ኣብ ትግራይ ምስ ካልኦት ክልላት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን መረፃ ኣይካየድን- ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ


ዋና ኣካቢድ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሜላት ወርቅ ሃይሉ

ምንጪ ስእሊ, National Election Board of Ethiopia

መግለጺ ስእሊ, ዋና ኣካቢድ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሜላት ወርቅ ሃይሉ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ መላእ ሃገር ሰኑይ 24 ጉንበት 2018 ዓ.ም ኣብ ዝግበር ሃገራዊ መረፃ፡ ኣብ ትግራይ ምስ ካልኦት ክልላት ብሓደ፡ መረፃ ከም ዘይካየድ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣምሓራ ካብ ዝርከቡ 138 ክልላት መረፃ ድማ ኣብቶም ሸሞንተ ከም ዘይካየድ እቲ ቦርድ ገሊፁ።

እቲ ቦርድ ብሰሉስ 18 ጉንበት 2018 ዓ.ም. ኢትዮጵያ፡ ስራሕቲ ቅድሚ መረፃን ድምፂ ዝወሃበሉ መዓልትን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ ኣብ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ብጠቕላላ ኣብ 46 ክልላት (ጣብያታት) መረፃ ከም ዘይካየድ ወግዓዊ ገይሩ።

ኣዶወንበር (ዋና ኣካቢት) እቲ ቦርድ ሜላት ወርቅ ሃይሉ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ 38 ናቑጣታት መረፃ፡ ኣብ ክልል ኣማሓራ ድማ ኣብ ሸሞንተ ጣብያታት መረፃ ኣይካየድን ኢላ።

ደቡብን ምዕራብን ጎንደር፣ ኣምባሰልን ኣብ ደጋ ዳሞት ዝርከቡ ጣብያታትን፡ ድምፂ መረፃ ዘይወሃበሎም ከባቢታት እቲ ክልል ከም ዝኾኑ ሓቢራ።

ወይዘሮ ሜላት ወርቅ፡ እቶም ምሃብ ድምፂ ዘይካየደሎም ሸሞንተ ክልላት መረፃ፡ ኣብ መፃኢ ከም ዝመርፁ እኳ እንተተዛረበት፡ መዓዝ ዝብል ግና ኣየነፀረትን።

ሽድሽተ ውድባት ፖለቲካ ካብ ሻብዓይ ሃገራዊ መረፃ ካብ ውድድር ወፃኢ ከም ዝኾኑን፡ 42 ውድባት ድምፂ መረፅቲ ንምርካብ ከም ዝነሓንሑን ተዛሪባ።

ካብቶም ኣብዚ መረፃ ዘይወዳደሩ ሰለስተ ውድባት፡ ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ውድባት ፖለቲካ ዲሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ- ስምረት፣ ቃንጪ ሓቂን ትንሳኤ ሰብዓ እንደርታን ከም ዝኾኑ'ውን ገሊፃ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፌደራሊስት ፓርቲ ሲዳማ-ሲፌፓ፣ ምንቅስቓስ ነፃነት ህዝብታት ጋምቤላ-ጋህነን'ውን ኣይክወዳደሩን።

ልዕሊ 10 ሽሕን 400 ሕፁያት ከም ዝተመዝገቡ ዝሓበረት ኣካቢት እቲ ቦርድ ሜላት ወርቅ፡ ካብ ትሽዓተ ውድባት ብመሰረት ዝተቐመጠሎም ግዘ ገደብ ንምምዝጋብ ዘድልይ ረቛሒ ብዘይምምልኦም፡ 80 ሕፁያት ተነፂጎም ኢላ።

ይኹን'ምበር፡ ናይ ኢትዮጵያ ሶሻል ዲሞክራቲክ (ኢሶዴፓ)፡ "309 ሕፁያት ካብ መረፃ ወፃኢ ኮይኖም" ይብል ኣሎ፡ ዝተነፀጉ ሕፁያት ብኸመይ 80 ጥራሕ ኰይኖም ዝብል ሕቶ ቀሪቡላ።

እቶም 80 ሕፁያት ዝተነፀጉ ዘየማለእዎ ረቛሕታት ንከማልኡ ብመሰረት ዝተውሃቦም ግዘ ብዘይምምልኦም ከም ዝኾነ ኣረዲኣ።

ናይ ኢትዮጵያ ሶሻል ዲሞክራቲክ (ኢሶዴፓ) ሕፁያት ግና፡ ተመዝጊቦም ወረቐት ምስክር ምስ ረኸቡ፡ ብውሳነ ቤት-ፍርዲ ካብቲ ውድድር ወፃኢ ኰይኖም።

እዚ ሰፊሕ ኣፈላላይ ኣለዎ፤ 80ን 309ን ሕፁያት ካብ ውድድር ወፃኢ ዝኾንሉ ምኽንያት ከም ዘይራኸብ ገሊፃ።

ካብ ናይ ውሽጢ ሃገር ተዓዘብቲ ብተወሳኺ ሕብረት ኣፍሪቃን በየነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ-ኢጋድን ነቲ መረፃ ከም ዝዕዘብዎ ተዛሪባ።

ቦርድ መረፃ ተወሳኺ ባጀት ከም ዝሓተተ ተገሊፁ ነይሩ። ዝሓተቶ ተወሳኺ ባጀት ከም ዝተፈቐደሉ እታ ኣካቢት ኣፍሊጣ።

እቲ ቦርድ፡ ኣብ ምዝገባ መረፅቲ ፀገም ኣብ ዝተርኣየሎም ክልላት መረፃ፡ እቲ ምዝገባ ክስረዝ ከም ዝገበረ'ውን ገሊፃ።

"ምዝገባ እናተኻየደ እንከሎ ብዝመፅኡ ጥቆማታት መሰረት፡ እቲ ቦርድ ናይ ባዕሉ ክትትል ክገብር ፀኒሑ'ዩ" ኢላ።

እቲ ቦርድ፡ ፀገም ኣለዎም ብዛዕባ ዝተብሃሉ ክልላት መረፃ ብተንቀሳቓሲ ምስልን ብወረቐትን ዝተደገፈ መረዳእታ መሰረት ብምግባር፡ ነቲ ምዝገባ ከም ዝሰረዞ ኣፍሊጣ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ጣብያ መረፃ ግምጃ ቤት፣ ኣብ ክልል ሶማሌ ጣብያ መረፃ ሰገን፣ ኣብ ኦሮሚያን ቤንሻንጉልን ሓደ ሓደ ጣብያታት መረፃ፡ ምዝገባ ካብ ዝተሰረዘሎም ከባቢታት ከም ዝኾኑ ተዛሪባ።

ኣብ ዝቕፅል ሰኑይ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ፡ መረፅቲ ንኣብያተ ምኽሪ ክልልን ንቤት-ምኽሪ ተወከልቲ ህዝብን ወከልቶም ክመርፁ እዮም።