ትግራይ፡ ካብ ፖለቲካዊ ምፍጣጥ ክሳብ ወተሃደራዊ ስጕምቲ - ክፍጠሩ ዝኽእሉ ኣርባዕተ እንተታት

 ጥሪ 2012 ዓ.ም. ኢትዮጵያ፡ ህወሓት ህፁፅ ውድባዊ ጉባኤ ኣብ ዝፀውዐሉ ዝተልዓለ ፎቶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ህወሓት ብስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሪሱ ስልጣን ከም ዝተቘጻጸረ ድሕሪ ምእዋጅ፡ ርክብ መንግስቲ ፈደራልን ትግራይን እንታይ ዓይነት መልክዕ ከም ዝህልዎ ኣይተፈለጠን። ህወሓት ህፁፅ ውድባዊ ጉባኤ ኣብ ዝፀወዐሉ ዝተወስደ ስእሊ (ጥሪ 2012 ዓ.ም.ግ.)
Published
ንባብ: 9 ደቓይቕ

ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ብቐረባ ዝከታተል በዓልሞያ ሕገ-መንግስቲ ዶክተር ኣደም ካሴ፡ ንኵነታት ትግራይ እንክገልፅ "እቲ ኲናት ተጀሚሩ'ዩ" ይብል።

ዶክተር ኣደም፡ እቲ ቀንዲ ዘይፈለየ "ተዅሲ መዓስ ይጅምር?" ዝብል እዩ ይብል።

ነቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ዝገትአ ስምምዕ ፕሪቶርያ ልዕሊ ዝዀነ እዋን ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ይመስል።

ህወሓት እቲ ስምምዕ "ፈሪሱ'ዩ" ዝብል መርገፂኡ ኣፍሊጡ'ዩ። ነዚ ተሓታቲ ዝገበሮ ድማ ንመንግስቲ ፈደራል እዩ። ናይ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ መንግስቲ ክሳብ ሕዚ ወግዓዊ ርእይቶ ኣይሃበን።

ህወሓት ቅድሚ ሽድሽተ ዓመት ዝተኻየደን ነቲ ኲናት ከም ሓደ ምኽንያት ብዝኾነ መረፃ ንዝተመስረተ ክልላዊ ቤት ምኽሪ'ውን ናብ ስራሕ መሊሱ።

እቲ ቤት-ምኽሪ ድማ ንኣቦወንበር ህወሓት ፕረዚደንት ክኸውን ከም ዝመረፀ ተገሊፁ።

ስጕምቲ ህወሓት፡ ንስልጣን እቲ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝመንዝዐ እዩ።

ኣብ መወዳእታ መጋቢት ብቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዘበን ስልጣኑ ዝተናውሓሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ መንግስታዊ መሓውሩ ከም ዝፈረሰ'ኳ እንተዘይገለፀ፡ ናይ ምምሕዳር ሓይሉ ግና ዝሰኣነ ይመስል።

ሕጋውነት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዘብቅዐ ዝዛረብ ህወሓት፡ ብሰንኪ'ዚ ምስ መንግስቲ ፈደራል ዘተኣሳስሮ ገመድ ከም ዝተበትከ ዘነጽር መርገፂ ሒዙ።

ጉዳይ ትግራይ 'ቀፂሉ እንታይ'ዩ ክኸውን እዩ? ዝብል ሕቶ ግን ክሳዕ ሕዚ ብወግዒ ኣይነፀረን።

እዚ ኵነታት ከም ዘለዎ ድዩ ክቕፅል ወይስ መንግስቲ ፈደራል ስጕምቲ ክወስድ? ስልጣን ከም ዝተቘፃፀረ ዝገልፅ ህወሓት ከ ናብ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክኣቱ'ዶ ይኸውን? ብዛዕባ እዞም ኣርባዕተ እንተታት ንሰብሞያ ኣዘራሪብና ኣለና።

'ኲናት ከይተወልዐ፡ ሰላም'ውን ከይሰፈነ ክቕፅል'ዩ'

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቀደሙ'ውን ብድሆታት ንዝነበርዎ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝያዳ ናብ ሓደጋ ዘእተወ ስጕምቲ ህወሓት ሰለስተ ሰሙን እኳ እንተቝፀረ፡ መንግስቲ ፈደራል ዛጊድ ወግዓዊ ርእይቶ ኣይሃበን።

ኣቦወንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፡ 30 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ግ. ንፈለማ እዋን ካቢነኡ ኣብ ዝኣከበሉ እዋን፡ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ይተሓዝ ከምዘሎ ብመገዲ ገጽ ፈይስቡክ ቤትፅሕፈት ፕረዚደንት ዝገለፀ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ብድሕሪኡ ድምፁ ኣይተሰምዐን።

ብኣንፃሩ ስልጣን ከም ዝተቘፃፀረ ዝኣወጀ ኣቦወንበር ህወሓትን ዘጣየሾ ካቢነን ውሳነታት ብምሕላፍ መሪሕነት ክቕፅል ይረአ ኣሎ።

ምሁር ሕገ-መንግስትን ፖለቲካን ዶክተር ኣደም ካሴ ከም ዝብሎ፡ ሕዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ "ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት" ኵነታት ንርክብ መንግስቲ ፈደራልን ምምሕዳር እቲ ክልልን ዝሓላልኽ እዩ።

መንግስቲ ፈደራል፡ "ኣጣይሸዮን ኣፍልጦ እህቦን'የ" ዝብሎ ግዝያዊ ምምሕዳር እንተፈሪሱ፡ "በየናይ መልክዕ ምስ ክልል ትግራይ ከም ዝራኸብ ኣይፍለጥን" ይብል።

እዚ ድማ፡ ቀደሙ'ውን "ብዝተወሰነ ደረጃ" ጥራይ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝጸንሐ "ነዳድን መሰረታዊ ሸቐጣትን" ናብቲ ክልል ክኣቱ ድዩ ዝብል ኣብ ምልክት ሕቶ ከም ዘእትዎ የረድእ።

ጉዳይ ፈደራላዊ ባጀት'ውን፡ ብተመሳሳሊ ዝለዓል ካልእ ሕቶ ምዃኑ ይገልፅ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ፡ ባጀት ፈደራል ክንደየናይ ከም ዝተቘራረፀ ዝዝርዝር ደብዳበ ናብ ምኒስትሪ ገንዘብ ፅሒፉ ነይሩ። እቲ ደብዳበ ከም ዘመልክቶ፡ ካብ ጥቅምቲ ጀሚሩ ናብ ትግራይ ይለኣኽ ካብ ዝነበረ 17.1 ቢልዮን ብር፡ 8.5 ቢልዮን ጥራይ እዩ ተሰዲዱ።

ቢቢሲ ናብ ትግራይ ዝለኣኽ ባጀት ብዝምልከት፡ ካብ ምኒስትሪ ገንዘብ ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰመረን።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ግና ኣብ ባይቶ ፈደሬሽን ቀሪቡ መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ እዋን፡ "መንግስቲ ንትግራይ ዝምድቦ ባጀት፡ ንልምዓት ዘይኰነስ ንዕጡቓት ይውዕል ኣሎ" ብምባል ከሲሱ ነይሩ።

ደብዳበ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ መጋቢት ክስደድ ካብ ዝነበሮ ባጀት 50 ሚእታዊት ከም ዝተላእከ ጠቒሱ። መንግስቲ ፈደራል ኣፍልጦ ንዘይህቦ ካቢነ መንግስቲ ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ባጀት ክልእኽ ድዩ? ዝብል ሕቶ ንኽለዓል ዝድርኽ እዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed Ali

ተንታኒ ፖለቲካን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካልጋሪ-ካናዳ መምህር ዝኾነን ፕሮፌሰር ጌታቸው ኣሰፋ፡ "ባጀት ብምኽልካል ከም ድላዮም ኢሉ ንዝተወሰነ ግዜ ክገድፎም ይኽእል'ዩ" ብምባል ግምቱ ይዛረብ።

ከም ትንተና ፕሮፌሰር ጌታቸው፡ እዚ ናይ መንግስቲ ፈደራል ስቕታ ክሳብ መወዳእታ ዝቕፅል ዘይኰነስ ኵነታት ክሳብ ዝማልኡ "ግዜ ዝፅበ" እዩ።

ፕሮፌሰር ጌታቸው ሕዚ ንዝረአ ስቕታ ምኽንያት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ካብ ዝጠቕሶም ጉዳያት፡ ንኽካየድ ሓደ ሰሙን ዝተረፎ ሻብዓይ ሃገራዊ መረፃን ንዕኡ ዝስዕብ ምስረታ መንግስትን ይርከብዎም።

ዝመፅእ እዋን ክረምቲ ምዃኑን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭት'ውን፡ መንግስቲ ፌደራል ስጕምቲ ንዘይምውሳድ ከም ምኽንያት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይገልፅ።

ዶክተር ኣደም'ውን ብተመሳሳሊ እቲ ዘሎ "ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት" ኵነታት ምቕፃሉ ምናልባት ንቅሩብ ግዜ እምበር ዘላቒ'ዩ ኢለ ኣይሓስብን" ይብል።

መንግስቲ ፈደራል ኣፍልጦ ዝህቦ ምምሕዳር ኣብ ስልጣን ስለ ዘይኮነ፡ ብባጀትን ብኻልኦት ዋና ዋና ኣቑሑታትን ዘሎ ቍፅፅር ከም ዘትርር" ዝዛረብ ዶክተር ኣደም፡ እዚ ድማ ህወሓት ነዞም ጉድለታት ንምምላእ "ምሉእ ብምሉእ ምስ ደገ ርክብ" ክፈጥር ክገብሮ ከም ዝኽእል የረድእ።

"እዚ ድማ ንመንግስቲ ፈደራል ናብ ካልእ ቍጠዐን ስጕምትን ከእትዎ ይኽእል" ብምባል፡ እዚ ጉዳይ'ውን ጠንቂ ካልእ ግጭት ክኸውን ከም ዝኽእል ይጠቅስ።

'መንግስቲ ፈደራል ስጕምቲ ክወስድ'ዩ'

ዶክተር ኣደም ይዅን ፕሮፌሰር ጌታቸው፡ መንግስቲ ከምቲ ናይ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት ትግራይ ኣብ ሰፊሕ ግጭት ናይ ምእታው ዕድሉ ፀቢብ ከም ዝኾነ ይዛረቡ። ዝኾነ ግጭት ምውልዑ ግና ዘይተርፍ ምዃኑ ይግምቱ።

ዶክተር ኣደም፡ "መንግስቲ ፈደራል ክጥቀም እንተድአ ደልዩ ብዙሕ ጭዋዳ ኣለዎ" በሃሊ እዩ። "ናብ ኲናት ከይኣተወ ፀቕጢ ክፈጥር እንተድኣ ደልዩ፡ ብፍላይ ድማ ባጀት ኣብ ዝምልከት ብዙሕ ፀቕጢ" ክገብር ከም ዝኽእል ይኣምን።

ኲናት ዝጅመር እንተዀይኑ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ብዘለዉ ግጭታት "ኣብ ፀቕጢ" ዘሎ መንግስቲ ፈደራል፡ "ንወተሃደራቱ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብምውሳድ ናብ ዓውደ ግምባር ከኽትት" ከም ዘለዎ የረድእ።

በዚ ኵነታት፡ ከም ቤኒሻንጉል ጉምዝ ኣብ ዝበላ ክልላት ሓዊሱ፡ "ሕዚ ዘለዉ ጎንፅታት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ሓደስቲ ጎንፅታት ንክኽሰቱ ልዑል ዕድል ኣሎ" ይብል።

ኣብ መወዳእታ ጥሪ ሰራዊት ምክልኻል ካብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ኣብ ዝወፅኣሉ እዋን፡ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ከም ደብረ ታቦር ዝኣመሰላ ከተማታት ልዑል መጥቃዕቲ ከፊቶም ነይሮም። ኣብ ክልላት ኦሮምያን ደቡብ ኢትዮጵያን'ውን ንምንቅስቓስ ሰራዊት ምክልኻል ስዒቡ፡ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከም ዝፈፀሙ ፀብፃባት ሓቢሮም'ዮም።

ዶክተር ኣደም ከም ካልኣይ ዝገልፆ ምኽንያት፡ ኲናት እንተድኣ ተጀሚሩ፡ "ኢትዮጵያ ትዓቢ ኣላ ዝብል ተረኽ ክፈርስ'ዩ" ዝብል እዩ።

" 'ኢትዮጵያ ትሕደስ ኣላ፣ ትዓቢ ኣላ፣ ትቕየር ኣላ' ዝብል ተረኽ ኣዝዩ ዘቋርፅ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ (መንግስቲ ፈደራል) ይደልዮ እዩ ኢለ ኣይሓስብን" ይብል።

ኣብ ትግራይ ዘይካየድ ሻብዓይ ሃገራዊ መረፃ ክካየድ ሓደ ሰሙን ተሪፍዎ

ምንጪ ስእሊ, National Election Board of Ethiopia

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ትግራይ ዘይካየድ ሻብዓይ ሃገራዊ መረፃ ክካየድ ሓደ ሰሙን ተሪፍዎ

ምናልባት ብህወሓትን ኤርትራን፣ ብህወሓትን ሱዳንን ዝተዋደደ… ዓይነት ነገር እንተድኣ ተፈጢሩ፡ ምናልባት ንዕኡ ንምውጋድ ናብ ኵናት ክእተው ይኽእል እዩ" ብምባል መንግስቲ ፈደራል ናይ ምክልኻል ስጕምቲ እንተወሲዱ ግጭት ክፍጠረሉ ዝኽእል ዕድል ከም ዘሎ የመልክት።

ዶክተር ኣደም መንግስቲ ፈደራል ናብ ኲናት ናይ ምእታው ድሌት ከም ዘይብሉ'ኳ እንተኣመነ፡ እዚ ኵነታት "ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምምላስ ዕድል ይፈጥር'ዩ" ዝብል ቅማረ ክሕዝ ከም ዝኽእል የልዕል።

ካብ 2016 ዓ.ም ኢትዮጵያ ጀሚሩ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ጉዳይ ብዕሊ ዘልዕል ዘሎ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብማዕከናት ዜና ኣቢሉ ዓሰብ ኣካል ግዝኣት ኢትዮጵያ ከም ዝነበረ ዝገልፅ ተረኽ የጋውሕ ኣሎ።

መንግስቲ ኣፍደገ ባሕሪ ብሰላማዊን ንግዳውን መገዲ ክረክብ ከም ዝደሊ ብተደጋጋሚ'ኳ እንተገለፀ፡ ኤርትራ በዚ ሰበብ ኲናት ክውልዕ'ዩ ዝብል ክሲ ተስምዕ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ፡ "ፀቕጢ እንትመፅእ ነቲ ፀቕጢ ምምላስ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣማራፅታት ናይ ምርኣይ" ዝንባለ ከም ዘለዎ ዝዛረብ ዶክተር ኣደም፡ "እዚ ነገር እንተድኣ መፅዩ 'ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒምና ኣፍደገ ባሕሪ ክንረክብ ኢና' ዝብል ቀመር ክህሉ ይኽእል'ዩ" ይብል።

መምህር ዩኒቨርሲቲ ካልጋሪ ፕሮፌሰር ጌታቸው ኣሰፋ ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክወስድ'ዩ ናብ ዝብል ድምዳመ ከም ዘዘንብል ይገልፅ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድን

ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed Ali

ህወሓት ነባር ቤት-ምኽሪ ናብ ስራሕ ከም ዝተመለሰ ኣብ ዝኣወጀሉ መዓልቲ፡ ነፈርቲ ኵናት ኣብ ሰማይ መቐለ ምርኣየን፡ ናይዚ መርኣያ ምዃኑ ይጠቅስ።

መጠነ ሰፊሕ ኲናት ናይ ምውላዕ ዕድሉ ፀቢብ ከም ዝኾነ ዝዛረብ ፕሮፌሰር ጌታቸው፡ ብኣንፃሩ "ንዝተመረፁ ወተሃደራውን ፖለቲካውን መራሕቲ ዒላማ ዝገበረ ስጕምቲ ክውሰድ ይኽእል'ዩ" ይብል።

"ኣብ ክልል ዓፋር ኣሎ ዝበሃል ዕጡቕ (ካብ ሓይልታት ትግራይ ዝተገምዑ 'ዕጡቓት 'ሓራ መሬት' ምጥቃም ወይ ንዕኦም ምድጋፍ ክኸውን ይኽእል" ብምባል ትዕዝብቱ የካፍል።

ካብ ሓይልታት ትግራይ ብዝወፅኡ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዝተመስረተ 'ሓይልታት ሰላም ትግራይ (ዕጡቓት ሓራ መሬት)'፡ ኣብ ክልል ዓፋርን ኣብ ትግራይን ከም ዝንቀሳቐስ ይግለፅ። እዚ ዕጡቕ ሓይሊ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝተታኾሰሉ ግዜ'ውን ነይሩ።

ኣባላት እዚ ዕጡቕ ሓይሊ 'ቤት-ምኽሪ ሰላምን ለውጥን ትግራይ' ዝተብሃለ ምንቅስቓስ ብ09 ግንቦት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተመስረተሉ ዕዱማት ከም ዝነበሩ ተገሊፁ'ዩ።

ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝኾነ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝሳተፍሉ እዚ ምንቅስቓስ፡ "ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ንዝተቖፃፀረ ሓይሊ ናይ ምውጋድ ዕላማ" ከም ዘለዎ ገሊፁ'ዩ።

ፕሮፌሰር ጌታቸው፡ መንግስቲ ፈደራል ብዘይ ዝዀነ ግጭት ከም ባጀት ዝኣመሰሉ ቀረባት ምሉእ ብምሉእ ዘቋርፅ እንተዀይኑ'ውን፡ እቲ ፀቕጢ ካብ "ወተሃደራዊ ስጕምቲ ዘይነኣኣስ" ከም ዝኸውን ይገልፅ።


ባንዴራ ትግራይ ዝተሰቐሎ ኣደባባይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

'ህወሓት ስጕምቲ ክወስድ እዩ'

ፕሮፌሰር ጌታቸው ህወሓት "ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክወስድ'ዩ ኢለ ኣይኣምንን" ይብል። ህወሓት ነዚ ኣማራፂ እንተድ ዘይወስድ ኰይኑ፡ "ካብ ዘይምድላይ ዘይኰነስ ፕራግማቲክ ካብ ምዃን'ዩ" ይብል።

እቲ ተንታኒ፡ መራሕቲ ህወሓት ናብ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ዘይኣትወሉ ሓደ ምኽንያት፡ "ምስ መንግስቲ ኤርትራ" ዘለዎም ርክብ'ዩ ዝብል ግምገማ ኣለዎ።

ብወገን ህወሓት ስጕምቲ ዝውሰድ እንተድኣ ኰይኑ፡ ሓይልታት ትግራይ ንምውላዕ ኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ምዕራብ ትግራይ ከምርሑ ከም ዝኽእሉ ዝገልፅ ፕሮፌሰር ጌታቸው፡ እዚ ጉዳይ "ምስ መንግስቲ ኤርትራ ንዘለዎም ርክብ ከም ዝሓላልኾ" ይጠቅስ።

ህወሓት ምስ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘይምፍፃም ብዝዛመድ ኣትሪሩ ካብ ዘልዕሎም ጉዳያት፡ ምምላስ ግዝኣታት ትግራይን ተመዛበልቲ ዘይምምላስን ዝብሉ እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ፈደራልን ጎንፂ ዝተወልዐ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ከባቢታት ፀለምቲ ክንቀሳቐሱ ስለ ዝተገበረ ከም ዝኾነ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፁ ነይሩ። ሓይልታት ትግራይ ናብ ከባቢታት ፀለምቲ ክንቀሳቐሱ ዝተገበረ ድማ፡ ጉዳይ ተመዛበልቲ "ዳግማይ ኣጀንዳ ኰይኑ ክለዓል ንምግባር" ከም ዝኾነ እዩ እቲ ጀነራል ሓቢሩ።

ተንታኒ ፖለቲካ ፕሮፌሰር ጌታቸው ግና፡ ምስ መራሕቲ ህወሓት ርክብ ከም ዘለዎ ዝግለፅ "ናይ ኣስመራ መንግስቲ፡ ምዕራብ ትግራይ ተመሊሱ፡ ምስ ሱዳን ምርኻብ ዝብል ዝደልዮ ሴናሪዮ ኣይኰነን" ይብል።

መራሕቲ ህወሓት'ውን፡ "ሻዕቢያ ዝደለዮ ይበል፡ ንሕና እዚ ክንገብር ኢና ኢሎም ዝኸዱ ኣይመስለንን" ብምባል ትዕዝብቱ ይገልፅ። ምስ መንግስቲ ፈደራል "ዝኣተውዎ ፀገም ኣሎ፤ ፀገሞም ክንክዩ ዝደልዩ እመስለኒ" ብምባል ተወሳኺ ምኽንያት የቐምጥ።

ስልጣን ፕረዚደንትነት ከም ዝሓዘ ዝኣወጀ ኣቦወንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

ምንጪ ስእሊ, Tigray People's Liberation Front

መግለጺ ስእሊ, ስልጣን ፕረዚደንትነት ከም ዝሓዘ ዝኣወጀ ኣቦወንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

ትዕዝቲ በዓልሞያ ሕገ-መንግስትን ፖለቲካን ዶክተር ኣደም፡ ካብዚ ዝተፈለየ እዩ። መራሕቲ ህወሓት "ናብ ኲናት ንኽኣትዉ ብሱዳንን ግብፅን ምናልባት ብኤርትራ ፀቕጢ ክህልዎም ይኽእል'ዩ" ይብል።

መራሕቲ ህወሓት ምስዘን ሃገራት ርክብ ከም ዘለዎም ብዕሊ ኣይገለፁን። ይዅን'ምበር ሓይልታት ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ብስም "ፅምዶ" ልፍንቲ ከም ዝፈጠሩ ምስ ክልቲኦም ኣካላት ርክብ ዘለዎም ማሕበራዊ ሚድያታትን ደገፍቶምን ይዛረቡ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ወፃኢ ንዝርከቡ ጕጅለታት ተቓውሞ ከም ዝወከሉ ዝተገለፁ ውልቀሰባት ዝተረኸብሉ ብስም እዚ "ፅምዶ" ኣብ ሱዳን መድረኽ ኣዳልዮም። ካብ ሱዳንን ካብ ኤርትራን ከም ዝኾኑ ዝተገለፁ ውልቀሰባት ኣብቲ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝተዳለወ መድረኽ መደረ ኣስሚዖም።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵኣ ብወገኑ፡ " 'ኣብ ባይታ ክነውርዶ ኢና ኢሎም ምንቅስቓስ" ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ኣካላት ስጕምቲ ከም ዝወስድ ኣጠንቂቑ'ዩ።

ዶክተር ኣደም ከም ዝብሎ፡ ጉዳይ "ኣካታዕቲ መሬት" ማሕለኻ ክኸውን ዝኽእል'ኳ እንተኾነ፡ መራሕቲ ህወሓት ምስ ሓይልታት ፋኖ "ልፍንቲ ክፈጥርሉ" ዝኽእሉ ዕድል ዕፁው ኣይኰነን።

ህወሓት ስልጣን እቲ ክልል ናይ ምቁፅፃር ስጕምቲ ዝወሰደ፡ "ብዝፀናሕና ቍፅሪ ድኽመትና ይሰፍሕ ኣሎ፤ ነገራት ክልወጡ ኣለዎም" ብዝብል መርገፂ ከም ዝኾነ ዶክተር ኣደም የረድእ።

"ናይ ምትኳስ ፀቕጢ ዘሎ ኣብ ህወሓት እዩ። ምኽንያቱ ብባጀት፡ ብነዳዲ፡ ብጉዳይ መሬት ኣብ ዅሉ ቦታ፡ ኣብ ጉዳይ ፍትሒ (ብሰላማዊ መገዲ) 'ከምፅእ'የ ዝብል ክኸውን ኣይኽእልን። ብዝኾነ ይዅን መንገዲ ዝደልዮ ነገር መንግስቲ ፌደራል ብፍቓዱ (ብወለንታ) ክገብረሉ ዝኽእል ኣይመስለንን" ይብል።

ጸሃፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ጌድዮን ጢሞትዮስ

ምንጪ ስእሊ, Secretary Marco Rubio/X

መግለጺ ስእሊ, ጸሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ዝተዘራረበ ኰይኑ፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ጌድዮን ጢሞትዮስ ተራኺቡ

'ድርድር ክካየድ'ዩ፤ ኣብ ስምምዕነት ክብፃሕ'ዩ'

ክልቲኦም ተንተንቲ፡ 'ኣብ ስምምዕ ክብፃሕ ይኽእል'ዩ ዝብል፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ግምት ወፃኢ'ኳ እንተዘይገበርዎ፡ ናይ ምዃን ዕድሉ ፀቢብ'ዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።

ብመሰረት ነቲ ኲናት ዝገትአ ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን፡ ተደራደርቲ ኣካላት ፖለቲካዊ ልዝብ ክገብሩ ትፅቢት ይግበር ነይሩ። ሕጂ ናብ ዳግማይ ዝርርብ ዝቕመጡ እንተድኣ ኰይኖም፡ ህወሓት "ፈሪሱ'ዩ" ብዝበሎ ስምምዕ ፕሪቶሪያ መሰረት ክካየድ ይኽእል'ዶ? ዝብል፡ ሕቶ ዝለዓለሉ ጉዳይ እዩ።

ብቐጥታ ክዛተዩ ይኽእሉ ድዮም ድዮም ወይስ መንጐኛ ከድሊ'ዩ? ዝብል'ውን ካልእ ሕቶ እዩ። ካብ መንጐኛታት ስምምዕ ፕሪቶርያ ሓደ ዝነበረ ፕረዚደንት ናይጄርያ ነበር ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ "ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋዕን ንምምፃእ ንዝገብሮ ፃዕሪ ንኽድግፍ" ብ06 ግንበት ዳግማይ ሸይምዎ ኣሎ።

ፕሮፌሰር ጌታቸው ግን፡ ጉዳይ ዝርርብ ዝለዓል እንተዀይኑ፡ "ኣመሪካ እያ ከተደራድር ኢለ እየ ዝኣምን" ይብል። ምስዚ ብዝዛመድ ሰሙን ምኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ጌድዮን ጢሞትዮስ ኣብ ኣመሪካ ዝገበሮ ዑደት ይጠቅስ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ብ03 ግንበት ምስ ጌድዮን ጢሞትዮስ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ኢትዮጵያ ኣብ መላእ ምብራቕ ኣፍሪቃ ግጭታት ንምፍታሕን ንምህዳእን ብዛዕባ ዘለዋ ወሳኒ ግደ" ከም ዝተዘራረቡ ቤት-ፅሕፈቱ ኣፍሊጡ።

ፕሮፌሰር ጌታቸው፡ ምስ ኣመሪካ ዝተገበሩ ርክባት፡ "ንምርግጋእ አቲ ዞባ ኣብ ግምት ዘእትዉ'ዮም" ይብል።

ካብ ኣሸማገልቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝነበረ ኦሊሴንጉ ኦባሳንጆ (ፀጋም) ምስ ኣቦወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ (የማን)

ምንጪ ስእሊ, African Union

መግለጺ ስእሊ, ካብ ኣሸማገልቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝነበረ ኦሊሴንጉ ኦባሳንጆ (ፀጋም) ምስ ኣቦወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ (የማን)

ካብ ኣመርካ ዝመፅእ ዘሎ "ሓደ መልእኽቲ ኣይኰነን። ብዙሕ ብጣዕሚ ዝተሓላለኸ እዩ" ዝብል ዶክተር ኣደም ብኣንፃሩ፡ ኣብ ሽምግልና ዋሽንግተን ብዙሕ ተስፋ የብሉን።

"ክልቲኦም ኣካላት ንሓዲኡ ክህብዎ ዝኽእሉ፡ ክሳብ ሕዚ ዘይገበርዎ ነገር የለን" ብምባል ኣብ ስምምዕ ክብፅሓሉ ዝኽእል መንገዲ "ዘደናግር" (ዘይንፁር) ከም ዝኾነ ይገልፅ።

ዶክተር ኣደም፡ "ስምምዕ እንተድኣ ተባሂሉ፡ እንተገደደ ንህወሓት (ከም ውድብ) ምምዝጋብን ብወገን ፈደራልን በጀት ናይ ምስዳድ ኵነታት ክህልው ይግባእ። ህወሓት ድማ ብፍላይ ምስ ኤርትራን ካልኦት ኣካላትን ዝገብሮ ነገር ክቕየር ኣለዎ" ይብል።

እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣካላት ዘሎ "እምነት ምስኣን" ግና ነዚ ግሁድ ናይ ምግባር ዕድሉ "ትሑት" ከም ዝኾነ የልዕል።

ፕሮፌሰር ጌታቸው ብወገኑ፡ ሕዚ ኣብ ትግራይ ስልጣን ዝተቖፃፀረ ህወሓት፡ "ዝደልዮ" ስለ ዝገበረ፡ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኽቕበሎን ንኸፅድቐሉን" ይደሊ ዝብል እምነት ኣለዎ።

ከም ኣመለኻኽታ ፕሮፌሰር ጌታቸው፡ ዘተ ናይ ምክያድ ኵነታት ዝውሰን "በዓል ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ክሳብ ክንደይ እዮም ክኸዱ? ብዝብል እዩ።