ኣብ ልዕሊ ተለቪዥን ትግራይ ዝወረደ መጥቃዕቲ ድሮን ወተሃደራዊ ምዕባለታትን

ተለቪዥን ትግራይ ብቕድሚቱ ተሃሪሙ ቤትሮታት ተሰባቢሩ ይርአ
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

መደበር ተለቪዥን ትግራይ ትማሊ ሰንበት 27 መስከረም ብድሮን ከም ዝተሃረመን ዕጡቓት ድማ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣንጻር ሓይልታት መንግስቲ ይገጥሙ ከም ዘለዉን ኤ-ኤፍ-ፒ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ፈደራላዊ መንግስትን ከቢድ ግጭት ዳግማይ ብምጅማሩ፡ ነቲ ኣስታት 600,000 ሰባት ዝሞትሉ ተባሂሉ ዝግመት ናይ 2020-2022 ኲናት ሓድሕድ "ዳግማይ ክምለስ ይኽእል እዩ" ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ህወሓት ኣብቲ ክልል ዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲ ተቘጻጺሩ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈተን ብምግላጽ፡ ኣንጻር መንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ "ናይ ምክልኻል ኲናት" የካይድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ንኤይ-ኤፍ-ፒ ካብ ትካላት ረዲኤት ንዝረኸቦ ሓበሬታ ተወኪሱ ከም ዝገለጾ፡ ምስ ክልል ትግራይ እትዳወብ ከተማ ኤረብቲ ክልል ዓፋር ብኸቢድ ኣጽዋር ድሕሪ ምህራማ፡ ሰንበት "ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር" እቶም ዕጡቓት ኣትያ ኣላ።

እቶም ዕጡቓት ናብታ ኣስታት 100 ኪሎሜተር ንምብራቕ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኣፍዴራ ገጾም ይግስግሱ ከም ዘለዉ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ምንጪ፡ ኣብ ክልል ዓፋር እንተ ወሓደ 150,000 ሰባት ከም ዝተመዛበሉ ብግምት እኳ እንተ ገለጸ፡ "ልክዕ ቍጽሪ ምሃብ ግና ዘይከኣል ምዃኑ፡" ሓቢሩ።

እንተዀነ፡ ካብ ሰበ-ስልጣን ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኮነ ካብቶም ዝተመዛበሉ ነበርቲ ብዛዕባ እዚ ይካየድ ኣሎ ዝተባህለ መጥቃዕትን ምምዝባልን ብቐጥታ ዝተዋህበ ርእይቶ ዛጊት ኣይተሰምዐን።

እዚ ኰይኑ ግን ነቲ ቅልጡፍ ምቅይያራት ዘርኢ ዘሎ ወግኣት ዝምልከት ጭቡጥ ምዕባለታት፡ ኵሎም ወገናት ነናይ ገዛእ ርእሶም "ዓወት" ስለዘቃልሑ ብናጻ ወገን ምርግጋጽ ኣይተኻእለን ዘሎ።

መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መደበር ተለቪዥን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ህወሓት ምስ ካልኦት ሸውዓተ ዕጡቓት ጕጅለታት እታ ሃገር ኪዳን ዝፈጠረ ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ዝተጠቕመሉ ብኽልል ኣምሓራ ኣቢልካ ንደቡብ ገጽካ "ናብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምግስጋስ ስትራተጂ" ዝደግሞ ዘሎ ይመስል ይብል እቲ ጸብጻብ።

እቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ድማ ነቲ ዳርጋ ኵሉ ኣህጉራዊ ንግድን ነዳድን ኢትዮጵያ ዝሓልፈሉ መስመር ጅቡቲ "ንምቝራጽ ዝዓለመ እዩ።"

ዋና ቤት ጽሕፈት ትግራይ ቲቪ፡ ሰንበት ከባቢ ሰዓት 9:00 ቅድሚ-ቐትሪ (ብኣቈጻጽራ ናይቲ ከባቢ) ብድሮን ተሃሪሙ። እዚ መደበር ተለቪዥን ከም "ቀንዲ ማዕከን ዜና" ናይቲ ክልል ኰይኑ፡ እዞም ዕጡቓት ልፍንቲ ከም ዝመስረቱ ዝኣወጅሉ ብመንገዱ እዩ ነይሩ።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ጋዜጠኛ እቲ ትካል ንኤጀንሲ ዜና ፈረንሳ ክዛረብ ከሎ፡ "ኣብ ካልእ ቦታ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ዝተፈጥረ ብርቱዕ ድምጺ ሰሚዕና፡ ካብቲ ህንጻ ሃዲምና፡" ኢሉ።

እቲ መደበር ተለቪዥን ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዛጊት ዝዀነ መግለጺ ኣይሃበን።

ብሓደ ናይቲ ከባቢ ጋዜጠኛ ዝተላዕለ ኣሳእል ከም ዘርእዮ፡ ቅድሚት ገጽ ናይቲ ህንጻ ትግራይ ቲቪ ብሰንኪ እቲ ፍንጀራ "ከም ዝተጐድአን ጸሊም ትኪ ከም ዝተኸድነን"፡ ከምኡ'ውን ሓያሎ መሳዅቲ ከም ዝተሰብረን የርኢ።

ካልእ ጋዜጠኛ ድማ ኣስታት 400 ሰራሕተኛታት ዘለዎ እዚ መደበር፡ ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ፈነወኡ ከም ዘቋረጸ ሓቢሩ። ብዛዕባ ዘጋጠመ መጕዳእቲ ህይወት ግና "ዝተዋህበ ሓበሬታ የሎን።"

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ወይ ሰራዊት ምክልኻል ብዛዕባ'ዚ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቲቪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ይዅን ብዛዕባ'ቲ ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ይገብሩዎ ኣለዉ ዝተባህለ ገስጋስ ዝሃቦ ግብረ-መልሲ ወይ ወግዓዊ መግለጺ ክሳዕ ሕጂ ኣይሃበን።

መንግስቲ ፈደራል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ21 መስከረም ትግራይ ቲቪ ን"ዘይተወሰነ ግዜ" ከምዝተኣገደትን ካልኦት ማዕከናት ዜና ጸብጻባታ ከየመሓላልፋ ከም ዝኸልከለን ይዝከር።

ኣብቲ ኣብ ፈይስቡክ ገጹ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ንጸጥታ ሃገርን ህዝብን፡ ከምኡ'ውን ሃገራዊ ረብሓታት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፡ ግጭት ዘላዕሉ ኣኽራሪነት ዘተባብዑን መልእኽትታት ይመሓላለፉ ከም ዘለዉ "ኣረጋጊጸ" ኢሉ ነይሩ።

ስግኣት ዕጽዋን ድሮናትን

ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ቀንዲ ኣቕረብቲ ኣገልግሎት ተለኮም ኣብ ትግራይ ኣብ ኣገልግሎት ተለፎንን ኢንተርነትን "ከቢድ ምቍራጽ" ከም ዘጋጠመ ድሕሪ ምሕባሮም፡ ሓበሬታ ድሩት ኰይኑ ኣሎ፣ ብዛዕባ እቲ ግጭት ጸብጻብ ንምቕራብ ከኣ ኣጸጋሚ ገይሩዎ ይርከብ።

በዚ ምቍራጽ ሓበሬታን ጸጥታውን ምኽንያት ድማ ከም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሂውማን ራይትስ ዎች ዝኣመሰሉ ናጻ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ረድኤትን፡ ነዚ ሓድሽ ምዕባለታትን መጥቃዕትታትን ብናጻ ኣጻርዮም ከረጋግጹ ኣጸጋሚ ኰይኑዎም ኣሎ።

ብዙሓት ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ወገናት ነቲ ኣብ ኲናት 2020-2022 (ካብቶም ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ዓለም ዘጋጠሙ ዝኸፍኡ ግጭታት ሓደ ዝነበረ) ብመንግስቲ ፈደራል ተነቢሩ ዝነበረ፡ ኤለክትሪክ፡ ባንክን ዳርጋ ኵሉ ረድኤትን ዝተቛረጸሉ ዕጽዋ "ከይድገም ስግኣቶም ይገልጹ" ኣለዉ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብዓርቢ መጠንቀቕታ ዘውጽአ ክኸውን እንከሎ፡ ወሃቢ-ቓል ናይቲ ዋና ጸሓፊ "ብፍላይ በቲ ድሮናት ከም ዝተጠቕሙ ዝገልጽ ጸብጻባትን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ ዘሎ ጕድኣትን ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦም፡" ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ኲናት ዓቢ ወተሃደራዊ ብልጫ ኣለዎ፤ እዚ ድማ "ዓቢ ዕጥቂ ድሮናት፡ ኣስታት 500,000 ዝግመቱ ሰራዊትን ከምኡ'ውን ካብ ወጻኢ ብፍላይ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝረኽቦ ደገፍ" ከም ዘጠቓልል ይግለጽ።

እንተዀነ እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ባሕሪ-ኣልቦ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ መእተዊ ቀይሕ ባሕሪ ንምቍጽጻር መጥቃዕቲ ክትፍኑ ትኽእል እያ ዝብል ስግኣት ስለ ዘሎ፡ እዚ ግጭት ንጐረቤት ሃገር ኤርትራ "ኣብ ጐድኒ እቶም ዕጡቓት ንኽትስለፍ ክደፋፍኣ ይኽእል እዩ፡" ዝብል ስግኣት ኣሎ።

ንድሕሪት ምልስ ብምባል...

ህወሓት ካብ 1991 ክሳብ 2018 ንምሉእ ኢትዮጵያ ዝመርሐ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ግና ተገሊሉ እዩ።

እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ናብቲ "ብሰፊሕ ገበናት ኲናት ጾታዊ ዓመጽን ዝተሰነየ" ኲናት ሓድሕድ ኣምሪሑ።

ብኣፍሪቃውያን ትካላትን ዋሽንግተንን ዝተማእከለ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ 2022፡ ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ተዛማዲ ሰላም ኣስፊኑ ጸኒሑ እዩ። ምሉእ ብምሉእ ተግባራዊ ብዘይምዃኑ ግን ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት "ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣይከኣሉን።"

እቲ ስምምዕ ሰላም ዳግማይ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ዝኸኣለሉ ጠንቂ፡ ከም ጉዳይ ምምላስ ተመዛበልቲ ናብ ምዕራብ ትግራይ፡ ምውጻእ ግዳማውያን ሓይልታት፡ ከምኡ'ውን ኣፈታትሓ ዕጥቂ ህወሓት ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ዛዕባታት ብዘይምፍትሖም ምዃኑ ይንገር።

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ሓይልታት ፈደራል ኣብ ትግራይ ሓያሎ መጥቃዕቲ ድሮናት ብምፍናውን ኣብ ዶባቱ ሰራዊት ብምእካብን "ሓሓሊፉ ዝካየድ ግጭታት" ዳግማይ ተላዒሉ እዩ።

ተሓለቕቲ መሰላት ብወገኖም፡ ህወሓት ነዚ ዳግማይ ዝተላዕለ ግጭት ንምድላው ሎሚ ዓመት "ጐስጓስ ግዱድ ውትህድርና" የካይድ ነይሩ ብምባል ይኸሱ።