ኣዲስ ኣበባ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ 'ግቡኡ ክዋጻእ' ዝጽውዕ ሰልፊ ክካየድ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, AMN Tigrinya
መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ስጉምቲ ክወስድ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ምዃኑ ተገሊጹ።
እቲ ኣብ ዝመጽእ ቀዳም ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ክግበር ተወጢኑ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነራል ጻድቃን ብዝርከቦም ፖለቲከኛታት ትግራይ ዝተመስረተ ቤት ምኽሪ ዝወደቦ እዩ።
ኣብ ትግራይ ይፍጸም ኣሎ ዝበሃል "ወተሃደራዊ ኣስገዳድ" መናእሰይ ዝቃወም ከምኡ'ዉን መንግስቲ ፌደራል ኣብ ጉዳይ እቲ ክልል "ግቡኡ ንክዋጻእ" ዝሓትት ምዃኑ ገለ ካብቶም ወደብቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ኣብ ትግራይ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ውድብ ህወሓት ብወገኑ፡ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ "ኣንጻር ብሄራዊ ረብሓን ፍታሓዊ ቃልስን ህዝቢ ትግራይ ዝቐንዐ" እዩ ብምባል ተቓዊምዎ ኣሎ።
ነቲ ሰልፊ ዘዳሉ ዘሎ ምትእኽኻብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት "ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን" ብዝብል ዝተመስረተ ኣካል ኰይኑ፡ ኣብ ትግራይ ለውጢ ክልላዊ መንግስቲ ንምምጻእ ዝሰርሕን መስርሓት ስግግር ንምምችቻእ ከም ዝንቀሳቐስን ይገልጽ።
እቲ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ ውሽጡ ኣባላት ሰልፊ ህወሓት ዝነበሩን ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይን ዝሓዘ'ዩ።
ኣብቲ ቤት ምኽሪ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኮሚቴታት ብጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ከም ዝምርሑ ዝግለጽ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበርን ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ እዩ።
ፓርቲ ወለዶ ትግራይ፡ ዓረና ንዴሞክራስን ሉእላውነትን ከምኡ'ዉን ፓርቲ ሰብዓ እንደርታን ኣካል ናይቲ ውዳበ ምዃኖም'ውን ይፍለጥ።
ህወሓት ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ "ተለኣኣኽቲን ደገፍቲን" መንግስቲ ፌደራል ብዝበሎም ተጋሩ ዘካይድዎ ሰልፊ "ኣንጻር ረብሓን ፍትሓዊን ቃልሲን ህዝቢ ትግራይ ተሃቂኑ ዘሎ ሰልፊ ብትርጉሙ ናብ ትግራይ በጀት፣ መድሓኒት፣ ነዳዲ ከይለኣኽ ኢሉ እውን ህዝቢ ሰሪሑ ዝዓቖሮ ገንዘብ ከይጥቀም" ዝገብር ምዃኑ ነቒፉ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ከምኡ'ዉን ዓለምለኸ ተሓለቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዘውጽኡዎም መግለጺታት፡ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ግዱድ ወተሃደራዊ ምልመላ ደው ክብል ተማሕጺኖም ምንባሮም ይዝከር።
ኣቦ መንበር ፓርቲ ሰብዓ እንደርታን ኣተሓባባሪ ሚዲያን ርክብ ህዝብን ኣቶ ከበደ ኣሰፋ ሎሚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ቀዳም ሓምለ 11 (2018 ኣ.ግ) ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ ክልተ ዕላማታት ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።
ብቐዳምነት እቲ ኣብቲ ክልል ካብ ቀረባ ሰሙናት ኣትሒዙ ይፍጸም ኣሎ ዝብሃል "ግዱድ ወተሃደራዊ ግፋ" ምቅዋም ምዃኑ እዩ ዝጠቅስ።
ኣቶ ከበደ፡ "ኣብ ትግራይ ዝርከብ ሓይሊ፡ ንተጋሩ መዓልታዊ ይገፍፍ፡ ንሞትን ስደትን ክቃልዑ ይገብር ኣሎ፡" ክብል ዝኸሰሰ ኰይኑ፡ "ህዝቢ ትግራይ ንምዕፋን ዝወጽአ ኣዋጅ'ዉን ኣሎ፡" ክብል ተዛሪቡ።
ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ኣብ ዝሃቡዎም መግለጺታት ግን፡ እቲ ክልል "ብሄራዊ ሓደጋ" ኣጋጢሙዎ ከም ዘሎ ብምግላጽ "ኣብ ፍቓድ ዝተሞርኰሰ ምልመላ መናእሰይ" ክካየድ መምርሒ ከም ዘውረዱ ይምጉቱ።
እዚ ኣዋጅ፡ "ህልውናን ድሕነትን ህዝቡ ትግራይ ንምርግጋጽ፡" ብዝብል ዝወጽአ ኰይኑ፡ ህወሓት ነቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ዕምሪ ስልጣኑ ዝተናውሐ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ብምእላይ ናብ ስልጣን ዝተመልሰ ህወሓት ናብ ስርሑ ክምለስ ዝገበሮን ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ብዝተኻየደ መረጻ ዝቘመን ቤት ምኽሪ ኣጽዲቑዎ እዩ።
እቲ ቀዳም ክካየድ ዝተወጠነ ሰልፊ፡ እዞም ጉዳያት "ንምኹናንን ንማሕበረሰብ ዓለም ንምፍላጥን" ዝዓለመ ምዃኑ'ዮም እቶም ወደብቲ ሓቢሮም ዘለዉ።
ብተወሳኺ ነዚ ኩነታት "ብስቕታ ዝዕዘቦ ዘሎ" ዝበሎ መንግስቲ ፌደራል ኣቓልቦ ንክገብረሉ ጸቕጢ ክፈጥር ትጽቢት ይግበረሉ።
ንዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ውድባት ትግራይ ዝሓቘፈ "ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን" ብሰንበት 17 ግንቦት (9 ግንቦት 2018ግ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተመስረተ ዝተነግረ ኰይኑ፡ ሓደ ካብ ዕላማታቱ "ነቲ ብዕልዋ መንግስቲ ትግራይ ዝተቘጻጸረ ሓይሊ ምእላይ" ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ህወሓት ከም ፖለቲካዊ ውድብ፡ ሕጋዊ ሰብነቱ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰረዘ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዕድመ ስልጣኑ ብቐዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብሓደ ዓመት ዝተናውሓሉ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሪሱ፡ ነቲ ቅድመ-ኲናት ዝነበረ ቤት ምኽሪ ከም ዝመለሰን "መንግስቲ" ከም ዝመስረተን እዩ ክገልጽ ጸኒሑ።
እዚ ምዕባለታት፡ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዘፍርስን ብቐጥታ ምስ መንግስቲ ፈደራል ናብ ግጭት ዘእቱን ኣካይዳ እዩ ብምባል ብዙሓት ወገናት ክቃወምዎ እንከለዉ፡ ህወሓት ብወገኑ እቲ ስምምዕ ብፌደራላዊ መንግስቲ ከምዝፈረሰ ብምኽሳስ ስልጣን ክቆጻጸር ከምዝወሰነ ይምጉት።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ውሽጢ ህወሓት ብዝተፈጥረ ምክፍፋል፡ ሓያሎ ካብ መራሕትን ኣባላትን እቲ ውድብ ተፈንጪሎም ውድብ ስምረት ከም ዝመስረቱ ዝፍለጥ እዩ።












![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
