ዘይምዕሩይ ምርጫ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኵነታት እታ ሃገር እንታይ ይብል?

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣብ ገለ ክፋላት እታ ሃገር ግጭት ተባሪዑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሓፈሻዊ መረጻ ኢትዮጵያ ሎሚ ሰኑይ 1 ሰነ ይካየድ ኣሎ፤ እዚ ማለት ድማ ሓያሎ ሰባት ክመርጹ ኣይክእሉን እዮም።
እታ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት ዘሕለፈት ቍስላ ከተሕዊ እትቃለስ ዘላ ትግራይ ካብዚ መረጻ ፈጺማ ተገሊላ ኣላ።
እዚ መረጻ'ዚ፡ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ብ1991 ድሕሪ ምውዳቑ ንመበል ሻውዓይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ እዩ።
እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ መረጻ፡ ምስታ ብ1994 ብረፈረንዱም ሃገር ክትከውን ዝበቕዐት ብሰሜን ዘላ ጐረቤታ ኤርትራ፡ ውጥሪ ኣብ ዝዓበየሉ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ማዕከናት ዜና ጽኑዕ ቍጽጽር ይካየደሎም ኣሎ፤ ከም ቢቢሲ ዝኣመሰላ ሓያሎ ትካላት ድማ ኣብታ ሃገር ክሰርሓ ፍቓድ ጋዜጠኝነት ተነፊጉዎን ይርከብ።
መን ክዕወት ተኽእሎ ኣሎ?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ዋላ እኳ ብቐጥታ ብህዝቢ ዝምረጽ እንተ ዘይኰነ፡ መረጽቲ ነቶም 547 ኣባላት ዘለውዎ ባይቶ ዝውክሉ እዮም ዝመርጹ። እንተ ወሓደ 274 መናብር ዘረጋገጸ ውድብ ድማ ነታ ሃገር ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝመርሕ መንግስቲ ናይ ምቛም መሰል ይረክብ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ ወዲ 49 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብ2018 ናብ ስልጣን ዝመጽአ፡ እቲ ህወሓት ዝዕብልሎ ዝነበረ ካብ 1991 ኣትሒዙ ንኢትዮጵያ ክመርሕ ዝጸንሐ ጥምረት ውድባት ኢህወደግ ብህዝባዊ ተቓውሞታት ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዱ እዩ።
ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኢትዮጵያ ዝተፈልጠን ኣባል ፈደራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ ዝዀነን ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና፡ እዚ ናይ ሎሚ መረጻ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ዝወሓደ ውድድር ዝረኣየሉ ምዃኑ ይገልጽ።
"ተኸታቲልካ ካብ መረጻታት ክትእለ ስለ ዘይትኽእል፡ ንሕና ሕጊ ንምምላእ ጥራሕ ኢና ንሳተፍ ዘለና። ብቐንዱ ካብ ምዝገባ ንኸይንእለ ኢና ንሳተፍ ዘለና፡" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብይ ፈለማ ስልጣን ክሕዝ ከሎ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ካብ ቤት ማእሰርቲ ብምፍታሑ ከም ተጣባቒ ደሞክራስን ናጽነት ፕረስን ወደሳ ረኺቡ ነይሩ።
ምስ ጐረቤት ሃገር ኤርትራ ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ወጥሪ ብምብቅዑ፡ ኣብ 2019 ተሰላሚ ኖቤል ሰላም ክኸውን'ውን በቒዑ።
ኣብዞም ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ግና ነገራት ዝተፈልዩ ክዀኑ ኣይከኣሉን።
ኣብይ ብኸመይ ንዝናኡ ደዊኑዎ?
ነቐፍቲ፡ ንመንግስቱ ተቓውሞታት ብምጭፍላቕ፡ ተነሓናሕቱ ናብ ስደት ብምድፋእን ብምእሳርን ይኸሱዎ።
መንግስቲ፡ ብመሪሕነት ኣብይ ኣብ 2020 ኣንጻር መራሕቲ ትግራይ ናብ ኲናት ዝኣተወ ኰይኑ፡ ብሽምግልና ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ 2022 ብውዕል ፕሪቶርያ ደው ኢሉ። ኣብቲ ኲናት ኣስታት 600,000 ሰባት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ እቲ ሕብረት ይገልጽ።
ብመሰረት መዐቀኒ ናጽነት ፕረስ 2025 ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፡ ኢትዮጵያ ካብ 180 ሃገራት መበል 148 ደረጃ ሒዛ ኣላ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ናይ መስከረም 2025 ሕታሙ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛታትን ሰብሞያ ማዕከናት ዜናን ብዘይፍርዲ ብምእሳሩ ኰኒኑዎ፤ ኣብ ልዕሊ ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ዝካየድ ዘሎ ምግፋዕ ደው ክብል ድማ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብ ለካቲት ንሰለስተ ጋዜጠኛታት ሮይተርስ ኣብ ኢትዮጵያ ክዓዩ ዝነበሮም ፍቓድ ድሕሪ ምስራዙ፡ ንጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ሲ-ፒ-ጀይ፡ "ኣብ ልዕሊ ኣህጉራውያንን ናጻ ፕረስን ዝግበር ዘሎ ናይ ዓፈና ሕጋዊ ስጕምቲ ዘሻቕል ኣንፈት፡" ምዃኑ ወቒሱ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ደገፍቲ ቀዳማይ ምኒስተር እንታይ ይብሉ?
ደገፍቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ኣብይ ነታ ሃገር ናብ ዝበለጸ ከም ዘሰጋገራ ይከራኸሩ።
ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ናይቲ ዘካይዶ ዘሎ ዝብሉዎ ጽገናታት መርኣያ እያ። ኣብታ ከተማ ንጽባቐኣ ብዙሕ ፕሮጀክታት ይካየዱ ኣለዉ። እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ቀዳማይ ምኒስተር "ኮሪደር ልምዓት" ዝብሎ ፕሮጀክታት እዩ።
እዞም ንመጓዓዝያን ህዝባዊ ቦታታትን ንምምሕያሽ ተባሂሎም ዝተወስዱ ስጕምቲታት ግና ብዙሓት ነበርቲ ዘፈናቐሉን እዱድ ምፍራስ ኣባይቲ ዘስዓቡን እዮም ምባል ነቐፊታ ኣጋጢሙዎ እዩ።
ኣብይ ኣብ ቍጠባ ዘካየዶም ጽገናታት፡ ካብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ደገፍ ክረክብ ኣኽኢሉዎ። እዚ ጽገና'ዚ፡ ተመን ናይ ወጻኢ ሸርፊ ናጻ ክትገብርን ዕዳኣ ክትቈጻጸርን ኣብ ዝብል ቅድመ-ኵነት ዝተመርኰሰ እዩ።
እዚ ዕዳ'ዚ፡ ኣብ 2024 ብመሰረት ጸብጻብ ባንኪ ዓለም 36.5 ቢልዮን ዶላር በጺሑ ነይሩ።
ብመሰረት ገምጋም ባንኪ ዓለም፡ ኢትዮጵያ 135.9 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኰይና፡ ድሕሪ ናይጀርያ ኣብ ኣፍሪቃ ካልአይቲ ብዝሒ ህዝቢ ኣለዋ፣ ከምኡ'ውን ሓንቲ ካብተን ቅልጡፍ ዕብየት ቍጠባ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ እያ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ከም ኣምሓራን ኦሮምያን ዝኣመሰሉ ቦታታት ቀጻሊ ዘይምርግጋእ ኣብ ዘለወሉ፣ ትግራይ ገና ናብ ንቡር ዘይተመልሰትሉን ዋጋ ንብረትን ኣገልግሎታትን ኣብ ዝነሃረሉን እዩ።
ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት (GDP) ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2016 ካብ ዝነበሮ 641 ዶላር፡ ኣብ 2026 ናብ 1,133 ዶላር ክበጽሕ ከም ዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ።
ዘለዉ ስግኣታት ጸጥታ እንታይ እዮም?
ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቀጻሊ ወጥሪ፡ ክልተ ካብተን ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ክልላት ናይታ ሃገር - ኣምሓራን ኦሮምያን - ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብውሽጣዊ ግጭት ይሕቈና ኣለዋ።
ኣብ ኣምሓራ ዘለዉ ዕጡቓት ፋኖን ኣብ ኦሮምያ ዘሎ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ኦላ)ን ኣንጻር ሓይልታት መንግስቲ ምውጋእ ቀጺሎም ኣለዉ፤ እዚ ድማ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ክሞቱን ካብ መረበቶም ክመዛበሉን ገይሩ እዩ።
ክልተኦም ወገናት ዝዓበየ ልዑላዊ ርእሰ-ምሕዳር ይጠልቡ፤ ኣብይ ከም ዝጠለሞም ድማ ይስምዖም። እዚ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዝርአ እዩ፤
- እቶም ኣብ ኲናት ትግራይ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኰይኖም ዝተዋግኡ ዕጡቓት ኣምሓራ፡ ኣብ 2023 ዕጥቈም ክፈትሑ ንዝተዋህበ ትእዛዝ ነጺጐሞ። እዚ ዕጥቂ ናይ ፍታሕ ስጕምቲ ንኽልሎም ንመጥቃዕቲ ከም ዘቃልዓ ድማ ይምጕቱ።
- እቲ ብባይቶ ከም ግብረ-ሽበራዊ ውድብ ዝተጸርሐ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ኦላ)፡ እቲ ብብዝሒ ህዝቢ ዝዓበየ ብሄር ዝዀነ ኦሮሞ ከም ዝተዋሰነን ልዑል ርእሰ-ምምሕዳር ይጠልብን።
ብመሰረት ጕጅለ ምክትታል ግጭት ኣክሌድ፡ ኣብ 2024 ኣብቶም ክልላት ብዝተወልዐ ግጭት ልዕሊ 9,400 ሰባት ተቐቲሎም።
እዚ ዘይምርግጋእ ኣብ ቦታኡ እኳ እንተ ሃለወ፡ መንግስቲ ኣብ ኣምሓራን ኦሮምያን 97% ቦታታት መረጻ ንምክያድ ድሉዋት እዮም ይብል።
ጥምረት ንሓድነት ኢትዮጵያ ዝተባህለ ናብዚ ውድድር ንምእታው ልፍንቲ ዝፈጠረ ውድብ፡ ነዚ ሓሳብ'ዚ ነጺጉዎ ኣሎ።
"ኣብ ኣምሓራን ኦሮምያን ምቹእ ኵነታት ስለ ዘየሎ፡ ጐስጓስ ክነካይድ ከም ዘይንኽእል ቅድሚ ሕጂ ገሊጽና ኢና፡" ክብል ናይቲ ጥምረት ዋና ጸሓፊ ምስጥረስላሴ ታምራት ንቢቢሲ ኣምሓርኛ ገሊጹ።
ማግኑስ ቴይለር ኣብ 'ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ' ክኢላ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ክንደይ ሰባት ክመርጹ ከም ዝኽእሉ ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ ይብል።
"ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ዳግማይ ክምረጽ ምዃኑ እምነት ክህሉዎ እዩ። እዚ ግን ንዘሎ ዝተፈላለዩ ውሽጣዊ ዘይምርግጋእ፡ ናዕቢታትን ኣብ ሰሜን ሓድሽ ኲናት ከይውላዕ ንዘሎ ስግኣታትን ክኽውሎ የብሉን። ክልተኦም ነገራት ብሓንሳብ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፡" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ትግራይ ከመይ ኣላ?
እታ ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ከም ዝነብረላ እትግመት ትግራይ፡ ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ መንጎ መንግስትን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶርያ ብዝተኸተመ ውዕል መሰረት ብግዝያዊ ምምሕዳር እያ ክትምራሕ ጸኒሓ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣቢይ ኣሕመድ ንስልጣን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብበይናዊ ስጕምቲ ስለ ዘናውሖ፡ ህወሓት ነጺጉዎ። እቲ ውዕል "ከም ዝፈረሰ" ብምግላጽ ድማ ቅድሚ ኲናት ንዝነበረ ካቢነ ናብ ስራሕ ብምምላስ፡ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ክመርሖ መሪጹ።
ደብረጽዮን ነቲ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ብመንግስቲ "ግብረሽበራዊ" ተባሂሉ ዝተረቝሐ ህወሓት ዝመርሕ ዝነበረ እዩ።
ኣብ መንጎ ህወሓትን ኣዲስ ኣበባን ዘሎ ወጥሪ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት እናኸረረ ክመጽእ ጸኒሑ።
ሓደ ዓቢ ዘይምስምማዕ፡ ህወሓት ከም ሓድሽ ፓርቲ ክምዝገብ የድልዮ ድዩ ኣየድልዮን ኣብ ዝብል እዩ።
ቦርድ መረጻ የድልዮ እዩ ክብል ከሎ፡ ህወሓት ግና ኣይተሰማምዐን። ሕጋዊ ሰብነቱ ተሰሪዙ ከኣ ብወግዒ ተኣጊዱ ኣሎ።
ህወሓት፡ መንግስቲ ኣብ ጉዳያት ስምምዕ ውዕል ፕሪቶርያ ቃሉ ከም ዝዓጸፈ ይኣምን፤ ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ኲናት ዝሰኣኖ ከም ምዕራብ ትግራይ ዝኣመሰሉ ቦታታት ክምለሰሉ ይደሊ።
ኣብ እዋን እቲ ግጭት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ካብቲ ከባቢ ሃዲሞም፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ግዝያውያን መዓስከራት ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ኵነታት ይነብሩ ኣለዉ።
ካልእ ጉዳይ ድማ እታ ንትግራይ ብሰሜን እትዳወብ ኤርትራ እያ።
ኤርትራ ኣብቲ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰይና እኳ እንተ ተሰለፈት፡ ድሒሩ ግን ሓድሕድ ዝምድናኦም ሻሕኪሩ እዩ። ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ድማ ኣብይ ኣሕመድ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ብዘሕደሮ ድሌት እዩ።
ኤርትራ ቅድሚ 30 ዓመታት ናጽነታ ክትረክብ ከላ፡ ልዕሊ 1,200 ኪሎ ሜተር ገማግም ባሕሪ ሒዛ ስለ ዝኸደት፡ ኢትዮጵያ ወደብ ኣልቦ ሃገር ኰይና እያ።
ኤርትራ ምስ ህወሓት ክትቀራረብ ከም ዝጸንሐት ዝገልጹ ጸብጻባት'ውን ኣለዉ፡ እዚ ድማ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኣብይን መራሕቲ ትግራይን ዘሎ ወጥሪ የጋድዶ ኣሎ።
ኣብ ግንቦት፡ ቦርድ መረጻ ኣብ ኵለን 38 ናይ ትግራይ ነቝጣታት መረጻ ከም ዘይካየድ ኣረጋጊጹ እዩ።
እዚ ኵሉ ናብ ዝሰፈሐ ዳግማይ ግጭት ከየምርሕ ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ። እቲ ናይ ICG ተንታኒ፡ ኣብ መንጎ መንግስትን መራሕቲ ትግራይን መስመር ልዝብ ንምኽፋት ዞባዊ ዘተ ከም ዘድሊ ይኣምን።
"እንተ ወሓደ ጌጋ ቅማረታት ከይህሉ ክዓግትን ወጥሪ ከተሃዳድእን ይኽእል እዩ። ፍልልያቶም ብተዅሲ ኣብ ክንዲ ዝፈትሑ ናብ መኣዲ ዘተ ንምምጻእ እዩ፡" ይብል ቴይለር።
ትጽቢታት መረጽቲ እንታይ እዩ?
ቦርድ መረጻ ልዕሊ 50.5 ሚልዮን ሰባት ንመረጻ ከም ዝተመዝገቡ ይገልጽ። ግጭታትን ፖለቲካዊ ወጥርታትን እኳ እንተ ሃለወ፡ ሓያሎ መንእሰያት ንፈለማ ግዜኦም ድምጺ ክህቡን እዚ መረጻ'ዚ ምርግጋእ ንምምጻእ ክሕግዝን ዘለዎ ተስፋ ይገልጽ።
"ወጽኢት ናይዚ መረጻ እወታዊ እንተ ዘይኰይኑ፡ ዕለታዊ ህይወተይ ብቝጠባን ፖለቲካን ክጽሎ እዩ ኢለ እሓስብ። ዘይምርግጋእ እንተ ተፈጢሩ፡ ትምህርተይ ክቕጽል ኣይክእልን ይኸውን፣ ክንቀሳቐስ'ውን ከጸግመኒ እዩ፡" ክትብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ እትነብር ፈነት ደረጄ ንቢቢሲ ገሊጻ።
ኣብይ ዝመርሖ ፓርቲ ብልጽግና ኣብ መረጻ 2021 ብልዑል ድምጺ ተዓዊቱ ነይሩ።
ምኽትል ቀዳማይ ምኒስተር ተመስገን ጥሩነህ፡ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ መጋቢት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ድሮ ካብ 137 ነቝጣ መረጻታት 30 ተሰሪዙ፤ እቲ ገዛኢ ፓርቲ ኣብዚ እዋን እዚ "ብምልኡ ክዕወት ኣይደልን፡" ኢሉ።
"ኣባላት ተቓወምቲ ፓርቲታት ዝዀኑ ምኒስተራት ኣለዉና። እዚ ኣንፈት እዚ ክቕጽል እዩ። 100% ናይቲ ድምጺ ክንዕወት ኣይንደልን ኢና። ዝተፈላለዩ ድምጽታት ከነአንግድ ስለ ንደሊ፡ መናሓንሕትና ተዓዊቶም ክንርኢ ንደሊ ኢና፡" ኢሉ።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


