ንቻይናን ሩስያን ዘተኣሳሰረን ገመድ እንታይ እዩ?

ፕረዚደንታት ፑቲንን ሺን
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፕረዚደንታት ሺ ጂንፒንን ቭላድሚር ፑቲንን፡ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ቲያንኣንመን ኣደባባይ በይጂንግ እናተዛወሩ፡ ብዛዕባ ዕድመ ደቅ-ሰብ ዝናውሓሉ ተኽእሎታት ከዕልሉ ተሰሚዖም ነይሮም።

እዚ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ዕላል፡ እዞም ክልተ መራሕቲ ዘለዎም ርክብ ክሳብ ክንደይ ሱር ዝሰደደ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

ፑቲን ኣብዛ ሰሙን ናብ በይጂንግ ክምለስ እዩ፣ እዚ ድማ ክልተአን ሃገራት ስምምዕ ካብ ዝፈራረማ መበል 25 ዓመት ምስ ዝገበራሉ ተጋጢሙ ኣሎ።

ኣብ ትሕቲ ውዕል ቻይና

እዚ ናይ ክልተኦም ርክብ ሚዛኑ ዝሓለወ ኣይኰነን። ምሁራት ከም ዝገልጹዎ፡ ሩስያ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኢድ ቻይና እያ ዘላ። ቻይና ድማ እያ ንውዕላተን ብዓቢዩ ክትጸልዎ ትኽእል።

ቻይና እታ ዝዓበየት መሻርኽቲ ንግዲ ሩስያ ክትከውን ከላ፡ ሩስያ ግን 4% ጥራይ እያ ካብ ሓፈሻዊ ናይ ወጻኢ ንግዲ ቻይና እትሕዝ።

ብሰንኪ እቲ ብምዕራባውያን ሃገራት ዝተነብረ እገዳታት፡ ሞስኮ ዝያዳ ናብ በይጂንግ ክትጽጋዕ ተገዲዳ እያ።

ካብ 2022 ጀሚሩ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ድሕሪ ዝፈጸመቶ ወረራ፡ ንወታደራዊ ዓቕማ ዘድልዩዋ ናይ ቴክኖሎጂ መሳርሒታት ብልዑል ደረጃ (ልዕሊ 90%) ካብ ቻይና እያ እተእቱ።

ሩስያ ነዚ ዘይምምጥጣን'ዚ ትፈልጦ እኳ እንተዀነት፡ ንኽብረታ እትቐውም ዓባይ ሓይሊ ምዃና ንምርኣይ ግን ትፍትን እያ።

ንኣብነት፡ ሺ ጂንፒን ኣብ 2023 ናብ ሞስኮ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ፑቲን ኣብ ዩክረይን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከይጥቀም ከም ዘጠንቀቖ ተገሊጹ ነይሩ።

ድሕሪ ሒደት መዓልታት ግን፡ ሩስያ ንዩክለሳዊ ኣጽዋራ ኣብ ቤላሩስ ከም እተቐምጥ ብምእዋጅ፡ ናጻ ምዃና ንዓለም ኣርእያ እያ።

እንተዀነ፡ እዚ ኲናት'ዚ ንቻይና ረብሓ እውን ኣለዎ። ኣብ ልዕሊ ታይዋን ክትገብሮ ንእትኽእል መጥቃዕቲ ከም መፈተሻ ወተደራዊ ኣጽዋራ ኰይኑ የገልግል ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ሩስያ ዓቢ ናይ ነዳድን ጋዝን ጸጋታት ስለ ዘለዋ፡ ንመጻኢ ውሕስነት ጸዓት ቻይና ኣገዳሲ እዩ።

ሽርክነት ዶ ኪዳን?

ናይ ስእሊ ግራፊስ ፑቲንን ሺንን ክመኡ'ውን ከም ብዓል ለኒን

ምዕራባውያን ተንተንቲ ነዚ ርክብ'ዚ "ናይ ምልካውያን ጥምረት" ወይ ድማ "ክፈርስ ቀሪቡ ዘሎ ሕውነት" ገይሮም ክገልጹዎ ይፍትኑ።

ይዅን'ምበር፡ ክልተኦም ወገናት 4,300 ኪሎ ሜተር ዝዝርጋሕ ሓባራዊ ዶብ ኣለዎም።

ኣብ ሓድሕዶም ቍጠባዊ ተመላላእነት ኣለዎም። ሩስያ ነዳድን ጋዝን ተውጽእ፡ ቻይና ድማ ዓቢ ዕዳጋ ተዳሉ።

ከምኡ'ውን ክልተአን ሃገራት፡ ኣመሪካ ንእትመርሖ ዓለምለኻዊ ስርዓት ይቃወማ።

ከም ምዕራባውያን ሃገራት ዘይኰነስ፡ ሩስያን ቻይናን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት (ከም ጉዳይ ሺንጅያንግ ወይ ሞት መራሒ ተቓወምቲ ሩስያ ኣሌክሲ ናቫልኒ) ንሓድሕዶም ነቐፌታ ኣይለዋወጡን እዮም።

ይዅን እምበር፡ ኣብ ኣገባብ ፖለቲካ ፍልልይ ኣለዎም።

ሩስያ ንኣመሪካ ምሉእ ብምሉእ ዝንጽል ሓድሽ ዓለምለኻዊ ስርዓት ክትሃንጽ ክትደሊ ከላ፡ ቻይና ግን ዝያዳ ጥንቅቕትን ግብራውን መንገዲ እያ እትመርጽ።

ቻይና ምስ ዋሽንግተን ዘለዋ መሳዅቲ ርክብ ክትዓጹ ኣይትደልን እያ።

እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሕብረተሰባት ዘሎ ባህላዊ ምትእስሳር ገና ድሩት እዩ።

ፑቲንን ሺንፒንን ዕርክነት ከም ዘለዎም ስእሊ ክፈጥሩ ዝፍትኑ እኳ እንተዀኑ፡ ተንተንቲ ከም ዝገልጹዎ ግን፡ ህዝቢ ቻይና ኣብ ሞስኮ ክመሃር ወይ ክነብር ድሌት የብሉን።

ሩስያውያን እውን ሃብቶም ኣብ ፓሪስ፡ ለንዶን ወይ ቆጵሮስ ከውፍሩ እምበር ኣብ በይጂንግ ክነብሩ ኣይመርጹን እዮም።