ኤርትራ፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ማህረምቱ እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, Denden Media
ኣብ 2018 ድሕሪ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት፡ ናብ ንቡር ኵነታትን ጥዕናኡን ቍመናኡን ከይተመልሰ ዝጸንሐ ምኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ዝነበረ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ድሕሪ 8 ዓመት ንፈለማ ግዜ ኣብ ተሌቪዥን ኤርትራ ቀሪቡ።
ጀነራል ስብሓት፡ ኣብቲ ብሰንበት 17 ግንቦት ዝተፈነወ መበል 74 ክፋል ሰነዳዊ ፊልም "ፈንቅል" እዩ መብርሂ ክህብ ተራእዩ።
ኣብቲ ነዊሕ ዝኸደ ክፋላት እቲ ሰነድ፡ ብዛዕባ'ቲ ከም ኣካል ስርሒት ፈንቅል ዝውሰድ ኣብ 1990-1991 ዝተኻየደ "ወፍሪ ደንካልያ" ዝምልከት ድማ ኣዘንትዩ።
ኣብቲ እዋን ስብሓት ሓላፊ ወተሃደራዊ ስታፍ ህዝባዊ ግንባር ምንባሩ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ መእተዊ ናይቲ ፊልም፡ ንኣገዳስነት ናይቲ ወፍሪ ኣመልኪቱ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ - ምስ ምሉእ ጥዕናኡ ኣብ ዝነበረሉ - ዝተወስደ ዝሃቦ ትንተና "ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ወፍሪ ደንካልያ" ክገልጽ ይርአ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ክፋላት እቲ ሰነዳዊ ፊልም'ውን ምስ ካልኦት ኣብቲ እዋን ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝነበሩን ብዛዕባ'ቲ ስርሒት ቅድሚ ማህረምቱ ዝሃቦ መግለጺታት ክርአ ጸኒሑ እዩ።
ንህሉው ኵነታት ጥዕናኡ ይዅን ሓፈሻዊ ቍመናኡ ዝፍለጥ ወግዓዊ ሓበሬታ'ኳ እንተዘየለ፡ ንቕድምን ድሕርን ማህረምቱ ዝነበረ ምስሊ ብምንጽጻር ግን ህሉው ኵነታቱ ክርአ ይከኣል።
ኣብቲ ናይ መበል 74 ክፋል ቪድዮ ዝቐረበ መግለጺኡ መዓስ ከም ዝተቐድሐ'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ነቲ ቅድሚ 36 ዓመት ዝተገበረ ስርሒት ብዝርዝራት ክዝክሮን ክገልጾን ይርአ፣ የማነይቲ ኢዱ ግን ክትንቀሳቐስ ኣይተራእየትን፣ ኣብ ኣዘራርባኡ'ውን ምስቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብምንጽጻር ቅሩብ ዝጐደለ ይመስል።
እቲ ምኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ዝነበረ ጀነራል፡ ኣብ ታሕሳስ 2018 መንነቱ ብዘይተገልጸ ሰብ ኣብ መንበሪ ቤቱ ከቢድ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶ ብዝተፈላለየ ምንጪታት ተሰሚዑ ምንባሩ ይዝከር።
ጀነራል ስብሓት ኣመና ከም ዝተሃሰየን፡ ንሕክምና ናብ ወጻኢ ሃገር ከም ዝተሰደን'ኳ ብኣጋ እንተ ተሰምዐ፡ መንግስቲ ኤርትራ ግን ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን።
ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ኣቶ እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ ግን፡ "ንስብሓት ቅልጡፍ ሕውየት እምነየሉ፣ ነዚ ናይ ፈራሓት ስራሕ ድማ እኹንኖ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ።
እቲ ንጀነራል ስብሓት ዝወረዶ ሓደጋ፡ ብሓደ ኣብ መንበሪ ገዛኡ ኣድቢዩ ዝጸንሐ ሰብ ከም ዝተኻየደን፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወን ተሰሚዑ ነይሩ።
ብሰንኪ'ቲ ማህረምቲ ጥይት፡ ስብሓት፡ ኣብ ሆስፒታል ክንክን ተገይሩሉ፡ ድሒሩ ንዝለዓለ ሕክምና ካብ ኤርትራ ከም ዝወጸ እውን ብዝተፈላለየ ምንጭታት ተሰሚዑ።
ቢቢሲ ኣብቲ እዋን ካብ መንግስቲ ኤርትራ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
እቲ ኵነታት ብወግዒ ብመንግስቲ መግለጺ ስለዘይተነግረሉ ድማ ብዙሕ ኣዛሪቡ፤ ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ነናቶም ግምታትን መደምደምታታትን ክህቡ ዕድል ፈጢሩ'ዩ።
ኣብቲ እዋን ብዛዕባ ኵነታቱ ዝተገልጸ ሓበሬታ፡ ካብቲ ናይ ነዊሕ እዋን ግዜ ቃልሲ መሳርሕቱ ዝነበረ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ካብ ጃፓን ጥራይ እዩ።
ድሕሪ ናይ ኣስታት 8 ኣዋርሕ ሕክምናኡ'ውን፡ እቲ ኣምባሳደር "ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ኣብ ወጻኢ ድሕሪ ዝተገብረሉ ዕዉት ሕክምና፡ ሓውዩ ምስ ስድራ ቤቱ ናብ ኣስመራ ምምላሱ ደስ ይብለኒ" ክብል ኣብ ነሓሰ 2019 ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Petros Tesfagiorgis
እቲ ኣምባሳደር ብኣካል ኣብ ሕክምና ከም ዝበጽሖ'ኳ እንተነገረ፡ ኣበይ ዓዲ ከምዝተሓከመ ግን ኣይጠቐሰን። እንተዀነ ሕክምናኡ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምንባሩ ተሰምዐ።
ጀነራል ስብሓት ኣብዚ ናይ ሕጂ ምልሶቱ ናብ ቲቪ-ኤረ እውን፡ ብዛዕባ'ቲ ከም ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዝመርሖ ዝነበረ፡ ኣብ ድሮ ናጽነት ኤርትራ ዝተኻየደ ፍሉይ ወፍሪ እንተዘይኰይኑ ካልእ ብዛዕባ ውልቃዊ ኵነታቱ ዝተዛረቦ የለን።
ሕጂ ዘለወሉ ኵነታት፡ ኣብ ንጡፍ ስራሕ ኣሎ ድዩ የለን እውን ብወግዒ ዝፍለጥ የለን፤ ብዛዕባ'ቲ ዝመርሖ ዝነበረ ምኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን እውን ብወግዒ ዝፍለጥ ነገር የለን።
ስብሓት ኤፍረም፡ ኣብ 1972 ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝተሰለፈ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኰይኑ፡ ኣባል ፓለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ዝነበረ'ዩ።
ኣብ መጀመርታ ዓመታት ናጽነት ኤርትራ ከም ኣመሓዳሪ ከተማ ኣስመራን ምኒስተር ጥዕናን ኰይኑ'ውን ሰሪሑ ነይሩ'ዩ። በዓል ኣርባዕተ ኮኾብ ጀነራል ስብሓት፡ ካብ 1995 ክሳብ 2014 ምኒስተር ምክልኻል ኰይኑ'ውን ሰሪሑ። ድሕሪ'ዚ ክሳብ እዋን ማህረምቱ ድማ ምኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ኰይኑ ኣገልጊሉ።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


