'መጻምደይ ብድቁሰይ ይዕምጸኒ ምንባሩ ኣይፈልጥን ነይረ'

ምንጪ ስእሊ, Adelle Overton
"ብወገነይ ክሳብ ምናልባት ቅድሚ እቲ ዝገበሮ ምእማኑ ዝነበረ መዓልቲ፡ ካብ ዝነበሩኒ ርክብ እቲ ዝበለጸ'ዩ ነይሩ" ትብል ኣዴል ኦቨርተን።
ስቲቨን ኡደን ን13 ዓመታት ዝጸንሐ ኣፍቃሪ ነይሩ፤ ኣብዚ ኵሉ እዋን ድማ ብሉጽ መጻምድቲ ክመስላ ጸኒሑ።
ኣብ ቀረጻ ፊልም ዞምቢ ድሕሪ ምርኻቦም፡ ብዙሕ ሓባራዊ ድሌታት ከምዘለዎም ተረዲኦም።
ኡደን ሕያዋይን ፈቃርን ነይሩ። ኦቨርተን መንሽሮ ምስ ሓመመት ድማ ንዓኣ ክኣልይ ክብል ስርሑ ከምዘቋረጸ ትዛረብ።
"ግሩም ነይሩ። ኣዝየ አፍቅሮ ነይረ፡ ሕጂ'ውን ቁሩብ ዘፍቅሮ ይመስለኒ" ትብል ኦቨርተን።
ንኡደን ትኣምኖ ነበረት፤ ደሓር ብድቁሳ ይዕምጻ ከምዝነበረ ተኣመነ፣ ግን እቲ እምነታ መሬት ዘቢጡ።
"ብቕጽበት ዝተጠልመኩ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ቅድሚ እታ መቐይሮ ኣብ ርክብ ክንድኡ ዝኣክል ውሕስነት ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን" ትብል ኦቨርተን።
መንሽሮ ጡብ ኣጋጢምዋ ኣብ እትሕከመሉ ዝነበረት እዋን ኡደን ይከናኸና ነይሩ፤ ድሒሩ ግን ኣብ ትሕቲ ሳዕቤን ናይቲ መድሃኒት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ከም ዝዓመጻ ንፖሊስ ሓቢሩ።
"እቲ ናይ ክሕደት ስምዒት፡ እቲ ዝፈልጦ ኰይኑ ዝስምዓኒ ዝነበረ. . .መን ምዃኑ ግን ኣይፈልጥን" ትብል።
"ን13 ዓመት ምሳይ ይነብር ኣሎ ዝብል ሓሳብ ድማ፡ ደቀይ ኣብ ምዕባይ ሓጊዙኒ'ዩ።"
"ውሑስ'ኳ እንተዘይነበረ፡ ውሑስ ኰይኑ ይስምዓኒ ነይሩ።"
ኡደን ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ፤ ኦቨርተን ድማ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ኵነታት ንኻልኦት ትምህርቲ ክኸውን ብዝብል ተስፋ ከተዘንትዎ ወሲና።

ኦቨርተንን ኡደንን ኣብ 2009፡ ኣብ ኖቲንግሃም ኣብ ቀረጻ ፊልሚ ክራኸቡ እንከለዉ፡ ንሳ ጓል 29 ዓመት፡ ንሱ ድማ ወዲ 27 ዓመት ነይሮም።
ኡደን ኣብ ሜክኣፕን ተዋስኦን ይነጥፍ ነይሩ፡ ኦቨርተን እውን ሓንቲ ካብቶም ተዋሳእቲ እያ ነይራ። ክልቲኦም ምስ ካልኦት ሰባት ርክብ ነይርዎም ግን ከም ኣዕሩኽ ይራኸቡ ነበሩ።
ኣብ መወዳእታ ብ13 ጥሪ 2012 መጻምድቲ ኰይኖም።
ኦቨርተን፡ ምስ ኡደን ዝጀመረቶ ርክብ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበራ ዝምድናታት ዝተፈልየ ኰይኑ ከም ዝተሰምዓ ትገልጽ።
"ዘዘናግዕን ሓላዪን እዩ ነይሩ፡ ከምዝፈተወኒ ተሰሚዑኒ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Adelle Overton
ከም ዞምቢ ንምውሳእ ኦቨርተን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብር ነይርዋ፤ ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ 2017 ኤህለርስ-ዳንሎስ ሲንድሮም ከምዘለዋ ምስተረጋገጸ ከተቋርጾ ተገዲዳ።
ብድሕሪኡ ኡደን ኣብ መጀመርታ 2018 ኣላዪኣ ኰይኑ።
"ዳርጋ ኵሉ ነገር እዩ ገይሩለይ" ትብል።
ንድሕሪት ተመሊሳ ክትሓስቦ እንከላ፡ ኡደን ብርግጽ ተቘጻጻሪ ክኸውን ዝጀመረ ይመስላ።
"ሓደ ሰብ ገለ ነገር ንኽገብር ሓሳብ ከቕርብ እንከሎ፡ ኡደን 'ነዚ ክትገብር እትኽእል ኣይመስለንን፤ ካልእ ሓሳብ ከምጽእ' ክብል ደስ ይብሎ ነይሩ።"

ምንጪ ስእሊ, Adelle Overton
ሕጂ ግን ኦቨርተን፡ ኣካይዳ ኡደን ካብቲ ክትሓስቦ እትኽእል ኣዝዩ ዝያዳ ኣሰቃቒ ምንባሩ ፈሊጣ ኣላ።
ኣብ 2020 ንሕማም መንሽሮ ጡብ ኬሞቴራፒ ኣብ እትገብረሉ ዝነበረት እዋን ጥርጣረታት ነይርዋ።
"ኣብ ኣካላተይ ዝነበረ ዘይምቾት ዝያዳ ርኡይ ድዩ ነይሩ ኣይፈልጥን፡ ግን እናተራኸበኒ እንከሎ ተበራቢረ" ትብል።
"ብዙሕ መመኽነይታ ሂቡ፡ 'ዝነቓሕኺ መሲሉኒ'ኮ እዩ፡ ኵሉ ቅኑዕ ድምጽታት ድማ ተስምዒ ነይርኪ' ኢሉ።"
ስለዚ፡ ኦቨርተን ነቲ ስክፍታኣ ንጐድኒ ገዲፋቶ።
"እቲ ሓቂ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ካብ ምሕሳብ፡ ነቲ ሓሶት ምእማን ዝቐለለ ነይሩ ይመስለኒ" ትብል።

ኦቨርተን ግን ድቃስ ክትጽገም ጀመረት።
"ክድቅስ እንከለኹ በቃ ውሕስነት ኣይስምዓንን" ትብል።
ምስ ኡደን ዝያዳ ምቅርራብ ንምፍጣር'ውን ከምዝተቓለሰትን፡ ምስቲ ዝሓለፈ ተመኵሮ ጾታዊ ዓመጽ ዝተኣሳሰር ዝያዳ ሕልሚ ክትሓልም ከምዝጀመረትን ትዛረብ።
"ኣብቲ እዋን'ቲ ምስ ስንባደይ ዘተኣሳስሮ ዘለኹ መሲሉኒ፣ ብሰንኪ ስንባደይ ድማ ንዕኡን ነቲ ንሱ ዝገበሮን ዝያዳ ተሪር ፍርዲ እህብ ነይረ።"
"ናይ ገበን ስምዒት ክስምዓኒ ጀሚሩ፡ በዚ ዅሉ ድማ ብውሽጠይ ንነብሰይ ክነቕፋ ጀሚረ" ትብል።
ኑዛዜ ኡደን
ኡደን ክሳብ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ኣይተናዘዘን። ኣብ 2025፡ ንሱ ባዕሉ ብመንሽሮ መዓንጣ ሓሚሙ ሕክምና ክሳብ ዝገበረሉ እዋን ማለት እዩ።
"ሸዑ ክፍለጦ ጀሚሩ ይመስለኒ፣ ምኽንያቱ ሕጂ ነቲ ዝሓልፎ ዝነበርኩ ብባዕሉ ወገን ክርእዮ ክኢሉ ነይሩ" ትብል ኦቨርተን።
"ብርግጽ ክሕከም ከለኹ ብዙሕ ጽቡቕ ጌሩ ከምዘይተኸናኸነኒ ተረዲእዎ።"
እዚ ድማ ኦቨርተን ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝነበራ ዝኽሪ ክምለስ ገይሩ፤ ብድቁሳ ኡደን ምስኣ ጾታዊ ርክብ ክገብር ከም ዝረኸበቶ ትዝ ኢልዋ።
"ደፊአዮ፡ 'እንታይ ማለትካ እዩ? እንታይ ማለትካ እዩ ዘይትከናኸነኒ? ብኸመይ መንገዲ?'" ክትብል ከምዝሓተቶ ትዝክር።

ምንጪ ስእሊ, Derbyshire Police
ኦቨርተን ኣብ ክልተ መዓልታት ኣብ ዝገበርዎ ዕላል፡ ኡደን ንሓደ ዓርኩ ደዊሉ ከም ዝገበሮ ተኣሚኑ፤ ብድሕሪኡ ናብ ገዛኡ ተመሊሱ ንኦቨርተን ተናዚዙ።
ሽዑ ዝተጠልመት፡ ከምኡ'ውን ዝሓመመት ኰይኑ ተሰሚዕዋ፤ እንተኾነ ብኡንብኡ ነቲ ዝምድና ኣየቋረጸቶን። ኣብ ኡደን እትምርኰስ ኰይኑ ተሰምዓ፡ ድማ ትፈትዎ እውን ነበረት።
ኦቨርተን ድሮ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ንዘጋጠማ ጾታዊ ዓመጽ ብጕጅለ ፍወሳ ትገብር ስለ ዝነበረት ኣብ ዝቕጽል ክፍለ ግዜኣ ነዚ ጉዳይ ኣልዒላ።
"እንታይ ክገብር? ከመይ ጌረ ከምኡ ካብ ምግባር ክዓግቶ?' ኢላ ትሓትት።
"ሓንቲ ካብቶም ኣማኸርቲ 'ካብ ገዛኺ ኣውጺእኪ ፖሊስ ጸውዒ' ኢላትኒ። ድሒራ ኣብታ መዓልቲ ድማ ናይ ምክልኻል ኣኼባ ከም ዝነበሮምን፡ ብዛዕባ እቲ ኵሉ ነገር ድማ ንፖሊስ ክድውሉ ምዃኖምን ገሊጻትለይ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ ድማ ካብ ኢደይ ከም ዝወጸ ብገለ መልክዑ ተረዲኡኒ።"

እቲ ጉዳይ ኣብ ፖሊስ ደርቢሻየር፡ ንመርማሪት ሳጅን ኤሌኖር ኪርተን ተመዲቡ።
"እቲ ቀዳማይ ዝገበርክዎ ነገር ንኣዴል ምዝራብ እዩ ነይሩ" ትብል መርማሪት ሳጅን ኤሌኖር።
"ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ንኽትኣምኖ ዘጸግም ጭንቀት ከም ዝነበራ ርዱእ'ዩ።"
ፖሊስ ንኦቨርተን ቃለ መሕትት ድሕሪ ምግባሮም ንኡደን ኣብ ቀይዲ ኣእትዮሞ።
"ቃለ መሕትት ምስ ገበርኩሉ፡ ብኡንብኡ ነቲ ዝገበሮ ተናዚዙ" ትብል እታ መርማሪት።
"ብኡ ንብኡ ከም ዝዓመጻ ተኣሚኑ፤ እዚ ድማ መርመራታትና ብቕልጡፍ በቲ መንገዲ ክወርድ ኣዝዩ ዘይተለምደ'ዩ።"
ኡደን ብኽልተ ገበናት ዓመጽ ተኸሲሱ። ድሒሩ ድማ ኣብ ቤት ፍርዲ ገበኑ ተኣሚኑ፡ ንሽዱሽተ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ማእሰርቲ ተፈሪድዎ።
መርማሪት ሳጅን ኤሌኖር ኪርተን፡ ትብዓትን ተግባራትን ኦቨርተን ንኻልኦት ደቀንስትዮ ንምክልኻል ከም ዝሓገዘ ትዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Adelle Overton
ኦቨርተን ግን ክሳብ ሕጂ እቲ ን13 ዓመታት ዝጸንሐ ኣፍቃሪኣ ስለምንታይ ደቂሳ ከላ ከም ዝዕምጻ ንምርዳእ ትቃለስ ኣላ።
"ሓደ ሰብ ከመይ ገይሩ ካብ ሓደ ሰብ ግብረ መልሲ ዘይህብ ሰብ ደስታ ክረክብ ከም ዝኽእል ኣይፈልጥን'የ፡ እቲ ንዓይ ትርጉም ዘይነበሮ ነገር ድማ ንሱ እዩ ነይሩ" ትብል።
"ከመይ ከምዝገልጾ ኣይፈልጥን፡ ዝደቀሳ ደቀንስትዮ ባህ ይብልኦ እየን።
"ክድቅስ እዩ ዝደሊ ነይሩ፡ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ንኸይፈልጥ እዩ ዝደሊ ነይሩ።"
ኡደን ንሱ ምሉእ ብምሉእ ዝቈጻጸሮ ዝነበረ ናይ ገዛእ ርእሳ መድሃኒት ይህባ ከም ዝነበረ ትጥርጥር።
ብዙሕ መድሓኒታት ተኣዚዙላ ከምዝነበረን ካብ ኵሎም ድማ እቲ ናይ መደንዘዚ ውሒዱ ከምዝረኸበቶ ብምግላጽ ንኽትድቅስ ልዕሊ ዓቐን መደንዘዚ መድሓኒት ይህባ ከምዝነበረ ትጥርጥር።

ኡደን ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት ንኦቨርተን ብምዕማጽ'ኳ እንተ ተኸሰሰ፡ ዝያዳ ግዜ ከምዝዓመጻ እያ ትኣምን።
"ሸውዓተ ወይ ሸሞንተ ግዜ ከም ዝተራኸበኒ ነጊሩኒ እዩ" ትብል ኦቨርተን።
ጓላ ሻሪ ኦቨርተን፡ ገበናት ኡደን ኣብ ልዕሊ ኣደኣ ዘሕደሮ ጽልዋ ንምርኣይ ኣጸጋሚ ከምዝዀነ ትዛረብ።
"ሕጂ ኣዝያ ዝተፈለየት እያ። ርእሰ ተኣማንነታ ብዓቢኡ ከም ዝወረደ ይርኢ ኣለኹ" ትብል ሻሪ።
"ከምዚ ሓሊፋ ምስ ፖሊስን ቤት ፍርድን ብምዝርራባን ንነብሳ ደው ብምባላን'ውን ንምእማኑ ብዘጸግም ይሕበን።"
ኦቨርተን፡ ዛንታኣ ንኻልኦት ተቓላዕቲ፡ ኣብ ኢድ እቶም ኣለይቶም ዝበሃሉ ግህሰት ንከይጻወሩ ከተባብዕ ተስፋ ትገብር።



















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
