ትራምፕ ምስ ጂንፒንግ ድሕሪ ምርኻቡ ድሕሪ ሰዓታት ታይዋን ናጽነታ ከይትእውጅ ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ታይዋን ካብ ቻይና ተፈልያ ናጽነታ ከይትእውጅ ኣጠንቂቑ።
ትራምፕ ኣብ ቻይና ንኽልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ተራኺቡ እናተመለሰ እንከሎ ምስ ፎክስ ኒውስ ብዓርቢ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትተ "ናጽነታ ክትረክብ ኣይኰንኩን ዝደሊ ዘለኹ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ታይዋን ላይ ቺንግ ተ ኣቐድም ኣቢሉ ታይዋን ንገዛእ ርእሳ ከም ልኡላዊት ሃገር ስለእትሓስባ ብወግዒ ናጽነት ምእዋጅ ከምዘየድልያ ገሊጹ ነይሩ'ዩ።
ኣመሪካ ንነዊሕ እዋን ንታይዋን ክትድግፋን ክሳብ ነብሳ መከላኸሊ ክዀና ዝኽእል ወተሃደራዊ ኣጽዋር'ውን ክትቅርበላን ጸኒሓ'ያ፡ ሕጂ ግን ኣመሪካ ምስ ቻይና ዲፕሎማስያዊ ርክባት ስለዝጀመረት ኩሉ ርክባት ኣመሪካን ታይዋንን ብዜሮ ተራቢሑ'ሎ።
ትራምፕ ኣቐዲሙ ብዛዕባ እታ ባዕላ እትመሓደር - ቻይና ኣካል ግዝኣተይ'ያ እትብላን ደሴት ታይዋን "ብኽልቲኡ [ኣካል ቻይና ክትከውን ይኹን ናጽነታ ክትእውጅ] መንገዲ ቃል ከምዘይኣተወ" ገሊጹ ነይሩ።
ኣመሪካ ምስ ቻይና ርክባታ ምድልዳላ ከኣ ታይዋን ናጻ ሃገር ክትከውን ከምዘይትደሊ ዘርኢ'ዩ።
ቻይና ምስ ኣመሪካ ርክባት ንኽትገብር፡ ኣመሪካ ኣብ ሓንቲ ቻይና ክትኣምን ቅድመ ኩነት ኣቕሪባ ክትከውን ከምእትኽእል'ውን ይግመት'ዩ።
ቻይና ንፕረደንት ታይዋን ዘለዋ ጽልኢ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ።
ብዙሓት ታይዋናውያን ሃገሮም ናጽነታ ከይኣወጀት ምስ ቻይና ከኣ ከይተሓወሰት ክትቅጽል'ዮም ዝመርጹ።
ትራምፕ ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ታይዋን ዘለዋ መርገጺ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈለየ ከምዘይኮነነን ከምዘይተቐየረን'ዩ ገሊጹ።
"ይርድኣኩም እንተሃልዩ 15,289 ኪሎሜተር ተጓዒዝና ኢና ክንዋጋእ፡ እዚ ከኣ ኣነ ኣይደልዮን'የ፡ ንሶም [ታይዋናውያን] ርግእ ክብሉ'የ ዝደሊ፡ ቻይና'ውን ርግእ ክትብል'የ ዝደሊ" ኢሉ።
ትራምፕ ብነፋሪት ካብ ቻይና ናብ ዋሺንግተን እናተመለሰ እንከሎ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል ዢ ብዛዕባ ታይዋን ብዙሕ ከምዝተዛረቦ ብምግለጽ "ዢ ብዛዕባ እዛ ደሴት ናብ ናጽነት ዘምርሕ ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ክርኢ ኣይደልይን'ዩ" ኢሉ።
ማዕከናት ዜና ቻይና ኣመሪካን ቻይናን ኣብ ዝገበረኦ ዝርርብ "ሕቶ ታይዋን እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ'ዩ" ብምባል "እዚ ብግቡእ እንተዘይተታሒዙ ክልቲኡን ሃገራት [ኣመሪካን ቻይናን] ክጋጨዋ ይኽእላ'የን፡ ናብ ኵናት'ውን እኣትዋ ይኽእላ'የን" ኢለን።
ንትራምፕ ኣመሪካን ቻይናን ብጉዳይ ታይዋን ናብ ኵናት ክኣትዋሉ ተኽእሎ እንተ ሃልዩ ኣብ ዝተሓተተሉ "ኣይፋል፡ ኣይመስለንን፡ ከምዝመስለኒ ኩሉ ነገር ጽቡቕ ክኸውን'ዩ ዢ ጂንፒንግ ኵናት ክርኢ ኣይደልይን'ዩ" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ቻይና ኣብ ከባቢ ታይዋን ተደጋጋሚ ወተሃደራዊ መናውራታት ኣካይዳ'ያ እዚ ከኣ ኣብቲ ዞባ ወጥሪ ብምስዓብ፡ ንመርገጺ ዋሽንግተን ከምዝተፈታተኖ'ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምምሕዳር ትራምፕ ንታይዋን ዋጋ 11 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክሸጠላ ምስምምዑ ይዝከር።
ገለ ካብቲ ንታይዋን ክሸጠላ ዝተሰማመዖ ከኣ ምዕቡላት ሮኬታትን ዝተፈላለየ ዓይነታት ሚሳይልን ይርከቦ፡ ቻይና ከኣ ኣብ ግዜኡ ነዚ ብትሪ ኰኒናቶ'ያ።
ትራምፕ ብዛዕባ እዚ ኣብዚ ናይ ሕጂ ርክቦም ምስ ቻይና ብዓሚቝ ከምዝተዘራረቡ ብምሕባር፡ እቲ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ንታይዋን ክሸጡላ ኣለዎም ድዩ ብሕጂ ክውስን ምዃኑ ገሊጹ።
"ሕጂ ምስ ሓደ ሰብ ክዘራረብ ኣለኒ፡ እቲ ሰብ ትፈልጥዎ ኢኹም፡ ትፈልጥዎ ኢኹም ንታይዋን ዝመርሓ ዘሎ'ዩ" ኢሉ።
ኣመሪካ ምስ ታይዋን ወግዓዊ ዝዀነ ርክብ የብላን፡ ክሳብ ሕጂ እቲ ርክበን ዘይወግዓዊ'ዩ።
ፕረዚደንታት ኣመሪካ ንመራሕቲ ታይዋን ብቐጥታ ኣዘራሪበሞም ኣይፈልጡን'ዮም፡ እቲ ምኽንያት ከኣ ምስቲ ቻይና ተገንጻሊ ኢላ እትገልጾ ፕረዚደንት ታይዋን ላእ ቺንግ ተ ምዝርራብ ንቻይና ከቕሕራ ይኽእል'ዩ ካብ ዝብል ስግኣት'ዩ።
ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ታይዋን ቸን ሚንግ ቺ ሎሚ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ታይዋን ንመግለጺ ዶናልድ ትራምፕ እንታይ ማለት ምዃኑ ንምፍላጥ መብርሂ ክትሓትት ምዃኑ ሓቢሩ።
ቸን ሚንግ ቺ ብምስዓብ፡ እቲ ኣመሪካ ንታይዋን ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክትሸጠላ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ሕጊ ኣመሪካ ዝሰፈረ ምዃኑ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ላይ ኢልዎ ተባሂሉ ሮይተርስ ኣብ ዘስፈሮ፡ እቲ ኣመሪካ ንታይዋን ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክትሸጠላ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣካል ናይቲ ኣመሪካ ንጸጥታ ታይዋን ንምውሓስ እትወስዶ ተበግሶን "ኣብዚ ዞባ ናይ ዘለዉ ናይ ሓባር ጸላእቲ" ንምክልኻልን ዝዓለም ምዃኑ ገሊጹ።
ትራምፕ ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት ብተወሳኺ "ኵናት ኣይንደልይን ኢና ቻይና ከኣ በዚ ነጥቢ እዚ ትሰማማዕ'ያ፡ ሓደ ዝኾነ ኣካል ኣመሪካ ብድሕረይ ኣላ ኢሉ ናጽነትና ንኣወጅ ክብል ከኣ ኣይንደልይን ኢና" ኢሉ።
ምኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ታይዋን ሊም ቻ ሉንግ ጉጅለኡ ክልተኣዊ ዘተ ኣመሪካን ቻይናን ክከታተልዎ ምጽንሖም ብምግላጽ፡ ምስ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ዘለዎም ርክባት ጽቡቕ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ታይዋን ቀንዲ "ኣስፋኒት ሰላምን ምርግጋእን" እዚ ዞባ ምዃና ብምግላጽ እታ ቀንዲ ዘራጊት እቲ ዞባ ቻይና ምዃና ከሲሱ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


