ትግራይ፡ 'ዕላማና ነቲ ብዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጕጅለ ምእላይ እዩ' ዝብል ዘሎ 'ቤት ምኽሪ'

ንዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ውድባት ትግራይ ዝሓቘፈ "ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን" ብሰንበት 17 ግንቦት (9 ግንቦት 2018ግ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተመስረተ ዝተነግረ ኰይኑ፡ ሓደ ካብ ዕላማታቱ "ነቲ ብዕልዋ መንግስቲ ትግራይ ዝተቘጻጸረ ሓይሊ ምእላይ" ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣተሓባባሪ ሚድያን ርክባትን ውድብ ስምረት ኣቶ ብርሃነ ገብረየሱስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ" ዝተባህለ ሕብረት ብዝተፈላለዩ ውድባት፡ ፍሉጣት ውልቀሰባትን ጸለውቲ ሰባትን ተመስሪቱ ንዝሓለፉ 7 ኣዋርሕ "ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ" ክመክር ከም ዝጸንሐ ገሊጹ።
እዞም ደለይቲ ለውጢ፡ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣፍልጦ ዝረኸቡ ኣርባዕተ ውድባት፡ ከምኡ'ውን ፍሉጣት ውልቀሰባት ምዃኖም እውን ሓቢሩ።
እዚ ጕጅለ ደለይቲ ለውጢ፡ ኣብታ ክልል ጸልውቲ ዝዀኑ ሰባት፡ 7 ፖለቲካውያን ውድባት፡ ፍሉጣት ሰባት፡ ትካላት ሚድያን ማሕበራትን ናብ ዝሓቖፈ ቤት ምኽሪ ዓብዩ፡ ብሰንበት ነቲ ቤት ምኽሪ ብወግዒ ከም ዝመስረተ ኣቶ ብርሃነ ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ ሕብረት ንውድባት ባይቶና፡ ዓረና ትግራይ፡ ትንሳኤ 70 እንደርታ፡ ካልኦት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተመዝገቡ ፖለቲካውያን ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ብምዃን "ሰላምን ለውጥን ትግራይ" ዝብል ቤት ምኽሪ መስሪቶም ኣለዉ።
ኣቶ ብርሃነ፡ "ህዝቢ ትግራይ ብኸምዚ ዘለዎ ኵነታት ንነዊሕ እዋን ክቕጽል ኣይክእልን" ብምባል፡ ብቝጠባዊ ኵነታት ተሃስዩ፡ ካብ መነባብሮኡ ተመዛቢሉ፡ "ኣብታ ክልል ብሰንኪ ዘሎ ሕማቕ ምሕደራ፡ ስእነት ጸጥታ፡ ስራሕ ኣልቦነት" ኣብ ሕማቕ ኵነታት ከም ዝርከብ ገሊጹ።
እቲ ብሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብወግዒ ዝተመስረተ ቤት ምኽሪ "ሰላምን ለውጥን ትግራይ" እዚ ሕጂ ትግራይ ዘላትሉ ኵነታት ነዊሕ ክጸንሕ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፡ "ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፣ እንተ ዘይኰይኑ ክቕድም ወይ ክድሕር ይኽእል፡" ክብል ኣነጺሩ።
ትግራይ ቅድም፡ "ካብ ካልኦት ክልላት ሃገርና ዝበለጸ ሰላም፡ ምርግጋእን ልምዓትን ዘለዋ ክልል እያ ነይራ፡" ብምባል ዝጠቐሰ ኣቶ ብርሃነ፡ "ሕጂ ካብ ኵለን ክልላት ኢትዮጵያ ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ'ላ፣ ኵነታት'ታ ክልል ድማ እናኸፍአ ይኸይድ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ኵነታት ጸጥታ ትግራይ፡ "ሰባት ብሰላም ክኣትዉን ክወጹን ዘይክእሉሉ፡ ዝጭወዩሉ፡ ዝዝረፍሉ፡ ከም ድላዮም ኣጽዋር ዝጥቀምሉ ስፍራ ኰይኑ'ሎ፡" ድሕሪ ምባል፡ ኣቶ ብርሃነ "ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ስእነት ሰላም ስለ ዘሎ፡ ነዚ ጨቋንን ጸቢብን ጕጅለ ብምእላይ ኣብ ትግራይ ንዅሉ ዝሓቍፍ ስርዓታዊ ለውጢ ንምምጻእ፡" ዕላማ ከም ዘለዎም ገሊጹ።
እቲ ቤት ምኽሪ ዕላማኡ "ነቲ ኣብ ክልልና ብዕልዋ ስልጣን ዝሓዘ ጕጅለ ኣብ ሓጺር እዋን ንምእላይ እዩ፡" ኢሉ።
ከም ካልኣይ ዝስዕብ ዕላማ ድማ እቲ "ጕጅለ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ ትግራይ ኣብ ዘየድሊ ህውከትን ዕግርግርን ንኸይትወድቕ ንሰላምን ጸጥታን ንምርግጋእ፡" ክሰርሕ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ሳልሳይ ድማ ንዅሉ ኣሳታፊ ዝዀነ ስርዓት ምትካል እዩ።
"ሓደ ተዓዛቢ እቲ ካልኣይ ድማ ተሳታፊ ዝዀነሉ ፖለቲካዊ ስርዓት ብምውጋድ . . . ንዅሉ ዝሓቍፍን ኣሳታፊን መንግስቲ ንምቛም ዕላማ ሒዝና ኢና ንጓዓዝ ኣለና።"
ኣብ ሰልፊ ስምረት ትግራይ ኣተሓባባሪ ሚድያን ርክባትን ኣቶ ብርሃነ፡ ነቲ ብተደጋጋሚ "እቲ ጕጅለ" ኢሉ ዝጽውዖ ኣካል ብስም ጸዊዑ ንህወሓት ድዩ ኣይኰነን ከነጽሮ ተሓቲቱ እኳ እንተ ነበረ፡ ንጹር መልሲ ክህብ ግን ኣይደለየን።
"ኣብ ትግራይ ዕጡቓትን ኣጽዋርን ኣኪቡ ዝዘምት፡ ዘዕኑ፡ ዝገዝእ ዘሎ ጨቋኒ ጕጅለ እዩ፤ ክሳዕ ሕጂ ስም ዝሃቦ የሎን፡" ኢሉ።

ህወሓት ከም ፖለቲካዊ ውድብ፡ ሕጋዊ ሰብነቱ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰረዘ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዕድመ ስልጣኑ ብቐዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብሓደ ዓመት ዝተናውሓሉ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሪሱ፡ ነቲ ቅድመ-ኲናት ዝነበረ ቤት ምኽሪ ከም ዝመለሰን መንግስቲ ከም ዝመስረተን እዩ ክገልጽ ጸኒሑ።
እዚ ምዕባለታት፡ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዘፍርስን ብቐጥታ ምስ መንግስቲ ፈደራል ናብ ግጭት ዘእቱን ኣካይዳ እዩ ብምባል ይቃወምዎ ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ውሽጢ ህወሓት ብዝተፈጥረ ምክፍፋል፡ ሓያሎ ካብ መራሕትን ኣባላትን እቲ ውድብ ተፈንጪሎም ውድብ ስምረት ከም ዝመስረቱ ዝፍለጥ እዩ።
ስለዚ፡ ንህወሓት ንምውዳቕ ይንቀሳቐሱ ብዛዕባ ምህላዎም ከነጽር ካብ ቢቢሲ ሕቶ ዝቐረበሉ ኣቶ ብርሃነ፡ "ንህወሓት ንምውዳቕ ኣይኰነን፤ ህወሓት እሞ ካብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ እኮ ተኣልዩ፤ ሕጂ ዘሎ ብስም ህወሓት ዝተወደበ ጕጅለ እዩ፡" ክብል መሊሱ።
እዚ ኣቶ ብርሃነ 'ጕጅለ' ዝብሎ ዘሎ ኣካል፡ "ብዕልዋ መንግስቲ ነቲ ብመንግስቲ ፈደራል ዕድመኡ ንሓደ ዓመት ዝተናውሐ ግዝያዊ ምምሕዳር ተቘጻጺርዎ ኣሎ፤ እዚ ዘይሕጋዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ እዩ፤ ኣነን ውድበይን እዚ ኢና እንኣምን፡" ኢሉ።
ንህወሓት ንምእላይ ድማ፡ "ነቲ ክልል ናብ ዘየድሊ ህውከትን ዘየድሊ ደም ምፍሳስን፡" ዘይወስድ ኵሉ ዓይነት ስትራተጂ ክንጥቀም ኢና ክብል ኣቶ ብርሃነ ኣመልኪቱ።
እቲ ሕጂ ብቤት ምኽሪ ደለይቲ ለውጢ ዝጽዋዕ ዘሎ፡ ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ብደገፍ መንግስቲ ፈደራል ዝተመስረተ ዝስማዕ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "ሓሶት" ብምባል ነጺጉ።
ገለ ኣባላትን መራሕትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉሉ፡ ኣብ ትግራይ ብናጽነት ብፖለቲካዊ ኣረኣእያን ዕላማን ክውደቡን ኣባላት ስለ ዘይከኣሉ ምዃኑ ድማ ኣተሓሒዙ ኣብሪሁ።
ይዅን እምበር መራሕቲ ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ምስ መንግስቲ ፈደራል ስምምዕ ፕሪቶርያ ብኸመይ ይተግበር፣ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘለዎ ኵነታት ብኸመይ ክወጽእ ይኽእል፣ መንግስቲ እንታይ ኣበርክቶን ደገፍን ክገብር ብዛዕባ ዝብሉ ጉዳያት ክዛተዩ ምጽንሖም ኣዘኻኺሩ።
ብዛዕባ'ቲ ብመራሕቲ ህወሓት ዝተወስደ ስጕምቲ ምፍራስ ግዝያዊ ምምሕዳርን፡ ምምላስ ነባር ቤት ምኽሪ ትግራይን ምቛም መንግስትነትን ዝበሉ ምዕባለታት ዝምልከት፡ መንግስቲ ፈደራል ዛጊት ዝሃቦ ዝዀነ ይዅን ወግዓዊ መግለጺ የሎን።






![ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ [የማን] ዶክተር ደብረጽየን ገብረሚካኤል [ጸጋም]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/61b7/live/0154e220-49e3-11f1-ac78-2112837ce2aa.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


