ስነፍልጠት ሸለል ኢሉዎ ዝጸንሐ ብርቱዕ ደም-ጽግያት፡ 'ተራ ጸገም ጥራይ ኣይኰነን'

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ብርቱዕ ደም-ጽግያት ከቢድ ጸገም ጥዕና እኳ እንተዀነ፡ ንነዊሕ እዋን ግን ከም ተራ ነገር ተወሲዱ ሸለል ክበሃል ጸኒሑ እዩ።

ተመራመርቲ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ እዮም ነቲ ጸገም ዘኸትሉ ሳዕቤናትን ክግበሩ ዝግብኦም ሕክምናዊ ስጕምቲታትን ብዕምቈት ክርድእዎ ዝጅምሩ ዘለዉ።

ሚሸል ኣልስተን፡ ካብ ጓል 12 ዓመት ጀሚራ ብሰንኪ ብርቱዕ ቃንዛን ዋሕዚ ደምን ኣብ ቤት ትምህርቲ ናብ ክፍሊ ሕክምና ክትምላለስ ጸኒሓ እያ።

"እዚ ንቡር ነገር ምዃኑን ክለምዶ ከም ዘሎንን እዩ ተነጊሩኒ ነይሩ፡" ትብል ሚሸል ነቲ ዘጋጠማ ተመኵሮ ክትገልጽ ከላ።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ጸገም ካብ ንቡር ንላዕሊ ምዃኑ ዝተረድኣ ኣብ መበል 40 ዓመታ እዩ።

ሓካይም፡ ጽግያት ካብ መጠን ንላዕሊ ኰይኑ ኣብ ናብራ ደቂ-ኣንስትዮ ጽልዋ ክፈጥር ከሎ፡ "ከቢድ ዋሕዚ ደም-ጽግያት" ኢሎም ይጽውዕዎ።

ኣብ መላእ ዓለም ካብ 10 ክሳብ 30 ሚእታዊት ዝዀና ደቂ-ኣንስትዮ በዚ ጸገም'ዚ ይጥቅዓ። ይዅን እምበር፡ እቲ ጉዳይ ብሰንኪ ሕፍረት ወይ ምስጢር ኰይኑ ምትራፉ፡ እቲ ቍጽሪ ክሳብ 50 ሚእታዊት ክበጽሕ ከም ዝኽእል ይግመት።

ኣብ ምርምር ዝተገብረ ሸለልትነት

ብዛዕባ ደም-ጽግያት ዝግበር ስነፍልጠታዊ ምርምር ምስ ካልኦት ተመሳሰልቲ ጉዳያት ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ትሑት እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብዛዕባ "ደም-ጽግያት" ዝተሓትሙ ስነፍልጠታዊ ጽሑፋት 400 ጥራይ ክዀኑ ከለዉ፡ ብዛዕባ "ዘርኢ ሰብኣይ" ዝተሓትሙ ግን ልዕሊ 15,000 ይበጽሑ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኤዲንበርግ ክኢላ ሕማማት ደቂ-ኣንስትዮ ዝዀነት ጃኪ ሜቢን፡ "ደቂ-ኣንስትዮ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኸውን ናይ ምርምር ዕዳ ኣለዎም፡" ብምባል እቲ ግዜ ሕጂ ምዃኑ ትገልጽ።

ብዛዕባ ጥዕናዊ ጽልዋኡ

ብርቱዕ ደም-ጽግያት ሕክምናዊ ኣቓልቦ እንተ ዘይረኺቡ፡ ናብ ከቢድ ሕጽረት ሓጺን (iron deficiency) ከስዕብ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ናብ ምዕፋን ኣእምሮ (brain fog)፡ ምድቃስ፡ ሕጽረት ምስትንፋስን ድኻምን ይመርሕ።

ብርቱዕ ደም-ጽግያት ካብ ዘለወን ደቂ-ኣንስትዮ እተን 40 ሚእታዊት ዝዀና ናይ ሓጺን ሕጽረት ከም ዘለወን መጽናዕትታት ይሕብሩ። እዚ ጸገም እዚ እንተ ዘይተሓኪሙ ድማ ናብ ዓቢ ናይ ደም ሕጽረት (anaemia) ክበጽሕ ይኽእል።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ድኻታት ሃገራት፡ ሕጽረት ሓጺን ዘለወን ነፍሰ-ጾራት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ እዋን ሕርሲ ንዘጋጥም ደም ምፍሳስ ንምጽዋር ይጽገማ፡ እዚ ድማ ንህይወተንን ንዕቤት ሓንጐል እቲ ዕሸልን ኣብ ሓደጋ የውድቖ።

ጽልዋ ብርቱዕ ጽግያት ኣብ ቍጠባን ትምህርትን

እዚ ጸገም'ዚ ጥዕናዊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ማሕበራውን ቍጠባውን ጽልዋኡ'ውን ዝለዓለ እዩ።

ኤሚሊ ያንግ ዝተባህለት ተመራማሪት፡ "እዚ ተራ ጸገም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሉ ናብራኻ ኣብ ዙረት ጽግያትካ ከም ዝምርኰስ ዝገብር እዩ፡" ትብል።

  • ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ብርቱዕ ደም-ጽግያት ዘለወን ኣዋልድ ኣብ ዓመት ብገምጋም 9 መዓልታት ካብ ትምህርቲ ይበዅራ።
  • ደቂ-ኣንስትዮ ብሰንኪ እዚ ጸገም'ዚ ኣብ ዓመት ብገምጋም 3.6 ሰሙን ካብ ስራሕ ይበዅራ፡ እዚ ድማ ንዓለምለኻዊ ቍጠባ ብቢልዮናት ዝቝጸር ክሳራ የስዕብ።

መፍትሕን ናይ መጻኢ ተስፋን

ሕጂ ዘለዉ ናይ ሕክምና መፍትሒታት ከም ብዓል ናይ ሆርሞን ከኒናታት ወይ ኣብ ማህጸን ዝእተዉ መሳርሒታት (IUD) እኳ እንተለዉ፡ እኹላት ከም ዘይኰኑ ተመራመርቲ ይገልጹ።

ኣብ ዝመጽእ ሰለስተ ዓመታት፡ 13 ተመራመርቲ ዝሓቍፍ ጕጅለ፡ ነቲ ጸገም ንምልላይን ንምሕካምን ዝውሰድ ግዜ ካብ ሓሙሽተ ዓመት ናብ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንምንካይ ይሰርሑ ኣለዉ።

እዚ ጕጅለ'ዚ፡ ኣብ ናይ ጽግያት ደም ዘለዉ ከሚካላዊ ምልክታት ብምምርማርን ንጡፍ መለክዒታት (smart sensors) ብምጥቃምን፡ ነቲ ጸገም ብቐሊሉ ንምልላይ ይጽዕር ኣሎ።

ሚሸል ኣልስተን፡ "ደቂ-ኣንስትዮ ንኽንሰርሕን ክንመሃርን ማዕረ መሰል ኣለና፣ ስለዚ፡ ጸገምና ብኣገባብ ክርኣየልና ይግባእ፡" ክትብል ትምሕጸን።