት ምኽሪ ናብ ስርሑ ክምለስ ገይሩ ይርከብ።

ህወሓት ኣብ ዝዘርግሖ ደብዳበ ድማ፡ መሪሕነት እቲ ሰልፊ፡ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ "ክፍተት መንግስቲ" ንምምላእ ኩሉ ዓይነት "ፖለቲካዊ ኣማራጺታት" ምውሳድ ኣድላዪ እዩ ኢሉ ከም ዝወሰነ ጠቒሱ።

በዚ መሰረት፡ ኣቐዲሙ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክቕጽል፡ ናይ ስግግር መንግስቲ ክምስረት፡ ኣብ 2020 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ዝተመስረተ ቤት ምኽሪ ናብ ስራሕ ምምላስ ወይ ሕጂ ኣብቶም ብፌደራል መንግስቲ ዝድገፉ ዘይስሩዓት ሓይልታት ወጻኢ ዝርከቡ ከባቢታት መረጻ ክካየድ ዝብሉ ኣማራጺታት ከም ዝርኣየ ኣመልኪቱ።

"ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ድሕሪ ዝተኻየዱ ዝርርባት ድማ፡ እቲ ዝበዝሐ ድማ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተመርጸ ቤት ምኽሪ ናብ ስራሕ ክምለስ ምግባር፡" ኣብ ዝብል ከም ዝተሰማምዐ ጠቒሱ።

እቲ ቤት ምኽሪ፡ ንኣቦ መንበር እቲ ሰልፊ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕረዘዲንት ገይሩ ሸይሙዎ ኣሎ። እዚ ስጉምቲ፡ ስልጣን እቲ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ስዒቡ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝምንዝዕ ምዃኑ ይንገር።

ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ናይ ስልጣን ግዝኡ ተናዊሕሉ ዝነበረ ፕረዚደንት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ብወግዒ ካብ ስልጣኑ ምውራዱ ኣይተገልጸን፤ ክሳብ ሕጂ'ዉን ርእይቶ ኣይሃበን።

ህወሓት'ዉን ምንዋሕ ዘመነ ስልጣን ናይቲ ጀነራል ነጺጉዎ'ዩ። እቲ ውዕል "ከም ዝፈረሰ" ብምግላጽ ድማ ቅድሚ ኲናት ንዝነበረ ካቢነ ናብ ስራሕ ብምምላስ፡ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ክመርሖ መሪጹ።

ኣብዚ እዋን፡ መጻኢ ዝምድና ማእከላይ መንግስትን ክልል ትግራይን'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ እቲ ክልል ኣብቲ ብ1 ሰነ 2026 ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ መበል 7ይ ሃገራዊ መረጻ ከይተሳተፈ ምትራፉ ይፍለጥ።

ኣብ መፋርቕ ግንቦት መግለጺ ዝሃበ ደብረጽዮን፡ ልዕሊ 45% ከባቢታት እታ ክልል "ኣብቲ ትሕቲ ወራር" ከም ዘሎ ብምግላጽ "ዝተቘርሰት ትግራይ እያ፡" ዘላ ብምባል ኣብቲ ክልል መረጻ ከም ዘይካየድ ኣዊጁ እዩ።

ኣብ መንጎ ህወሓትን ኣዲስ ኣበባን ዘሎ ወጥሪ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት እናኸረረ ክመጽእ ጸኒሑ'ሎ። ሓደ ዓቢ ዘይምስምማዕ፡ ህወሓት ከም ሓድሽ ፓርቲ ክምዝገብ የድልዮ ድዩ ኣየድልዮን ኣብ ዝብል እዩ።

ቦርድ መረጻ የድልዮ እዩ ክብል ከሎ፡ ህወሓት ግና ኣይተሰማምዐን። ሕጋዊ ሰብነቱ ተሰሪዙ ከኣ ብወግዒ ተኣጊዱ ይርከብ።

መበል 7ይ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎ ዘይገበርሉ'ዩ ክብል'ውን ህወሓት ነቒፉ'ሎ።

"ስለዚ፡ እቲ መረጻ ንሓቀኛ ደሞክራስያዊ ውድድር ዘንጸባርቕ ኣይኮነን። ተቐበላነት ብምጒናይ፡ ምድቋስ፡ ምጥማይ" ኣይረጋገጽን'ዩ ይብል እቲ መግለጺ።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ግንቦት፡ ትግራይ ኣብቲ ሃገራዊ መረጻ ክትሳተፍ ከምዘይትኽእል ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

"ብሚልዮናት ዝቚጸር ህዝብና ኣብ ቦታኡ የለን ወይ ተሰዲዱ'ዩ ወይ ተመዛቢሉ'ዩ። እዚ ጥራሕ'ውን ኣይኮነን፡ ሕዚ'ውን ኣብ ናይ ህልውና ሓደጋ'ዩ ዘሎ። መረጻ ከነጥፍኣኩም ኢና እናተባህለ ኣይካየድን፡ እቲ ሓደጋ ንቐደም ክእለ ኣለዎ፡ ምርግጋእ፡ ሰላም የድሊ'ዩ" ክብል'ዩ ሽዑ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ ተዛሪቡ።

ህወሓት፡ መንግስቲ ኣብ ጉዳያት ስምምዕ ውዕል ፕሪቶርያ ቃሉ ከም ዝዓጸፈ ይኣምን፤ ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ኲናት ዝሰኣኖ ከም ምዕራብ ትግራይ ዝኣመሰሉ ቦታታት ክምለሰሉ ይደሊ።

እቲ ኣብ መወዳእታ 2020 ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ህወሓትን ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ብስምምዕ ፕሪቶሪያ ብወግዒ ካብ ዘኽትም ሰለስተ ዓመታት እኳ እንተሓለፈ፡ ትግራይ ዛጊት ናብቲ ቅድመ-ኲናት ዝነበረቶ ቍመና ክትምለስ ኣይከኣለትን።

ኣብዚ መዳይ፡ ነቲ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ዝዓነወ፡ ትሕተ-ቅርጺ፡ መሓውራት ምሕደራን መንግስትነትን፡ ፈደራላዊ ውክልና፡ ብዓቢኡ ድማ ዝተመዛበለ ህዝቢ፣ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ኣይተኻእለን።