ኣመሪካን ኢራንን ዘተ ደው ኣብ ዘበላሉ ዳግማይ ሓዲሽ መጥቃዕትታት ጀሚረን

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ናይ "ርእሰ ምክለኻል" መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን መራኽብን ብኢራን ዝተተኰሰ ባላስቲክ ሚሳይልን ድሮናትን ከምዘበርዓነ ሓቢሩ።

ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ እትርከብ ደሴት ቐሽም ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ "ግብረ መልሲ ናይቲ ኢራን ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ" ምዃኑ ሓቢሩ።

ኢራን ብወገና ሕነ ንምፍዳይ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ተጠቒማ "ኣብቲ ዞባ" ንዝርከቡ ወተሃደራዊ መደበራት ኣመሪካን ሄሊኮፕተራትን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ገሊጻ።

ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ ኢራን ክልተ ሚሳይላት ናብ ኩዌት፡ ሰለስተ ሚሳይላት ከኣ ናብ ባሕረይን ከምዝተኰሰት ብምሕባር ኩሉ እቲ ሚሳይላት ኣብ ዕላማኡ ከይበጽሐ ብጸረ ሚሳይል ከምዝበርዓነ ሓቢሩ።

እዚ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ነቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ንምቁራጽ ዝዓለመ ስምምዕ ዝምልከት ዝርርብ ክቕጽል ድሕሪ ዘይምኽኣሉ'ዩ ዝፍጸም ዘሎ።

እቲ ተኵሲ ብቐዋምነት ደው ንምባል ተበጺሑ ዝነበረ ስምምዕ'ውን ክጠሓስ ጀሚሩ ኣሎ።

ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ እቲ ኣብ ደሴት ቐሽም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ንወተሃደራዊ መአዘዚ ነቍጣ ሰራዊት ኢራን ዝዓለም ከምዝዀነ ብምሕባር፡ ብተወሳኺ ሰራዊት ኣመሪካ ሰለስተ ናብ ሲቪላውያን መራኽብ ብኢራን ዝተወንጨፋ ድሮናት ከምዘውደቐ'ውን ሓቢሩ።

እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ብወገኑ "ሰራዊት ኣመሪካ ንጸጥታ መጻብቦ ሆርሙዝ ንምዝራግ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ከቢድ ዋጋ ከኽፍሎ'ዩ" ኢሉ።

ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ ኢራን 'ሓያለ' ባላስቲክ ሚሳይላት ናብ ሃገራት እቲ ዞባ ከምዝተኰሰት'ዩ ዝገልጽ።

"ኢራን ክልተ ሚሳይላት ናብ ኬዌት ተኵሳ ኣብ ሰብ ሰማይ እንከሎ በርዒኑ፡ ናብ ብሕረይን ዝተኰሰቶ ሰለስተ ሚሳይላት ከኣ ብስርዓተ ምክልኻል ኣመሪካን ባሕረይንን ተሃሪሙ" ኢሉ።

ኢራን ኣብተን ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ዘለወን ባሕረይንን ኩዌትን ብተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ክትፍጽም ጸኒሓ'ያ።

ኣቐድም ኣቢሉ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ ከም ኣካል ናይቲ ብ13 ሚያዝያ ዝጀመረ ናይ ሓይሊ ባሕሪ እገዳ ዋሽንግተን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ናብ ኢራን ገጻ ትጓዓዝ ዝነበረት ነዳዲ ትጽዕን መርከብ ከምዝሃረመ ገሊጹ ነይሩ'ዩ።

ማእከላይ እዚ ኣመሪካ እታ ባንዴራ ቦትስዋና ዝነበራ መርከብ፡ ኣባላት እታ መርከብ ተደጋጋሚ ዝተውሃቦም ናይ ደው በሉ መጠንቀቕታ ከተግብሩ ስለዘይከኣሉ ነፋሪት ውግእ ንመቶረ እታ መርከብ ብሚሳይል ከምዝሃረመታ'ዩ ዝሕብር። እታ መርከብ እናተሃርመት እንከላ ዘርኢ ኣሳእል'ውን ብሰሉስ ዘርጊሑ።

እዚ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓድሕድ ምውንጃልን ምጥቅቓዕን፡ ዶናልድ ትራምፕ ነቶም ኣብ ኢራን ብዝተኸተሎ ኣገባብ ዝነቕፍ "ኮፍ ኢልኩም ተረጋግኡ" ብምባል " ኢራን ክተሰማማዕ ትደሊ ኣላ፡ እዚ ኸኣ ንኣመሪካ ጽቡቕ ነገር'ዩ" ድሕሪ ምባሉ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ።

ማዕከናት ዜና ኣመሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ምስ ኢራን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተኰሱ ኣመልኪቱ ምስ ላዕለዎት ተሓጋገዝቱ ድሕሪ ዝገበሮ ዘተ፡ እቲ ስምምዕ ዳግማይ ክረአን ክዕረን ምሕታቱ ከቓልሓ ቀንየን'የን።

እቲ ክዕረ ኣለዎ ዝበሎ ነጥብታት ከኣ ምስ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝተሓሓዝ፡ ብዛዕባ ምእላይ ኢራን ኣማዕቢላቶ ዘላ ዩራንየምን ከምኡ ከኣ ብዛዕባ ንዩክለራዊ መደባት ኢራን ዳግማይ ንምዝታይ ዘክእል መደባት ምሕንጻጽ ዝብል ይርከቦ።

ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኢስማዒል ባጋይ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ኣመሪካ ተቕርቦ ዘላ ሓሳባት ኣብ እዋን ዘተ ፈጺሙ ከምዘይነበረ ብምግላጽ፡ ዋሺንግተን "ብተደጋጋሚ ሓዲሽ ሓሳባት ብምምጻእ ጠለባት ተብዝሕ" ኣላ ብምባል ነቒፍዋ።

ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣብዚ ዳሕረዋይ ዘውጽኦ መግለጺ ሰራዊት ኣመሪካ "ኣብ ልዕሊ እታ ናይ ቦትስዋና ባንዴራ ዝነበራን ናብ ደሴት ካርግ ገጻ ትጉዓዝ ዝነበረትን መርከብ ናይ ምኽልካል ስጉምቲ'ዩ ወሲዱ" ኢሉ።

ብምስዓብ "ኣባላት እታ መርከብ ብሰራዊት ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ን24 ሰዓታት ዝውሃቦም ዝነበረ መምርሒ ከተግብርዎ" ከምዘይክኣሉ ኣብሪሁ።

ኣመሪካ ንገማግም ኢራን ዝዀነ መራኽብ ከይጽገዐኦ እገዳ ካብ እተንብር ብድምር ሸዱሽተ ናይ ንግዲ መራኽብ ክትሃርም እንከላ ካልእ 122 መራኽብ ከኣ ኣንፈተን ከምዝቕይራ ገይራ ምህላዋ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ቢቢሲ ርእይቶ ንምርካብ ንመንግስቲ ቦትስዋና ሕቶ ኣቕሪቡ ኣሎ።

እዚ ዳሕረዋይ ምጥቅቓዕ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት ንፈለማ እዋን ኣብ ቅድሚ ኮንግረስ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን'ዩ።

እቲ ላዕለዋይ ዲፕሎማት፡ ተደራደርቲ ኣመሪካ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ንምኽፋት ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ንኽልዓል ከም መዛተዪ ከምዘየቕረብዎ ገሊጹ።

"ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኩሉ ምስኦም ዝተዘተየሉ ነገር እንተሃልዩ፡ ... እቲ እገዳ ክልዓል እንተኰይኑ ኣብ ቅድመ ኩነት ዝምርኮስ'ዩ፡ እዚ ድማ እቲ እገዳ ንክጸንዕ ምኽንያት ዝዀነ'ዩ ደው ክብል ዘለዎ፡ ንሱ ከኣ እቲ ንዩክለራዊ መደባቶም'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ኣባላት ኮንግረስ "እቲ ኵናት ንኽውዳእ ኣመሪካ እንታይ ስትራተጂ'ያ ትኽእተል ዘላ?" ዝብል ሕቶ ምስ ቐረበሉ "እቲ ኵናት ተወዲኡ'ዩ" ዝብል ሓጺር መልሲ'ዩ ሂቡ።