ኢትዮጵያ 'ንደጋዊ ኢድ ኣእታውነት' ተዓጊሳ ከምዝፀንሐት ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሰ ተዛሪቡ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኢትዮጵያ፡ ን "ደጋዊ ኢድ ኣእታውነት" ተፃዊራን ተዓጊሳን ከምዝፀንሐት ፕረዚደንት ታየ ኣሰከስላሴ ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ኣፅቀስላሴ ከምኡ ዝበለ፡ ኣብ ኒውዮርክ ይካየድ ኣብ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስመዖ መደረ እዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ'ዚ ዘርብኡ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊ ምርግጋእ ዘለዋ ተራ ኣጉሊሑ ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት ከምኡ ዝብል ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራልን ትግራይን ዳግማይ ውግእ ኣብ ዝወለዐሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

ትማሊ ረቡዕ መስከረም 13, 2019 ዓም [ኣቈፃፅራ ኢትዮጵያ]፡ ሓይልታት ትግራይ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ- መቐለ ከምዝተቘፃፀሩን፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሰለስተ ትግራይ ዝገበሮ በረራታት ደው ከምዝበለን፡ ብድሕሪኡ ድማ ኣብ መወሳነንቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ወተሀደራዊ ጎንፂ ከምዘጋጠመ ይግለፅ።

ፕረዚደንት ታየ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ዞባዊ ውህደትን ኣብ ሱዳን ሰላም ንምምጻእ ዝግበር ጻዕሪን ትድግፍ'ኳ እንተዀነት፡ "ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኢዶም የእትዉ ኣለዉ" ክብል ከሲሱ።

እቶም ኢዶም የእትዉ ኣለዉ ዝበሎም ሓይልታት ወፃኢ ግን ስሞም ኣይጠቐሰን።

ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣጋምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ ነቲ ግጭት ከጋድድ ካብ ዝኽእል ተግባራት ክቝጠባ ኣተሓሳሲቡ።

ንሱ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ወጥሪን ወተሃደራዊ ጐንፅን፡ "ኣዝዩ ዘሻቕል" ብምባል ጎረባብቲ ሃገራት "እቲ ግጭት ደው ክብልን እቶም ተፃባእቲ ናብ ዘተ ክኣትዉን ተራአን ክጻወታ" ተላብዩ።

እቲ ኣብ ትግራይ ዝጅመር ዘሎ ግጭት እናሰፍሐ ከይዱ፡ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ከስዕብ ከምዝኽእል ስግኣት ኣሎ።

ብሓደ ገፅ፡ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ወጥሪ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ፤ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን'ውን ይቕጽል ኣሎ።

ፕረዚደንት ታየ፡ ኣብ መግለፂኡ፡ "ፀላእትና ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትና ዝገብርዎ ቀፃሊ ምትእትታው እንተሃለወ'ኳ፡ ብትዕግስቲ ንሓልፎ ኣለና" ክብል ምዝራቡ ሮይተርስ ኣመልኪቱ።

"ንኣዕነውትን ኣጥፋእትን ሓይልታት ዘለና መልእኽቲ ንፁር እዩ። ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰላምን ብልፅግናን ናይ ምንባር መሰሉ ከኽብር ንላቦ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣማኻሪ ምኒስተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ጌታቸው ረዳ፡ ትማሊ ኣብ ኤክስ ገጹ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ሓይልታት ህወሓት "ኲናት ኣዊጆም" ክብል ከሲሱ።

ንምምሕዳር ትግራይ ተቘፃፂሮም ዝርከቡ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ድማ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ነቲ "ኣብ ልዕሌና ተኸፊቱ ኣሎ" ዝበልዎ መጥቃዕቲ ንምምካት፡ "ናይ ምክልኻል ስጕምቲ ክወስዱ" ሓይልታቶም ከምዝተኣዘዙ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ቢሮ ኮምዩኒኬሽን ክልል ዓፋር ብፌስቡክ ገፁ፡ ህወሓት "ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ ኪልበቲ ረሱ፡ ኣብዓላ፡ መጋለ፡ ወሰማን ካልኦት ከባቢታትን" ውግእ ከፊቱ ክብል ኣፍሊጡ።

ህወሓት፡ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ፋኖን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዝርከብዎ፡ ብሸውዓተ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝቘመ ሓድሽ ጥምረት "ኪዳን ንህልውና፡"፡ መንግስቲ ፈደራል "ሰፊሕ ናይ ኣየርን ምድርን መጥቃዕቲ" ከምዝኸፈተ፡ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ኣባል'ቲ ጥምረት "ብፍላይ ኣብ ሰሜን ወሎ፡ ዋግህምራ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ክልል ዓፋር ምክልኻል ኣንፃር - መጥቃዕቲ" የካይዳ ከምዘለዋ'ውን፡ እቲ መግለፂ ኣመልኪቱ።

ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ወጥሪን ወተሃደራዊ ግጭትን እናገደደ ምምጽኡ "ኣዝዩ ከምዘሻቐሎ" ገሊጹ።

እቲ ግጭት "ብቕልጡፍ ደው ክብል" እውን ተማሕጺኑ።

ትማሊ ረቡዕ 13 መስከረም 2019 [ግ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለ፡ ኣኽሱምን ሽረን ኣብ ቍጽጽር ምእታዎም፣ ህወሓት ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ፈደራል ምሓዙን ህዝባዊ ኣገልግሎት ምትእጉጓሉን ከምዘሰክፎ ኣፍሊጡ።

ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ደቡብ ትግራይን ክልል ዓፋርን እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ከምዘሻቐሎ እዩ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። ወሲኹ ድማ፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ዝኾነ ጥምረት ዕጡቓት ጉጅለታት "ነቲ ዘይምርግጋእ ከጋድዶ'ዩ" ኢሉ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ብወገኑ፡ መሪሕነት ህወሓት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዳግማይ ውግእ "ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከፊቱ" ክብል ከሲሱ።

እቲ ኣምባሳደር ወሲኹ፡ "ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታት ናብዚ ኲናት ከይኣትዉ ለባማት ክኾኑ ኣለዎም" ብምባል፡ ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ናብ ዝተሰሓሓተ መስመር ንከእትዉ ኣብ ልዕሊ ዝጽዕሩ መራሕቲ ተወሳኺ እገዳ ናይ ምግባር ኣማራጺ ከምዘለዋ ኣመልኪቱ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያን ዝሃብዎ መግለጺ ስዒቡ፡ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓትን ምክትል ፕረዚደንት እቲ ክልልን፡ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ እቲ መግለጺ "ከም ዘጕሃዮ" ገሊፁ።

ኣቶ ኣማኑኤል፡ ኣምባሳደር ኣሜሪካን ኮምሽነር ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ነፈርትን ድሮንን ብጩቕ ከይበሉ ፀኒሖም፡ ሕጂ ዘቕረብዎ ነቐፌታ "ዘይፍትሓዊ እዩ" ክብል ገሊፁ።