እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጋና: ብሞት እቲ ዝነውሐ ሰብኣይ ትሓዝን ዘላ ሃገር
ብሞት ነዊሕ ጋናዊ- ሱሌመና ዓብዱል ሳመድ፡ ኣብ ጋና ብፍላይ ድማ ኣብቲ ብቁመቱ ስሙይ ዝኾነሉ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ብዙሓት ሰባት ሓዘኖም ይገልፁ ኣለዉ።
እቲ ወዲ 33 ዓመት ሱሌመና፡ ኣብታ ካብ ትውልዲ ዓዱ ጋምባጋ 160 ኪሎሜትር ርሒቓ ትርከብ ሰሜናዊት ከተማ ታማሌ፡ ብሰኑይ እዩ ኣብ ሆስፒታል ሞይቱ።
ኣብ እግሩ ዝወፅኦ ቁስሊ ረኽሲ ብምፍጣሩ ኣብቲ ሆፒታል ደቂሱ ሕክምና ክከታተል ፀኒሑ።
ዘመድ ዓብዱል ሳመድ ዝኾነ ሱሌመና ዓብዱል ቁዱስ፡ "ክንደየናይ ለጋስን ሕያዋይን ከም ዝነበረ ኩሉ ሰብ ይፈልጥ እዩ። ካብ ዝመውት ጀሚሩ ብዙሓት ሰባት ብኸመይ ከም ዝሞተ ንምፍላጥን ሓዘኖም ንምግላፅን ናብ ገዛ ይመፅኡ ኣለዉ" ብምባል ንቢቢሲ ገሊፁ።
ሱሌመና ዓብዱል ሳመድ ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት እንከሎ፡ ሳሕቲ ብዘጋጥም ፀገም ጥዕና ጂጋንቲዝም ከም ዝተጠቕዐ ሓኻይም ኣረጋጊፆም ነይሮም።
ጂጋንቲዝም ልዕሊ ዓቐን ንውሓት ብዘስዕብ ሆርሞን ዘጋጥም እዩ።
ዓብዱል ሳመድ ኣብ መወዳእታ 2022 ቁመቱ ብቢቢሲ እንትልካዕ፡ ሸውዓተ ጫማን ኣርባዕተ ኢንችን (223 ሴንቲ ሜትር) ነይሩ።
ቅድሚ ምሟቱ ልዕሊ እቲ ቢቢሲ ዝለከዖ፡ ቁመቱ ወሲኹ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ብዙሓት ኣዉቸ ብዝብል ሳጓኡ እዮም ዝፈልጥዎ። ኣዉቸ ብቋንቋ ሃውሳ 'ንኺድ' ማለት እዩ። ብሰንኪ ማርፋን ሲንድሮም ብዝመፅኡ ፀገማት ጥዕና ንነዊሕ እዋን ተሳቕዩ እዩ።
እዚ ብዘርኢ ዝመሓላለፍ ሕማም፡ መሓውራቱ ኣዝዮም ነዋሕቲ ክኾኑ ደሪኹ።
ናይ ሕክምና ወፃኢታቱ ንምኽፋል ተፀጊሙ ነይሩ። ምስቲ ኣብ ጋምባጋ ዝነውሐ ሰብ ዝበሃል ሱሌመና ተራኺቡ ዝነበረ ሓው ፕረዚደንት ጋና ጆን ማሃማ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ክሕግዞ ጀሚሩ ነይሩ።
እቲ ዕዉት ነጋዳይ ዝኾነ ኢብራሂም ማሃማ፡ ኣብ ሆስፒታል ታማሌ ንዝኽፈል ወፃኢታት ሕክምና ሱለሜና ክሽፍነሉ ቃል ኣትይሉ ነይሩ። ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ'ውን፡ ብዛዕባ እቲ ዝተመደበ ሕክምና ኣመልኪቱ መግለፂ ከም ዝሃበ ይዝከር።
ቁዱስ፡ እቲ ኣብ ኣእጋር ኣዉቸ ዝወፅአ ቁስሊ ብቀጥታ ብማርፋን ሲንድሮም ዝሰዓበ ከም ዘይኮነን፡ እንተኾነ በቲ ሕማም ዝተፈጠረ ተወሳኺ ፀገም ጥዕና ክኸውን ከም ዝኽእልን ንቢቢሲ ገሊፁ።
ዶካትር፡ ሱሌመና ዓብዱል ሳመድ ብዝግበረሉ ክትትል ሕክምና ምምሕያሽ የርእይ ከም ዝነበረ'ኳ እንተገለፁ፡ ብሰኑይ ንጉሆ ኣብቲ ሆስፒታል ሞይቱ።
"ኩሉ ሰብ ሓዚኑ እዩ" ዝብል ቁዱስ፡ ነበርቲ ጋምባጋ ብሃንደበታዊ ሕልፈት ሱሌመና ዓብዱል ሳመድ ከም ዝሰንበዱ ገሊፁ።
ብዝና ኣዉቸ፡ ትውልዲ ዓዱ'ውን ስምይቲ ኰይና እያ።
"ኣብ ዝኾነ ክፋል እታ ሃገር ሰባት እንትሓትዎ ካብ ጋምባጋ ከም ዝኾነ ይዛረብ ነይሩ። ሰባት፡ እዛ ዓዲ እቲ ኣዝዩ ዝነውሐ ሰብ ዝረከበላ ከም ዝኾነት ይፈልጡ ነይሮም። ነቲ ማሕበረሰብ መንነት ሂብዎ እዩ፣ ንሱ'ውን ስሙይ ኰይኑ ነይሩ" ይብል ቁዱስ።
ኣዉቸ፡ ካብ መፈለምታ ኣይኰነን ነዊሕ ነይሩ። ካብ መሓዝቱ ብዝተፈለየ ኣዝዩ ቅልጡፍ ንውሓት ከርእይ ዝጀመረ ወዲ 22 ዓመት እንከሎ እዩ።
ንፈለማ እዋን ለውጥታት ኣካላቱ ከስተብህል ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ጋና ኣክራ ኣብ ዝርከብ ሓደ እንዳ ስጋ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ገሊፁ ነይሩ።
"መልሓሰይ ኣዝዩ ብምዕባዩ ብግቡእ ንምትንፋስ ከቢዱኒ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።
ድሕሪ መዓልታት፡ ሕድሕድ ክፋላት ሰብነቱ መጠኖም ክውስኹ ከም ዝጀመሩ ተገንዚቡ።
ድሕሪ ዝተወሰነ ግዘ ድማ ዶካትር፡ ኣዉቸ እቲ ንመራኸብቲ ህዋሳት ሰብነት ዘጥቅዕ ማርፋን ሲንድሮም ከም ዘለዎ ኣረጋጊፆም።
ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት፡ ቁመቱ ነቲ ዘዋሪ መኪና ናይ ምዃን ሕልሙ ስለ ዘሰናኸሎ፡ ናብ ትውልዲ ዓዱ ጋምባጋ ክምለስ ተገዲዱ።
ማርፋን ሲንድሮም ንማሕበራዊ ህይወቱ ከም ዝገደቦ ዝገለፀ ኣዉቸ፡ "ከም ዝኾነ መንእሰይ ኩዕሶ ይፃወት ነይረ፤ ጥንኩር እየ ነይረ። ሕዚ ግና ሓፂር ርሕቐት'ውን ክጓዓዝ ኣይኽእልን" ኢሉ ነይሩ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት።
ቢቢሲ ብዛዕብኡ መደብ ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን፡ ኣዉቸ እወንታዊ ኣመለኻኽታ ከም ዝነበሮ ይረኣይ ነይሩ፤ ስሙይ ምዃኑ'ውን የሐጉሶ ነይሩ።
ስድርኡ፡ ናብ ትውልዲ ዓዱ ጋምባጋ ልዕሊ ዓቐን ብዙሓት ሓዘንተኛታት ክመፅኡ ከም ዝኽእሉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ስርዓተ ቀብሪ ኣዉቸ ኣብ ታማሌ ክኸውን ከም ዝወሰኑ ገሊፆም።