እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዛዕባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸፍተ ዓቢ ዋዕላ ህዝባዊ ጥዕና ኣፍሪቃ እንታይ ንፈልጥ?
ካብ 114 ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 30,000 ተሳተፍቲ ዝተረኽብሉ መበል ሓሙሽተ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ህዝባዊ ጥዕና ኣፍሪቃ (CPHIA)፡ ሎሚ ሰኑይ 23 ሕዳር 2026 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብወግዒ ተኸፊቱ።
እዚ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝጸንሕ ዋዕላ፡ ኣብ ታሪኽ እቲ ጉባኤ ዝዓበየ ተሳትፎ ዝተመዝገበሉ ኰይኑ ኣሎ።
እቲ ብማእከል ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ (ኣፍሪካ ሲዲሲ) ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓባር ዘተዳለወ ዋዕላ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ 'ኣዲስ ኢንተርናሽናል ኮንቬንሽን ሰንተር' እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ናይ ሎሚ ዓመት ዋዕላ፡ "ድሕነትን ልዑላውነትን ጥዕና ኣፍሪቃ፡ ካብ ጽግዕተኛነትን ተቓላዕነትን ናብ ዋናነትን ተጻዋርነትን ምስግጋር፡" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣፍሪቃ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘለዋ ጽግዕተኛነት ኣወጊዳ፡ ኣብ ናታ መሪሕነት ዝተሰረተን ውሑስን ስርዓተ-ጥዕና ንኽትሃንጽ ዝዓለመ ስጕምቲ እዩ።
ኣብዚ ላዕለዎት መራሕቲ ዝተረኽብሉ ጉባኤ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ዓብይ ኣሕመድ፡ ናይዚ እዋን ኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ቡሩንዲ ኤቫሪስት ንዳዪሺምየ፡ ፕረዚደንት ታንዛንያ ሳምያ ሱሉሁ፡ ኣቦ-መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍን ዋና ዳይረክተር ኣፍሪካ ሲዲሲ ዣን ካሰያን መደረ ከስምዑ እዮም።
ብተወሳኺ፡ ልዕሊ 58 ምኒስተራት ጥዕና ኣፍሪቃ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ውድብ ጥዕና ዓለምን ዓለምለኻውያን ትካላትን እውን ኣብዚ ዋዕላ ተረኺቦም ኣለዉ።
እዚ ዋዕላ ብዝቐርቡ ስነፍልጠታዊ ምርምራት፡ ብዝካየዱ ጐድናዊ መደባትን ብዓለምለኻዊ ተሳትፎኡን ክብረ-ወሰን ዝሰበረ እዩ።
ኣብቲ መድረኽ ልዕሊ 660 ሰባት መደረታቶም ከቕርቡ እንከለዉ፡ ተሳተፍቲ ድማ ኣብ ዘዝመረጽዎም 189 ዘተታት ክካፈሉ እዮም።
ናይ ሎሚ ዓመት ኣኼባ፡ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ዝለዓለ ክብረ-ወሰን ሒዙ ዝነበረ ናይ 2023 ዋዕላ ሉሳካ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብመዳይ ውጽኢት ምርምርን ምድላው መደባትን ዳርጋ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ ይርከብ።
ካብ ሃገራት ኣፍሪቃን ካልኦት ክፍላተ-ዓለምን ዝተዋጽኡ ብኣሽሓት ዝቘጸሩ ሓንጸጽቲ ፖሊሲ፡ ተመራመርትን ወከልቲ ዓለምለኻውያን ትካላትን ብኣካልን ብመርበብ ሓበሬታን ይሳተፉ ኣለዉ።
ብተወሳኺ፡ ልዕሊ 125 ኣፍረይቲ ክታበታት፡ ትካላት ኪነታዊ-ብልሕ (AI)፡ ወከልቲ ብሕታውያን ዋኒናትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን፡ ኣስታት 4,000 መንእሰያት ሰብ-ሞያን 200 መራሕቲ ደቂ ኣንስትዮን ኣብቲ መድረኽ ይካፈሉ ኣለዉ።
ዋዕላ ህዝባዊ ጥዕና ኣፍሪቃ ንፈለማ ግዜ ኣብ 2021 ኣብ እዋን ለቨዳ ኮቪድ-19 ክካየድ እንከሎ፡ ምሉእ ብምሉእ ብመርበብ ሓበሬታ ኰይኑ 12,000 ሰባት ጥራይ እዮም ተኸታቲሎሞ ነይሮም።
እቲ ዋዕላ ኣብ ተኸታተልቲ ዓመታት እናዓበየ ዝኸደ ኰይኑ፡ ኣብ 2022 ኣብ ኪጋሊ ሩዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ መበል ካልኣይ ጉባኤኡ ብኣካልን ብመርበብ ሓበሬታን ልዕሊ 14,000 ሰባት ተሳቲፎም።
ስዒቡ ኣብ 2023 ኣብ ሉሳካ ዛምብያ ኣብ ዝተዳለወ መበል ሳልሳይ ዋዕላ፡ ልዕሊ 5,100 ብኣካል ዝተረኽብዎም ብድምር ልዕሊ 35,000 ተሳተፍቲ ብምስታፍ ናይቲ እዋን ክብረ-ወሰን ኣመዝጊቡ ነይሩ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ደርባን ኣብ ዝተኻየደ መበል ራብዓይ ዋዕላ ድማ ኣስታት 17,000 ሰባት ተኻፊሎም እዮም።
ሕጂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ መበል ሓሙሽተ ጉባኤ ግን፡ ብመዳይ ተሳትፎ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣፍሪቃ ኣብ መዳይ ክታበታት፡ ቴክኖሎጅን ስርዓተ-ጥዕናን ርእሳ እትኽእለሉ ሓባራዊ ስትራተጂ እትሕንጽጸሉ ታሪኻዊ መድረኽ ኰይኑ ይግለጽ ኣሎ።