ኤርትራ፡ዘቤታዊ ጉዳያት ኣብ መደረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኤርትራ ትማሊ ኣብ ዘብዓለቶ መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ዝተኻየደ ጽንብል 22 ደቃይቕ ዝወሰደ መደረ'ዩ ኣስሚዑ፤ ኣስታት ኣርባዕተ ደቓይቕ ጥራይ ከኣ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት።

"ብቕያ መኸተ ሓርነታዊ ቃልሲን መስዋእትን 50 ዓመታት ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 35 ዓመታት ኣንጻር ዝተፈላለየ ተጻብኦን ሽርሒታትን መጥቃዕትን ኣብ ምክልኻል ዝተኸፍለ መስዋእቲ፡ ምስ ጥሙር ልምዓታዊ ተጋድሎ ደሚርካ ክርአ" ከምዘለዎ ኣመልኪቱ።

ሃገራዊ ወይ ዘቤታዊ ኵነታትናን ምዕባለኡን፡ "ካብቲ ባዕልናን ህዝቢ ዓለምን ሃንቀው ንብሎ" ርትዓዊ ኣህጉራዊ ስርዓትን፡ ዞባዊ ናይ ምክብባርን ርግኣትን ምትሕግጋዝን ራህዋን ጥምረትን ሽርክነትን ተነጺሉ" ከም ዘይረአ'ውን ኣመልኪቱ።

በዚ ድማ ዝበዝሕ ሸፈነ መደረኡ ናብ ኣመሪካ ዘተኰረ ኰይኑ ብምቕራብ፡ ነቲ ምስ ምምጻእ ትራምፕ ብፍላይ ዝተራእየ ዓለማዊ ኵነታት ዘርዚሩ።

"ሓያላንን ዘይሓያላንን ዘንቅልዎ ኣጀንታት "ብኸመይ ይጸልወና"? ዝብል መልሰ-ግብራዊ ትሕጃታት ዘይኰነ፡ ብንጡፍ ተበግሶ፡ ኣብ መሰረታውያን ክብርታት ዝተነድቀ ሓሳብን ስትራተጂን ቀዪስካ ምግስጋስ መተካእታ የብሉን" ድማ ኢሉ።

ኣብዚ ዝተነድፈ ስትራተጂ እንተሃልዩ ግን ዝርዝር ኣይሃበን።

ኣስዒቡ፡ "ካብ ህዝቢታት ዝላደዩሉ ብሉይ ኣህጉራዊ ስርዓት ምውጻእ"፡ ግድነት'ምበር ሕርያ ከምዘይኮነ ብምግላጽ "መቐጸልታ ባርነትን መግዛእትን ዝዀነ ብሉይ ስርዓት" ክእለ ከም ዘለዎን ዘለናዮ መዋእል፡ ካብ ዝጸንሐ ብሉይ ኣህጉራዊ ስርዓት ናብ ሓዲሽ ኣህጉራዊ ስርዓት መሰጋገሪ ምዃኑ ጠቒሱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ንዞባዊ ዝምልከት ዛዕባ ምስ ሰገረ ዓሚ ዝበሎ ብምጥቓስ'ዩ መደረኡ ቀጺሉ። "ዓሚ'ኳ፡ ካብቲ ጐደቦና 'ንብሎ፡ ተፋሰስ ኒልን ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥን፡ ኣብ ናይ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብፍሉይ ጠቒሰ ነይረ።

"ዓለማዊ ተኣፋፍነት ናይቲ ጐደቦ፡ ምስዚ ሕጂ ኣብ ሆርሙዝ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው፡ ዝያዳ ጐሊሑ ስለዘሎ፡ ክንክተሎ ዝጸናሕና ናይ ዝዀነ ዓለማዊ ይዅን "ዞባዊ ሓይሊ'የ" ዝብሉ ወገናት ጣልቃ ምትእትታው ዘይብሉ፣ ብውዕል ሃገራት'ቲ ጐደቦ ዝቘመ ናይ ሓባራዊ ድሕነት ኣልያ እንተዘይኰይኑ፡ ዝኾነ ካልእ መተካእታ "ዘራያት" ከምዘየዋጽእ ዳግም ተነጺሩ'ሎ" ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ግብጺ ድሕሪ ዘካየዶ ናይ 5 መዓልታት ዑደት ምስ ተሌቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ነዚ ጉዳይ ኣልዒሉ ነይሩ እዩ።

ኣብቲ ቃለመጠይቕ፡ ወተሃደራዊ ምትእትታው ከም ዝነጽግ ዘረድአ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ካልኦት ማያዊ መስመራት፡ "ዝያዳ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣህጉራዊ ማያዊ መስመር፡" ምዃኑ ከም ዝኣምን ገሊጹ ነይሩ።

"ነዚ ማያዊ መስመር'ዚ ምውሓስ ድማ ንሃገራት ናይዚ ዞባን ካብኡ ወጻኢ ዘለዋን ኣብ ዝርዝር ከይኣተና እንተላይ ንኣህጉራውያን ሓይልታት ስትራተጅያዊ ጉዳይ እዩ። እቲ ሽግር ብዝተፈላለየ ወገናት ብዙሕ ሓሳባት ዝመጽእን ምእትታዋት ዝበዝሕን ምዃኑ እዩ።

"ንሕና ኣብ ገማግም ባሕሪ እንርከብ ሃገራት ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ንጹር መርገጺ ክህልወና ኣለዎ። ከም መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዘቕረብናዮ 12 ነጥቢታት ዘሓዘ ሓሳባት ኣሎ፡" ይብል ኣቶ ኢሳይያስ።

ኣብዚ ናይ ትማሊ መደረኡ ድማ፡ "ኣብ ሶማል፡ ኢትዮጵያን ደቡብ-ሱዳንን ዘሎ ኵነታት ኣዝዩ ኣሰካፊ'ዩ። ዝያዳ ኣቓልቦን ስራሕን ከም ዝሓትት" ብምንጻር'ዩ ናብ ዜታዊ ጉዳያት ሰጊሩ።

ከም መርኣያኡ'ውን ነቲ ኣብ እዋን ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳታት ከም ዝተለዓለ ምምሕዳር ትራምፕ ገሊጹ።

ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዶናልድ ትራምፕን ጽሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ማርኮ ርብዮን ናይ ዮሃና መልእኽቲ ምስዳዶም'ውን ሓደ መርኣያ'ዩ።

ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ብስም መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ንመንግስትን ህዝብን ኤርትራ ንመበል 35 ዓመት ጽምብል ናጽነትኩም እንቋዕ ሓጐሰኩም፡" ኢሉ።

ኣስዒቡ እውን፡ "ኣብዚ ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን ዳግማይ ዝተጀመረሉ ሓድሽ ምዕራፍ፡ ኣብ መንጎ ክልተኦም መንግስታትና ዘሎ ምትእስሳር ንምዕማቝን ኣብ ሓባራዊ ብልጽግናን ርግኣትን ብሓባር ንምስራሕን ብሃንቀውታ እጽበ፡" ክብል ገሊጹ።

ህዝቢ ከኣ ምስዚ ተተሓሒዙ ካብ መደረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዙሕ ከምዝጽበ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ክመላለስ ቀንዩ'ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ግን ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት'ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘስመዖ መደረ ዘልዓሎ ጉዳይ ብምጥቃስ'ዩ ንጉዳይ ምልዓል እገዳ ይኹን ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ህሉው ወጥሪ ጐስይዎ ዝሓለፈ።

ከምቲ ወትሩ ዓመት ዓመት ዘስምዖ መደረ ከኣ "ካብ ቍጠባ ዕንጋሎ ዘገላግለና፡ ኣፍራይነትና ዘሐይልን፡ ምህርትና ብዘላቕነት ዘኻዕብትን፡ ናብ ብሉጽ ምምራሕን ድለባ-ክብሪን ምስናዕን ኢንዱስትርያውነትን ብሉጽ ኣገልግሎትን ዘሰጋግር ምእንቲ ክኸውን'ዩ።

ኣብ ቍጠባ ከይተሓጽረ፡ ዲፕሎማስያውን ሓበሬታውን ግንባራት'ውን የጠቓልል። ማልን ቴክኖሎጂን'ውን፡ ምስ ዝኽሰት ዘሎ ዕድላት ገፊሕን ዘላቕን ሽርክነት፡ ኣቃሊልና ዘይንርእዮ ዕማም'ዩ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ዓሚ ኣብ ተመሳሳሊ መድረኽ ዘስምዖ መደረ "ጥሙር ልምዓታዊ መኸተ ኣብ መስርሕ ኣሎ፡" ክብል ቃል ኣትዩ ነይሩ'ዩ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት መደረኡ ከኣ "በቲ ንብህጎ ናህሪ ክንግስግስ ግን፡ ፕሮግራማትና/ውጥናትና ዳግም ምኽላስን ምጽፋፍን ምጕስጓስ ጸጋታት ከነዕቢ ስለዘሎና፡ ኣብ ዓመተ 2026 ሰገጥ ምባል ኣይክሰኣንን'ዩ" ኢሉ።

ኣቶ ኢሰይያስ ኣብ ዘረባኡ ይዅን ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ሓሓሊፉ ኣብ ዝህቦ ቃለ መጠይቓት፡ መደብ ከም ዝተሓንጸጸ'ምበር እቲ ኣቐዲሙ ዝተሓንጸጸ ኣብ ምንታይ በጺሑ ክገልጽ ኣይስማዕን'ዩ።

ብዓቢኡ ዓመታዊ ባጀት እታ ሃገር'ውን ብወግዒ ተገሊጹ ስለዘይፈልጥ፡ ኣየናይ ጸጋ ኣበየናይ ጽላት ውዒሉ ንህዝቢ ብወግዒ ኣይሕበርን'ዩ።

ኣብዚ ናይ ሎም ዘበን'ውን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝህቦ መግለጺታት "ናይ ጽርግያታትን መጓዓዝያን ፕሮጀክትታና፡ ብኸምቲ ዝተነድፎ ክዓቢ'ዩ። ናይ መንበሪ ኣባይቲ ሰፊሕ መደባት'ውን ማዕረ-ማዕሪኡ ክድረኽ'ዩ" ኢሉ።

"ናይ ማይን ኤለክትሪክን ኣገልግሎት ምስፋሕ ፕሮጀክትታት፡ ምድንጓይ ቀረብ እንተዘይኰይኑ፡ መበጋገሲ ኣብዚ ዓመት ክዝርጋሕ'ዩ። ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ቀዳምነት ትምህርቲ፡ ብሰፊሕ ህዝባዊ ደገፍ፣ ካብ ቅድመ-ትምህርቲ ዝብገሱ ፕሮግራማት ቀዳማይ ድርኺት ክግበረሎም፡ ዓቢ ትጽቢት ኣሎ። ምስፋሕ ዓይነታዊ ኣገልግሎታት ጥዕና'ውን ዓቢ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ'ዩ" ብምባል መብጽዓ ክኣቱ ተሰሚዑ።

እዚ ዓይነት ቃናን ትሕዝቶን ግን መለክዒ ብዘይብሉ ዓመታዊ ከም ዘረባ ዝደጋገም ኰይኑ፡ ኣብ ዝስዕቦ ዓመት'ውን ብዘይተሓታትነት ብተመሳሳሊ ተዘሪቡ ክሕለፍ ዳርጋ ልሙድ ኣገባብ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ "መሰናኽላት እንተለዉ'ውን፡ ስክፍታ የለን! ቅሰኑ!" ብምባል'ዩ መደረኡ ዛዚሙ።