ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ስለምንታይ እየን ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዘጠንቅቓ ዘለዋ?

Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኣዕናዊ ኲናት፡ ንውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ ስዒቡ ብዕሊ ካብ ዝዛዘም እንሆ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ግዘ ተቘፂሩ ኣሎ።

ይዅን እምበር፡ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ምሉእ ርግኣትን ሰላምን ዛጊት ኣብ ባይታ ክረጋገጽ ብዘይምኽኣሉ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ንማሕበረሰብ ዓለም ዝሓወሰ ሻቕሎትን ስክፍታን መሊሱ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

ኣመሪካ ተሪር መጠንቀቕታ ብምውጻእ፣ ኵሎም ነቲ ተነቃፊ ዝዀነ መስርሕ ሰላም ይዕንቅፉ ዘለዉ ዝበለቶም ሰበስልጣን ህወሓት፡ እቲ ዘሎ ወጥሪ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ቅድሚ ምዃኑን ናብ ዳግማይ ዕንወት ቅድሚ ምምራሑን ብህጹጽ ናብ ጠረጴዛ ዘተ ክምለሱ ጸዊዓ ኣላ።

እዚ መግለጺ'ዚ፡ ዋሽንግተን "ንሰላም ኢትዮጵያ የተዓናቕፉ ኣለዉ" ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም ፖለቲከኛታትን ላዕለዎት መራሕትን ህወሓት ናይ ቪዛ እገዳ ካብ እተንብር ድሕሪ ሒደት መዓልታት ጥራይ ዝወጸ ብምዃኑ፡ ነቲ ጕዳይ ዝያዳ ፖለቲካዊ ክብደት ሂቦዎ ይርከብ።

ማዕረ ማዕሪኡ፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ኵነታት ኣዝዩ እናተሓላለኸን ወጥሪ እናዓሞቐን ይኸይድ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ መንጎ መሪሕነት ህወሓትን እቲ ዕድመ-ስልጣኑ ዝተናውሓሉ ግዝያዊ ምምሕዳርን ዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ቍርቍስ ነቲ ብኲናት ዝደኸመ ህዝቢ ኣብ ተወሳኺ ስግኣት ሸሚሙዎ ይርከብ።

ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ንኻልእ ሓድሽ ኲናት ወተሃደራዊ ምድላዋትን ግፋን ይግበር ምህላዉ ዘመልክቱ ተደጋጋሚ ክስታት ይስምዑ ኣለዉ።

ነዚ እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ስግኣታት ንምህዳእ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት'ውን ይውስኽ እኳ እንተሎ፡ ብወገን ህወሓት ዝወጽኡ ወግዓውያን መግለፅታት ግን ነቶም ዝቐርቡ ክስታት ብምሉኡ ይነፅጉዎም ኣለዉ።

እሞ ደኣ ብልክዕ ኣብ ትግራይ እንታይ እዩ ዝካየድ ዘሎ? ንምንታይ እያ ኣመሪካ ኣብዚ እዋን'ዚ ዝያዳ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ንምግባር ትፍትን ዘላ? እቲ ዞባ ብሓቂዶ ዳግማይ ኣብ ሓደጋ ካልእ ደማዊ ግጭት ወዲቑ እዩ?

ሓድሕዳዊ ምክሳስ

ክልቲኦም ወገናት ማለት መራሕቲ ህወሓትን ሰበስልጣን ብልጽግና ዝመርሖ መንግስቲ ፈደራልን ክስታት ይለዋወጡ ኣለዉ።

እዚ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ስግኣት ካብ ምፍጣሩ ብተወሳኺ ነቲ ኵነታት ብቐረባ ኣብ ዝከታተሉ ክፋላት ማሕበረሰብ ዓለም'ውን ስክፍታ ኣሕዲሩ'ሎ።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ጌታቸው ረዳን ዳይረክተር ትካል ብሄራዊ መረዳእታን ድሕነትን ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴንን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ህወሓት ኣብ ሓፂር እዋን ካልእ ኲናት ንምክያድ ተዳልዩ ኣሎ እናበሉ ክኸሱ ይስምዑ።

ህወሓት ግን ነቶም ክስታት ብትሪ ይነጽጎም።

የግዳስ መንግስቲ ፈደራል ንወተሃደራዊ ግጭት ይዳሎን ንትግራይ ብፖለቲካዊ መዳይ ንምድኻም ይፍትንን ከምዘሎ መራሕቲ ህወሓት ይኸሱ።

እዞም ካብ ክልቲኡ ወገን ዝስምዑ ምክሳሳት ኣብ ባይታ እንታይ ይፍጸም ከምዘሎ ብልክዕ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ይገብርዎ።

እቲ ንጹር ዝዀነ ሓደ ሓቂ ግን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ምትእምማን ተኣፋፊ ኰይኑ ይቕጽል ምህላዉ እዩ።

ብዘተ ምፍታሕ እንተዘይተኻኢሉ፡ እቲ ዘይምርድዳእ፣ ፖለቲካዊ ግጉይ ቅማረታት ወይ ብተናፀል ዝውሰዱ ስጕምቲታት ፀጥታ ናብ ዝሰፍሐ ግጭት ክዓርግ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ካብ ዲፕሎማሰኛታት ይስማዕ።

መልእኽቲታት ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን

ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝርከብ ኤምባሲኣ ኣቢላ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ኵሎም ንመስርሕ ሰላም ዝዕንቅፉ ዘለዉ ተዋሳእቲ ኣካላት፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝምራሕ ጻዕሪታት ዘተ ብቕልጡፍ ክተሓባበሩ ኣተሓሳሲባ።

ብተወሳኺ እቲ ኤምባሲ መራሕቲ ፖለቲካን ሲቪላዊ ማሕበራትን ኣብ ፖለቲካዊ ዘተ ክሳተፉ ከምኡ'ውን ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ዘብቅዐ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ከተግብር ጸዊዑ።

ግን ድማ እቲ ኤምባሲ ኣየኖት ውልቀሰባት ወይ ጕጅለታት ንመስርሕ ሰላም ይዕንቅፉ ኣለዉ ኢሉ ከምዝኣምን ኣየነጸረን።

ይዅን እምበር እቲ መግለጺ ዝተወሃበሉ ግዜ ናብ ሓደ ወገን ዘመልክት'ዩ ምባል ይከኣል።

ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ፡ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ነቶም "ኣኽረርቲ" ኢሉ ዝገለጾም ኣባላት ህወሓትን ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን ዒላማ ዝገበረ እገዳታት ቪዛ ወግዓዊ ምግባሩ ይዝከር።

ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ዳግማይ ግጭት ከይለዓል ስግኣት ይፈጥር ከምዘሎ እያ ኣመሪካ ትገልፅ።

እዚ እገዳ ቪዛ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ንደሓር ብወገን ኣመሪካ ካብ ዝመጹ ዓበይቲ ዲፕሎማስያዊ ምልክታት ሓደ እዩ።

ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ እናወሰኸ ዝመፅእ ዘሎ ወጥሪ ከምዘሻቕሎ ዘመልክት ሓፂር መግለፂ ኣውፂኡ'ሎ።

ኣብ ቀረባ እዋን ብህወሓት ዝተወሰደ ስጕምትታት ምቛም ጐድናዊ ክልላዊ ቤት ምኽሪ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ትግራይ ዝግበር ወተሃደራዊ ምልመላ ስክፍታትት ከም ዝፈጠረሉ'ዩ እቲ ሕብረት ኣመልኪቱ።

እዚ ድማ ነቲ ኣብ 2022 ዝተኸተመ ውዕል ቀዋሚ ምቍራፅ ተፃብኦታት ዝጥሕስ ከምዝዀነ ጠቒሱ።

ብዅሎም ወገናት ኣብ ጭቡጥ ኣተገባብራ እቲ ስምምዕ ዘተኮረ ዝርርብ ዳግማይ ምጅማር ኣገዳሲ ምዃኑ ብምሕባር "ነቲ ብላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ ዝምራሕ ናይ ሽምግልና ጻዕርታት ምሉእ ብምሉእ ንድግፎ" ኢሉ።

ህወሓት ንሕብረት ኤውሮጳ መልሲ ኣብ ዝሃበሉ መግለፂ፡ "ምቛም ጐድናዊ ክልላዊ ቤት ምኽሪ" ብዝብል ንዝተጠቐሰ ሓሳብ መሰረት ዘይብሉን ኣብ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ዝተመርኰሰ ክብል ተቓዊሙ። ኣብቲ ክልል ንህዝቢ ዝውክል ቤት ምኽሪ ከምዘይፀንሐ ብምጥቃስ ቅድሚ ኲናት ግን ብህዝቢ ዝተመረፀ ባይቶ ከምዝነበረን ኣብ ቀረባ ናብ ስርሑ ከም ዝተመለሰን ኣብሪሁ።

"ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንኣገደስቲ ጠለባት ህዝቢ ትግራይ መልሲ ኣብ ምሃብ ከምዝፈሸለ ብተደጋጋሚ ክንገልፅ ፀኒሕና ኢና" ዝበለ ህወሓት፡ ኣብ ዘይተፈፃምነት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ንመንግስቲ ፈደራል ተሓታቲ ገይሩ'ሎ።

ኣብ ትግራይ ኣሎ ንዝተብሃለ ወተሃደራዊ ምልመላ ብዝምልክት ድማ "ዘይንጹርን ብሓቅታት ዘይተደገፈን" ክብል ንመግለፂ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተቓወመ ህወሓት፡ ዳግማይ ዘንፀላለወ ስግኣታት ኲናትን ኣብ ዙርያ ትግራይ ሓይልታት ፈደራል ምፅጋዕን መሰረት ብምግባር ንህዝቢ ትግራይ ካብ ተወሳኺ ግፍዕታትን ዕንወት ምሕላው መሰረታዊ ሓላፍነት ሰብመዚ እቲ ክልል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

"ህዝቢ ትግራይ ንባዕሎም ካብ ዘጋጥሙ ሓደጋታት ናይ ምክልኻል መሰል ኣለዎም" ብምባል ንፖለቲካዊ ልዝብን ድልዋት ከም ዝዀኑን መንግስቲ ፈደራል ብቕልጡፍ ናብ ዘተ ንኽመፅእ ፀቕጢ ክግበረሉን ህወሓት ፀዊዖም።

ስለምንታይ ሕጂ?

ዋሽንግተን ንምንታይ ኣብዚ እዋን ኣብ ኵነታት ትግራይን ዳግማይ ግጭትን ትዛረብ ኣላ ዝብል ንምርዳእ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ውሽጢ ትግራይ እንታይ ከምዘጋጠመ ብመጠኑ ምድህሳስ ኣገዳሲ እዩ።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ናብ ፖለቲካዊ ምርግጋእ ኣብ ክንዲ ምስጓም፡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝተፈጥረ ነቓዕን ምፍልላይን እናሰፍሐ መጺኡ።

ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት መራሕትን እሙናት እቲ ውድብን ናይ ስልጣን ቃልሲ ብቕሉዕ ተራእዩ።

እቲ ምስሕሓብ ከኣ ኣብ መወዳእታ እቲ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተመስረተ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ ክፈርስ ምኽንያት ኰይኑ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ እቲ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ናብ ስግኣት ጸጥታ፡ ምሕደራን ምቍጽጻር ክልላዊ ትካላትን ሰፊሑ።

ኣብ ርእሲኡ ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ግዴታዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘተኣተወ ኣካታዒ ኣዋጅ ኣብቲ ክልል ፀዲቑ።

እቲ ውሳነ ድማ ኣብ ነበርትን ተዓዘብትን ከቢድ ስክፍታታት ኣስዒቡ'ሎ። ድሮ ኣብ ሓያሎ መዳያት ምልመላ ከምዝተጀመረ'ውን ጸብጻባት የመልክቱ።

ፖለቲካዊ ወጥሪ ከይተፈትሐ እንከሎ ወተሃደራዊ ምልዕዓል ይካየድ ስለዘሎ እቲ ዝረአ ዘሎ ኵነታት ስግኣት ክፍጠር ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

ገለ ብዛዕባ ስምምዕ ፕሪቶርያ

ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ደማውን ኣዕናውን ግጭት ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተፈሪሙ።

እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም፡ ተጻብኦታት ብቕልጡፍ ደው ክብል ይፅውዕ።

ሓይልታት ህወሓት ኣጽዋር ክፈትሑ፡ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ምሕያል፡ ከም ባንክን ቴሌኮሙኒኬሽንን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ምምላስ ከምኡ'ውን ንቡር ፖለቲካዊ ሃዋሁ ምምላስ ዝሓትት ነይሩ።

እቲ ስምምዕ እቲ ኲናት ካብ ዝውዳእ ኣትሒዙ ንትግራይ ዘመሓድር ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር እውን ፈጢሩ።

ዓበይቲ ውግእ ደው እኳ እንተበሉ፡ ኣተገባብራኡ ግን ዘይምዕሩይ ኰይኑ ጸኒሑ'ሎ። ብዙሓት ኣገደስቲ ጉዳያት ገና ኣይተፈትሑን ዘለዉ።

እዚኦም ድማ ኵነታት ዘካትዕ ግዝኣታት፣ ምሉእ ብምሉእ ትግበራ ምፍታሕ ኣጽዋር፣ ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ኣብ ግዜ ኲናት ንዝተፈጸመ ግህሰት ተሓታትነትን ብግጭት ዝዓነወ ቍጠባ ዳግመ-ምህናጽን ይርከብዎም።

ኣብ ትግራይ ብሚልዮናት ዝቝፀሩ ሰባት ሕጂ'ውን ሓገዝ መግብን ካልኦት ሰብኣዊ ደገፋትን ከምዘድልዮም ትካላት ሰብኣዊ ሓገዛት ይግምቱ።

ዝተመዛበሉ ስድራቤታት እውን ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣይክእሉን።

ዝቐፀለ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕርታት

ዋላ'ኳ እቲ ወጥሪ እናዓበየ እንተመጸ፡ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ግን ደው ኣይበለን።

ኣብ እዋን ዘተ ሰላም ቀንዲ መንጐኛ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝነበረ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ህወሓት ተራኺቡ ነይሩ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ እቲ ዘተ ውጽኢታዊ ምንባሩ ጥራይ እዩ።

ሰበስልጣን ህወሓት ብወገኖም እቲ ንነዊሕ እዋን እናተዳኸመ ዝመጸ ዝምድናን ርክባትን ምስ መንግስቲ ፈደራል ናብ ንቡር ፖለቲካ ንምምላስ ዘተኮረ ምዃኑ ገሊፆም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ንፖለቲካውን ሰብኣውን ምዕባለታት ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎ እዩ ዝሕብር።

ብተወሳኺ ኣመሪካ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዛት ክትገብር ምዃና ደጊማ ብምርግጋጽ ንቐጻሊ ሕውየት ነባሪ ምርግጋእ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣብ ቀፃሊ ናብ ትግራይ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ዞባን ሰብኣዊ ትካላትን ክራኸቡ መደብ ከምዘለዎም እውን እቲ ኤምባሲ ኣፍሊጡ።

ስለምንታይ ኣገዳሲ ኰይኑ?

ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ጕዳይ ትግራይ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ዘውጽኣሉ ዘለዋ ቐንዲ ምኽንያት፡ እቲ ንሰሜን ኢትዮጵያ ዘህደአ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ስለዘሎ እዩ።

ኣብ ትግራይ ዳግማይ ዝውላዕ ግጭት ዝህልዎ ሳዕቤን ስግር ሰሜን ኢትዮጵያ ኣርሒቑ ከም ዝኸይድ ናብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኰነን። እዚ ድማ ንማሕበረሰብ ዓለም ስክፍታ ዘፈጢሩ ይርከብ።

ስምምዕ ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ኣይተ ተግበረን። ሓያሎ ጕዳያት መንነትን ተመዛበልትን ከይተፈትሐ፡ ብወገን ህወሓት ነባር ባይቶ ናይ ምምላስን ወተሃደራዊ ግፋን ስጕምትታት ይውሰድ ኣሎ ዝብል ክስታት ክስማዕ ከሎ፡ ብወገን ፈደራል መንግስቲ ዝግበር ዘሎ፡ ድማ ኣብ ከባቢ ዶባት ትግራይ ወተሃደራዊ ምልዕዓላትን ናይ ድሮን ስግኣትን ምህላዉ ይግለጽ።

ዞባዊ ሰብኣውን ጸጥታውን ቅልውላው ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ኲናት ሱዳንን ዘይርጕእ ኵነታት ሶማልያን ካልእን ኣብ ጫፍ ከቢድ ሓደጋ እዩ ዘሎ።

ኣብ ትግራይ ዳግማይ ኲናት እንተተወሊዑ፡ ነቲ ድሮ ብጥሜትን ስደትን ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ካልእ ዝኸፍአ ሓደጋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንምሉእ ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ናብ ዝኸፍአ ዕንወት ክሸምሞ እዩ እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።

ብሓጺሩ፡ እዚ ናይ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን መጠንቀቕታን ናይ ቪዛ እገዳታትን፡ ኵሎም ፖለቲካውያን ሓይልታት ካብቲ ናብ ኲናት ዘምርሕ ዘሎ ጐስጓስ ተቘጢቦም፡ ፍልልያቶም ብህጹጽ ብጠረጴዛ ዘተ ንኽፈትሑዎ ዝግበር ዘሎ ሓያል ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ እዩ።