ኣብ እዋን ልምምድ እንከላ ዝሞተት ኢትዮጵያዊት ኣትሌት

ኣትሌት የብርጓል ብ2018 ኣብ ሻንጋይ ማራቶን ተዓዊታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣትሌት የብርጓል ብ2018 ኣብ ሻንጋይ ማራቶን ተዓዊታ
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣትሌት የብርጓል መለሰ፡ ብሰሉስ 4 ግንቦት 2018 ዓ.ም [ግ] ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ 'ጃን ሜዳ' ዝተባህለ ከባቢ ኣብ እዋን ልምምድ እንከላ ሃንደበት ዓሪፋ።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ነዊሕ ርሕቐት ንኢትዮጵያ ሜዳልያታት ዝተዓወተት ኣትሌት የብርጓል፡ ኣብ ካናዳ ኦታዋ ንዝካየድ ውድድር ማራቶን ንምስታፍ ልምምድ ክትገብር ከም ዝጸንሐት ኣሰልጣኒኣ ዳዊት ሕሉፍ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ኣብ እግራ ቁሩብ ቃንዛ ነይሩዋ፡" ብምባል ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ እቲ ውድድር ንክተርፋ ተዘራሪቦም "ከም ዝሰረዘቶ" ሓቢሩ።

ብሰሉስ ንጉሆ ግን ስሩዕ ልምምድ ንምግባር ናብ 'ጃን ሜዳ' ከም ዝኸደት ብምግላጽ፡ "ፍጥነታ ብኪሎ ሜተር 9 ወይ 10 ከም ዝነበረ'ዮም ምስኣ ዝነበሩ ስፖርተኛታት ነጊሮምና፤ እዚ ማለት ድማ 'ዎክ' ከም ምግባር ማለት እዩ፡" ብምባል ከቢድ ምንቅስቓስ ትገብር ከም ዘይነበረት ገሊጹ።

ቅድሚ ምሟታ ድማ፡ ሃንደበት ኣብቲ ናይ ልምምድ ቦታ ወዲቓ ከም ዝነበረት ካብቶም ምስኣ ዝነበሩ ሰባት ምስምዑ ጠቒሱ።

ናብ ሆስፒታል ኣብ እትኸደሉ ዝነበረት ዝነበረት እዋን ድማ፡ ኣብ መገዲ ሰብነታ ክዝሕል ከም ዝጀመረን ድሒሩ ህይወታ ከም ዝሓለፈን ኣረዲኡ።

እታ ኣትሌት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ኢትዮጵያ ወኪላ ብምስታፍ ሜዳልያታት ተዓዊታ እያ። ብ2015 ኣብ ኮንጎ ብራዛቪል ኣብ ዝተኻየደ ጸወታታት መላእ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ሜዳልያ ነሓስ ተዓዊታ።

ድሕሪኡ ኣብ ቺካጎ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን፡ ሜዳልያ ብሩር፡ ኣብ ማራቶናት ቻይና ሻንጋይ፣ ቼክ ሪፐብሊክ ፕራግ ከምኡ'ዉን ኣብ ኣመሪካ ሂዩስተን ተሳቲፋን ሜዳልያታት ተዓዊታን እያ።

ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ፓሪስ ክልተ ግዜ ዝተዓወተት የብርጓል፡ ኣብ ፖርቱጋል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ሊዝበን እውን ከም ዝተዓወተ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ውድድር ማራቶን ባርሴሎና ካልኣይቲ ኰይና ውድድራ ከም ዝዛመት ዘዘኻኽር ኣሰልጣኒኣ፡ ድሕሪ እቲ ውድድር ናይ ብሕቲ ልምምድ እናገበረት ከላ "ሃንደበት ክትወድቕ ከም ዝጀመረት" ገሊጻ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት መጋቢት ጀሚራ ንኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ሕክምናዊ ክትትል ከም ዝጸንሐት ዘዘኻኸረ ኣሰልጣኒት ዳዊት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት ሕክምና ምርመራ ልቢ፡ ስነ-ኣእምሮን ካልእ ተዛመድቲ መርመራታት ከም ዝተገብረላን፡ ሕማማ ከም ዘይተፈልጠን ገሊጹ።

"ኣብ እዋን ልምምድ ትወድቕ ነይራ. . .ድሕሪኡ ሓደ ሓደ ግዜ ክሳብ ሓሙሽተ ደቓይቕ ውኒኣ ኣጥፊኣ ትጸንሕ ነይራ፡" ይብል።

እቲ ኣሰልጣኒ ወሲኹ፡ ጠንቂ ሞት የብርጓል ንምፍላጥ መርመራ ይካየድ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ናይ ዓጽሚ ምስንጣቕ ኣጋጢሙዋ ሕክምና ክትገብር ከም ዝጸንሐትን ብድሕሪኡ ብሰንኪ ሕርሲ ካብ ውድድር ከም ዝረሓቐትን ገሊጹ።

ንሳ፡ "ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ማራቶናት ሴኡል፡ በርሊንን ባርሴሎናን ምስ ጎየየት፡ እግራ ስለ ዝሓመመት ንማራቶን ኦታዋ ክትስርዞ ከም ዝተገደደት ጠቒሱ።

ሃንደበታዊ ሞት ኣትሌት የብርጓል መለሰ ስዒቡ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ "መሪር ሓዘን" ከም ዝተሰምዖ ብምግላጽ ንመሓዙታ፣ ፈተውታ፡ ስድርኣን ንመላእ ኣፍቀርቲ ስፖርትን ጽንዓት ተመንዩ።