ምኒስተር ዑስማን፡ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዝቕየር ዘሎ ዓለማዊ ስርዓት ግቡእ ቦታኣ ንምሓዝ ክትሓብር ጸዊዑ

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ኣስመራ ምስ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታትን ወከልቲ ሕቡራት ሃገራትን

ምንጪ ስእሊ, MOI

መግለጺ ስእሊ, ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ኣስመራ ምስ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታትን ወከልቲ ሕቡራት ሃገራትን
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብ መዓልቲ ኣፍሪቃ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብዚ ዝቕየር ዘሎ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ግቡእ ቦታኣ ንምሓዝ ብሓባር ክትቀውም ጸዊዑ።

እቲ ምኒስተር ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣፍሪቃውያን ኣብ ኣህጉራዊ ውሳነታት ንድሕሪት ክተርፉ ከም ዘይብሎም ብምግላጽ፡ "ኣፍሪቃ ኣብዚ ዝቕየር ዘሎ ዓለማዊ ስርዓት ብፖለቲካዊ ኮነ ቍጠባዊ መዳይ ክትዓቢ እትኽእል ብሓድነት ጥራይ እዩ፡" ኢሉ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታትን ወከልቲ ሕቡራት ሃገራትን ብምዃን ኣብ ዘዳለዎ ድግስ፡ ምኒስተር ዑስማን ነቲ ሎሚ ዓመት ሕብረት ኣፍሪቃ መሪጽዎ ዘሎ፡ "ንዘላቒ ቀረብ ማይን ውሑስ ኣገልግሎት ረሳሕ ፈሳስን ምርግጋጽ፡" ዝብል መሪሕ ሓሳብ መሰረታዊ ምዃኑ ገሊጹ።

ንሱ፡ ኤርትራ ዋላ እኳ ደረቕን በረኻን ዝበዝሖ ኵነታት ኣየር እንተ'ለዋ፡ ኣብ ምዕቃብን ምምሕዳርን ማይ ዓበይቲ ዓወታት ከም ዘመዝገበት ሓቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ "ዝነጠበት ማይ ናይ ምዕቃብ" መሰረተ-ሓሳብ ተኸቲሉ፡ ሓያሎ ዓበይቲ፡ ማእከሎትን ንኣሽቱን ዲጋታትን ማእከላት ምዕቃብ ማይን ናይ ምህናጽ ስጕምቲ ከም ዝወሰደ ሓቢሩ።

እዚ ጕዕዞ'ዚ ከኣ ዘላቒ ቀረብ ማይ ብውጥንን ብርትዓዊ ኣጠቓቕማን ክረጋገጽ ከም ዝኽእል ዘርኢ ኰይኑ፡ ምስዚ ብምትእስሳር ቀረብ ማይ ምስ ውሑስ ኣገልግሎት ጽሬት ቀጥታዊ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ኣረዲኡ። ንመጻኢ ልምዓት እታ ሃገር ንምስሳን ጽዑቕ ስራሓት ይስራሕ ምህላዉ ድማ ኣገንዚቡ።

ምኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብ መደረኡ፡ እታ ኣህጉር እኹል ሃብቲ እናሃለዋ ክሳብ ሕጂ ብድኽነትን ግጭታትን ትሳቐ ምህላዋ ብምጥቃስ፡ እቲ ዘሎ ናይ ምትእስሳር ደረጃ ውሑድ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ብረት ዝተሓወሶ ተዅስን ግጭታትን ንህይወትን ንብረትን የዕኑ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ እዚ ጸገም'ዚ ብዘተን ብሓባራዊ ስራሕን ክፍታሕ ከም ዝግባእ ኣስሚርሉ። ንሱ ክገልጽ ከሎ፡ "ኣፍሪቃ ካብዚ ጸገም'ዚ ንምውጻእን ሓባራዊ ልምዓት ንምርግጋጽን፡ ነቲ ዘሎ ጭቡጥ ኵነታት ብዕምቈት ክግምግሞን ስትራተጅያዊ መንገድታት ክሕንጽጽን ኣለዎ፡" ኢሉ።

ኣብዚ ሓደስቲ ሓይልታት ዝፍጠርሉን ውድድር ዝውስኸሉን ዘሎ ዓለማዊ ኵነታት፡ ኣፍሪቃ ንጥቕማ ክትከላኸልን ሓባራዊ ዕጫኣ ባዕላ ክትውስንን ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

ኣብዚ ምስሉ ዝቕይር ዘሎ ዓለም፡ ብዘይካ ሓድነት ካልእ ኣማራጺ የሎን ዝበለ እቲ ምኒስተር፡ "ኣፍሪቃውያን ብመንፈስ ሓደ እዮም፤ ሕጂ ግን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ብተግባር ክሓብሩ ይግባእ፡" ብምባል፡ ኵሎም ዜጋታት ኣፍሪቃ ጽሩይ ማይን ውሑስ ኣገልግሎት ጽሬትን ክረኽቡ ዘለዎም መሰል ንምርግጋጽ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ደጊሙ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ምስ ኤርትራ ዘለዎ ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕ ከም ዝተሰማምዐ ዞባዊ ዳይረክተ ናይቲ ውድብ ገሊጹ።

ዞባዊ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ታንዛንያዊ ስፔሻሊስት ሕማማት ልቢ ፕሮፌሰር መሓመድ ያቁብ ጃናቢ፡ ምስ ላዕለዎት ሰብ-ስልጣንን ምኒስተር ጥዕና ኤርትራን ብምዝታይ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ስርዓት ክንክን ጥዕና ንምስሳንን ዓቕሚ ንምህናጽን ዝዓለመ ሃናጺ ዘተ ከም ዝተኻየደ ገሊጹ።

እቲ ዞባዊ ዳይረክተር ኣብ ኤርትራ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ክገብር ቀንዩ።

እቲ ዞባዊ ዳይረክተር ምስ ተለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ቀንዲ ትዅረት እቲ ምትሕግጋዝ ንስርዓት ክንክን ጥዕና ኤርትራ ምሕያል ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ጽኑዕ ስርዓተ ክንክን ጥዕና እንተ'ልዩ፡ እታ ሃገር ዝዀነ ይዅን ሃንደበታዊ ለበዳ ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ስሩዕ ኣገልግሎታ ከይተሰናኸለ ክትከላኸል ትኽእል እያ፡" ኢሉ። እዚ ከኣ ማሕበራዊ ይዅን ቍጠባዊ ኵነታት እታ ሃገር ንምሕላው ዓቢ ሓገዝ ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ።

ምስዚ ብምትእስሳር፡ ሓደጋታት ንምክልኻል ኣቐዲምካ ምድላው ኣገዳሲ ስጕምቲ ምዃኑ ብምሕባር፡ ለበዳ ከይተኸስተ ኣቐዲምካ ምድላው፡ ልክዕ ከምቲ ተዅሲ ከይተጀመረ ዝግበር ወተሃደራዊ ምድላው ዝያዳ ውጽኢታዊ ምዃኑ እቲ ዳይረክተር ኣስሚርሉ።

ዞባዊ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ፕሮፌሰር መሓመድ ያቁብ ጃናቢ ኣብ ጥዕናዊ ትካላት ኤርትራ ዑደት እናኣካየደ

ምንጪ ስእሊ, MOI

መግለጺ ስእሊ, ዞባዊ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ፕሮፌሰር መሓመድ ያቁብ ጃናቢ ኣብ ጥዕናዊ ትካላት ኤርትራ ዑደት እናኣካየደ

ለበዳ ምስ ተኸስተ ተረቢሽካ ካብ ክንዲ ምጕያይ፡ ኣቐዲምካ ምድላው ዝበለጸ መንገዲ ከም ዝዀነን ካብኡ ወጻኢ ካልእ ውጽኢታዊ ኣማራጺከም ዘየሎን ገሊጹ።

በዚ መሰረት፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ምስ ስልጠና ነርሳትን ኣብያተ-ትምህርቲ ሕክምናን ብምዃን ናይ ምስሊ-ልምምድ (simulation exercises) ንምክያድ ከም ዝተሰማምዐ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ ኤርትራ ኣብ ጽላት መድሓኒት ካብ ዘለዋ መሰረተ-ልምዓት ተበጊሳ፡ ናብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ንኽትሳገር ምድላዋት ከም ዝተጀመረ ገሊጹ።

እዚ ጕዕዞ'ዚ ከኣ ኤርትራ እተፍርዮም መድሓኒት ብቕዓቶምን ጽሬቶምን ዓለማዊ ደረጃ ዝሓለወ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኰይኑ፡ "ኤርትራ ነቲ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ መድረኽ እንተ ተጠቒማትሉ፡ መረዳእታታት ንምርካብ ዝያዳ ቐሊል ክዀነላ እዩ፡" ኢሉ። እዚ ዓቢ ስጕምቲ እዚ ንመጻኢ ጕዕዞ ጥዕና እታ ሃገር ዘመሓይሽ እዩ።

እቲ ዞባዊ ዳይረክተር ኣብ መደምደምታኡ፡ ዕላማ ዑደቱ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ቀዳምነታት ንምልላይን ኵሎም ዜጋታት፡ እንተላይ እቶም ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዝነብሩ፡ ማዕረ ኣገልግሎት ጥዕና ክረኽቡ ንምግባርን ምዃኑ ኣረዲኡ።

ንዘርኣይዎ ግሉጽነትን ተቐባልነትን ብምምስጋን፡ "ውድብ ጥዕና ዓለም ብዘይ ከምዚ ዝበለ ግሉጽነት ክዕወት ኣይክእልን እዩ፡" ኢሉ።