ኢራን: 20 ወተሃደራዊ ማእከላት ኣመሪካ ከም ዘዕነወት ሓድሽ መርመራ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኢራን፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ን20 ወተሃደራዊ ቦታታት ኣመሪካ ከም ዘዕነወት፣ ብቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተንተኖ ምስልታት ሳተላይትን ቪድዮታትን የመልክት።

እቲ ምጽራይ፡ ካብ ኢራን ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ካብቲ ዝተገመተ ንላዕሊ ዝዓሞቐ ምዃኑ ይሕብር።

ኢራን ካብ መወዳእታ ለካቲት ጀሚራ ኣብ መላእ ሸሞንተ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ ወሰንቲ መሳለጥያታት ዒላማ ብምግባር ኣብ ምዕቡል ስርዓታት ምክልኻል ኣየር፡ ነዳዲ ምምላእ ነፈርትን ራዳርን ብሚልዮናት ዝግመት ጕድኣት ኣውሪዳ።

ቴህራን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ መላእ ኢራንን ሊባኖስን ዘካየድኦ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ እያ ንመደበራት ኣመሪካን ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ትካላትን ዒላማ ገይራ።

ፔንታጎን ብወገና ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ኣብ ኢራን ልዕሊ 13,000 ዒላማታት ከም ዝወቕዐ ገሊጹ።

ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ሞጅታባ ኻመኒ፡ ሰራዊቱ ኣብ መሳለጥያታት ኣመሪካ ኣብ ምውቃዕ ዘመዝገቦ ዓወት ከጕልሕ ፈቲኑ።

ንሱ፡ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ማእከላይ ምብራቕ ድሕሪ ሕጂ ንመደበራት ኣመሪካ "ውሑስ ቦታ" ከም ዘይኰነ ኣረዲኡ።

ዋይት ሃውስ፡ ብተደጋጋሚ ወተሃደራዊ መሳለጥያ ኢራን ዳርጋ ተደምሲሱ ክብል እንከሎ፡ ኣብ መሳለጥያታት ኣመሪካ ዝተራእየ ጕድኣት ግን፡ ጸረ መጥቃዕቲ ቴህራን ካብቲ ኣቐዲሙ ሰበስልጣን ኣመሪካ ዝኣመንሉ ንላዕሊ ዓሚቝ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።

ሓደ ብዓል ስልጣን ምክልኻል ኣመሪካ፡ ብዛዕባ ውጽኢት ቢቢሲ ቨሪፋይ ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን።

ኣመሪካ፡ ንዓቢ ትካል-ሳተላይት ፕላኔት፡ ምስልታት ኢራንን መብዛሕትኡ ክፋል ማእከላይ ምብራቕን "ንዘይተወሰነ እዋን" ገደብ ክገብር ብምሕታት፡ ትንተና ሳተላይት ናይቲ ግጭት ክትድርት ፈቲና ኣላ።

እቲ ኩባንያ፡ ምስልታቱ "ኣንጻር ኔቶን መሻርኽቱን ዒላማ ንምግባር" ከም ዘይጥቀምሉ ከረጋግጽ ከም ዝደሊ ጥራይ ኣፍሊጡ።

ቢቢሲ ቨሪፋይ፡ ካብ ካልኦት ዓለምለኻውያን ትካላት ሳተላይትን፡ ምስ ናይ ቀደም ምስልታት ፕላኔት ብምውህሃድ፡ መጥቃዕቲ ኢራን ዘስዓቦ ጉድኣት ንምክትታል ተጠቒሙ።

እቶም ግዳይ ዝዀኑ መሳለጥያታት ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ (ኢማራት ዓረብ)፡ ቀጠር፡ ኩዌት፡ ዒራቕ፡ ዮርዳኖስ፡ ባሕሬንን ዖማንን እዮም።

እቲ ጭቡጥ ኣሃዝ ካብዚ ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ገለ ተንተንቲ ብዝሒ ናይተን ዝተሃርማ መደበራት ክሳዕ 28 የብጽሐኦ።

ካብቶም ዝዓነዉ፡ ክቡራት ሃርድዌር፡ ኣብ ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝርከብ መደበራት ኣየር ኣል ሩዋይን ኣል ሳደርን ከምኡ'ውን ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣየር ሙዋፋቕ ሳልቲ ዝርከቡ ሰለስተ ደረጅኦም ዝሓለዉ ስርዓታት ጸረ-ባሊስቲክ ሚሳይል ባትሪ ይርከብዎም።

እቶም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ መደበራት ዝተዋፈሩን ንምፍራዮም ኣስታት 1 ቢልዮን ዶላር ዝውድኡን ሸሞንተ- ባትሪታት ምክልኻል ልዑል ቍመት ከባቢ (THAAD) ኣመሪካ ጥራይ እያ ትውንኖም።

ነፍሲወከፍ ባትሪ ንምልዓሉ፡ ኣስታት 100 ወተሃደራት ከድልዮ እንከሎ፡ እተን ዝትኵሳ ኣበርዓንቲ (ኢንተርሰፕተራት) ድማ ንሓደ ዙርያ ጥይት ጥራይ ኣስታት 12.7 ሚልዮን ዶላር ይውድእ።

ሓላፊ ሓይልታት ምክልኻል ኣየርላንድ ነበር፡ ምክትል ኣድሚራል ማርክ ሜሌት፡ ንቢቢሲ ቨሪፋይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ባትሪታት፡ "ብቕልጡፍ ወይ ብቐሊሉ ክትክኡ" ዘይክእሉ፡ "ኣዝዮም ዝተሓላለኹ" ዞባዊ መርበብ ምክልኻል ምዃኖም ገሊጹ።

ኢራን፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርከብ መደበር ኣየር ልኡል ሱልጣን ንዝርከባ ነዳዲ ዝመልኣን ዝከታተላን ነፈርቲ ኣመሪካ እውን ከም ዘዕነወተን ክኢላታት ትንተና ሳተላይት ምስልታት የመልክቱ።

ካብቲ ካበቢ ሰፊሕ ዕግታ ትኪ ክወጽእን ስብርባር እቶም ኣጽዋራትን ዘርእዩ ምስልታት ተረኺቦም ኣለዉ።

ሓንቲ ካብኣተን ዝዓነዋ ነፈርቲ፡ ብተንታኒ ማያር E-3 Sentry ናይ ምክትታል ነፋሪት ምዃና ተረጋጊጹ። ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ንምትካኣ ክሳብ 700 ሚልዮን ዶላር ክውድእ ከም ዝኽእል ሓቢረን።

ኣብ ካልእ ቦታታት'ውን መጥቃዕቲ ኢራን ሰፊሕ ዕንወት ሃሰያ ከም ዘብጽሐ እዩ ዘርኢ።

ኣብ ኩዌት ዝርከብ መዓስከር ኣየር ዓሊ ኣል ሳለምን ካምፕ ኣሪፍጃንን ዒላማ ገይሩ'ሎ።

ተንተንቲ ማያር፡ ኣብ መስርሕ እቲ ግጭት ብተደጋጋሚ ዝተሃርመ መደበር ብሳተላይት ዝተሳእሉ ስእልታት፡ ዝዓነዉ መኽዘን ነዳዲ፡ ወተሃደራዊ ነፈርቲን መንበሪ ሰራዊትን ኣለልዮም።

ከምኡ'ውን ኣብ ካምፕ ኣሪፍጃን፡ ናይ ምክልኻል ስለያ ኩባንያ ጄንስ ኣብ ልዕሊ ሳተላይት መራኸቢታት ሃርድዌር ሰፊሕ ጉድኣት ኣለልዩ።

ኣብ መሳለጥያታት ኣመሪካ ዝወረደ ዕንወት ብቍጽሪ ንምግላጹ ኣጸጋሚ እኳ እንተዀነ፡ ብፔንታጎን ዝተገብረ ናይ ግንቦት ግምት ግን፡ ጠቕላላ ወጻኢታት እቲ ወፍሪ፡ 29 ቢልዮን ዶላር ከም ዝዀነ ይሕብር።

መብዛሕትኡ ካብዚ ድማ ኣብቲ ግጭት "ንመሳርሒታት ንምጽጋን ወይ ንምትካእ ዝወጽእ ወጻኢታት" ክውዕል ተኽእሎ ኣሎ።

ሰልፊ ደሞክራትስ፡ እዚ መጠን ኣትሒትካን ኣነኣኢስካን ምርኣይ ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረቡ።

እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ካብ ለካቲት ጀሚሩ ብውሕዱ 42 ነፈርቲ - ኤፍ-15ን ኤፍ-35ን ነፈርቲ ውግእ፡ 24 ኤምኪው-9 ሪፐር ድሮናትን ኤ-10 መጥቃዕቲ ነፋሪትን ሓዊሱ - ከም ዝዓነዋ ወይ ከም ዝተሃስያ ኣረጋጊጹ።

ምስቲ ሰራዊት ኣመሪካ ዝጥቀመሉ ክቡር ሃርድዌር ብምንጽጻር፡ ኢራን ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝርከባ ዒላማታት ንምጥቃዕ ርካሽን ብቐሊሉ ክትካእ ዝኽእልን ድሮናት ከም ዝተጠቐመት ይንገር።

ንቢቢሲ ቨሪፋይ ዘዘራረቡ ክኢላታት፡ ኣብ መስርሕ እቲ ኲናት፡ ሜላታት ኢራን ካብቲ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከባ ከተማታትን መደበራትን ዒላማ ዝገበረ ዋሕዚ መጥቃዕቲ ሚሳይላት፡ ናብ ዝያዳ ንጹር ዝዀነ ኣንፈት ዘለዎ መጥቃዕቲ ከም ዝተሰጋገረ ገሊጾም።

"መጥቃዕቲ ኢራን ብብዝሒ ንመከላኸሊ ኣየርን ሚሳይላትን ንምስዓር ዝተዳለወ ጃምላዊ ማዕበል፡" ይብል ዶክተር ኬሊ ግሪኮ፡ ተንታኒ ናይቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ስቲምሰን ሴንተር።

"ኢራን፡ ኣብ ውሽጢ መዓልታት እያ ናብ ንኣሽቱ፡ ብዝያዳ ብልክዕ ዕላማ ዝገበሩ ሳልቮታት ተሰጋጊራ። ዝተረፉ ሚሳይላትን ድሮናትን ንፍሉይ ልዑል ዋጋ ዘለዎም ዕላማታት ዓቂባ፡ ዋላ'ውን ዳርጋ ርኡይ ዕንወት ኣብ ዘስዕበሉ ኵነታት ኣጽዋራት ትዕቅብ ነይራ።"

ተንታኒ ትካል ማያር ንቢቢሲ ቨሪፋይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ሜላታት ቴህራን እናማዕበለ ምስ ከደ፡ ነፈርቲ ካብ ርሕቀት ድሮናትን ሚሳይላትን ኢራን ንምውጻእ ብዘይምኽኣሉ ዝተናሰሐ ይመስል፡" ኢሉ።

ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ሞጅታባ ኻመኒ፡ "ሃገራትን መሬታትን እቲ ዞባ ድሕሪ ደጊም ንመዓስከራት ኣመሪካ ከም ዋልታ ኰይኖም ከም ዘየገልግሉ፡" ቃል ኣትዩ።

"ኣመሪካ ድሕሪ ደጊም ኣብቲ ዞባ ንጥፍኣትን ምቛም ወተሃደራዊ መዓስከራትን ውሑስ ቦታ ኣይክህልዋን እዩ፣ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ድማ ካብቲ ናይ ቀደም መርገጺኣ ዝያዳ ክትስሕብ እያ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

እዚ ርእይቶ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝነበረ ተዅሲ ደው ምባል መሊሱ ኣብ ውጥረት ቅድሚ ምእታዉ ሒደት መዓልታት እዩ።

ዶክተር ግሪኮ፡ እቲ ውግእ ኣመሪካን ኢራንን ዳግማይ እንተ ተጀሚሩ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ መደበራት ኣመሪካ ዝበጽሕ ዘሎ ጉድኣት፡ ኣብ መላእ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከብ መሳለጥያታት ተቓላዕቲ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ዝሕብር ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

"እዚ ሕጂ ዘሎ ግጭት፡ ንምክልኻል ኣየር ኣመሪካን መሻርኽትን ብዝለዓለ ደረጃ ኣጽኒቱዎ'ዩ፡" ኢሉ።

"ንመትካእ ቅልጡፍ መንገዲ የሎን፡ እዚ ማለት ዝዀነ ሓድሽ መጥቃዕቲ ኢራን፡ ንምግታእ ኣብ ዘይከኣለሉ ብርኪ ክበጽሕ ይኽዕእል ማለት እዩ።"