ኤርትራ ንመግለጺ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያን ጌታቸው ረዳን ዝሃበቶ ምላሽ

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኤርትራ ዝሃቦ "ትያትራውን ፈጠራውን" ክስታት ሓቅነት ከም ዘይብሉ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ገሊጹ።

ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያን ኣገልግሎታት ጸጥታን ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ኣብ ኣልጀዚራ ተላፊኑ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ህወሓት ብድፍኢት ኤርትራ "ኣብዚ ቀረባ መዓልታት" ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውግእ ክኸፍት ይዳሎ ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ኣብቲ ምስ ኣማኻሪ ቀዳማ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝኾነ ጌታቸው ረዳ ብምዃን ብእንግሊዝኛ ዝጸሓፍዎ ዓንቀጽ፡ ኤርትራ ንዕጡቓት ፋኖን ህወሓት ትድግፍ ኣላ ክብሉ ወቒሶም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንስምምዕ ፕሪቶርያ "ተቓውሞ" ከም ዝነበሮ'ውን እቲ ብሓሙስ ዝወጽአ ጽሑፍ ክልቲኦም ሰበስልጣን ይኸስስ።

"ብደገፍን ምትብባዕን ኣስመራ፡ ዝርካቡ ኣካል ህወሓት ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ መንግስቲ [ኢትዮጵያ] መጥቃዕቲ ክፍኑ ወሲኑ'ሎ፡" ኢሎም።

"ብቐጥታዊ ደገፍ ኤርትራ፡ ዓቢ ዕጡቕ ሓይሊ ምኽታት፡ ምስልጣንን ምዕጣቕን ቀጺሉ ኣሎ፡" ብምባል ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ስልጣን ተቘጻጺሩ ዘሎ ህወሓት ከሲሶም ኣለዉ።

እቲ ዝኾነ ጭቡጥ መርትዖ ዘየቕረበ ትንተና፡ እቶም ብኤርትራ ዝምእከሉ ዝበሎም ሓይልታት፡ "ሕጂ ከኣ ካልእ ግጭት ንምውላዕ፡ ኣብ ኣስመራ፡ መቐለን ሱዳንን ስቱርን ዘይስቱርን ኣኼባታት፡" የካይዱ ከም ዘለዉ ይጠቅስ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ብህወሓት ዝምራሕን ቤትምኽሪ ሓደ "ኣዋጅ ክተት" ንምጽዳቕ ይዳሎ ከም ዘሎ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።

"ህላወን ድሕነትን ህዝቢ ትግራይ ንመውሓስ ዝወጽአ ኣዋጅ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ" ዝዀነ ዕድመኡን ጥዕናኡን ዝፈቐደሉ ትግራዋይ፡ "ብመንግስቲ ትግራይ" ንዝቐርበሉ ጻውዒት ክተት ተቐቢሉ ግቡእ ናይ ምፍጻም 'ብሄራዊ ግቡእ ኣለዎ' ዝብል'ዩ።

እቲ ሕጂ ኣብ ትግራይ ስልጣን ሒዙ ዘሎ "መንግስቲ"፡ ኣብቲ ብፈደራላዊ መንግስቲ "ዘይሕጋዊ" ተባሂሉ ዝተነጽገን ኣብ መስከረም 2020 ዝተኻየደ መረጻ ዝቘመ ምዃኑ'ዩ ህወሓት ዝገልጽ።

ምኒስተር የማነ ገብረመስቀል ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣስመራ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ክልተ ዓመት ዘብቅዐ ስምምዕ ሰላም ከም ዘይተቛወመቶ ይምጕት።

እኳ ደኣ እቲ "ፖተምኪን" ክብል ዝገለጾ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግናን ጌቻው ረዳ ዝመርሖ ዝነበረ ተደራዳሪ ጕጅለን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ "ወራር" ንምፍጻም የሰላስሉ ከም ዝነበሩ ወቒሱ'ሎ።

"ኤርትራ ብፍቓድ ፈደራላዊ መንግስቲ እያ ናብቲ ዝተስገደደ ግጭት ተጐቲታ ኣትያ፡" ዝብል ምላሽ እቲ ኤርትራዊ ብዓል ስልጣን፡ "ካብኡ ንላዕሊ ዘገድስ ድማ ሓፈሻዊ ዕላማታት ኣጀንዳ ናይቲ ኲናት ብንጹር ንኤርትራ ዘጠቓለለን ዒላማ ዝገበረን ምንባሩ'ዩ፡" ኢሉ።

ስምምዕ ፕሪቶርያ ውሽጣዊ ጉዳያት ምዃኑ ዝገለጸ ምኒስተር የማነ፡ "በዚ መንጽር፡ ኵሎም ወገናት ንትሕዝትኡ ብጽቡቕ ድሌት እንተ ደኣ ኣብ ግብሪ ኣውዒሎሞ፡ ኤርትራ ነቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምፍሻል ፖለቲካዊ ሸውሃት ኮነ ረብሓ የብላን፡" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

እቲ በዞም ክልተ ኢትዮጵያውያን ሰበስልጣን ይዅን ብወገን ኣዲስ ኣበባ ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝቐርብ "ፕሮፖጋንዳን ናይ ምድንጋርን ወፍሪ" ካልእ "ግጭትን ተጻብኦን ንምጽሕታር" ዝዓለመ ብምባል'ያ ተቓዊማቶ ዘላ።

"'ጭጕራፍስያ ባዕላ ሃሪማ ተእዊ'" ብምባል'ውን፡ ምስቲ ኢትዮጵያ ከተቕርቦ ዝጸንሐት ሕቶ መሰል ተጠቃምነትን ዋንነትን ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዝተሓሓዝ የመልክት።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ህወሓት ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ 'ሰሜን እዚ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝፈጸሞ ስጕምቲ ነቲ ኲናት ከም ዝወልዖን ንኤርትራ ንምጥቃዕ'ውን ውጥን ከም ዝነበሮ'ዩ ክምጕት ጸኒሑ።

ኣብ መንጎ ህወሓትን ብህግደፍ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራን ካብ እዋን ዶባዊ ኲናት ክልቲአን ሃገራት ኣትሒዙ ዝቐጸለ ቅርሕንትን ተጻብኦታትን ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ኣብዚ ቀረባ ሒደት ዓመታት ግን ክልቲኦም ወገናት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ወጥርን ምትፍናን ምእታዎም ዘቃረቦም'ዩ ዝመስል።

ኣስመራን መቐለን ብስም "ጽምዶ" ምሕዝነተን ንምድልዳል ኣብ ዝጽዕራሉ ዘለዋ እዋን ኣዲስ ኣበባ ብዓይኒ ጥርጠራን ተጻብኦን ክጥምቶ ጸኒሓ።

እቶም ከም ተጻባእቲ ሓድሕዶም ብምዃን ኣብ ሕዳር 2022 ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፈረሙ ጌታቸውን ሬድዋንን ኣብ ጽሕፎም፡ "ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝፍጠር ግጭት ሕልሚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ እዩ፡" በሃልቲ'ዮም።

እቲ ኤርትራዊ መራሒ ፈለማ "መኻልፍ" ክብል ነቲ ስምምዕ ገሊጽዎ'ኳ እንተ ነበረ፡ ጸኒሑ ግን ኣብ ግብሪ ክፍጸም ከም ዝደልዮ ተዛሪቡ ነይሩ።

እቲ ንህወሓት ወኪሉ ነቲ ስምምዕ ዝፈረመሉ ጌታቸው፡ ምክትል ኣቦመንበር ናይቲ ውድብን ፕረዚደንት ናይ ድሕሪ ስምምዕ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዝነበረ'ዩ።

ብስም ዘይጠቐሶም ገለ "ኣኽረርቲ" ኣባላት መሪሕነት ህወሓት ንቐጻሊ ኲናት ዝኾኖም ምቊራጽ ተጻብኦታት ክፍርሙ ይደልዩ ነይሮም ክብል ጠቒሱ'ሎ።

ህወሓት ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ እቲ ስምምዕ ብወገን ኣዲስ ኣበባ ምሉእ ብምሉእ ብምጥሓሱ ንግዝያዊ ምምሕዳር ብምፍራስ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ከም ዝመስረተ ኣፍሊጡ እዩ። ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ'ውን ህወሓት ንትሕዝቶ እቲ ስምምዕ ይዅን ምስ ኤርትራ ብዝገብሮ ዘሎ "ጽምዶ" ነቲ ውዕል ከም ዘፍረሶ ዝቐርብ ክስታት ክስማዕ ጸኒሑ'ዩ።

በቲ እናኸረረ ዝመጽእ ዘሎ ወጥሪ ክልቲኦም ወገናት ዝተሻቐለ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነቲ ስምምዕ ንኽፍረም ወሳኒ ተራ ንዝነበሮ ፍሉይ ወኪሉ ናብ ትግራይ ሰዲድዎ ነይሩ።

ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ዝመርሖ ልኡኽ፡ ብ11 ሰነ ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ህወሓት ተዘራሪቡ።

"ዕላማ እዚ ምብጻሕ፡ ነገራት ካብዚ ኣብዚ እዋን በጺሖምሉ ዘለዉ ደረጃ ከይገዱ ንምግባር'ዩ፡" ብምባል፡ "እቲ ነዛ ሃገር ንምነዮ ሰላም፡ ምርግጋእን ጸጥታን ክህሉ፤ ቍጠባዊ ምዕባለ'ውን ንክቕጸል መስርሕ ምርድዳእ ብኸመይ ክንጅምሮ ንኽእል ዝብል እዩ እቲ ዕላማ፡" ክብል ንማዕከናት ዜና እታ ክልል ተዛሪቡ ነይሩ።

ህወሓት ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ሰራዊት ፈደራል ንትግራይ ናብ ዳግማይ "ዕጽዋ" ንምእታው ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ከሲሱ ምንባሩ ይዝከር።

"ሃገራዊ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ከባቢ ዶባት ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ መጠነ-ሰፊሕ ምውድዳብ ነቲ ጸበባ የጋድዶ ኣሎ፡" ዝብል መግለጺ መቐለ፡ ንጹር መርትዖታት ይዅን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ካብ ቀደም ኣትሒዞም ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ። ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣንጻር ዕጡቓት ፋኖ ክዋጋእ ዝጸንሐ'ዩ።

ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ናብ ዘየድሊ ረጽሚን ግጭትን ከየምርሕ ስግኣት ፈጢሩ ጸኒሑ'ዩ። እቲ ዝፍጠር ግጭት ንኤርትራ'ውን ምሕዋሱ ስለ ዘይተርፎ ነቲ ሻቕሎት ኣዕብይዎ ይርከብ።