ቀጥታ, ሱዳን፡ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ ምስ ወተሃደራቱ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ከም ዝተጸምበረ ተገሊጹ

ኣብ ሱዳን፡ ኣዛዚ ፍሉይ ስርሒታትን ፍሉይ ልኡኻትን ዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝነበረ ሌተና ኮሎነል መሓመድ ኣዝራቕ ኣል-ፈንጃሪ፡ ምስ ኣስታት 300 ኣዘዝትን ወተሃደራትን 30 ናይ ውግእ መካይንን ብምሓዝ ካብቲ ጕጅለ ተፈልዩ ናብ ሰራዊት ሱዳን ከም ዝተጸምበረ ኣገልግሎት ዜና ኣናዶሉ ናይ ቱርኪ ሓቢራ። እቲ ተቓዋሚ ውድብ ፖለቲካ ብቀዳም 14 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኣብ ከተማ ሞያሌን ዞባ ቦረናን "እናተጋደደ ዝመፅአ መጥቃዕቲ፣ ዕጡቓት ሓይልታት ሸሊኾም ምእታውን ኢ-ሕገመንግስታዊ ለውጥታት ምምሕዳርን" ኰኒኑ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ፕረዚደንት ብራዚል ሉላ ዳግማይ ከምዝተመርጸ በዓል መዚ መረጻ ብራዚል ኣፍሊጡ። ድሕሪ ምምላስ ዲሞክራሲ ኣብ 1988 ሓደ ፕረዚደንት ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ዘጋጠሞ ስዕረት ገልቢጡ ክስዕር እዚ ናይ መጀመርታ እዩ።
  • ምክትል ጸሓፊ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ኢራን ዓሊ ባገሪ፡ ምኒስተር ምክልኻል ስዑዲ ዓረብ ኻሊድ ቢን ሳልማን፡ ኣዛዚ ሰራዊት ፓኪስታን ኣሲም ሙኒርን ሓላፊ ስለያ ቱርኪ ኢብራሂም ኻሊንን ኣብ ቴህራን ኣብ ዝገብርዎ ጕዕዞ ምስ ሰበስልጣን ኢራን ሓባራዊ ኣኼባ ክሳተፉ መደብ ከም ዘለዎም ኣረጋጊጹ።
  • እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ጥምረት ሎሚ ሰኑይ ኣብ የመን ንዝርከቡ ሓያሎ ናይ ሑቲ መወንጨፊ ሚሳይላትን መኽዘናት ኣጽዋርን ዒላማ ከምዝገበረ ገሊጹ።
  • ኣብ ሱዳን፡ ኣዛዚ ፍሉይ ስርሒታትን ፍሉይ ልኡኻትን ዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝነበረ ሌተና ኮሎነል መሓመድ ኣዝራቕ ኣል-ፈንጃሪ፡ ምስ ኣስታት 300 ኣዘዝትን ወተሃደራትን 30 ናይ ውግእ መካይንን ብምሓዝ ካብቲ ጕጅለ ተፈልዩ ናብ ሰራዊት ሱዳን ከም ዝተጸምበረ ኣገልግሎት ዜና ኣናዶሉ ናይ ቱርኪ ሓቢራ።
  • ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ንመዓልቲታት ዝቐፀለ ዓሌታዊ መልክዕ ዘለዎ ግጭት ከተማ ሞያሌ ብዝምልከት ንመንግስቲ ፌደራል ነቒፉ። ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ኣብ ዝዳወቡላ ከተማ ሞያሌ፡ ናይ ክልል ሶማሌ ባንዲራ ኣብ ከተማ ሞያሌ ምስቃሉ ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 08 ጥቅምቲ እዩ እቲ ግጭት ተወሊዑ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ብዛዕባ ማይክ ካሪክ ከ እንታይ ይበሃል ኣሎ? መን እዩ ክውቀስ ዝግባእ?, 'ንረብሓ ማንቸስተር ዩናይትድ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንረብሓ ማይክል ካሪክ እውን እዩ' - ጂሚ ካራገር

    ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ ብቦርንማውዝ 3-0 ምስ ተሳዕረት፡ ማይክል ካሪክ ሰንበት ምሸት ካብ ሓላፍነቱ ክልዓል ከም ዝነበሮ ጂሚ ካራገር ይኣምን።

    እቲ ተኻላኻላይ ሊቨርፑል ዝነበረ ካራገር፡ ንስካይ ስፖርትስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ማንቸስተር ዩናይትድ ነዚ ናይ ኣሰልጣኒ ለውጢ ሎሚ ምሸት ክትገብሮ ኣለዋ፡ ነዚ ውሳነ ከሕልፍዎ ኣለዎም።

    ደገፍቲ ማይክል ካሪክ ወገን ሒዞም ኣለዉ፤ እዚ ድማ ኣሰልጣኒ ስለ ዝዀነ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ታሪኽ ዩናይትድ ዓቢ ስፍራ ዘለዎ ሰብ ስለ ዝዀነ እዩ።

    “እዞም ሕጂ ዘለዉ ተጻወትቲ ምስ ናይ ዝሓለፈ ጋንታታት ክነጻጸሩ ከለዉ ዝገበርዎ ነገር የለን፡ ስለዚ ብሩኖ ፈርናንደስ ክሳብ ክንደይ ክእለት ዘለዎ ተጻዋታይ ይኹን ብዘየገድስ፡ ማይክል ካሪክ ኣብቲ ምስኡ ዝገብሮ ምትፍናን ወትሩ ክዕወት እዩ፡ እዚ ድማ ግቡእ እዩ።

    “ግን ከኣ ማንቸስተር ዩናይትድ ከም ክለብ ኵዕሶ እግሪ፡ ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ክለባት ዓለም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ፕሪምየር ሊግ መበል 16 ደረጃ እያ ዘላ፡ እዚ ድማ ክቕጽል ኣይክእልን እዩ።

    "ማይክል ካሪክ ሎሚ ምሸት ካብ ሓላፍነቱ ክሰናበት ኣለዎ - ንረብሓ ማንቸስተር ዩናይትድ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንረብሓ ማይክል ካሪክ እውን።

    “ኣብ መወዳእታ ኣብ ስታድዩም ክዘውር ከሎ ምርኣዩ ደስ ኣይብልን እዩ፡ ብሓቂ ይጕዳእ ኣሎ። እዚ ሕጂ ዝኸውን ዘሎ ድማ ንዩናይትድ ኰነ ንካሪክ ጽቡቕ ኣይኰነን።"

    ካሪክ

    ንማይክል ካሪክ ካብ ስራሕ ምብራር፡ ንጸገማት ማንቸስተር ዩናይትድ ፍታሕ ድዩ፡ ወይስ ገለ ክፋል ናይቲ ፍታሕ?

    ዩናይትድ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ንዝገበረቶ ዘሰምብድ ኣጀማምራ ካሪክ ክሕተተሉ - ዋጋ ክኸፍል ይግባእ ድዩ?

    ማንቸስተር ዩናይትድ ነዚ ዓመተ-ውድድር ብሕማቕ እያ ጀሚራቶ፤ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ብሓዳስ መጻኢት ናብ ፕሪምየር ሊግ ዝዀነት ሃል ሲቲ 2-0 ብዘጋጠማ ዘዋርድ ስዕረት እዩ ተበጊሱ።

    ኣብ ዝቐጸለ ጸወታኦም፡ ኣብ ሜዳኦም ምስ ካልእ ሓዳስ መጻኢት ጋንታ ዝዀነት ኢፕስዊች ታውን ተሳዒሮም’ኳ እንተነበሩ፡ ተመሊሶም ብምቅላስ 5-2 ክዕወቱ ክኢሎም እዮም።

    ካብኡ ንደሓር ግን ዩናይትድ ኣብ ተኸታታሊ ሽዱሽተ ጸወታታት ሊግ ክትዕወት ኣይክኣለትን፤ እዚ ድማ ነቲ ን70 ደቓይቕ ብ10 ተጻወትቲ ትጻወት ዝነበረት ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ሜዳኣ ዘጋጠማ ናይ ደርቢ 1-0 ስዕረት ዘጠቓልል እዩ።

    ጋንታ ማይክል ካሪክ፡ ኣንጻር ኤቨርተን፡ ፉልሃም፡ ቶተንሃምን ሊድስን መሪሕነት ሒዛ ክነሳ ነጥብታት ኣጥፊኣ እያ።

    ሰንበት ኣብ ኦልድ ትራፎርድ ኣንጻር ቦርንማውዝ ዘጋጠማ ዘሕዝን ናይ 3-0 ስዕረት ድማ፡ ከም ኣሰልጣኒ ዩናይትድ ናይ መወዳእታ ጸወታኡ ክኸውን ይኽእል እዩ። ግናኸ ካሪክ በዚ ጕዳይ ክሕተት ይግባእ ድዩ?

    ውጽኢት ዩናይትድ ኣብዚ ዓመት ኣብ ፕሪምየር ሊግ፤

    • ሃል ሲቲ 2-0 ማን ዩናይትድ
    • ማን ዩናይትድ 5-2 ኢፕስዊች
    • ኤቨርተን 2-2 ማን ዩናይትድ
    • ማን ዩናይትድ 0-1 ማን ሲቲ
    • ፉልሃም 1-1 ማን ዩናይትድ
    • ማን ዩናይትድ 1-1 ቶተንሃም
    • ሊድስ 1-1 ማን ዩናይትድ
    • ማን ዩናይትድ 0-3 ቦርንማውዝ
    ብሩኖ ፈርናንደስ
    ካሪክ

    ድኹም ኣቃውማ ተጻወትቲ ተቓውሞታትን ንቦታ ካሪክ የዳኽሞ ኣሎ። ማይክል ካሪክ፡ ድሕሪ ምብራር ናይ ቀደም ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ሩበን ኣሞሪም፡ ብጥር ከም ግዝያዊ ኣሰልጣኒ ኰይኑ ድሕሪ ምምዛዙ፡ ኣብ ሓጋይ ኣብ ኦልድ ትራፎርድ ናይ ክልተ ዓመት ውዕል ፈሪሙ እዩ።

    ንሱ ኣብ ውጽኢት ጋንታ ርኡይ ምምሕያሽ ብምምጻእ፡ ኣብ መወዳእታ ንዩናይትድ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ብምዝዛም፡ ኣብዚ ዓመተ-ውድድር ናብ ሻምፕዮንስ ሊግ ክትምለስ ኣውሒሱላ እዩ።

    ይዅን እምበር፡ ኣብዚ ዓመት ዘመዝገቦ ተኸታታሊ ድኹም ውጽኢታትን፡ ከምኡ'ውን ካብ ቀንዲ ተጻወትቱ - ተጻዋታይ ማእከል ምክልኻል ሊሳንድሮ ማርቲነዝን ሓለቓ ጋንታ ብሩኖ ፈርናንደስን - ዝቐረበ ግሁድ ተቓውሞታትን መግለጺታትን ንቦታኡ ኣዳኺምዎ እዩ።

    ረቡዕ ኣንጻር ሓዳስ መጻኢት ጋንታ ኰሞ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ዘጋጠሞም ናይ 4-0 ስዕረት፡ ንስልቲ ካሪክ ብምንቃፉ፡ ፈርናንደስ ሰንበት ካብ ጸወታ ወጻኢ ኰይኑ ነይሩ።

    እዚ ግን ንዩናይትድ ሓድሽ መንፈስ ኣየምጸኣላን፤ ብኣንጻሩ ኣብ ሜዳኣ ብቦርንማውዝ 3-0 ተሳዒራ፡ ካብ ሸሞንተ ጸወታታት ሓንቲ ዓወትን ሸውዓተ ነጥብን ጥራይ ብምምዝጋብ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ናብ መበል 16 ደረጃ ወሪዳ ኣላ።

    ማንቸስተር ዩናይትድ ካብ ሊግ ካፕ እውን ዝተሰናበተት ክትከውን ከላ፡ ኣብ ፍርቂ ሰሙን ብዘጋጠማ ከቢድ ስዕረት ድማ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ናብ መበል 21 ደረጃ ወሪዳ ትርከብ።

    ንካሪክ መወዳእታኡ ይቐርብ ኣሎ፤ ደገፍቲ ዩናይትድ ግን ንመን ከም ዝወቕሱ ብንጹር የርእዩ ኣለዉ። ድሕሪ እቲ ኣብ ሜዳኦም ዘጋጠሞም ናይ 3-0 ስዕረት ኣንጻር ቦርንማውዝ፡ ማይክል ካሪክ ኣብ ዙርያ ኦልድ ትራፎርድ ክዘውር ከሎ፡ ኵነታቱ መወዳእታኡ ከም ዝኣኸለ ዘመላኽት ይመስል ነይሩ።

    ካሪክ ንደገፍቲ ማንቸስተር ዩናይትድ ብጣቕዒት ከመስግን ልሙድ እዩ። ኣብ ኰሞ ማዕረኡ ዘዕኑ ስዕረት ድሕሪ ምሕላፎም ካብ ዝገበሮ ኣፍልጦ ወይ ምስጋና ዝወሓደ ደኣ ነይሩ እምበር ሓድሽ ኣይኰነን።

    ግን ድሕሪ ሸሞንተ ጸወታታት ብዘይ ዓወት፡ ካብ 2015-16 ንነጀው እቲ ዝሓመቐ ኣካይዳ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሓደ ሰሙን ክልተ ዘሕዝን ስዕረታት ዘሕለፈ ካሪክ፡ መወዳእታኡ ይቐርብ ኣሎ፤ ኣካየድቲ እታ ክለብ ብዛዕባ መጻኢኡ ኣብ ከቢድ ዝርርብ ኣትዮም ኣለዉ።

    ይዅን እምበር፡ ኣብታ ክለብ ኣብ ላዕለዋይ ሓላፍነት ዝርከብ ዝዀነ ሰብ፡ እቲ ኣብ ኦልድ ትራፎርድ ዘሎ ጸገማት ንዋና ኣሰልጣኒ ብምቕያር ጥራይ ክፍታሕ እዩ ዝብል እምነት እንተልይዎ፣ ብዝበለጸ ድማ ደገፍቲ ኣብቲ ናይ ኣሰልጣኒ ቦታ ብሓድሽ ገጽ ክሃድኡ እዮም ዝብል ሓሳብ እንተልይዎ፡ እቲ ኣብታ እተሕዝን መዓልቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሜዳ ካብቶም ደገፍቲ ዝተራእየ ግብረ-መልሲ ኵነታት ብኣንጻሩ ምዃኑ ብንጹር እዩ ዝነግሮም ነይሩ።

    ማይክ ካሪክ
    ሰበስልጣን ማንቸስተር
    ManUnt. Players
  2. ፕረዚደንት ብራዚል ሉላ ንራብዓይ እብረ ፕረዚደንት ኰይኑ ተመሪጹ

    ፕረዚደንት ብራዚል ሉላ ዳግማይ ከምዝተመርጸ በዓል መዚ መረጻ ብራዚል ኣፍሊጡ።

    ድሕሪ ምምላስ ዲሞክራሲ ኣብ 1988 ሓደ ፕረዚደንት ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ዘጋጠሞ ስዕረት ገልቢጡ ክስዕር እዚ ናይ መጀመርታ እዩ።

    ሉላ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንራብዓይ ግዜኡ ዝተወዳደረ ኰይኑ፡ ካብ ጥሪ 2003 ክሳብ ታሕሳስ 2010 ንኽልተ እብረ ፕረዚደንት ኰይኑ ኣገልጊሉ፡ ካብ ጥሪ 2023 ድማ እንደገና ፕረዚደንት ኮይኑ ተመሪጹ።

    ናብዚ ዓመት ፕረዚደንታዊ መረጻ ግን እቲ መንገዲ ቀሊል ኣይነበረን።

    ኣንጻሩ ዝወዳደር ዝነበረ ቦልሶናሮ ብ4 ጥቅምቲ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ንሉላ ረቲዑዎ ስለ ዝነበረ ብዙሓት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ጥራይ ነቲ ውጽኢት ክቕይሮ ዝኽእል ኣይመስሎምን ነይሩ።

    ካብቲ ዝተዋህበ ድምጺ 99.81% ተቘጺሩ፡ ሉላ 51.76% ድምጺ ክረክብ እንከሎ፡ ፍላቪዮ ቦልሶናሮ ድማ 48.24% ድምጺ ረኺቡ’ሎ።

    ፕረዚደንት ብራዚል ሉላ ንራብዓይ እብረ ፕረዚደንት ኰይኑ ተመሪጹ
  3. ኣብ ሳኦ ፓውሎ ዓቢይ ደገፍ ህዝቢ - ሉላ

    ኣሽሓት ዝቝጸሩ ደገፍቲ ሉላ ንዓወቱ ብምጽንባል ናብ ጐደናታት ሳኦ ፓውሎ ፈሲሶም ኣለዉ - ካብቲ መድረኽ ዝተረኽበ እዋናዊ ስእልታት እነሆ፤

    ኣብ ሳኦ ፓውሎ ዓቢ ህዝቢ ደገፍቲ ሉላ
    ኣብ ሳኦ ፓውሎ ዓቢ ህዝቢ ደገፍቲ ሉላ
  4. ላዕለዎት ሰበስልጣን ስዑዲ፡ ቱርኪን ፓኪስታንን ናብ ኢራን ይበጽሑ

    ምክትል ጸሓፊ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ኢራን ዓሊ ባገሪ፡ ምኒስተር ምክልኻል ስዑዲ ዓረብ ኻሊድ ቢን ሳልማን፡ ኣዛዚ ሰራዊት ፓኪስታን ኣሲም ሙኒርን ሓላፊ ስለያ ቱርኪ ኢብራሂም ኻሊንን ኣብ ቴህራን ኣብ ዝገብርዎ ጕዕዞ ምስ ሰበስልጣን ኢራን ሓባራዊ ኣኼባ ክሳተፉ መደብ ከም ዘለዎም ኣረጋጊጹ።

    ብተወሳኺ ኢራንን እዘን ሰለስቲአን ሃገራትን ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ኲናት "እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ኣብ ምድልዳል ሃገራዊ ድሕነት" ዝረኸበቶ ዕዉት ተመኵሮ ብምጥቃም "ውሽጣዊ ዞባዊ ጸጥታ" ንምፍጣር ክተሓባበራ ከምዝኽእላ ገሊጹ።

    ሮይተርስ ቅድሚ ሕጂ ንኽልተ ሓበሬታ ዘለዎም ምንጭታት ብምጥቃስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ፡ ቱርኪን ፓኪስታንን ሰለስተ ኣባላት ሃገራት "ውዕል መካ" ሎሚ ሰኑይ 26 ጥቅምቲ ኣብ ቴህራን ብዛዕባ ዞባዊ ምውህሃድ ክዛተዩ መደብ ከምዘለዎም ጸብጺቡ ነይሩ።

    እዚ ጕዕዞ፡ ጕጅለ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ኣብ ዝቕጽሉሉ ዘለዉ እዋን'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

    ሰበስልጣን ሰለስቲአን ሃገራት ውዕል መካ፡ ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝተኻየደ ህጹጽ ኣኼባ፡ ሓይልታትን ወተሃደራዊ ዓቕምታትን ናብ ስዑዲ ዓረብ "ብቕልጡፍ ከዋፍሩ" ተሰማሚዖም።

  5. ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት፡ ኣብ መኽዘናት ኣጽዋርን መወንጨፊ ሚሳይላትን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ገሊጹ

    እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ጥምረት ሎሚ ሰኑይ ኣብ የመን ንዝርከቡ ሓያሎ ናይ ሑቲ መወንጨፊ ሚሳይላትን መኽዘናት ኣጽዋርን ዒላማ ከምዝገበረ ገሊጹ።

    ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሪያድ ካልእ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ኣፍሊጡ።

    ሪያድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሑቲ ዒላማ ኰይና ጸኒሓ እያ።

    ሕጂ ድማ ወሃቢ ቃል እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ጥምረት ቱርኪ ኣል ማሊኪ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ X ኣብ ዝጸሓፎ፡ ኣርባዕተ ናይ ባሊስቲክ ሚሳይል መወንጨፊ ቦታታት፡ መኽዘን ሚሳይላትን ሑቲ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ታነላትን ኣብቲ ስርሒት ከምዝዓነዉ ገሊጹ።

    ሑቲ ንሰፊሕ ክፋል የመን ይቈጻጸርዎ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

    እዚ ከምዚሉ እንከሎ ሰራዊት ምክልኻል ኣየር ስዑዲ ዓረብ፡ ናብ ሪያድ ገጹ ዝተተኮሰ ባሊስቲክ ሚሳይል ከምዘምከኑ ኣፍሊጡ።

    ሑቲ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ "ወተሃደራዊ ዒላማ" ብምባል ከይጥቀሙሉ ኣጠንቂቑ።

    ብተወሳኺ ሑቲ ንመዓደኒታት ነዳዲ ብድሮናት ከም ዘጥቅዐ ገሊጹ።

    ሑቲ ንሰፊሕ ክፋል የመን ይቆጻጸርዎ ይርከብ።
    መግለጺ ስእሊ, ሑቲ ንሰፊሕ ክፋል የመን ይቆጻጸርዎ ይርከብ።
  6. ሱዳን፡ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ ምስ ወተሃደራቱ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ከም ዝተጸምበረ ተገሊጹ

    ሌተና ኮሎነል መሓመድ ኣዝራቕ ኣል-ፈንጃሪ

    ኣብ ሱዳን፡ ኣዛዚ ፍሉይ ስርሒታትን ፍሉይ ልኡኻትን ዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝነበረ ሌተና ኮሎነል መሓመድ ኣዝራቕ ኣል-ፈንጃሪ፡ ምስ ኣስታት 300 ኣዘዝትን ወተሃደራትን 30 ናይ ውግእ መካይንን ብምሓዝ ካብቲ ጕጅለ ተፈልዩ ናብ ሰራዊት ሱዳን ከም ዝተጸምበረ ኣገልግሎት ዜና ኣናዶሉ ናይ ቱርኪ ሓቢራ።

    እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣብ ማዕከናት ዜና ሱዳን ኣብ ዝተዘርግሐ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ እዚ ስጕምቲ ዝወሰደ ነቲ “ትርጕም-ኣልቦ ኲናት” ብዕምቈት ድሕሪ ምግምጋሙ ኰይኑ፡ ንሰላምን ደም ህዝቢ ሱዳን ንምዕቃብን ከም ዝመረጸ ኣፍሊጡ።

    ኣል-ፈንጃሪ ወሲኹ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ንብረቶምን ዝተፈጸመ ግፍዒ ኵሉ ከም ዝዅንን ብምግላጽ፡ ካብ ምያዝያ 2023 ኣትሒዙ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጕድኣት ንዝወረዶም ስድራቤታት ሱዳን ይቕረታ ሓቲቱ።

    ኣል-ፈንጃሪ ነዚ ግጭት “ዕላማን መጻእን ዘይብሉ ኲናት” ክብል ብምግላጽ፡ ካልኦት ኣባላት ዳዕመ-ሰሪዕ’ውን ካብቲ ውግእ ወጺኦም ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ሃገሮም ብምስላፍ ተወሳኺ ደም ምፍሳስ ደው ከብሉ ጸዊዑ።

    እዚ ናይ ኣል-ፈንጃሪ ምፍንጫል፡ ኣብ ውሽጢ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝተራእየ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጥቅምቲ 2024፡ ኣብ ግዝኣት ኣል-ጀዚራ ላዕለዋይ ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕን መራሒ ሓይልታት ‘ዋልታ ሱዳን’ን ዝነበረ ኣቡ ዓግላ ከይከል፡ ምስ ሰራዊቱ ካብቲ ዕጡቕ ሓይሊ ተፈልዩ ናብ ሰራዊት ሱዳን ምጽምባሩ ይዝከር።

    እዚ ስጕምቲ፡ ኣብ ማእከላይ ሱዳን ንዳዕመ-ሰሪዕ ዓቢ ክሳራ ዘስዓበ ምዃኑ ተገሊጹ ነይሩ።

    ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ካብቲ ምስ ዳዕመ-ሰሪዕ ተሻሪኹ ዝቃለስ ዝነበረ ‘ምንቅስቓስ ሓይልታት ሓርነት ሱዳን’ ዝተፈልዩ ብመሓመደይን እስማዒል ኣቡ ዛራ ዝምርሑ ልዕሊ 100 ተዋጋእትን ኣዘዝትን፡ ምሉእ ዕጥቆምን ናይ ውግእ መካይኖምን ሒዞም ኣብ ሰሜን ዳርፉር ኣብ ግንባር ቲና ናብ ሰራዊት ሱዳን ከም ዝተጸምበሩ መንግስቲ ሱዳን ኣፍሊጡ ነይሩ።

    ይዅን`ምበር፡ እቲ ኣል-ፈንጃሪ ሒዝዎም ወጺኡ ዝተባህለ ብዝሒ ወተሃደራትን ናይ ውግእ መካይንን ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይተኻእለን።

    ዳዕመ-ሰሪዕ ብዛዕባ’ዚ ዝወጽአ መግለጺ ክሳዕ ሕጂ ዝሃቦ ወግዓዊ ምላሽ የሎን። ቅድሚ ሕጂ ግና ዳዕመ-ሰሪዕ ከምዚ ዝበሉ ናይ ምፍንጫል ዜናታት ብሰራዊት ሱዳን ዝተወደበ ናይ ፕሮፓጋንዳ ጐስጓስ ምዃኖም ገሊጹ ነይሩ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ክልተኦም ወገናት ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ዞባታት ዳርፉር፡ ካርቱም ከምኡ’ውን ኮርዶፋን ብጽዑቕ ይቕጽል ኣሎ።

    ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻውያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ካብ ምያዝያ 2023 ኣትሒዙ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ክልተኦም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ደብዳብ ብምክያድን ገበናት ኲናት ብምፍጻምን ብተደጋጋሚ ይኸስዎም እዮም።

  7. ኢትዮጵያ፡ ኮምሽን ሃገራዊ ዘተ ምኽረ-ሓሳባቱ ንህዝቢ ከየግሃደ ንፓርላማ ኣረኪቡ - ስለምንታይ?

    ዋና ኮምሽነር ሃገራዊ ኮምሽን ዘተ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ

    ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሑን ጠንቂ ግጭት ዝዀኑን ዘይምርድዳኣት ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ ዝቘመ 'ኮምሽን ሃገራዊ ዘተ'፡ እታ ሃገር ኣብ ውሽጣዊ ግጭታት ኣብ እትርከበሉ እዋን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ግዚኡ ዛዚሙ።

    እዚ ብ24 ታሕሳስ 2014 (ግ) ብኣዋጅ ዝቘመ ኮምሽን፡ ኣብ መጀመርታ ናይ ሰለስተ ዓመታት ዕድመ ስራሕ እዩ ተዋሂብዎ ነይሩ።

    ይዅን እምበር፡ ስርሑ ኣብቲ ዝተወሰነሉ እዋን ብዘይምዝዛሙ፡ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ብ11 ለካቲት 2017 (ግ) ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ ፈለማ ንሓደ ዓመት ድሒሩ ድማ ንተወሳኺ 8 ኣዋርሕ ናይ ስራሕ ግዚኡ ንኸናውሕ ወሲኑ።

    እቲ ኮምሽን ኣብቲ ን4 ዓመትን 8 ኣዋርሕን ዝወሰደ ግዜኡ፡ ካብ ምድላው ጀሚሩ ኣጀንዳታት ናይ ምእካብ፡ ሃገራዊ ዘተ ናይ ምክያድን ምኽረ-ሓሳባት ናይ ምቕባልን ሰፊሕ ስርሓት ከም ዘካየደ እዩ ዝንገር።

    ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣስታት 4,000 ተሳተፍቲ ኣብ ዝተረኸብዎ ጉባኤ ዝቐረቡ 394 ምኽረ-ሓሳባት ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፡ ከምኡ'ውን ምስ ክልላት ዝተኣሳሰሩ ኣጀንዳታት ነቶም ክልላት ብ23 መስከረም 2019 (ግ) ኣረኪቡ እዩ።ምሉእ ትሕዝቶ፡ ኢትዮጵያ፡ ኮምሽን ሃገራዊ ዘተ ምኽረ-ሓሳባቱ ንህዝቢ ከየግሃደ ንፓርላማ ኣረኪቡ - ስለምንታይ?

  8. ደግሲ ኵነተ-ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዘቕረባኦ ጥርዓናትን ግደ ማሕበረሰብ ዓለምን

    ዑስማን ሳልሕ - ጌዲዮን ጢሞቲዮስ

    ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምጽግዑ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ከቢድ ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎ ይፍለጥ።

    ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ውሽጢ ትግራይ፡ ኣብ መንጐ ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታትን ሰራዊት መንግስቲን መሻርኽቱ ዝዀኑ ትግራይ ሓይሊ ሰላም ተባሂሎም ዝጽውዑ ዕጡቓትን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ፈለማ ኢዱ ከም ዝሓወስሉ'ዩ ዝንገር፡ ዋላ'ኳ ኣስመራ ብንጹር እንተዘይተኣመነትሉ ወይ እንተዘይከሓደቶን።

    ብወገን ኣዲስ ኣበባ'ውን እቲ ኣብ ትግራይ ተባሪዑ ዘሎ ኲናት ኣብ ዶባት እታ ሃገር ጥራይ ተሓጺሩ ከምዘይተርፍን ክሳብ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውሓስ ክውርወር ከምዝኽእል'ዩ ክቃላሕ ጸኒሑ።

    ሰብመዚ ክልቲአን ሃገራት ዘለዎም ዘይምስምማዕ ብንቡርን ግሉጽን ዲፕሎማስያዊ ልዝብ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፡ ንዘለዎም ዘይምቅዳው ክሳብ ዝትኮስ ኣብ ወውሽጦም ዓብዒቦሞ'ዮም ጸኒሖም- ካብ ህዝቢ ዝተኸወለ'ዩ ነይሩ።

    ካብ 2023 ጀሚሩ ግን፡ ኣብ መንጐ እቶም ኣብ ክረምቲ 2018 ንዓለም መስተንክር ዝዀነ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ዝፈረሙ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ዝተፈጥረ ጋግ ብዝተፈላለየ ኣገባብ በጨቕ ክብል ጀሚሩ።

    ቀንዲ ጠንቂ ግርጭታቶም ስምምዕ ፕሪቶሪያ ከምዝነበረ'ኳ ዝግለጽ እንተዀነ፡ ካልኦት ዝተገልጹን ዝተጐለበቡን ምኽንያታት ከምዘለዉ'ዮም ተንተንቲ ዝእምቱ።ምሉእ ትሕዝቶ፡ ደግሲ ኵነተ-ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዘቕረባኦ ጥርዓናትን ግደ ማሕበረሰብ ዓለምን

  9. ፌዴራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ንመዓልቲታት ዝቐፀለ ዓሌታዊ መልክዕ ዘለዎ ጎንፂ ከተማ ሞያሌ ብዝምልከት ንመንግስቲ ፌደራል ነቒፉ

    እቲ ተቓዋሚ ውድብ ፖለቲካ ብቀዳም 14 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኣብ ከተማ ሞያሌን ዞባ ቦረናን "እናተጋደደ ዝመፅአ መጥቃዕቲ፣ ዕጡቓት ሓይልታት ሸሊኾም ምእታውን ኢ-ሕገመንግስታዊ ለውጥታት ምምሕዳርን" ኰኒኑ።

    ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ኣብ ዝዳወቡላ ከተማ ሞያሌ፡ ናይ ክልል ሶማሌ ባንዲራ ኣብ ከተማ ሞያሌ ምስቃሉ ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 08 ጥቅምቲ እዩ እቲ ጎንፂ ተወሊዑ።

    መቕተልቲ ጓል 13 ዓመት ሰገን ስዒቡ ድማ እቲ ጎንፂ ተጋዲዱ።

    ካብ ብሓሙስ ጀሚሩ "ብከቢድ ኣፅዋር ዝተሰነየ" ልውውጥ ተኹሲ ከም ዝቐፀለ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

    መንበሪ ኣባይትን ትካላት ንግድን ሓዊሱ ብዙሓት ንብረታት ከም ዝተቓፀሉ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

    ቢቢሲ ብዓርቢ ዘዛረቦ ሓደ ነባሪ፡ ኣብቲ ዕለት ጥራሕ፡ ዕጡቓትን ሰላማውያን ሰባትን ዝርከቡዎም፡ ትሽዓተ ሰባት ከም ዝሞቱ ተዛሪቡ ነይሩ።

    ቢቢሲ ነዚ ቁፅሪ ብካልኦት ነፃ ምንጭታት ከረጋግፆ ኣይከኣለን።