ኣብታ ዓቢይ ሃብቲ እንስሳ ዘለዋ ኢትዮጵያ፡ ዋጋ ስጋ ስለምንታይ ከቢሩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ባህሊ መግቢ ኢትዮጵያ ፍሉይ ቦታ ዘለዎ ስጋ፡ ብሰንኪ ልዑል ዋጋኡ ካብ ኣመጋግባ ብዙሓት ሰባት ዝጠፍእ ዘሎ ይመስል።
ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓጺር እዋን ዋጋ ስጋ ብቕልጡፍ ምውሳኹ ስዒቡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዋጋ ድኳናት ስጋ ብምቅዋም ተቓውሞኦም ብምስማዕ ተጠቀምቲ ምግዛእ ደው ከብሉ ክላበዉ ተራእዮም።
እቲ ምንቅስቓስ ዋጋ ሓደ ኪሎ ስጋ ከብቲ 6,000ን 7,000 ብርን ከም ዝበጽሐ፤ ሸየጥቲ ዋጋ ክሳብ ዘጕድሉ ድማ ሰባት ምግዛእ ከቋርጹ ዝሓትት ነይሩ።
ሰባት ስጋ ምብላዕ ሕጂ ሳሕቲ ኣብ ዝረኣየሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ ብምባል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት የማርሩ ኣለዉ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብፍላይ ድማ ኣብ ቲክቶክ ዝነጥፍ ኤፍሬም ዓብዶ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዋጋ ስጋ ካብቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝነበረ ከባቢ 2 ሽሕ ብር ናብ 7 ሽሕ ብር ከምዝበረኸ ይዛረብ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንጎ እንዳ ስጋ ዋጋታት ከምዝፈላለ እውን የረድእ።
ቅድሚ ሕጂ ሓደ ኪሎ ስጋ ካብ 700 ክሳብ 800 ብር ዝሸጡ ዝነበሩ ብተዛማዲ ሕስር ዝበለ እንዳ ስጋታት ሕጂ ካብ 1600 ክሳብ 2000 ብር ክሸጡ እንከለዉ፡ ክቡራት እንዳ ስጋታታት ድማ ካብ 5000 ክሳብ 7000 ብር ይሸጡ ኣለዉ።
ኣብ ኣዳማ ነጋዳይ ስጋ ጤል ዝኾነ ኢፋ ዳቢ፡ ብሰንኪ ልዑል ዋጋ መነባብሮ ቁጽሪ ዓማዊሉ ብ70 ሚእታዊት ከምዝነከየ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ንግዲ ስጋ ጤል ን10 ዓመት ከምዝነጠፈ ዝገልጽ ኢፋ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ዋጋ ሓንቲ ጤል ካብ 5000 ብር ናብ 20,000 ብር ከምዝበረኸ የብርህ። ኣብ ኣዳማ ዋጋ ሓደ ኪሎ ስጋ ጤል 3,500 ብር ከምዝበጽሐ'ውን ይዛረብ።
ብኣንጻሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብርን ናይ ገዛእ ርእሱ ትካል ዝውንንን ኣቶ ኣስፋው፡ ኣዕሩኽ ብጕጅለ ይዅን ብውልቂ ብሓባር ተራኺቦም ስጋ ክበልዑ ልሙድ ከም ዝነበረ ይዝክር።
ብዘይካ ኣብ ግዜ ጾም ምስ መሓዙቱ ተራኺቦም እንተወሓደ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ስጋ ይበልዑ ከምዝነበሩ ይዛረብ። ሕጂ ግን፡ ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋ ስጋ፡ ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ጥራይ ከምዝበልዑ ይገልጽ። ኣብ መንጎ ዋጋ ስጋን ናይ ሰባት ናይ ምዕዳግ ዓቕሚን ዘሎ ክፍተት'ውን ድማ የጉሊሑ።
"ክቡራት ቤት መግቢ ክንርኢ እንከለና፡ ቍጽሮም ብዙሕ ኣይኰኑን። መብዛሕትኡ ሰብ ናብኦም ከይዱ ክበልዕ ዓቕሚ የብሉን" ይብል።
ኣቶ ኣስፋው ወሲኹ፡ ወሰኽ ዋጋ ስጋ ንዕኡ ይዅን ንብዙሓት ሰባት ቀንዲ ስክፍታ ከምዘይኮነ ብምግላጽ፡ ከም ክራይ ገዛ ዝኣመሰለ ወጻኢታት ኣብዚ እዋን'ዚ ዝያዳ ጸቕጢ ይፈጥረሎም ከምዘሎ ገሊጹ።

ብፍላይ ድሕሪ ለበዳ ኮሮና፡ ንግዲ ስጋ ዕብየት የርኢ ምህላዉ ዘርኢ ብፍላይ ኣብ ቲክ ቶክ ንእንዳ ስጋታት ዘወዓውዕ ተስፋ ነዳ፡ ኣብቲ ሆቴልን ብሓፈሻ ኣብ ጽላት ምቕባል ኣጋይሽን ዝካየድ ንግዳዊ ንጥፈታት ኣብ ዝዘሓለሉ እዋን እንዳ ስጋታት ከም ሓድሽ ናይ ንግዲ ኣማራጺ ኰይነን ከምዝተቐልቀላ የረድእ።
ቅድሚ ሕጂ ሰባት ክራኸቡ ካፈታት ይመርጹ ነይሮም፡ ሕጂ ግን ዓበይቲ ዕላላት ንምክያድን ቤት መግቢ ተመራጺ ቦታታት ይዀኑ ከምዘለዉ ይገልጽ።
ይዅን እምበር ዋጋ ስጋ ግን ምስ ናይ ህዝቢ ናይ ምዕዳግ ዓቕሚ ዝኸይድ ኣይኮነን።
እቲ ዋጋ ድማ ብጎስጓሳት ማሕበራዊ መራኸቢታት ጥራይ ክፍታሕ ከምዘይክእልን ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ተዋሳእቲ ዘሳትፍ ዘተን መጽናዕትን ከምዘድሊ እውን የመልክት።
ብኣንጻሩ ነቶም ብኽቡር ዋጋ ዝሸጡ እንዳ ስጋታት ዝቃወም ኤፍሬም፡ እቲ ምንቅስቓስ ብሕብረተሰብ ተቐባልነት ይረክብ ከምዘሎን፡ ንጥፈታት ተጠቀምቲ ብዙሓት እንዳ ስጋታታት ከምዝነከየን ይገልጽ።
ተስፋ ነዳ ከምዝብሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጽሬቶምን ኣገልግሎቶምን ዝሃለዋ እንዳ ስጋታት 50 ኣይበጽሓን። እዚ ድማ ብመንጽር ብዝሒ ህዝቢ እታ ከተማ፡ እቲ ንግዲ ብዙሕ ናይ ምዕባይ ዓቕሚ ከምዘለዎ ዘመልክት እዩ።
ካብ ዕዳጋ ከብቲ ዝገዝኡ ነጋዶ፡ ኣብ ማእከል ዘለዉ ደላሎ፡ ካብ ሓደ ነጋዳይ ናብ ካልእ ነጋዳይ ከብቲ ዘሰጋግሩ ኣቕረብቲ ኣብ መወዳእታ ድማ ንተጠቃሚ ዝሸጡ ሓረድቲ ኣብ ሰንሰለት ከምዘለዉ እውን ይጠቅስ።
ኣብ ማእከል ዘሎ ቍጽሪ ኣቕረብትን ደላሎን ኣብ ዋጋ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ድማ ይሕብር፣ እንተኾነ እቲ ዋጋ ኣብ ኣየናይ ደረጃ ቀረብ ዋጋ ይውስኽ ከምዘሎ ንምልላይ መጽናዕቲ ከምዘድሊ ይዛረብ።
ካብዚ ብተወሳኺ ዓይነት፡ ጽሬት፡ ኣመጋግባን መስርሕ ምርባሕን ከብቲ፡ ነቲ ዋጋ ስጋ ክውስኑ ዝኽእሉ ረቛሒታት እዮም።
ሓፈሻዊ ናህሪ ዋጋታትን ስጋን
ክኢላ ኢኮኖሚን ፖሊሲን ኢትዮጵያ፡ ዶክተር ቆስጠንጢኖስ በርሀወስፋ፡ ወሰኽ ዋጋ ስጋ ካብቲ ሰፊሕ ጸገም ዋጋታት ንብረት ዝተነጸለ ከምዘይኮነ ይዛረብ።
ምልውዋጥ ሸርፊ ባጤራ፡ ግጭታት ከምኡ እውን ጸገም ምህርትን ምክፍፋልን ካብቶም ንዋጋ ወሰኽ ኣበርክቶ ዝገብሩ ረቛሒታት ምዃኖም ይጠቅስ።
ካብቶም ንዋጋታት ንብረት ዘጋድዱ ረቛሒታት እቲ ቀንዲ ዋጋ ብር ምንካዩ ከምዝዀነ እቲ ዶክተር ይጠቅስ። ንኣብነት ቅድሚ ሕጂ ሓደ ዶላር ብ56 ብር ይሽየጥ ከምዝነበረን ደሓር ግን ልዕሊ 160 ብር ከም ዝበጽሐን የብርህ።
እዚ ድማ ኣብቶም ካብ ወጻኢ ዝኣትዉ ኣቑሑት ዋጋ ክውስኽ ከምዝገበረ ይገልጽ። ካብ ወጻኢ ዝኣትዉ መግብታት፡ ዘይቲ፡ ሽኮርን መግቢ ህጻናትን ሓዊሱ ብዙሓት ፍርያት ከም ዝተጸለው'ውን ይጠቅስ።
ካልእ ንወሰኽ ዋጋታት ኣበርክቶ ዝገብር ረቛሒ ግጭት፡ ምዝባዕ ምፍራይን ምክፍፋልን ምዃኑ እቲ ክኢላ ይገልጽ። ብግጭት ዝተሃስዩ ከባቢታት ንምፍራይ ስለዝጽገሙ፡ ካልኦት ከባቢታት እውን ፍርያቶም ናብ ከተማታትን ዓበይቲ ዕዳጋታትን ኣብ ምብጻሕ ዕንቅፋታት የጋጥሞም።
ነዚ ሰፊሕ ቁጠባዊ ጸገማት ስዒቡ፡ ብፍላይ ክሳብ ዋጋ ስጋ ዝንኪ ኣይንበልዕን ዝብል ምንቅስቓስ፡ ክሳብ ክንደይ ለውጢ ክመጽእ ይኽእል ዝብል ሕቶ ምልዓል ግድን እዩ።
ኣብ ከምዚ ኵነታት ማሕበራት ተጠቀምቲ ንወሰኽ ዋጋ ኣብ ምቅዋም ዓቢ ተራ ክጻወታ ከምዝኽእላ ዶክተር ቆስጠንጢኖስ የብርህ።
ኣብ ኢትዮጵያ ማሕበራት ተጠቀምቲ ይጣየሹ ከምዘለዋ ብምጥቃስ፡ ብኣድማዒ መንገዲ እንተ ተወዲቦም ነቲ ወሰኽ ዋጋ ንምግጣምን ነጋዶ ሕጊ ንግዲ ንከኽብሩን ክሕግዙ ከምዝኽእሉ እውን ይገልጽ።
እቲ ዶክተር ከም ዝብሎ፡ ሓደ ኪሎ ስጋ 7 ሽሕ ይሽየጥ ኣሎ ኢሉ ህዝቢ ምዝታዩን ምንቅስቓስ ምጅማሩን ኣገዳሲ መበገሲ ምዃኑ ይኣምን።
ይዅን እምበር መንግስቲ ንቍጠባ ዕዳጋ ክሳብ ዘተግበረ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ጉዳይ ዋጋ ብቐጥታ ጣልቃ ናይ ምእታው ተኽእሎኡ ድሩት ክኸውን እዩ ይብል።
እቲ ምንቅስቓስ ብቐጥታ ዋጋ ንምንካይ ክሕግዝ ድዩ? ገና ኣብ ቀጻሊ ዝርአ'ኳ እንተዀነ፡ ተጠቀምቲ ብሓባር ምውዳብ፡ ወሰኽ ዋጋ ምሕታትን ምሕያል ማሕበራት ተጠቀምቲን ኣብ ዕዳጋ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል እቲ ክኢላ ስነ-ቑጠባ ይኣምን።
ወሰኽ ዋጋ ስጋ ንምቍጽጻር ኣብያተ ጽሕፈት ንግዲን ጸጥታን ኣዲስ ኣበባ ምስ ወነንቲ እንዳ ስጋታት ዘተ የካይዱ ከምዘለዉ ይግለጽ።
ቤት ጽሕፈት ንግዲ፡ ደላሎ ኣብ መስርሕ ንግዲ ጣልቃ ምእታዎም ዋጋ ወሰኽ ከምዘስዕብ ኣፍሊጡ።
ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ንግዲ እታ ከተማ ሓቢባ ሲራጅ ብወገና ህዝቢ ናይ ምዕዳግ ዓቕሙ ኣብ ግምት ክኣቱ ከምዘለዎ ትገልጽ።
ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጸጥታን ምሕደራን ሊድያ ግርማ ድማ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ካብ ዕዳጋ ንኽወጹን ቍጽጽር ንምሕያል ይስራሕ ከምዘሎ ኣፍሊጣ ኣላ።
ከምኡ'ውን ወነንቲ እንዳ ስጋ ብማሕበሮም ኣቢሎም ኣብ ሓጺር እዋን ተዘራሪቦም ናይ ዋጋ ምትዕርራይ ክገብሩ ኣብ ምርድዳእ ከምዝበጽሁ ተገሊጹ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ልዕሊ 70 ሚልዮን ከብቲ፡ ልዕሊ 95 ሚልዮን ጠለ-በጊዕ፡ ከምኡ'ውን 8 ሚልዮን ኣግማል ኣለውዋ። ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ሃብቲ እንስሳ ዘለዋ ሃገር ከምዝዀነት ካብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኽበ ኣሃዝ የመልክት።
ጽላት ጥሪት ካብ ጠቕላላ እቶት ሰደድ እታ ሃገር ኣስታት 20 ሚእታዊት ዘበርክት ኰይኑ፡ ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ ሚልዮናት ሰባት መሰረት መነባብሮ እዩ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
