'ኤርትራ ዓንዲ ማእከል ጸጥታን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ እያ'- ግብጻዊ ሚኒስተር

ባድር ዓብደልዓጢ

ምንጪ ስእሊ, MOI Eritrea

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ዓቢ ጕጅለ ልኡኽ መሪሑ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ከካይድ ዝቐነየ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዶ/ር በድር ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ስፍሕ ዝበለ ቃለመሕትት ኣካይዱ።

በድር ዓብደልዓጢ ከም ዝበሎ፡ ዝምድና ግብጽን ኤርትራን "ዓቢ ዓይነታዊ ገስጋስ" ኣመዝጊቡ ኣሎ።

ብቐዳም፡ ክልቲኦም ወገናት ሓባራዊ መስመራት መራኽብ ንምምዕባልን ምትእስሳር ወደባት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕያልን፡ ወግዓዊ ስምምዕ ምትሕብባር መጓዓዝያ ባሕሪ ፈሪሞም ነይሮም'ዮም።

ምብጻሕ ናይቲ ልኡኽ፡ "ብሰንኪ ዝዓርግ ዘሎ ስግኣታት ኣብ ተኣፋፈ እዋን" ዝተፈጸመ ምዃኑ ብምሕባር፡ "ግብጽን ኤርትራን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ተሃዋጺ ዞባ እየን ዝነብራ" ይብል እቲ ሚኒስተር።

"ኤርትራ ዓንዲ-ማእከል ጸጥታን ምርግጋእን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጌርና ኢና ንወስዳ።

"ስለዚ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ዝያዳ ንምትራር ብወገን መሪሕነት ግብጺ ተወፋይነት ኣሎ፡" ክብል ድማ ገሊጹ።

ገለ ጐረባብቲ ሃገራት ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያተን ኢዳ ብምእታው ዘይምርግጋእ ትፈጥር ኣላ ብምባል ክኸስኣ ምጽንሐን ይፍለጥ። ኣብ በበይኑ እዋናት ዳርጋ ምስ ኵለን ጐረባብታ ናብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ክሳብ ምእታው'ውን በጺሓ'ያ። እንተኾነ ንሳ'ውን ብወገና፡ ኣብ ልዕሊ ከሰስታ ተመሳሳሊ ወቐሳ ከተቕርብ'ያ ትስማዕ።

ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘካየድዎ "ሰዓትን ፈረቓን" ዝወሰደ ርክብ፡ ርእይቶታቶም ዝተቐራረበ ምዃኑ ከምዝተረድኡ'ውን ሚኒስተር በድር ጠቒሱ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንመራሒ ኤርትራ ዘለዎ ናእዳ ዝገለጸ እቲ ምኒስተር፡ "ኣብ ኣተሓሕዛ ዝምድናታት ብዘለዎ ሜላ፡ ሚዛንን ምትህድዳእን ንልቦና ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነድንቖ ኢና" ክብል ኣብቲ ብቋንቋ እንግሊዝ ተተርጒሙ ኣብ ሻባይት ዝወጸ ሕቶን መልስን ተዛሪቡ።

ብዛዕባ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ'ውን፡ "ምምሕዳርን ጸጥታን ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ናይ መዳውብቲ ሃገራት ጥራይ ሓላፍነት'ዩ። እዚ ድማ ንጹርን ዘየዛርብን እዩ" ክብል መርገጺ ሃገሩ ኣነጺሩ።

ነቲ ዳርጋ ደስኪሉ ዝጸንሐ ብተበግሶ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ተጀሚሩ ዝነበረ "ቤት ምኽሪ" ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ንምብርባር ዝርርባት ይካየድ ከምዘሎ'ዩ ዓብደልዓጢ ዘመልክት።

ነቲ ኣብ ፈለማ ጥሪ 2020 ኣብ ርእሰከተማ ሪያድ ዝተመስረተ ቤት ምኽሪ ዝመርሕ፡ ቻርተር ኣጽዲቐን ምንባረን ይዝከር።

ብወገን ኤርትራ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝመርሖ ጕጅለ ልኡኽ ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፉ ነይሩ'ዩ። ምኒስተራት ወጻኢ ጒዳያት ግብጺ፡ ዮርዳኖስ፡ የመን፡ ሱዳንን ሶማልያን ከምኡ'ውን ጂቡትን ተረኺቦም ነይሮም።

እቲ ኣገዳሲ ዓለምለኻዊ መስመር ንግዲ ዝኾነ ቀይሕ ባሕሪ ካብ የመናውያን ዕጡቓትን ሶማላውያን ቀርሰንቲን ዝነቅል ጸጥታዊ ስግኣት ኣጋጢምዎ ጸኒሑ'ዩ።

እቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝኣወጀቶ ኲናት ብምቅዋም ኣብ ልዕሊ በቲ መስመር ዝሓልፋ መራኽብ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ከካይዱ ምጽንሖም ይዝከር።

ኣብዚ ሓድሽ ምስ ኢራን ተወሊዑ ዝጸንሐ ኲናት'ውን፡ መጻብቦ ባብ-ኤል-መንደብ ዕጫ ሆርሙዝ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ቴህራን ኣጠንቂቓ ነይራ።

እቲ ኣብ ወሽመጥ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ብዘተ ክፍታሕ ተስፋ ከምዘለዋ ዝገለጸት ግብጺ፡ "ነቶም ኣብ ወሽመጥ ዘለዉ ኣሕዋትና ዒላማ ዝገብር [መጥቃዕቲ] ንዅንን" ኢላ።

ጸጥታዊ ውሕስነት ኣብቲ ዞባ ክረጋገጽ እንተዀይኑ "እስራኤል ትዅን ካልእ ወገን ናይቲ ዞባ ዕብለላ ደው ክብሉ ኣለዎም" ክብል'ውን እቲ ላዕለዋይ ግብጻዊ ዲፕሎማሰኛ ተዛሪቡ ኣሎ።

ኣስመራ፡ ምስ ኣዲስ ኣበባ ጀሚራቶ ዝነበረት ጥቡቕ ርክብ ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ምስ ላሕለሐን ናብ ምትፍናን ምስ ኣምርሐን፡ ኣንፈታ ናብ ሰሜን ብምዛር ምስ ካይሮ ዘለዋ ዝምድና ኣብ ምድልዳል'ያ ተጸሚዳ ጸኒሓ።

ኣብ 2025 ግብጺ፡ ኤርትራን ሶማልያን ናብታ ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን ትመጣጠር ዝነበረት ኢትዮጵያ ዘነጻጸረ'ዩ ዝተባህለ ስሉሳዊ መርገጺ ወሲደን ነይረን።

ኣብቲ ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተጋብአ ስሉሳዊ ዋዕላ፡ ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ፡ ሶማላዊ መዘናኡ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ከምኡ'ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተሳቲፎም ምንባሮም ኣይርሳዕን።

ኣብቲ እዋን፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ወደብን ወተሃደራዊ መዓስከርን ንምርካብ ምስታ ናጽነታ ባዕላ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ስምምዕ ፈሪማ ነይራ። እቲ ስጕምቲ ነቲ ዞባ ናብ ዘይተደልየ ግጭት ከየምርሖ ተሰጊኡ ነይሩ።

ካይሮ ብወገና፡ ልኡላውነት ክልቲአን ሃገራት ዘይድፈር ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ጐነን ደው ከም እትብል ከተጠንቅቕ'ያ ጸኒሓ።

ግብጺ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ናይል (ኣባይ) ዝተመርኮሰ ምስሕሓብ ከም ዝጸንሓ ይፍለጥ። ምህናጽ ዓቢ ግድብ ህዳሰ'ውን ነቲ ርክብ መሊሱ ከምዝካረር ገይሩዎ እዩ።

ኣል-ሲሲን ኢሳይያስን፡ ኣብ መብዛሕትኦም ዝተላዕሉ ኣገደስቲ ጉዳያት ተመሳሳሊ መርገጺ ከምዘለዎ'ዩ ምኒስተር ዓብደልዓጢ ዘመልክት።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ደጊሙ ናብ ካይሮ ክበጽሕ ካብ ግብጻዊ መዘናኡ ዝተላእከ መልእኽቲ ከም ዘብጽሐ'ውን እቲ ምኒስተር ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ብሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጎስ ገብረሂወት ዝምራሕ ጕጅለ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ዝተፈላለዩ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ርክባት፡ ብወገን እታ ዓረባዊት ሃገር ወፍሪን ቍጠባዊ ምትሕግጋዝን ንምግባር ቅሩብነት ከምዘሎ ተገሊጹ ነይሩ።

ንግዳዊ ምልውዋጥ ክልቲአን ሃገራት ካብ ሓሙሽተ ሚልዮን ዶላር ከም ዘይሓልፍ ጸብጻባት የመልክቱ። ብመሰረት ሓበሬታ መንግስቲ፡ ፍርያት ግብጺ 10 ሚእታዊት ናይቲ ኤርትራ ካብ ወጻኢ ተእትዎ ይውክል። ቀንዲ ተሳታፍነት ግብጺ ኣብ ዕዳጋታት ኤርትራ ድማ ፍርያት ፋርማሲ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ቍጠባ ኤርትራ ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ዕጹው ፖሊሲታትን ስእነት ወፍሪን ተዳኺሙ ከም ዘሎ ይግለጽ። ፕረዚደንት እታ ሃገር'ውን ብቐጻሊ "ናይ ዕንጋሎ" ክብል'ዩ ዝገልጾ።

ኣብ ጽላት ዕደና ክካየድ ዝጸንሐ ወፍሪ'ውን ዛጊት ነቲ ህዝቢ ዝበሃጎ ቍጠባዊ ለውጢ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

እቲ ዝርካቡ ናይ ወፍርን ንግድን ዕድላት ኤርትራ በቲ ብሓጎስ ገብረሂወት ዝምራሕ ቍጠባዊ ክንፊ ህግደፍ ዝዕብለል ምዃኑ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ዘማርርሉ እዩ።

ፕረዚደንት ዝርከቦም ሰበስልጣን ኤርትራ ምስ ሩስያ፡ ኢጣልያ፡ ቻይናን ዝበላ ሃገራት ዝገብርዎ ምርድዳኣትን ቁጠባዊ ስምምዓትን ዳርጋ ካብ ዘረባን ጽሑፍን ዘይሓልፍ ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ።

"ፈጣሪ እንተ ፈቒድዎ፡ ኣብ ዝመጽእ ወፍሪታት ግብጺ ናብ ዕዳጋ ኤርትራ ምስ ኣተወ ጭቡጥ ውጽኢት ክርከቦ" ተስፋ ከምዘለዎ ግን እቲ ግብጻዊ ሚኒስተር ኣሚቱ ኣሎ።