እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራንን ኣመሪካን ምቍራጽ ተዅሲ ክዕቅባ ዝኸበደሉ 4 ምኽንያታት
እቲ ኣብ መጀመርታ ምያዝያ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ስምምዕ ዝተበጽሓሉ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብዚ ቅንያት ኣብ መላእ እቲ ዞባ ብዝመጸ ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕትታት፡ እናዓበየ ኣብ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ዝርከብ ይመስል።
ፕረዚደንት ትራምፕን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኢራንን፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕትታት፡ ተወሰኽቲ ስጕምቲታት ክወስዱ ከም ዝኽእሉ የፈራርሑ ኣለዉ።
ኣመሪካ ሓንቲ ካብ ወተሃደራዊ ሄሊኮፕተራታ ኣብቲ ወሽመጥ ድሕሪ ምውዳቓ፡ ብረቡዕ፡ ንወተሃደራውያንን ስለያን መዓስከራት ኢራን ዒላማ ከም ዝገበረት ገሊጻ።
ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ድማ ኣብ ባሕሬንን ዮርዳኖስን ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ኣመሪካ መዓስከራት ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ምላሽ ሂቡ፤ ኵወይት ብወገና ካልእ መጥቃዕቲ ከም ዘፍሸለት ገሊጻ።
እዚ ወጥሪ እዚ፡ ኢራን ብሰንበት ናብ እስራኤል ሚሳይላት ካብ እትትኵስ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ዝመጸ ኰይኑ፡ ንእስራኤል ድማ ኣብ ምዕራባውን ማእከላይን ኢራን ኣብ ዝርከቡ ዒላማታት መጥቃዕቲ ኣየር ክትፍጽም ደሪኽዋ።
እዚ ከኣ እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ካብ ዝትግበር ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተገብረ ናይ መጀመሪያ ቀጥታዊ ምልውዋጥ እዩ። ትራምፕ ክልቲኦም ወገናት "ምጥቕቓዕ" ከቋርጹ ጸዊዑ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ፍሉይ ዝርዝራት ከይሃበ፡ ኢራን ሕጂ፡ "ዋጋ ክትከፍል ኣለዋ" ክብል ተዛሪቡ። ወሲኹ፡ ኢራን፡ "ፈጺማ ከም ዝተሳዕረት" ከምኡ'ውን፡ "ግብሪ ዘይብሉ፡ ዘረባ ጥራይ" ከም ዝዀነት ገሊጹ።
እዚ ድማ ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢራን ዓባስ ኣራግቺ፡ ሃገሩ፡ "ንዝዀነ መጥቃዕቲ ወይ ታህዲድ ብዘይ ምላሽ ከም ዘይትሓድጎ" ኣቐዲሙ ካብ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ ስዒቡ ዝመጸ ኰይኑ፡ ኣመሪካ፡ "ኣብ ዓውደ-ውግእ ስዕረት ከም ዝወረዳ" እውን ገሊጹ።
ንግዚኡ፡ ሓደኦም ወገን ነቲ ናይ ምቍራጽ ተዅሲ ብወግዒ ኣይሓደገን ዘሎ። እንተዀነ፡ እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ፡ ዋሽንግተንን ቴህራንን ነቲ ኲናት ንምብቃዕ ሰፊሕ ስምምዕ ንምብጻሕ ዝገብርዎ ዘተ ከየሰናኽል ስግኣት ከም ዘሎ ይግለጽ ኣሎ።
ስለዚ፡ ነቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንምጥንኻር ስለምንታይ እዩ ክሳብ ክንድዚ ኣጸጋሚ ኰይኑ፧ ብመሰረት መግለጺን ትንተናን ክኢላታት፡ ኣርባዕተ ምኽንያታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፤
1.ንኢራን ዘይውሑስ ምቍራጽ ተዅሲ
ኣብ ዋሽንግተን ዝመደበሩ ትካል መጽናዕቲ ማእከል ኣህጉራዊ ፖሊሲ ላዕለዋይ ተመራማሪ ሲና ቱሲ ከም ዝገለጾ፡ ሓደ ምኽንያት፡ እቲ ናይ ምቍራጽ ተዅሲ ካብ "ኣረኣእያ ኢራን" ክርአ እንከሎ ነቲ "ቀንዲ ሱር ጉዳይ ናይቲ ግጭት" ከም ዘይፈትሖ እዩ።
ንሱ፡ ምስቲ ማዕቀባትን ከበባ ባሕሪን ወደባትን ኢራንን ዘጠቓልል፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝግበር ዘሎ ናይ ኣመሪካ ቀጻሊ ወተሃደራውን ቍጠባውን ጸቕጢ ተደሚሩ፣ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝቕጽል ዘሎ ወተሃደራዊ ንጥፈታት እስራኤል የመልክት።
ብሰሉስ፡ ኢራን ከምዚኣቶም ዝበሉ መጥቃዕትታት ክቋረጹ ካብ እትጽውዕ ሓደ መዓልቲ ጸኒሑ፡ ሓይልታት እስራኤል ነታ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ እትርከብ ከተማ ጢሮስ ደብዲቦማ።
ቴህራን ነዚ ከም ሓደ ዋሽንግተን ናብ መጠነ ሰፊሕ ኲናት ከይተመልሰት "ርኡይ ጽልዋ" ሒዛ እትቕጽለሉ ናይ ድሕሪ ኲናት መሰናድኦ ገይራ ትርእዮ። እዚ ድማ ሰበ-ስልጣን ኢራን ከም "ዘይርጕእን ዘይቕቡልን" ዝርእይዎ ጉዳይ ምዃኑ ቱሲ ይሕብር።
እቲ ተንታኒ ወሲኹ ከም ዝገለጾ፡ ኣመሪካ ብተዛማዲ ትሑት ዋጋ ወተሃደራዊ ጸቕጢ ከተቐጽልን ንዞባውያን መሻርኽቲ ኢራን ዒላማ ክትገብርን እንተደኣ ክኢላ፡ እቶም ስጕምታት ምስ ግዜ ንመድረኽን ጽልዋን ኢራን እናበልዑ ናይቲ ዞባዊ ንድፊ "ቀዋሚ መርኣያ" ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት ከም ዘለዋ ገሊጹ።
ክኢላታት ከም ዝብልዎ፡ መሪሕነት ኢራን፡ ቴህራን ርእሰ-ግትኣት እናኣርኣየት እንከላ፡ ተጻረርታ ግን ወተሃደራውን ቍጠባውን ጸቕጢ ከም ዝቕጽሉ ዝፈቅድ ምቍራጽ ተዅሲ ዝተቐበለት መሲላ ከይትረአ፡ ውሽጣዊ ጸቕጢ የጋጥማ ከም ዘሎ ይገልጹ።
2. ተራ እስራኤል
ተንተንቲ፡ ንቐጻልነትን ምጽናዕን እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ንዝግበሩ ዘለዉ ጻዕርታት ካብ ዘሓላልኹ ቀንዲ ረቛሒታት ሓደ፡ ተግባራት እስራኤል ምዃኑ'ውን የመልክቱ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ዝመደበሩ ሮያል ዩናይትድ ሰርቪሰስ ኢንስቲትዩት ላዕለዋይ ተመራማሪ ዶክተር ኤች ኤ ሄልየር፡ ንእስራኤል ኣብ ዲፕሎማስያውያን ጻዕርታት ከም ሓንቲ ክትሓላልኽ እትኽእል "ዘርጊ" ገይሩ ብምግላጽ፡ "ቴል ኣቪቭ፡ ንኢራን ከም ዞባዊ ሓይሊ ገይሩ ዝሓድግ ዝዀነ ይዅን ናይ ኣመሪካን ኢራንን ስምምዕ ከይመጽእ ንምክልኻል መሰረታዊ ረብሓ ኣለዋ፡" ይብል።
"ንሳቶም ነቲ ዘተ ንምፍሻል እዮም ዝዓዩ፡" ብምባል ነቲ ኣመሪካ እተካይዶ ዲፕሎማሲ ንምብርዓን ከምዝሰርሑ እዩ ዘመልክት።
እስራኤል፡ ድሕሪ'ቲ ሰንበት ዝወረዳ መጥቃዕትታት ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ከይትፍጽም ተማሕጺኑ ንዝነበረ ትራምፕ፡ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተደፋፈረቶ ገለ ክትዓት ተኻይዶም እዮም።
እንተዀነ፡ ወተሃደራውያን ክኢላታት፡ እስራኤል ምስ ኢራን ኣብ ዝግበር ዝዀነ ይዅን ነዊሕ ዝጸንሕ ግጥም ኣብ ደገፍ ኣመሪካ እትምርኰስ ምዃና የመልክቱ።
ኣብ ሃገራዊ ትካል መጽናዕቲ ጸጥታ እስራኤል ላዕለዋይ ተመራማሪ የሆሹዓ ካሊስኪ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ምኽንያቱ ተተኳሲ ኣመሪካ ተጠቓሚት ስለ ዝዀነት - እስራኤል ኣብዚ ኲናት ንነዊሕ፡ እዋን በይና ክትቅጽል ከም ዘይትኽእል ምንም ጥርጥር የብሉን፡" ይብል።
ብመሰረት ተመራማሪ ወተሃደራዊ ታሪኽ ዳኒ ኦርባኽ፡ እስራኤል፡ ዝዀነ ይዅን ምስ ኢራን ዝግበር ስምምዕ ንናይ ጸጥታ ስግኣታታ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ከምዘለዎ ምልክት ትህብ ኣላ።
ኦርባኽ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ፡ "እቲ ስምምዕ [ዝዀነ ይዅን ዝክኣል ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ] ኣብ ልዕሊ ረብሓታት እስራኤል ሓደጋ እንተ ፈጢሩ፡ እስራኤል ነቲ ጠረጴዛ ክትግልብጦ'ውን ትኽእል እያ፡" ኢሉ።
ትራምፕ ምስ ቢቢሲ ብተለፎን ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ፡ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፡ ርእሰ-ግትኣት ክገብር ካብ ዝቐረበሉ ምሕጽንታ ወጻኢ ንመጥቃዕትታት ኢራን ገብረመልሳዊ መጥቃዕቲ ብምፍዳዩ፡ ከም ዝተዳፈሮ ዝግለጽ ዘሎ ዘረባታት ኣይተቐበሎን።
3. ዝተመጠነ ምጕህሃር
ሳልሳይ ረቛሒ፡ እቲ ምጕህሃር ባዕሉ ክፋል ናይቲ ስትራተጅያዊ ኣገባብ ዘተ ኰይኑ ዘሎ ምምሳሉ እዩ። ዋላ'ኳ ቀጻሊ ናይ ኣመሪካን እስራኤልን ወተሃደራዊ ጸቕጢ፡ ማዕቀባትን ከበባ ባሕሪን እንተ ሃለወ፡ መሪሕነት ኢራን ኣብ ቦታኡ ጸኒዑ ኣሎ።
መሓውራት ጸጥታኡ መሓውሩ ድማ ከይተተንከፈ ይርከብ፣ እቲ ብተጻረርቱ ክኽሰት እዩ ተባሂሉ ተነብዩ ዝነበረ ውሽጣዊ ናዕቢ እውን ኣይተጋህደን። ተንተንቲ ከም ዝብልዎ፡ እዚ ንስምዒት መኸተ ቴህራን ኣጠናኺርዎ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኢራን፡ ብዝዀነ ይዅን ዋጋ ካብቲ ግጭት ኣብ ክንዲ ምርሓቕ፡ ሕጂ ንርእሳ ነቲ ጸቕጢ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ከም ዘለዋ ገይራ ክትርእያ ትኽእል ትኸውን፤ ሓደስቲ ቀያሕቲ መስመራት ንምትግባር ድማ ዝያዳ ድልውቲ እያ።
ብተመሳሳሊ፡ ወተሃደራዊ ጸቕጥን ዲፕሎማስን ንሓድሕዶም ዝነጻጸጉ ከም ዘይኰኑ ክኢላታት የስምሩሉ። ቱሲ፡ "ኢራን ንዲፕሎማሲ ኣይሓደገቶን፡" ይብል።
ንሱ ከም ዘረድኦ፡ እቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ሊባኖስ፡ ኣብቲ ወሽመጥን ኣብ ካልእ ቦታታትን ዝተራእየ - ብዙሕ ግዜ ብኢራን ዝድገፉ ጕጅለታት ዝሳተፉሉ ንጥፈታት - ግድን ሰፊሕ ኲናት ንምውላዕ ዝዓለመ ኣይኰነን።
እንታይ ደኣ ነቲ ዘሎ ህሉው ኵነታት ዋጋኡ ንምብራኽን መርገጺ ዘተ ኢራን ንምጥንኻርን እዩ። ሄልየር እውን ነዚ ርእይቶ እዚ ብምድጋፍ፡ "እቲ መርትዖ ቀሊል እዩ፣ ንኢራን ምጥቃዕ ንእስራኤልን መሻርኽታን ዋጋ ዘይሓትት እንተደኣ ኰይኑ፡ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ሰፊሕ መሓወራት ጸጥታ ኣመሪካ ጸጥታ ዋጋ ከም ዝኸፍል ምግባር እዩ፡" ኢሉ።
4. ደረት ዓቕሚ ጽልዋ ኣመሪካ
እቲ ናይ መወዳእታ ረቛሒ፡ ተራ ኣመሪካ - ከምኡ'ውን ንጽልዋኣ ንምትግባር ክሳብ ክንደይ ፍቓደኛ ምዃና እዩ። ዋሽንግተን፡ ከም ቀንዲ ወተሃደራዊ ደጋፊት እስራኤል መጠን፡ ኣጽዋር፡ ምወላ፡ ዲፕሎማስያዊ ደገፍን ተቕርብ፤ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ጕዕዞ ግጭት ርኡይ ናይ ጽልዋ ዓቕሚ ይህባ።
ሄልየር፡ እዚ ናይ ጽልዋ ዓቕሚ ነቲ ተኣፋፊ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይማጐት።
ንሱ፡ "ዋሽንግተን ንቴል ኣቪቭ ክትቅይር እንተ ደልያ፡ ክትቅይራ ዘኽእላ ናይ ጽልዋ ዓቕሚ ኣለዋ፡" ይብል። ኣብ ደገፍ ገደባት ከም ዘሎ ምእማት ጥራይ "ትዅረት ቴል ኣቪቭ ብቕጽበት ከም ዝስሕብ" ድማ ወሲኹ ይገልጽ።
"በዚ መሰረት ነቲ ናይ ጽልዋ ዓቕሚ ክትጥቀመሉ እንተ ዘይመሪጻ ግን፡ ተሓባባሪት እያ ትኸውን። እቲ ናይ ጽልዋ ዓቕሚ ኣሎ፣ እንተዀነ ክትጥቀመሉ ዘለዋ ድሌት የሎን።"
ኣብ ቅድሚት ዘለዉ ሓደጋታት
እዞም ዲናሚካዊ ምዕባለታት ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ ኣጸጋሚ ክገብርዎ ከም ዝኽእሉ፡ ተንተንቲ የጠንቅቑ።
ንሕጂ፡ ዲፕሎማሲያዊ መንገዲ እቲ እንኮ ክዉን ክኸውን ዝኽእል መንገዲ ኰይኑ ከም ዘሎ ብዙሓት ክኢላታት ይገልጹ።
ሄልየር ግን ዲፕሎማሲ እናወሰኸ ከም "መሸፈኒ ወተሃደራዊ ስጕምቲ" ገይርካ ዝርአ እንተደኣ ኰይኑ፡ ኢራን ንዓኣ ምጥቃዕ "ከቢድ ዋጋ ከም ዝሓትት" ንምግባር ብምድላይ፡ ኣገባባ ክትቅይር ትኽእል እያ።
ከምዚ ዝበለ ምቕያር ኣገባብ ድማ ነቶም ኣብ መጻኢ ክኽሰቱ ዝኽእሉ ምስሕሓባት ዝያዳ ሓደገኛታትን ክገብሮም ይኽእል እዩ።