እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዕድመ ሓንጎልና ንምፍላጥ ዝሕግዝ ቀሊል ናይ ሓደ ደቂቕ ንጥፈት
ተመራመርቲ ብዛዕባ እርጋን ሓንጎል ዝተሓሓዝ ኣዝዩ ኣገራሚ ሓበሬታት ፈሊጦም ኣለዉ፡ ሕጂ ንስኹም ኣንበብቲ'ውን ክትፈልጥዎ ናባኹም ክነብሎ።
ክገርመና ይኽእል'ዩ፡ ብውሕዱ ናብ ስለ ተፈጥሮ ክንመጽእ እንከለና፡ ግዜ ንኹሉ ማዕረ ኣይዀነን።
ገለ ሰባት ቀልጢፎም'ዮን ዝኣርጉ፡ ገለ ከኣ ሱሳታት ረጊጾም ክንዲ ደቂ ዕስራ ዝመስሉ ማእላያ የብሎመን።
እዚ ከኣ ክልተ ኣብ ሓደ ቦታ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተወለዱ ማዕረ ዕድመ ድኣ ይሃለዎም'ምበር እቲ ደጊኦምን ዝቆጽሮ ግዜ ኣብ ውሽጦም ዘለዉ ውሃዮታት ዝቆጽሮ ግዜን ማዕረ ክኸውን ኣይክእልን'ዩ።
ተመራመርቲ ድማ ነዚ ዘይምምዕርራይ እዚ'ዮም ዳህሲሶም ክፈልጥዎ ክኢሎም ዘለዉ።
"ብሓፈሻ፡ ዕድመ ብኽልተ መንገዲ ክርአ ይከኣል፡ እዚ ድማ ብመሰረት ዘመናዊ ዕድመ (Chronological Age) ከምኡ'ውን ብመሰረት ስነ-ህይወታዊ ዕድመ (Biological Age) እዩ" ይብል ፕሮፌሰር ዴቪድ ሻርፕ፡ ካብ ኢምፔርያልኮለጅ ለንደን ።
እዚ ምሁር ብምስዓብ "ገሊኦም ሰባት ምስ ናይ ብሓቂ ዕድሚኦም ክነጻጸር ኣዝዮም ንኣሽቱ ይመስሉ፡ ገሊኦም ድማ ካብ ናይ ብሓቂ ዕድሚኦም ንላዕሊ ዝዓበዩ ወይ ዝኣረጉ'ዮም ይዝመስሉ፡"ይብል።
ተመራመርቲ ቀደም ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ምሉእ ሰብነት ወይ ኣካል ምርምር ብምግባር'ዮም ክርድእዎ ዝፍትኑ ነይሮም። ሕጂ ግን፡ ንመስርሕ እርጋን ብዝያዳ ንምርዳእ ኣበይ ክምርምሩ ከምዘለዎም ፈሊጦም'ዮም።
"ኣብዚ ዓውዲ እዚ ዘሎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዕባለ፡ ካብ ምሉእ ሰብነት ሰብ ምርኣይ ሓሊፍና፡ ነፍሲ ወከፍ ኣካል ሰብነት ብበይኑ ክንመርምር ምኽኣልና እዩ" ይብል ሻርፕ።
"ስለዚ፡ ዕድመ ልቢ፡ ዕድመ ጸላም ከብዲ ከምኡ'ውን ዕድመ ሓንጎል ክህሉ ይኽእል። እዚኦም ድማ ንሰብ ሕማማት ልቢ፡ ጸላም-ጸላም ወይ ሓንጎል ናይ ምምዕባል ተኽእሎኡ ክጸልዉ ይኽእሉ'ዮም።"
ተመራመርቲ ኣብዚ እዋን እዚ ባዮሎጂያዊ ዕድመኦም ናይ ደቂ ሰባት ብልክዕ ክልከዓሉ ዝክእል እቲ ቀንዲ ማእከል ቁጽጽር ኣካላትና ዝዀነ ሓንጎል ምዃኑ'ዮም ዝሕብሩ።
ንኣብነት፡ ኣብ 45,000 ሰባት ዝተኻየደ ሓደ ናይ ቀረባ ግዜ መጽናዕቲ፡ ባዮሎጂያዊ ዕድመ ሓንጎሎም ዝዓበየ ዝኾነ ሰባት (ማለት፡ ሓንጎሎም ምስ ንቡር ዕድሚኦም ብምንጽጻር ዝኣረገ ሰባት] ኣብ ውሽጢ 15 ዓመታት ብዝኾነ ምኽንያት ናይ ሞት ሓደጋኦም ብ182 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።
እቲ ኣብ መጽሔት 'ነቸር መድሲን' -Nature Medicine- ዝተሓትመ ምርምር፡ ባዮሎጂያዊ ዕድመ ሓንጎል ንምግምጋም፡ ኣብ ደም ዝርከቡ ፕሮቲናት ባህርያቶም ምርዳእ ዘኽእል መስርሕ'ዩ ተጠቒሙ።
ግን ካልኦት ኣገባባት'ውን ኣለዉ። ከም ሻርፕ ዝኣመሰሉ ተመራመርቲ ድማ፡ ዕድመ ሓንጎል ንምግማት ናይ ስነ-መርመራ ምስሊ ቴክኒካት (Neuroimaging techniques)፡ እንተላይ ኤምኣርኣይ ይጥቀሙ ኣለዉ። በዚ መንገዲ እዚ ኣብ ውሽጢ ርእስና ዘሎ ሓንጎልና ክንደይ ዓመት ከም ዝዓረገ ይግምቱ።
"ንሓንጎል ሰብ ስካን (Scan) ብምግባር፡ እናዓበየ ክኸይድ ከሎ ኣቃውማኡን ዓቐኑን ብኸመይ ከም ዝቕየር ክትርኢ ትኽእል ኢኻ" ይብል ሻርፕ። "ብተለምዶ፡ ሰብ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ሓንጎሉ ብመጠኑ ይጎድል። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሓንጎል ንኣሽቱ ባዶ ቦታታት ከምዝፍጠሩ ይገብር።"
ሻርፕ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ዕድመ ሓንጎል ካብ ዕድመ ሰብ ንላዕሊ እንተኣሪጉ፡ ሰባት ብኢዶም ንሓደ ነገር ጨቦጦም ክሕዙ ይሽገሩ፡ ዓቕሚ ሳንብኦም ይደክም፡ ክስጉሙ እንከለዉ ፍጥነቶም ዝሑል ይኸውን፡ ንነገራት ናይ ምርዳእ ዓቕሞም ይዝሕትል፡ ከምኡ ከኣ ቀልጢፎም ናይ ምማት ዕድሎም ይዛይድ።
ስለዚ ዕድመ ሓንጎልና ምፍላጥ ክሳብ ክንድዚ ኣገዳሲ ካብ ዀነ፡ ዕድመ ሓንጎልና ንምፍለጥ ዘኽእለና ኤምኣርኣይ ከኣ ከም ኣቑሑ ናይ ገዛ ብቀሊሉ ከነጥርዪ ዘይንኽእል ካብ ኮንና ብስነ ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ዝተደገፉ፡ ሓንጎልካ ብሓቂ ክንደይ ዕድመ ከምዘለዎ ንምግምጋም ዝሕግዙ ዘክእሉ ሒደት መንገድታት ስለዘዉ ንዕኦም ዘይንፈልጦም።
ፍጥነት ኣካይዳኻ ዓቕኖ
ክንንቀሳቐስ እንከለና ኣካለዊ ምንቅስቓስ ጥራይ ንገብር ዘለና ክመስለና ይኽእል'ዬኡ፡ እንተዀነ ምንቅስቃስ ምስ ጥዕና ሓንጎልና ቀጥታዊ ምትእስሳር ከምዘለዎ'ዮም ተመራመርቲ ዝሕብሩ።
ኣብ ኒውዝላንድ ኣብ ሓደ ሽሕ ሰባት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ደቂ ሰባት ኣብ 45 ዕድሚኡም ኣብ ሰዓት ክንደይ ሜትሮ ክኸዱ ከምዝኽእሉ ምፍላጥ ኣብ ሞንጎ ንቡር ዕድሚኦምን ዕድመ ሓንጎሎምን ዘሎ ፍልልይ ይኹን ምምስሳል ንምርዳእ ኣዝዩ ሓጋዚ ምዃኑ ዘርኢ ውጽኢት'ዩ ተረኺብዎ።
ነቲ መጽናዕቲ ብመሪሕነ ዘካደት ዶክተር ሊን ሩስመሰን ሓንጎልካ ክሳብ ማዕረ ዕድሜካ ድዩ ዋላ ልዕሊ ዕድሜካ ይኣርግ ኣሎ ንፍምፍላጥ 'ናይ ስግሪ ጉዕዞ ብምግባር ጥራይ' ክፍለጥ ከምዝኽእል'ያ ትሕብር።
"እንተኾነ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ኣካላትና'ዩ ዝምርዀስ፡ ንኩሎም ምውህሃድ ጥራይ'ዩ ዘድልየና፡ ከም ጭዋዳ፡ ናይ ምርኣይ ዓቕምና፡ ስርዓት ምስትንፋስ፡ ንትፈታት ሓንጎልናን ካልእን፡ በዚ ከኣ ሓንልና ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዘሎ ክንፈልጥ ንኽእል ኢና" ትብል።
እቶም ውሑድ ጥራይ ናይ ምንቅስቓስ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ብኤምኣርኣይ ሓንጎሎም ክንበብ እንከሎ ዝነኣሰ ዓቐን ሓንጎልን ረቂቕ ቀጸላ ሓንጎልን ከምዘለዎም ዶክተር ሊንን ብጾታን ይሕብሩ።
እቶም ብዙሕ ዘይንቀሳቐሱ ብሓፈሻ ዉሑድ ናይ ምዝካር ዓቕሚ ትሕቲ 16 ኣይኪውን [IQ] ከምዘለዎም'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ፍጥነት ኣካይዳና ብተወሳኺ ክንደይ ዝኸውን ዕድመ ናይ ምንባር ዕድል ከምዘለና'ውን ምልክታት ይህብ'ዩ።
ካልእ ኣብ ዩኒቨርስቲ ፒተርስበርግ ዝተገበረ መጽናዕቲ ድማ ደቂ 75 ዓመት ኮይኖም ውሑድ ፍጥነት ኣካይዳ ዘለዎም ብሕጂ 10 ዓመት ናይ ምጽናሕ ዕድሎም 19 ሚእታዊት ጥራይ'ዩ።
እቶም ተመሳሳሊ ዕድመ ዘለዎም ግን ድማ ብፍጥነት ብእግሮም ክጉዓዙ ዝኽእሉ ብሕጂ 10 ዓመት ናይ ምጽናሕ ዕድሎም ድማ 87 ሚኢታዊት'ዩ።
ኣብ 75 ዓመት ዕድሚኤን ደቂ ኣንስትዮ ድማ እተን ዝሑል ኣካይዳ ዘለወን ብሕጂ 10 ዓመት ናይ ምጽናሕ ተኽእሎአን 10 ምኢታዊት ክኸውን እንከሎ እተን ፍጡን ኣካይዳ ዘለወን ብሕጂ 10 ዓመት ናይ ምጽናሕ ዕድለን 91 ምኢታዊት ምዃኑ ዶክተር ሊንን ብጾታት ዝገበርዎ መጽናዕቲ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።
ስለዚ ኣብ ጾታ ዝተመርኰነ እዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ፍጥነት ክትሃርሙ እንተኽኢልኩም ንቡር ዕድሜኹምን ዕድመ ሓንጎልኩምን ማዕረ ምህላዉ ከተረጋግጹ ትኽእሉ ኢኹም።
ደቂ ኣንስትዮ
- ዕድመ 40–49: 1.39 ሜትሮ ኣብ ካልኢት (ኣስታት 5.0 ኪሎሜተር ኣብ ስዓት)
- ዕድመ 50–59: 1.31 ሜትሮ ኣብ ካልኢት (ኣስታት 4.7 ኪሎሜተር ኣብ ስዓት)
- ዕድመ 60–69: 1.24 ሜትሮ ኣብ ካልኢት (ኣስታት 4.5 ኪሎሜተር ኣብ ስዓት)
- ዕድመ 70–79: 1.13 ሜትሮ ኣብ ካልኢት (ኣስታት 4.1 ኪሎሜተር ኣብ ስዓት)
- ዕድመ 80–89: 0.94 ሜትሮ ኣብ ካልኢት (ኣስታት 3.4 ኪሎሜተር ኣብ ስዓት)
ደቂ ተባዕትዮ
- ዕድመ 40–49: 1.43 ሜትሮ ኣብ ካልኢት (ኣስታት 5.1 ኪሎሜተር ኣብ ስዓት)
- ዕድመ 50–59: 1.43 ሜትሮ ኣብ ካልኢት (ኣስታት 5.1 ኪሎሜተር ኣብ ስዓት)
- ዕድመ 60–69: 1.34 ሜትሮ ኣብ ካልኢት (ኣስታት 4.8 ኪሎሜተር ኣብ ስዓት)
- ዕድመ 70–79: 1.26 ሜትሮ ኣብ ካልኢት (ኣስታት 4.5 ኪሎሜተር ኣብ ስዓት)
- ዕድመ 80–89: 0.97 ሜትሮ ኣብ ካልኢት (ኣስታት 3.5 ኪሎሜተር ኣብ ስዓት)
እንተዀነ ንፍጥነት ምረሻና ዝጸልዎ ሓንጎልና ጥራይ ኣይዀነን።
ዶክተር ሊን "ሰባት ዕድመ ሓንጎሎም ንኽፈልጡ ኪኖ እዚ ሰጊሮም፡ ተወሳኺ መርመራታት ክገብሩ ኣለዎም" ብምባል ሞያዊ ምኽራ ትልግስ።