ኢትዮጵያ ኣብ ዓንኬል ግጭት፡ ስለምንታይ እዩ ሰላማዊ ዘተ ንባህሊ ውግእ ክስዕሮ ዘይከኣለ?

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኢትዮጵያ ንዘመናት ዘሳቐያ ፖለቲካዊ ምስሕሓባት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ብመንግስቲ ዝተጸውዐ ሃገራዊ ዘተ ተካይድ ኣላ።

ይዅን'ምበር፡ እታ ሃገር ካብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ዓንኬል ውግእን ፖለቲካዊ ዓመጽን ወጺኣ ነባሪ ሰላም ኣብ ምርግጋጽ ገና ከቢድ ብድሆታት ይገጥማ ምህላዉ ይግለጽ።

ነባር ዲፕሎማት ሕቡራት ሃገራትን ክኢላ ኣህጉራዊ ሕግን ኣቶ ባይሳ ዋቅዋያ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ብሰላማዊ መንገዲ ናይ ምስግጋር ተመኵሮ ዘይምህላዉ፡ ነቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ሰላም፡ ቀንዲ ዕንቅፋት ክዀኖ ከም ዝኽእል ይሕብር።

ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ስልጣን ንምጭባጥ ኰነ ንምዕቃብ ዝውሰድ ስጕምቲታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብውግእን ብዕጥቃዊ ግጭታትን ዝተሰነየ ምዃኑ ድማ ሓያሎ ተዓዘብቲ ይሰማምዕሉ።

ኣቶ ባይሳ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሱር ዝሰደደ ናይ ውግእ ባህሊ ብኸመይ ንሰላማዊ ዘተ ዕድል ከም ዝኸልኦን ካብ ዓለምለኻዊ ተመኵሮታት እንታይ ክመሃር ከም ዝከኣልን ሰፊሕ ትንታነ ሂቡ ኣሎ።

ባህሊ ውግእ፡ ካብ ታሪኽ ዝተወርሰ መኻልፋት

ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ስልጣን ብሰላማዊ መንገዲ ዝተረከበ መራሒ የሎን ዝበለ ኣቶ ባይሳ፡ ውግእ ከም ቀንዲ መሳርሒ ስልጣንን ከም ጅግንነትን ተገይሩ ምውሳዱ ንሰላም ቀንዲ ዕንቅፋት ኰይኑ ምህላዉ የረድእ።

"ኵሉ ሰብ ሰላም እየ ዝደሊ ይብል እምበር፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግን ኵሉ ሰብ ብውግእ ገይሩ ሰላም ከም ዝመጽእ እዩ ዝኣምን፡" ይብል።

እዚ ናይ ውግእ ባህሊ፡ ካብ መዋእለ-ስልጣን ሃይለስላሰ፡ ደርግን ኢህወደግን ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ ሰልፊ ብልጽግና ብተመሳሳሊ ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ።

ሓደ ወገን ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ንተቓወምቱ ከም ፖለቲካዊ መሻርኽቲ ዘይኰነስ ከም "ንህልውናኡ ዝፈታተኑ ጸላእቲ" ብምርኣይ ክጭፍልቘም ይፍትን።

እዚ ዓብላሊ ኣረኣእያ ድማ ነቶም ዝተወሰኑ ወገናት ካልእ ምርጫ ስለ ዝኸልኦም፡ ናብ በረኻ ክኣትዉን ቃታ ክስሕቡን ይገብሮም።

'ናተይ ጥራይ እዩ ሓቂ'፡ እቲ ዝዓበየ ስነ-ልቦናዊ መኻልፍ

ኣቶ ባይሳ ዋቅዋያ፡ ኣብ ዩጎዝላቭያ ንዘጋጠመ ኲናት ሓድሕድ ንምምርማር ምስ ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን ብምዝካር፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርቲ ይህብ።

"ኣነ ኣብ ክሮኤሽያ ኰይነ፡ ሰርቢያውያን ንህጻናትን ኣንስትን ክቐትሉ እርኢ ነይረ። እቲ ኣብ ሰርቢያ ዝነበረ መሳርሕተይ ድማ ክሮኤሽያውያን ንሰርቢያውያን ክቐትሉ ይርኢ ነይሩ። ክልተና ዝጸሓፍናዮ ሓቂ እዩ፣ እንተዀነ ናይ ሓደ ወገን ጥራይ እዩ ነይሩ፡" ይብል።

እዚ ተመኵሮ'ዚ ምስ ኵነታት ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዝመሳሰል እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ፡ ነፍሲ ወከፍ ብሄር ወይ ጕጅለ፡ "ኣነ ጥራይ እየ ተበዲለ፣ እቲ ካልእ ወገን ግን በዳሊ እዩ፡" ዝብል ጸቢብ ትረኻ ሒዙ ይጓዓዝ።

እዚ "ናይ ሓደ ወገን ሓቂ" (ሓደ ወገናዊ ትረኻ)፡ ሓባራዊ ሃገራዊ ርድኢት ንኸይመጽእ ዓቢ ዕንቅፋት ኰይኑ ይርከብ።

ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ግን፡ ንኽልተኡ ወገን ዝውክል ሓቅታት ብማዕረ ክረአ ከም ዝግባእ ኣቶ ባይሳ የገንዝብ።

ሃገራዊ ዘተ፡ ብድሆታትን ስግኣት ተኣማንነትን

መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ዘካይዶ ዘሎ ሃገራዊ ዘተ፡ ነዚ ዝተሓላለኸ ጸገማት ንምፍታሕ ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ዘተ ካብ ፈለማኡ ናይ እሙንነት ጸገም የጋጥሞ ኣሎ። ከም ኦነግን ፈደራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞን ዝኣመሰሉ ሓያላት ተቓወምቲ ውድባት፡ መንግስቲ ፖለቲካዊ ባይታ ከም ዘጽበቦ፡ ኣባላቶም ከም ዝእሰሩን ኣብያተ-ጽሕፈቶም ከም ዝዕጸዉን ብምጥቃስ ካብቲ መስርሕ በዂሮም ኣለዉ።

ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራን ኦሮሚያን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ውግእ፡ ነቲ "ብሓደ ኢድካ ቃታ እናሰሓብካ፡ ብኻልኣይ ኢድካ ዘተ ምጽዋዕ፡" ዝብል ኣገባብ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ሕቶ ምልክት ኣእትይዎ ኣሎ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ብኮምሽን ሃገራዊ ዘተ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ "ሕጋዊነት ዘይብሉ" ክብል ብምንጻግ፡ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብምሉእነት ዘይምትግባሩን እቲ ኮምሽን ብመንግስቲ ዝተዓብለለ ምዃኑን ከሲሱ።

እዚ ድማ እቲ ዘተ ንዅሎም ወገናት ዘሳትፍን ብሓቂ ናጻን ክኸውን ከም ዝግባእ ብዙሓት ዝመጐቱሉ ነጥቢ ኰይኑ ኣሎ።

መንገዲ ሰላም ካበይ ይጅምር?

ኢትዮጵያ ካብዚ ዓንኬል ውግእ ንኽትወጽእ፡ ፖለቲካዊ ባህላ ክቕየር ከም ዝግባእ ኣቶ ባይሳ ይሕብር።

መንግስቲ ንደጋፊኡ ጥራይ ዘይኰነስ ንተቓዋሚኡ እውን መሰሉ ዝሕልወሉ ስርዓት ክተክል ይግባእ።

"ሰላም ክመጽእ እንተዀይኑ፡ ካብቲ 'ኣነ ጥራይ እየ ሓቀኛ' ዝብል ኣረኣእያ ወጺእና፡ ሓቂ ናይ ክልተኡ ወገናት ክንሰምዕ ክንጅምር ኣለና፡" ይብል።

ኢትዮጵያ ካብ ግዳማዊ ወራር ነብሳ ናይ ምክልኻል ዓቢ ተመኵሮ እኳ እንተ'ለዋ፡ ነቲ ውሽጣዊ ጸገማታ ብዘተ ክትፈትሕ ግን ገና ዓቢ ዘቤታዊ ዕዮ ይጽበያ ኣሎ።

እቲ ሕጂ ተጀሚሩ ዘሎ ዘተ፡ ናይ ብሓቂ ተቐባልነት ክረክብ እንተዀይኑ፡ ካብ ፖለቲካዊ ድራማ ወጺኡ፡ ንዅሎም ተጻረርቲ ሓይልታት ብሓቀኛ መንፈስ ዘሳትፍ ክኸውን ይግባእ።