ካብ ሆርሙዝ ናብ ማላካ፡ እቲ ሓድሽ ጂኦ-ፖለቲካዊ ወጥሪ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብቲ ንዓለምና ወሳኒ መስመር ማይ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝካየድ ዘሎ ዕጽዋ ከይኣክል፡ "መትኒ" ንግዲ ዓለም ዝዀነ ካልእ መስመር መጓዕዝያ ባሕሪ ቈላሕታ ክረክብ ጀሚሩ ኣሎ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ኢንዶነዥያ ወተሃደራዊ በረራታት ንምክያድ ዘቕረበቶ ሕቶ፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እስያ ዝርከብ መጻብቦ ማላካ ዓለምለኻዊ ቈላሕታ ክረክብ ገይሩዎ ኣሎ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢንዶነዥያ፡ ድሕሪ'ቲ ብሰኑይ ምስ ኣመሪካ ዝተፈረመ ናይ ምክልኻል ስምምዕ ዝቐረበ ጠለብ፡ ገና ውሳነ ከም ዘይሃበሉ ገሊጹ።
ከምዚ ዓይነት ምንቅስቓስ፡ ዓለምለኻዊ ጂኦ-ፖለቲካዊ ሳዕቤናት ክህሉዎ ከም ዝኽእል ክኢላታት ይሕብሩ።
ንምዃኑ መጻብቦ ማላካ ኣበይ እዩ? ስለምንታይ እዩኸ ኣገዳሲ ዝኸውን?
ዓለምለኻዊ ኣገዳስነት

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኢሊኖይ ኡርባና-ቻምፐይን ናይ ዶክተሬት ተመራማሪትን ዞባዊት ክኢላን ዝዀነት ዓዚፋ ኣስትሪና፡ "መጻብቦ ማላካ ንህንጻዊ ውቅያኖስን ፓሲፊክን ዘራኽብ ዝሓጸረን ኣዝዩ ውጽኢታውን መስመር ማይ ስለ ዝዀነ፡ ንንግዲ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኤውሮጳን ምብራቕ እስያን ዘይትካእ መጻብቦ እዩ፡" ትብል።
"እዚ መስመር'ዚ ምስ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ኣስታት ሓደ ሲሶ ዋሕዚ ንግዲ ዓለም በዚ እዩ ዝሓልፍ፡" ብምባል ተብርህ።
እቲ ዝጸበበ ቦታኡ፡ ኣብ ጥቃ ሲንጋፑር ዝርከብ መትረብ ፊሊፕስ ኰይኑ፡ ስፍሓቱ 2.8 ኪሎ ሜተር ጥራይ እዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ምሕደራ ሓበሬታ ጸዓት ኣመሪካ (EIA)፡ ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ 2025 ጥራይ፡ መዓልታዊ 23.2 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ በዚ መስመር'ዚ ሓሊፉ። እዚ ድማ ምስ 29% ናይቲ ብባሕሪ ዝጓዓዝ ነዳዲ ዓለም ማዕረ እዩ።
ኣብቲ ተመሳሳሊ እዋን፡ እዚ መስመር ማይ መዓልታዊ ኣስታት 260 ሚልዮን ኲቢክ ሜተር ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ እውን ኣተኣናጊዱ እዩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊድስ መምህር ዝዀነ ጎክቻይ ባልቺ፡ እዚ መስመር፡ "ኤለክትሮኒክስ፡ ሃለኽቲ ኣቑሑት፡ ኢንዱስትሪያዊ ኣቑሑት፡ ማሽነሪታትን መካይንን፡" ዝጓዓዘሉ ምዃኑ ይገልጽ።
"ኣስታት 25% ናይ ንግዲ መካይን ዓለም በዚ እየን ዝሓልፋ። ከምኡ'ውን ከም እኽልን ዓተር-ሶያን ዝኣመሰሉ ደረቕ ጽዕነታት በዚ መጻብቦ ይሓልፉ እዮም፡" ይብል።
ባልቺ ነቲ ኣብ መንጎ መጻብቦታት ማላካን ሆርሙዝን ዘሎ ፍልልይ ከብርህ ከሎ፡ ማላካ ካብ ሆርሙዝ ዝፍለየሉ ምኽንያት፡ ብጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኡ፡ ብሰፊሕ ጽግዕተኝነት ጸዓት፡ ከምኡ'ውን ብዓቐንን ብዝሕን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣቑሑት ምዃኑ ይገልጽ።
ግደ ማላካ ክንዮ ነዳዲ ዝሓልፍ ኰይኑ፡ ንሰፊሕ ዓይነታት ንግዳዊ ኣቑሑት'ውን ዝሽፍን ምዃኑ የብርህ።
ኣስትሪና ብወገና፡ "ማላካ ሓደ ካብቶም ማእከላይ መትኒ ቍጠባ ዓለም እዩ ንምባል ይከኣል፡" ትብል።
ስግኣት ሸፋቱ ባሕርን ፖለቲካዊ ወጥሪን
ስግኣት ሸፋቱ ባሕሪ ገና ናይ ወትሩ ሻቕሎት ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ 2025 ጥራይ፡ ኣብ መጻብቦ ማላካን ሲንጋፑርን 108 ናይ ቅርሰና ፍጻመታት ተመዝጊቦም፤ እዚ ድማ ካብ 2007 ጀሚሩ ዝለዓለ ደረጃ እዩ።
እቲ መጻብቦ ከም ሱናሚን እሳተ-ጐመራን ዝኣመሰሉ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት'ውን የጋጥሙዎ እዮም። ንኣብነት፡ እቲ ናይ ታሕሳስ 2004 ሱናሚ ኣብ ደቡባዊ ኣፍደገ እቲ መስመር ኣብ ዝርከቡ ጋማግም ባሕሪ ትሕተ-ቅርጺታት ከቢድ ዕንወት ኣብጺሑ ነይሩ።
ንምንታይ እዩ ዘሻቕል?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ክኢላታት ከም ዝገልጽዎ፡ ኣገዳስነት ማላካ ብቝጠባዊ ጽልዋኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሰንኪ እቲ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ጂኦ-ፖለቲካዊ ተኣፋፍነት እውን እዩ።
ባልቺ ከም ዝገለጾ፡ "ኣብ መንጎ ቻይናን ኣመሪካን ወይ ምስ ህንዲ ኣብቲ ዞባ ንምዕብላል ዝግበር ዝዀነ ይዅን ወጥሪ፡ በቲ መጻብቦ ንዝግበር ንግዲ ብኸቢድ ክሃስዮ ይኽእል እዩ።"
መጽናዕታ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ስርዓተ-ጸጥታ መጻብቦ ማላካ፡ ንውድድር ሓያላን ሃገራት ክጸውር ዝተዳለወ ኣይኰነን።
"እቲ ስርዓት ንዘይተለምዱ ስግኣታት - ከም ሸፋቱ ባሕሪ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ገበናት ባሕርን -ንመምካት ዝተዳለወ እዩ። ንውድድር ዓበይቲ ሃገራት ግን ክጸውር ዝኽእል ኣይኰነን፡" ትብል።
"ስለዚ፡ ከም ኣመሪካ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ሃገራት ወተሃደራዊ ሓይለን ክውስኻ እንከለዋ፡ ነቲ ዘሎ ስርዓተ-ምሕደራ ክጻወሮ ናይ ዘይተዳለወሉ ጸጥታዊ ኵነታት እዩ ዘቃልዖ።"
ይዅን እምበር፡ ኣብ ሓጺር እዋን ንግዳዊ ምንቅስቓስ ማይ ክዕገት እዩ ኢላ ኣይትጽበን።
"ንግዲ ከይቋረጽ ዘሎ ድሌት ኣዝዩ ሓያል ስለ ዝዀነ፡ ዕንቅፋት ከጋጥም እዩ ኢለ ኣይግምትን፡" ትብል።
እቲ ዓቢ ስግኣት ግን ኣብ ቅድመና ከም ዘሎ ትገልጽ።
"እቲ ስግኣት፡ ቻይና፡ ኣመሪካ ንእተካይዶ ዘላ ምንቅስቓስ ከም ስትራተጅያዊ መጸናጸኒ ወይ ኣብ ጥቓ ወሳኒ መስመር ንግዲ ጽልዋ ንምስፋሕ ዝግበር ምንቅስቓስ ገይራ እንተ ተርጒማቶ እዩ። ቻይና ልዕሊ ንግዲ ምዕጋት፡ ወተሃደራዊ ጽልዋኣ ኣብቲ ዞባን ከባቢኡን ከተስፍሕ ክትሓስብ ትኽእል እያ።"
"ካብቲ ብምትሕብባርን ብሕግን ዝምራሕ ናይ ጸጥታ ሃዋህው፡ ናብ ወጥሪ ወተሃደራዊ ውድድር ክሰጋገር ይኽእል እዩ።"
እዚ ድማ ብቐጥታ ውግእ እኳ እንተ ዘይተወልዐ፡ ናይ መድሕን ዋጋ ብምውሳኽን ኣብቲ ዞባ ዘሎ ስግኣት ብምዕባይን ንንግዲ ዓለም ክጸልዎ ይኽእል እዩ።
ኣስትሪና ከም እትብሎ፡ እቲ ኣመሪካ ኣብ ሰማያት ኢንዶነዥያ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ንምስፋሕ ዘቕረበቶ ሕቶ፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ጽልዋ ክህሉዎ ይኽእል እዩ።
"ንግዲ ብቐጥታ እኳ እንተ ዘይዓግተ፡ ብመልክዕ ኣቃውማ ግን ንርግኣት እቲ ዞባ ዝዘርግ ክኸውን ይኽእል እዩ፡" ትብል።
ሕንቅልሕንቅሊተይ ማላካ
ኣብ 2003፡ ፕረዚደንት ቻይና ዝነበረ ሁ ጂንታኦ፡ ቻይና ኣብዚ መስመር'ዚ ዘለዋ ከቢድ ጽግዕተኝነት ንምግላጽ፡ "ሕንቅልሕንቅሊተይ ማላካ" ዝብል ቃል ፈጢሩ ነይሩ።
ኣስታት ሰለስተ-ርብዒ ናይ ቻይና እትዋት ነዳዲ በዚ መጻብቦን ብባሕሪ ደቡብ ቻይናን እዩ ዝሓልፍ።
ባልቺ ከም ዝገለጾ፡ "ቻይና ጥራይ ኣይኰነትን። ጃፓንን ደቡብ ኮርያን እውን ንጸዓተን ኣብዚ መጻብቦ ዝተመርኰሳ እየን፣ ኣስታት 90% እትዋት ነዳዲአን በዚ እዩ ዝሓልፍ።"
ኣስትሪና፡ ቻይና ኣብዚ መስመር'ዚ ዘለዋ ጽግዕተኝነት ኣብ ሓጺር እዋን ክትቅንሶ ትኽእል እያ ምባል፡ ዘይጭበጥ ምዃኑ ትገልጽ።
"ከም ዝዝርግሑ መስመራት [ቡምባታት] ነዳዲ ዝኣመሰሉ ካልኦት ኣማራጺታት ቍሩብ ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም፣ ግን ብደረጃ ዓቐን ንማላካ ክትክኡዎ ኣይክእሉን እዮም፡" ትብል።
ባልቺ እውን ምስዚ ይሰማማዕ እዩ።
ክልተ ዝሓሹ ኣማረጺታት - መጻብቦ ሱንዳ ከምኡ'ውን መጻብቦ ሎምቦክ - እውን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኢንዶነዥያ ዝርከቡ እዮም።
ብደቡባዊ ኣውስትራልያ ኣቢልካ ምኻድ ድማ ኣዝዩ ልዑል ወጻኢታትን ግዜን ዝሓትት እዩ።
በዚ ምኽንያት፡ ቻይና ጽግዕተኝነታ ካብ ምልጋስ ንላዕሊ፡ ነቲ ስግኣታ ኣብ ምምሕዳር ከተተኵር ምዃና ኣስትሪና ትገልጽ።
"ቻይና ልዕሊ ኣማራጺ መንገድታት ምድላይ፡ ኣብቲ ዞባ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይናን ኣብቶም ወሰንቲ መስመራት ማይን ጽልዋኣን ህላወኣን ኣብ ምስፋሕ ከትተኵር እያ፡" ክትብል ትድምድም።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


