ኤርትራን ግብጽን ስትራተጅያዊ ምሕዝነተንን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ንምድልዳል ተሰማሚዐን

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ካብ 7 ሰነ 2026 ኣትሒዙ ኣብ ካይሮ ግብጺ ዑደት የካይድ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ'ዚ ዑደት'ዚ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዶክተር በድር ዓብደልዓጢን ብ10 ሰነ 2026 ኣብ ካይሮ ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም።

ብመሰረት ምኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ዘስፈሮ ሓበሬታ፡ ክልተኦም ወገናት ኣብ መንጎኦም ዘሎ ኵሉ-መዳያዊ ምትሕብባር ንምድልዳልን ኣብ ናይ ሓባር ጉዳያት ዘለዎም መርገጺታት ንምትእስሳርን ተሰማሚዖም ኣለዉ።

ድሕሪ'ቲ ዘተ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ክልተኦም ምኒስተራት ነቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲን ብ8 ሰነ ዝተኻየደ ዓሚቝ ዘተ መሰረት ብምግባር፡ ኣብዞም ዝስዕቡ ጽላታት ናይ ምትሕብባር ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ኣረጋጊጾም፤

  • ኣብ ዓውድታት ማዕድን፡ ትሕተ-ቕርጺ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ኢንዱስትሪ መድሃኒት፡ ምግፋፍ ዓሳን ባሕራዊ መጓዓዝያን፣
  • ምስፋሕፋሕን ምድልዳልን ዓቕሚ ወደባት ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ወደባት ዓሰብ፡ ምጽዋዕን ማርሳ ፋጥማን፣
  • ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ናይ መሬት፡ ኣየርን ባሕርን መራኸቢታት ምትእስሳር።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ ስምምዕ'ዚ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ምያዝያ ኣማኻሪ ቍጠባ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ሓጐስ ገብረህይወት ኣብ ግብጺ ዘካየዶ ዑደት ከምኡ'ውን ኣብ ግንቦት ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ምኒስተር መጓዓዝያን ግብጺ ምስ ወከልቲ ግብጻውያን ሰብ-ሃብቲ ናብ ኣስመራ ዝገበርዎ ጕዕዞ ስዒቡ ዝመጽአ ኰይኑ፡ ንግዳዊ ልውውጥን ቍጠባዊ ምሕዝነትን ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ።

ብሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጎስ ገብረህይወት ዝምራሕ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ መፋርቕ ምያዝያ ናብ ካይሮ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ምስ ግብጻውያን ምኒስተራት ወጻኢ፡ ወፍሪ፡ ንግዲን ኢንዱስትሪን፡ መጓዓዝያ፡ ኤለክትሪሲቲን ጸዓትን፡ ሕርሻን መሬትን፡ ከምኡ'ውን ሓለፍቲ ትካላት ባንክን መድሃኒትን ተራኺቡ ከም ዝተዘራረበ ይዝከር።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ'ውን ኤርትራ ምስ ኩባንያታት ግብጺ ኣብ ጽላታት ጸዓት፡ መጓዓዝያን ዕደናን ሓባራዊ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ክትሰርሕ ድልውቲ ምዃና ሓቢሩ ነይሩ እዩ።

ግብጺ ንተሳትፎ ብሕታዊ ጽላት ሃገራ ኣብ ዕዳጋ ኤርትራ ክትድግፍ ምዃና'ውን ኣፍሊጣ።

ብተወሳኺ፡ ብወገን ግብጻዊ ትካል ምሕዝነት ንልምዓት ኣቢሉ ዓቕሚ ንምህናጽ ዝወሃቡ ተክኒካዊ ስልጠናታት ንምስፋሕ ተሰማሚዖም ኣለዉ።

ውሕስነት ልዑላውነትን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን

ግብጺ "ንልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ኤርትራ ምሉእ ደገፍ" ከም እትህብ ደጊማ ከም ዘረጋገጸት ምኒስተር የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

ብዛዕባ ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ኵሉ ዞባን ኣመልኪቶም ኣብ ዝተዛተይሉ፡ ዓቕሚ ሃገራዊ ትካላት ምሕያል ንርግኣትን ልምዓትን ወሳኒ ስጕምቲ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።

እዚ ድማ ክልተኦም መራሕቲ ኣብ መሰረታዊ ኣህጉራዊ ሕግታት ተመርኲሶም ዘካይዱዎ ምዃኑ ተገሊጹ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ጸጥታን ምሕደራን ቀይሕ ባሕሪ ናይተን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ጥራይ ሓላፍነት እዩ።"

ካብዚ ወጻኢ ዝዀኑ ወገናት፡ ኣብዚ ዞባ'ዚ ናይ ጸጥታ መሳርዓት ንምግባርን ወይ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዝገብሩዎ ኵሉ ዓይነት ፈተነታት ቅቡል ከም ዝዀነን እዚ ድማ ምስ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጋጮ ምዃኑን ኣመልኪቱ።

ግብጺ ነቲ ኤርትራ ብዛዕባ ምሕደራ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ስትራተጅያዊ ራእይ ምሉእ ብምሉእ ከም እትድግፍ'ውን ኣፍሊጣ።

ኣዲስ ኣበባ ነዚ ኣብ መንጎ ኣስመራን ካይሮን ዝግበር ዘሎ ምሕያል ዝምድናታት ብጽቡቕ ከም ዘይትጥምቶ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ኢትዮጵያ፡ ግብጺ ምስ ኤርትራ ስምምዕ መጓዓዝያ ባሕሪ ድሕሪ ምኽታማ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ቀጥታዊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ንዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ሰላም ንምትዕንቓፍን ንምዝራግን ትንቀሳቐስ ኣላ ብምባል ክትከስስ ተሰሚዓ እያ።

ብሓሙስ 21 ግንቦት 2026 ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ካብ ካይሮ ዝመጽአ "ዘይሃናጺ ውዲት" ነቲ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘለዋ ድሌት ንምዕንቃፍን ኣቓልቦ ንምስራቕን ዝዓለመ እዩ ኢሉ ነይሩ።

ምኒስተር በድር ዓብደልዓጢ ኣብ ኣስመራ ምስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ጸጥታን ምሕደራን ቀይሕ ባሕሪ ናይተን ኣብ ገማግም እቲ ባሕሪ ዘለዋ ሃገራት ጥራይ ፍሉይ ሓላፍነት ክኸውን ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዘይርከባ ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝተኣሳሰሩ ዝዀነ ይዅኑ ስምምዓት ናይ ምእታው መሰል ከም ዘይብለን ቀጥታዊ መልእኽቲ ኣሕሊፉ ነይሩ።

ዞባዊ ጉዳያትን ቀርኒ ኣፍሪቃን

ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣምባሳደር ታሚም ኸላፍ ከም ዝሓበሮ፡ ክልተኦም ምኒስተራት ኣብ ጉዳያት ሱዳንን ሶማልያን ዘተኰረ ዞባዊ ጉዳያት ሓሳብ ተለዋዊጦም።

ግብጺ፡ ርግኣት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ሃገራዊ ጸጥታኣ ብቐጥታ ዝተኣሳሰረ ኰይኑ፡ "ልዑላውነት ሃገራት ዝጐድእ ወይ ንርግኣት ዞባ ዝዘርግ ብሓደ ወገን ጥራሕ ዝውሰድ በይናዊ ስጕምቲ፡" ከም እትነጽግ ኣነጺራ።

ኣብ መወዳእታ፡ ክልተኦም ምኒስተራት እዚ ስትራተጅያዊ ምሕዝነት'ዚ ብቐጻሊ ንምግምጋም፡ ኣብ ካይሮን ኣስመራን እዋናዊ ናይ ምኽክር ዘተታት ክቕጽል ምዃኑ ከም ዝተሰማምዑ እቲ ዝተዋህበ ሓበሬታ የረድእ።