ኤርትራን ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃን፡ ስትራተጅያዊ ስምምዓቶም ዳግማይ ኣሐዲሶም

ምንጪ ስእሊ, African Development Bank
ጕጅለ ልኡኽ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ካብ 15 ክሳዕ 17 ምያዝያ 2026 ኣብ ኤርትራ ላዕለዋይ ደረጃ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከም ዘካየደ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታኡ ኣፍሊጡ።
እቲ ዑደት ኣብቲ "ኣብ እምነትን ግብራውነትን" ዝተሰረተ ዝምድና ክልተኦም ወገናት ዘተኰረ ኰይኑ፡ ንቐጻሊ ወፍርታትን ልምዓታዊ ስራሓትን ሓድሽ ምዕራፍ ዝጸረገ ምዃኑ ተገሊጹ።
እቲ ባንክ ልምዓት፡ ኤርትራ ኣብዚ እዋን'ዚ ብሰንኪ ድሩት ዓቕሚ ምምንጫው ጸዓት፡ ከቢድ ናይ ኤለክትሪክሲቲ ቅልውላው ተሕልፍ ከም ዘላ ቅድሚ ሕጂ ጠቒሱ ነይሩ እዩ።
ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ነዚ ብድሆ'ዚ ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ መላእ ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ከም ሓደ ዓቢ ስትራተጅያዊ ዕንቅፋት እዩ ዝርእዮ።
ኣብ ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ "New Deal on Energy for Africa" ብዝብል መደብ፡ ክሳዕ 2030 ንዅሉ ማሕበረሰብ ጸዓት ንምብጻሕ ይሰርሕ ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣብ ኤርትራ፡ እቲ ቀረብ ጸዓት ብመርበብ ካብ ዝተኣሳሰሩ መደበራት ሓይሊ ኤለክትሪክ ሕርጊጎን በለዛን (22 ሜጋ-ዋት ተወሳኺ ዓቕሚ ዝተተኽሎ) ከምኡ'ውን ብነናተን ጀነረይተራት (ከም ተሰነይ፡ ባረንቱን ዓዲቐይሕን) እዩ ኣገልግሎት ዝህብ።
ነዚ ንምቕያር፡ እቲ ልኡኽ "ድሮ ኣገልግሎት ጀሚሩ ዘሎ" ናይ 30 ሜጋ ዋት መመንጨዊ ጸሓያዊ ጸዓት ደቀምሓረ ብኣካል ተዓዚቡ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ተሰነይ፡ ባረንቱን ከርከበትን ሓደስቲ መመንጨውቲ ጸሓያዊ ጸዓት ንምትካል ዘኽእል ስምምዓት ከም ዝተበጽሐ መርበብ ሓበሬታ እቲ ባንክ ኣረጋጊጹ።
እቲ ላዕለዋይ ደረጃ ዝተባህለ ዘተ፡ ኣብ ምምሕያሽ መጓዓዝያን መሰረተ-ልምዓትን ዘተኰረ ምንባሩ'ውን ተሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ባንክ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ መንጎ ምጽዋዕን ተሰነይን ዝዝርጋሕ ኣውራ-ጐደናን ፕሮጀክት ልምዓት ኣገልግሎታት ገማግም ባሕርን ዘሎ ምዕባለታት ገምጊሙ።
እዚ ወፍሪ እዚ፡ ኣካል ናይቲ ባንክ ልምዓት ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዘሰላስሎ ዘሎ "ዞባዊ ናይ ምትእስሳር ስትራተጂ" ኰይኑ፡ ንኤርትራ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ብምትእስሳር፡ ንንግዳዊ ልውውጥን ቍጠባዊ ዕብየትን ክሕግዛ ትጽቢት ይግበር።
እዚ ዑደት፡ እቲ ባንክ ኣብ ኤርትራ ንዓመታት ክሰርሓሎም ዝጸንሑ ፕሮጀክትታት፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ንልዕሊ 24 ኣዋርሕ ተዓንቂፉ ጸኒሑ ዳግማይ ብዝተዓጻጸፈ መንገዲ ዝሰላሰል ዘሎ ፕሮጀክት ምምካት ደርቂ (DRSLP V) ዘጠቓለለ እዩ።
ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ እቲ ባንክ፡ ካብቶም ክህነጹ ዝተወጠኑ 21 ሓጽቢታት፡ ህንጸቶም ተዛዚሞም ንሓረስቶት ኣገልግሎት ዝህቡ ዘለዉ ንኣሽቱ ሓጽቢታትን፡ መንእሰያት ኣብ ትካላት ተክኒካዊ ሞያ (TVET) ዝቐስሙዎ ዘለዉ ስልጠናታትን ብልኡኻት እቲ ባንክ ተበጺሖም እዮም።
እዚ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ፕሮጀክት ምምካት ደርቂ፡ ኣካል ናይቲ ባንክ ልምዓት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ (ከም ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ኬንያን) ንለውጢ ኵነታት ኣየር ንምምካት ዝገብሮ ዘሎ ተመሳሳሊ ወፍርታት እዩ።
እቲ ብዋና ዳይረክተር ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣሌክስ ሙቢሩ ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ምስ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት ከምኡ'ውን ምኒስተር ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ኣቶ ገርግስ ተኽለማርያምን ብምዝታይ፡ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስትን እቲ ባንክን ዘሎ "ልዑል ናይ ስራሕ ተወፋይነት" ዘርኢ ምዃኑ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, AFRICAN DEVELOPMENT BANK
ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ምስ ትካላት ሕቡራት ሃገራት (UNDP, UNICEF, IFAD) ብምትሕብባር፡ ኣብ ኤርትራ ዝካየዱ ዘለዉ ወፍርታት ንሃገራዊ ኵነታት እታ ሃገር ዘማእከሉን ውጽኢታውያንን ንክዀኑ ቀጻሊ ድጋፍ ከም ዝገብር ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ንምልዋጥ "High 5s" (ሓሙሽተ ዓበይቲ ተልእኾታት) ዝተሰምዩ ስትራተጅያውያን መትከላት ሓንጺጹ ይሰርሕ ኣሎ።
እቶም ቀዳሞት ሰለስተ ተልእኾታት፡ ንኣፍሪቃ ብተተካኢ ጸዓት ክትበርህ ምግባር፡ ዘተኣማምን ውሕስነት መግቢ ብምርግጋጽ ኣፍሪቃውያን ክምገቡ ምግባር፡ ከምኡ'ውን ቍጠባዊ ዕብየት ንምቅልጣፍ ንጽላት ኢንዱስትሪ ምስፋሕ ዝብሉ እዮም።
እዚ ድማ ካብቲ ዝተለምደ ናይ ረድኤት ኣተሓሳስባ ወጺኡ፡ ኣፍሪቃውያን ብዓቕሞም ጸዓት ዘመንጭውሉን ንመግቢ ዝኸውን ፍርያት ብብዝሒ ዘፍርይሉን ባይታ ንምጥጣሕ ዝዓለመ እዩ።
እቶም ዝተረፉ ክልተ ተልእኾታት ድማ ንኣፍሪቃውያን ብመሰረተ-ልምዓትን ንግድን ምትእስሳር፣ ከምኡ'ውን ብሓፈሻኡ ዓይነት መንብሮ ህዝቢ ኣፍሪቃ ምምሕያሽ ዝብሉ እዮም።
እዞም መደባት እዚኦም፡ ዶባት ሰጊርካ ብሓባር ብምስራሕን ኣብ ጽላታት ትምህርትን ጥዕናን ከምኡ'ውን ምፍጣር ዕድላት ስራሕ ንመንእሰያት ብምትኳር፡ ነባሪ ሰላምን ብልጽግናን ንምስፋን ዘተኰሩ እዮም።
ብሓፈሻኡ እዞም ሓሙሽተ ተልእኾታት፡ ሕቡራት ሃገራት ንዝሓንጸጾ ዘየባትኽ ልምዓታዊ ሸቶታት (SDGs) ኣብ ኣፍሪቃ ንምትግባር ከም ቀንዲ ሞተር ኰይኖም ዘገልግሉ እዮም።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


