"ክብረወሰን ማራቶን ለንደን ናብ ኢደይ ክመልሶ እየ" - ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ትዕግስት ኣሰፋ

ትዕግስት ኣሰፋ ኣብ መድረኽ ፍሽኽ ኢላ ትርአ

ምንጪ ስእሊ, London Marathon

መግለጺ ስእሊ, ትዕግስት ኣሰፋ ኣብ ታሪኽ ካልኣይቲ ዝቐልጠፈት ጓል ኣንስተይቲ ጎያዪት ማራቶን እያ
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ሎሚ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝካየድ መበል 46 ውድድር ማራቶን ለንደን እትሳተፍ ኣትሌት ትዕግስት ኣሰፋ፡ ክብረወሰን ዓለም ክትሰብር ከምዝዓለመት ንቢቢሲ ገሊጻ።

ትዕግስት ኣብ ለንደን ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ኣብዚ ውድድር ዳግማይ ክትዕወት ትምኒታ ከምዝዀነ ሓቢራ።

ነቲ ውድድር ጽቡቕ ምድላዋት ከም ዝገበረት ዝገለጸት እታ ኣትሌት፡ "ዳግማይ ብምዕዋት ሓጐስ ክረክብ እደሊ" ኢላ።

ኣብቲ ሎሚ ሰንበት ዝካየድ ውድድር ማራቶን ሓድሽ ክብረወሰን ክምዝገብ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መበል 45 ውድድር ማራቶን ለንደን፡ ትዕግስት ብ2፡15.50 ብምዝዛም ካልኣይ ዝቐልጠፈ ግዜ ኣመዝጊባ።

ቅድሚ ሕጂ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብ ውድድር ማራቶን ለንደን ብምዕዋታ ኣዝያ ከምዝተሓጎሰት ገሊጻ ነይራ።

"ማራቶን ለንደን ዓቢ ውድድር'ዩ። ኣብኡ ሻምፕዮን ምዃን ማለት ድርብ ሻምፕዮን ምዃን'ዩ" ኢላ።

"ኣዝዩ ክብሪን ሓጎስን እዩ ተሰሚዑኒ።"

"ተዓዋቲት ኰይነ ምምጻአይ ብዙሕ ርእሰ ተኣማንነትን ዓቢ ብልጫን ክረክብ ገይሩኒ ኣሎ" ክትብል ድማ ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ ውድድር ክትዕወት ዘለዋ ርእሰ ተኣማንነት ገሊጻ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እታ ኣትሌት ኣብዚ ሎሚ ዝካየድ ማራቶን ከቢድ ውድድር ከምዝገጥማ ይግመት።

ትዕግስት ሓንቲ ካብተን ኣብቲ ውድድር ማራቶን ለንደን ንምዕዋት ቀዳምነት ዝተዋህበን ኣትሌታት እያ።

ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ማራቶን ለንደን ክትሳተፍ ምዃና ኣብ ዘፍለጠትሉ እዋን፡ "ዓሚ ኣብ ውድድር ማራቶን ለንደን ምዕዋተይን ክብረወሰን ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ምምዝጋብን ኣብ ህይወተይ ካብ ዘኹርዓኒ ህሞታት ሓደ እዩ ነይሩ፡ ሎሚ ዓመት ድማ ክደግሞ እምነ" ኢላ ነይራ።

"እዚ ንምግባር ከም በዓል ፔረዝን ሲፋንን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሻምፕዮናት ክስዕር ከም ዘለኒ እፈልጥ እየ። ንዓይ ከበድቲ መወዳድርቲ እየን ነይረን። ሎሚ ዓመት ኣብ ቅድሚት ክወጽእ ተስፋ እገብር" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

ብዓርቢ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ "ዓለም ፍሽኽታይን ሰሓቐይን ትጽበ ምህላዋ ኣምላኽ ስለዝፈልጥ፡ ሓጎሰይ ንስድራይን ኣብ ለንደን ንዝርከቡ ኣፍቀርቲ ስፖርትን ከካፍል እየ" ኢላ።

ኣብ 2016 ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ፡ ትዕግስት ብልዕሊ 2 ደቓይቕ ክብረወሰን ዓለም ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ብምስባር ከምዝተዓወተት ይዝከር።

እታ ኣትሌት፡ ዓሚ ኣብ ውድድር ማራቶን ቺካጎ ብኬንያዊት ሩት ዝተመንጠለቶ ክብረወሰን ክተምልስ ዕላማ ከምዘለዋ እያ ትገልጽ።

"ካብ ሕጂ ንደሓር ዕላማይን ዒላማይን ክብረወሰን ዓለም ምስባር'ዩ" ኢላ።

"ድማ ክፍጽሞ እየ፤ ጻዕራም ሰራሕተኛ እየ። ጽቡቕ ስነ-ምግባርን ጽቡቕ ጥዕናን ሒዘ ምስ ኣምላኸይ ልምምድ ገይረ እየ መጺአ። ነቲ ክብረወሰን ዳግማይ ናባይ ክመልሶ ተስፋ እገብር።"

ንሆላንድ እትጎይይ ሻምፕዮን ማራቶን ኦሎምፒክ ሲፋን ሃሰንን ከምኡ'ውን ኬንያውያን ፐርስ ጀፕቺርቺር፡ ጆይሰሊን ጄብጎስኪን ሄለን ኦብሪን ካብተን ኣብ ለንደን ከቢድ ውድድር ከካይዳ ትጽቢት ዝግበረለን ኣትሌታት እየን።

ትዕግስት ኣሰፋ ቅድሚ ሕጂ ሃገራ ወኪላ ኣብ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለምን ጸወታታት ኦሎምፒክን ተሳቲፋ ብሩር መዳልያ ተዓዊታ እያ።

ኣብ 2024 ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ብ2፡11፡53 ብምዝዛም ክብረወሰን ዓለም ሰይራ ነይራ።